ብኣማኻሪ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ የማነ ገብርኣብ ኣብ ሽወደን ብዝመደበሮም ደሞክራሲያዉንን ደለይቲ ፍትሕን ርሱን ተቓዉሞ ኣጋጢምዎ፡፡

ዸሞንየማነ ገብርኣብ ክሃርምዎ ደልዮም ብምባል እዉን ናብ ኣዳራሽ ኣኼባ ምእታዉ ዝተኸልከሉ ዜጋታት ከም ዘሎዉ ተፈሊጡ።
ኣብ ሽወደን ዝምደበሮም ሲቪላዊን ፖለቲካዉን ምንቅስቓሳትን ነጻ ዜጋታትን ብሓባር ኮይኖም ዝወደብዎ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ኣፍደገ ናይቲ ንፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ ተባሂሉ ብሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ የማነ ገብረኣብ ዝተኻየደ ስሚናር ስርዓት ህግደፍ ብኣዝዩ ዝተዋሃህደ ኣወዳድባ ዉዕዉዕ ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ ድሕሪ ምክያዱ ሎሚ 1 ግንቦት 2011 ቅድሚ ቁሩብ ደቓይቕ ተዛዚሙ፡፡

እቲ ዝተኻየደ ናይ ተቓዉሞ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ሓጺር ግዜ ተሰናዲኡ ከብቅዕ ብዘገርም ተሳትፎ መንእሰያት፥ ደቂ-ኣንስትዮን ካልኦት ሃገራዉያንን ቁጠዐን ወጽዓ ህዝቢ ኤርትራን ብዘንጸባርቑ ጭርሖታት፤ ግጥምታት፤ መደረታትን ደርፍታትን ብመጉልሒ ድምጺ ኣቢሉ ናብ ተረርቲ ልቢ ኣኼባ ህግደፋዉያንን ሓለቖኦምን ብምቅላሕ፡ ብድሙቕ ኣገባብ ዉዕዉዕ ሰልፊ ተቓዉሞ ከምዝነበረ ሓደ ካብቶም ወደብቲ’ዚ ናይ ሎሚ ዉዕሎ ዝኾነ ኣቦ-ወንበር ጽላል ደሞክራሲያዉን ሃገራዉያን ሓይልታት ኣብ ሽወደን፡ መንእሰይ ፍስሃየ ሓጎስ ብተሌፎን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ኣብቲ ብቓንቋታት ሽወደንን ትግርኛን ዓረብኛን ተሰናዲኡ ዝቐረበ ጭርሖታትን መደረታትን ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ዕስራ ዓመት ህግደፍን ተሓባበርቶምን ጥራይ ዝዓንደርሉ ነጻነት ሃገር መላእ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ከቢድ ጸበባ ስደትን ሞትን ማእሰርትን ህያቡ ኾይኑ ከምዝጸንሐን ዘሎን ድሕሪ ምጥቃስ ኩሎም ሃገራዉያን ሓይልታት ፍልልያቶም ከም ካልኣይ ሰሪዖም ሃገርናን ህዝብናን ካብ ሰብ በላዕ ህግደፍን ደገፍቱን ከድሕን ዝጽዉዕ ከምዝነበረ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ሰለማዊ ሰልፊ ብርክት ዝበሉ ልኡኻት ማዕከናት ዜና ሽወደን  ተረኺቦም ዜናዊ ስነዳ እቲ ሰልፊ ኣካይዶም፡፡ ብዘይካ እዚ ብመሰረት ሓበሬታ ሓዉና ፍስሃየ ሓጎስ ካብ ተሳተፍቲ እቲ  ሰለማዊ ሰልፊ ዝኾኑ  ደሞክራሲያዉያን ኣሕዋትን ኣሓትን እዉን ናብቲ ልኡኽ ህግደፍ ዘካይዶ ዝነበረ ሰሚናር ኣትዮም ነቲ ባዓል መዚ ህግደፍ ንምዉጥሩን ሓሶታቱ ንምቅላዕን ኣብቲ ኣዳራሽ ከምዝነበሩ ሓቢሩ፡፡ ህግደፍ መርኣያ ዉጥረቶምን ፍርሖምን ዘመልክት ተርእዮ ንገለ ዜጋታት ኣብ ልዕሊ የማነ ገብርኣብ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ከዉርዱ ይኽእሉ እዮም ዝበልዎም ዜጋታት ኣብቲ ሰሚናር ከይኣትዉ ከምዝኸልከልዎም እዉን ክፍለጥ ተኻኢሉ እዩ፡፡

እዚ ዉዕዉዕ ሰለማዊ ሰልፊ ተጀሚሩ ስጋብ ዝዉድእ ከምቲ ልሙድ ብስነ-ስርዓት እዱብ ስነ-ምግባርን ናይ ተሳተፍቲ ኣብ ዝተመደበሉ ሰዓት ከምዝተዛዘመ ካብቲ መንእሰይ ፍስሃየ ዝሃቦ ሓበሬታ ምርዳእ ተኻኢሉ፡፡

መሓሪ ኣብርሃም

ሽወደን

 


Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>