ይኣክል! ኣማን ብኣማን – ብ ሰሎሙን ገብረእየሱስ

enoughይኣክል እወ በቃ! ደጊም ፍትሒ፡ ሰላምን ራህዋን ንህዝቢ ኤርትራ። ይገርም’ዩ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ኣብ ከምዚ ቦታ ወይ ከተማ ኣንጻር ህግደፍ ሰላማዊ ሰልፊ ተጌሩ ሰሚዕካ ክንደይ ሰብ ከምዝተሳተፎ ንኽትዕዘብ ስእልታት ሰልፊ ክትርእይ ትህንደድ። እቲ ስእሊ ግና ከምቲ ዝተጸበኻዮ ስለዘይጸንሓካ ኣዚኻ ትሓዝንን ትስከፍን።


እምበርዶኸ እዚ መድረኽ ክስገርዩ ኢልካ መልሲ ንዘይትረኽበሉ ንነብስኻ ትሓታ። ሓቀኛ ተቓላሳይ፡ ቃልሲ ብኽልተ ዘይኮነስ ብሓደ ከምዝጅመር ክፈልጥ ስለዘሎዎ ግና ከይፈተኻ ስጋብ ዓወት ጽንዓት ኢልካ ስንኻ ነኺስካ ትቕጽል። እንሆ ድማ ቃልሲ ውሑዳት በርሃውሃው ኢሉ፡ እታ ቁልዒ ኣንጻር ህግደፍ ሃልሃል ኢላ ካብቶም ቀደም ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ዝውዕሉ ዝነበሩ ሰባት ሎሚ ሰላማዊ ሰልፊ ዝግበረለን ከተማታት በዚሔን ይርከባ። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ጥራይ ኣብ ኩሉ ክፍላተ ዓለም ኤርትራዊ ብሓደ ድምጺ ይኣክል! ህግደፍ ያላ ዓድና ግደፍ ክብል ጨዲሩን ነዲሩን። ሓቀኛ ቃልሲ ውዒሉ ሓዲሩ ከምዝዕወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራን፡ ነቶም ኣብ ዘመን ውቤ ዘይኮነስ ኣብ ክፍለ ዘመን ዕስራን ሓደን ዝጸመሙ ቲፎዞ ኢሰያስ’ውን ተጋሂዱሎም’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ካብቲ ቁጽሪ ሰላማዊ ሰልፈኛታት ኣንጻር ውልቀ መላኺ፡ ቁጽሪ እቶም ነቶም ሰልፈኛታት ከፈራርሑ ዝስእሉን ቪድዮ ዝቐርጹን ወይጦታት ከደምቲ ህግደፍ ይበዝሕ ኔሩ። ሕጂ ግና ኣይግድን። ቲፋኖስ ጸላም ከብዲ ሓሚሙ ካብ ጉሩም ሰብኣይ ናብ ኣረጊት ጋውና ተቐይሩ። እቶም ካብ ዓይኒ መርፍእ ዝጸብብ ኣእምሮ ዝውንኑ ሰዓብቱ ድማ ከም ኣረጊት ዕቡድ ከልቢ ኣብ ጠርዚ ኮይኖም ኣንቅዓ ምስትንፋስን ምልዛይን ኮይኖም ይርከቡ። ቲፋኖስ ብሳንቡእ ጀነራላትን ኮረኔላትን ስጋብ ሕጂ ኣስተንፊሱ እዩ። ድሕሪ ደጊም ናይ ተኣምራት ሳናቡእ ረኺቡ እንተዘየተንፊሱ መስተንፈሲ ሳናቡእ የብሉን። ቲፋኖስ ከምቶም ዝሓለፉ ጊዜኡ ኣኺላ ኣድዮስ ይብል ኣሎ። ኣመንቲ ትምቢተ ኢሰያስ ንህዝቢ ኤርትራ ንሓምሳ ዓመት ጨፍሊቕካ ስልጣን ንኣብርሃም ኢሰያስ ምርካብ ተጎሪሽዎም። ሓሻካ ኣብርሃም ኢሰያስ ኣብ ንኡስ ዕድሜኡ ዕጫ ጀማል ወዲ ሙባረክን ሰይፍ ኣል እስላም ወዲ ቀዛፍን የንጸላልዎ’ሎ።

እቲ ንመሰሉ ከምቲ ዝግብኦ ኣይቃለስን’ዩ ተባሂሉ ክሲ ዝበዝሖ መንእሰይ ሓድሽ ወለዶ ዋላ’ኳ ብዙሕ ይተርፎ እንተኾነ ኣብታ ናይ ቃልሲ መርከብ ክስቀል ጀሚሩ ኣሎ። እቲ ዝበዝሕ ዘይተሰቕለው’ን ቲኬት መሳፈሪ ገዚኡ ኣብ ተዳሎ እዩ ዘሎ። ብኤርትራውያን መንእሰያት ዝተባሕተ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ቡዙሓት ከተማታት ዓለም ክሰላሰል ምስ እትሪኢ ደጊም መንእሰይ ኤርትራ ወናኒ መጻኢ ዕድሉ ክኸውን እዩ ዝብል ተስፋ ይዓስለካ። መንእሰያት ኤርትራ ካብ ሽመልባ ጀሚርካ ስጋብ ኣሜሪካ ኩሎም ሓደ እዩ ድምጾም “ይኣክል” እወ ይኣክል ንውልቀ ምልኪ ኢሎም ልዕልና ሕጊ ንክተኽሉ ተበጊሶም ይርከቡ። ስእሊ ቲፋኖስ ክቃጸል ሪእናዮ፡ ኢንሻላህ ብሂወቱ ዝቃጸለላ ሰዓትውን እንዳቐረበት’ያ ትመጽእ ዘላ። እቶም ከብዶም ሓቍፎም ነታ መዓልቲ ዝጽበይዋ ዘለው ደገፍቲ ህግደፍ ክከላኸልሉ ኣብዘይክእልሉ ደረጃ ወዲቖም ይርከቡ። ወረግ ገሊኦምሲ ፖለቲካ ኔው በሎ ክብሉ ይውዕሉ ኣለው። ግርምባ “ዝኣኽለካ ጢሕንካስ በኣለማርያም”።

እታ ናይ መወዳእታ ከም ሓይሊ ማይ ሽኮር ኮይና ንሒደት ዓመታት ዘገልገለት ውዲት ጸረ ሓድነት ጊዜኣ ኣብቂዑ። ደጊም ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ኤርትራ ኣትዩ ክፈላሊ ዝፍትን ዘርኢ ክርዳድ ፍርዱ ሞት ክናና እዩ። ንዓና ንኤርትራውያን ግርህነትና መዝሚዙ ንግዚኡ ይፍትን  እምበር ንሓዋሩ ክፈላልየና ዝኽእል ሓይሊ ከንቱ ትማሊ ኣይነበረን፡ ሎሚ የልቦን፡ ጽባሕውን ኣይክህሉን እዩ። መታሕትና ከበሳና፡ ኣስላምና ክርስትያንና፡ ደቂ ኣንስትዮና ደቂ ተባዕትዮና ኩልና ብሄራት ሓደ’ዩ ባህግና። ህግደፍ ዘይብላ ፍትሓውነትን ዲሞክራስን ዝዓሰላ ኤርትራ። እወ ንሕናውን ከምቶም ቀዳሞት ኣቦታትናን ኣቦሓጎታትናን ካብ ህዝቢ ብህዝቢ ናብ ህዝቢ ዝመለለይኣ፡ ኤርትራ ንኤርትራውያን ንብል ኣለና።

ሕብሪ ኣልቦ ህግደፍ ንዓና ንኤርትራውያን መን ኮይኑ ደኣ’ዩ ብጫ፡ ቀይሕ ቀጠልያ ኢሉ ክፈላልየና ዝፍትን። ንሕና ብጫ ኣይኮንና፡ ቀይሕ ኣይኮንና፡ ቀጠልያ ኣይኮንና ደቂ ኤረይ ጻዕዳ ኢና። ውልቀ መላኽን መጋበርያታቱን ድማ ሰብ ጸሊም ታሪኽን ሰብ ጸሊም ልብን እዮም። እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ፍልልይ ድማ ኣብ ሞንጎ ጻዕዳ ዝልቡ ሕዝብን ጸሊም ልቢ ሒዙ ከጽንተና ዝነቐለ ህግደፍን እዩ። እቲ ነዞም ኣብ ሓደ ደቒቕ ህይወቶም ዝሰኣኑ ኣስታት 400 ኣሕዋትናን ኣሓትናን ባሳጆ እዮም ከይዶም ኢሉ ንዝሕጭጭ ጋውና፡ ብሓደ ድምጺ ኣቦታትካ እዮም ናብ ኤርትራ ባሳጆ መጺኦም ንበሎ።

ዕስራ ዓመት ህዝብና ብፍላይ መንእሰያት ኤርትራ ኣደዳ መቕዘፍቲ፡ ማእሰርቲ፡ ዘይውዳእ ዕስክርናን ስደትን ኮይኖም ይርከቡ። እቲ ብህዝቢ ዓለም ኮነ ብጎረባብትና ዝነበረና ክብሪ ተመንጢልና መስሓቕ ሸራፋት ኮይንና ንርከብ። ንሕና ኤርትራውያን መለልይና ሓርበኝነትን ጅግንነትን ከምዘይነበረ ሕጂ ሰባት ንሓደ ውልቀ መላኺ ምዃን ሲኢንኩም እንኩብሉኻስ ከመይ መዓንጣ ከብድኻ የሕርር። መንእሰያትና ኣብ ዓዲ ናብራ ከም ዓንዴል መሪርዎም ናብ ስደት እንተቕንዑ መጻወቲ ሸፋቱ ሲናይ ይኾኑ ኣለው። እዚ ኩሉ መጀመርታን መወዳእታን ዘይብሉ ስቓይ ግና ኣምንቲ ምንታይ ምስ እትብል መልሱ ዘኢትነገር እዩ።

ናይቲ ስርዓት ንዕቀትን ዕንደራን ኣብ ልዕሊ ንጹህ ህዝብና ከይኣክል ናይ’ዞም ዓዲ ማዕቢላ ጽርግያ ብጽርግያ ኮይና እንዳበሉ ዝዋጥዩን መበል ዕስራ ዓመት በዓል ናጽነት ከነብዕል ኢሎም ንህግደፍ ከሻድኑን ንኤርትራ ዝገሹ ዘለው ዘይሰብ ሕልና ይገርመካ። ምዃንካ ሎሚ ወይጦታት ህግደፍ ኣብ ስደት ሰብ ፈንፊኑዎም ስነ ኣእሙሮኣዊ ተነጽሎ ስለዝወረዶም እቲ እንኮ ዘለዎም ኣማራጺ ኣብታ ንብረት ህግደፍ ኮይና ዘላ ኤርትራ ኬድካ ምስ ዘይፈልጠካ ህዝቢ ተመሳሲልካ ምውዓል እዩ። እቶም ዝበዝሑ ንበዓል ናጽነት ኣመኽንዮም ናብ ኤርትራ ዝገሹ ሰባት ጉዳይ ናጽነት ዓዚዝዎም ኣይኮኑን። ምኽንያቱ መሳትኦም ናጽነት ከምጽኡ ንበረኻ እንክወጹ እኮ ንሳቶም ናብ ስደት ኤውሮጳን ኣሜሪካን እዮም መሪጾም። ናብ ኤርትራ ቱስ ቱስ መበሊኦም ድማ ካብ ኣንስቶምን ደቆምን ተሓቢኦም ምስተን ብሰንኪ ስእነት ኣብዘይምርጭኤን ዝወደቓ ደቆም ወይ ድማ ደቂ ደቆም ክኾና ዝኽእላ መሳኪን ኣሓትና ብሓይሊ ገንዘብ ክጻወቱለን እዮም ዝኸዱ ዘለው።

እምበኣርከስ ህግደፍን ወይጦታቶምን ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ጽባሕ ይቕረ ዘይበሃሎ በደል እንክፍጽሙ ንሕና ደለይቲ ፍትሕን ደሞክራስን ኣብ ስደት እንርከብ ኤርትራውያን ብሓደ ድምጺ “ይኣክል” ኢልና ቃል ውጹዓት ከነቃልሕ ተዳሊና ንርከብ። እቲ ክሳድ ህግደፍ ኣድኒኑ ዓወት ንውጹዕ ህዝብ ኤርትራ ኢሉ ዝሓነነ ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ቤይ ኤርያ ኣብታ ምጭውቲ ከተማ ሳን ፍራንሲስኮ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ንዕለት 27 ግንቦት 2011 ኣዳልዩ ይርከብ። ከምእውን እቲ ሃገርና እትደልዮ ለውጢ ዝመጽእ ብሓያል ተሳታፍነት መንእሰያት ጥራይ ስለዝኾነ ካብ መንእሰይ ናብ መንእስይ ዘቕነዐ ስይምፖዝየም እውን ኣዳልዩ ይጽበየኩም ኣሎ። እዚ ንሰለስተ ማዓልቲ ዝቕጽል ብባህላዊ መደባት ዝተሰነየ በዓል ሓያለይ ተቓለስቲ ንለውጢ ብጾት ካብ ምዕራባዊ ዞባ ኣሜሪካ ማለት ካብ ላስ ቬጋስ፡ ሳን ዴየጎ፡ ሎስ ኣንጀሎስ፡ ዳላስ፡ ህዩስተን ናሽቪልን ካልኦት ከተማታትን ከም ዝሳተፍዎ ዛጊት ተረጋጊጹ ኣሎ። ኣብ ቤይ ኤርያ ዘለና ኩሉና ኤርትራውያን ሰብኣይና ሰበይትና ደቅና ሒዝና ክንሳተፍ ግቡእናን ግዴታናን ምኻኑ ክንፈልጥ ይግባእ።

ደጊም ኣብ ገጹ ማስኬራ ዝወዲ መጋበርያ ህግደፍ እምበር ህዝብን መንእሰያት ኤርትራን ኣይኮኑን። ኣብዚ ኣብ ሳን ፍራንሲስኮ፡ ዋሺንግቶን ዲሲ፡ ሎንዶን፡ ብራስልስ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝግበሩ ሰላማዊ ሰልፍታት ክትሳተፉን እቶም ኣብ ካልኦት ከተማታት ትቕመጡ ድማ ተመሳሳሊ ሰላማዊ ሰልፊ ንኽትገብሩ ድምጺ ውጹዓት የቃልሕ ኣሎ። ህዝብና ንዝሕልፎ ዘሎ መበል 20 ዓመት ሕሰምን መከራን ከምቲ ኣዴታትናን ኣቦታትናን ንሓዘን ብጸሊም ክዳን ዝገልጽዎ፡ ንሕና ሰልፈኛታት ሳን ፍራንሲስኮ ድማ ጸሊም ይኣክል ዝብል ኣርማ ዘለዎ ካናቴራ ለቢስና ድምጽና ንኸነስምዕ ምድላዋትና ወዲእና ንርከብ።

ኤርትራና ንሓርበኛ ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ሓርበኛ ኣቦና ኢብራሂም ሱልጣን፡ ስውእ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ዝወለደት ሃገር፡ ሰላማዊ ሰልፊ ወጺኡ ምረታ ዝነግር ውልድን ውላድን ከምዘለዋ ሃየ ንህግደፍ ነበስሮም። ኣብ ግንባር ጊንዳዕ ካብ ሓጺን ንላዕሊ ከም ዝተርር ንዓለም ዘስተምሃረ፡ ቅያ ዓዲ ሽሩም ኣብ ታሪኽ ዝወቀረ፡ ካብ ዕዳጋ ተበጊሱ ብማእከል ሓዊ ስጋለት ሰንጢቑ ጥዋለት ዝርኣይ ጅግና ዝወለድት መሬት ሎሚ ከምዚ ኮይና ክትተርፍ ሃየንታ ኣለዎ። እሞ ኣብዛ ዕለት እዚኣ ስራሕ ኣለኒ፡ ቆጸራ ረኺበ፡ ጋሻ መጺኑ፡ ቦታ ጠፊኡኒ ወዘተ ቀምሽ ኣደይ ዓንቂፉኒ ምባል ቅቡል ዘይምዃኑ ክንፈልጥ ይግባእ። ኣብዚ እዋን ድማ እንዳፈለጥካ ከምዘይፈለጥካ ምኻድ ምስ ህግደፍ ካብ ምትሕብባር ከምዘይፍለ ክበርህ ኣለዎ። 2011 ዓ.ም. ንህግደፍን ውልቀ መላኺ ኢሰያስን ኦሮማይ ንብለላ ዓመት ክትከውን ሰብ ሙሉእ ተስፋ ይግበረና።

ይኣክል ጭቆና! ይኣክል ስደት! ይኣክል ሞት ንጹሃት!

ውድቀት ንውልቀ መላኽን መጋበርያታቱን!

ሰሎሙን ገብረእየሱስ

ኣባል ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ

ኦክላንድ ካሊፎርንያ

VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0.0/5 (0 votes cast)
VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0 (from 0 votes)

What do you think?

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>