እቲ ተመን —-
ተመን’ወ አራዊት መሮር
መርዛም ክንሱ ርጉም ተንኮለኛ
ርግበሰለሙን ክመስል ምህቃኑ
እቲ ዝብኢ…..
ዝብኢ በረኻወ መንጣሊ ደጸም
ንስስዒዑ ሓቢኡ ጎልቢቡ
ምስ አድገ በቕሊ ክዋሰብ ምፈታኑ
እቲ ዓሳ….
ዓሳ ማያት ፈጥረት ጨዋም ባሕሪ
ንባህሪኡ ዘንጊዑ ረሲዑ
አብ ዘንድድ ረመጽ ክነብር ምሕላኑ
እንድዒ…..
ፍጹም ሕብሪ አልቦ ሓበጀረዋይ ኮይኑ
ረፋድ ጸሓይ ብራቕ ጸላም ተኸዲኑ
ዕፉን ብሽፉኑ ስቕ ደሞ ክንብሎ
ማይ ንዓቐብ ዛርዩ ዘበን ተገምጥሎ
ኣብቲ ሓዘን ኣብቲ መሪር ሞት
ኣብክንዲ ዝብከ ዝእወ ዝቚዘም
ጸጉሪ ርእሲ ዝንጽነጽ ዝድርመም
እስክተሽም ክበሀል ክስዕሳዕ ክድበል
ኣብቲ መርዓ አብቲ ምሉእ ሓጎስ ደስደስ
ኣብክንዲ ከበሮ ዝህረም ዝድሰቕ
ወንኻ ትሰድድ ክሳብ ኢድ ዝምለጥ
ወ…..የ ክብሀል ብዓዉታ ክብከ ክልቀስ
እንደዒ……
ከፊኡ’ዚ ግዜ ተገምጥሎ ኮይኑ
ስቕታ ተዋሒጡ ኩሉ ርእሱ አድኒኑ
አብ ጽጉብ ክራማት ዋና ተሰዲዱ
ክርዳድ ገዛ ኣርባዓ መንጒዱ ሰዊዱ
በሉ…………. በሉ…………
ይኣክል ምህለላ ማሀረነ እግዚዩ
ኣብ ገምገም’ዩ ዘሎ ይጽደፍ ንድፈአዩ
ሞት ክናና ይሙት ብደርባ ይጨፍጨፍ
ትልሚ ዘርኢ ክርዳድ ይቀበር ህ.ግ.ደ.ፍ
ሚካኤል እምባየ (ኣራንቺ)
05/2011