ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ማእከላይ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣጋጢሙ።

earthquackሎሚ ሰንበት 12 ሰነ 2011 ኣጋ ምሸት ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ማእከላይ ዓቐን ማለት 5.7 ሬክተር ስኬል ዝመጠኑ ተኸታታሊ ምንቅጥቃጥ መሬት ከምዘጋጠመ BNO NEWS ሓቢሩ።

እቲ ብናይ ኤርትራ ኣቋጻጽራ ሰዓት 6.37 ኣጋ ምሸት ዝጀመረ ናይ 10 ኪሎ ሜተር ዕምቆት ዝነበሮ ምንቅጥቃጥ መሬት፡ ካብ ወደብ ዓሰብ 128 ኪሎሜተር ብወገን ምዕራብ ናይ ሰሜናዊ ምዕራብ እዩ ኣጋጢሙ።  ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰዓትን ፈረቓን ካልኦት ተኸታተልቲ 7 ፈኮስቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ከምዝሰዓቡዎ ድማ እቲ ሓበሬታ የረድእ።

ንዝበጽሐ ጉድኣት ብዝምልከት ካብቲ ዞባ ዝተረኽበ ጸብጻብ ኳ እንተዘየለ፡ ትካል ዳህሳስ ስነ-መሬት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣስታት 18 ሽሕ ህዝቢ ናይቲ ከባቢ ማእከላይ መጠን ዝነበሮ ምንቅጥቃጥ ተፈሊጡዎ ክኸውን ከምዝኽእል ኣገንዚቡ።  ካልእ 3.6 ሚልዮን ህዝቢ ፈኵስ ምንቅጥቃጥ ተፈሊጡዎ ከኸውን ከምዝእል ውን ይእምት።

ኣብ ኣፍሪቃ ማእከላይ መጠን ዘለዎም ምንቅጥቃጥ መሬት ሳሕቲ ከምዘጋጥሙ ብምጥቃስ፡ ብ 20 ሓምለ 1884 ኣብ ባጽዕ ዘጋጠመ 6.2 ሬክተር ስኬል ዝነበሮ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ መሬት ሓያለ ኣባይቲ ናይታ ወደባዊት ከተማ ኣዕንዩ ከምዝነበረ እቲ ጸብጻብ የመልክት።


Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>