ነጻ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ኦስሎን ከባቢኣን ዝኽሪ ሰማእታት ኣካይዱ።

EritreaninOsloነጻ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ኣብ ኦስሎን ከባቢኣን” ብዕለት 11.06.2011 በዓል ናጽነት፣ ዝኽሪ ስውኣትን ዝኽሪቶም ብሓደጋ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሃሊቖም ግቡእ ናይ ቀብሪ ስነስርዓት ዘይረኸቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ኦስሎ ብድምቀት ኣሕሊፉ።


እዚ ብርክት ዝበሉ ኣባላትን ኣጋይሽን ዝተሳተፍዎ በዓል፡ ዝኽረ-ሰማዕታት ድሕሪ ምግባሩ፡ ምእንቲ’ቶም ንእስነቶም ወፍዮም ዲሞክራስያዊት ሃገር ንምትካል ሕይወቶም ዝኸፈሉ ሰማዕታት ኤርትራን፡ እዞም ድሕሪ ናጽነት ኣብ ባሕሪን ምድረበዳን ዝጠፍኡ ዘለዉ መንእሰያት ኤርትራን ሽምዓ ወሊዑ።

እቲ ኣብ ድሮ በዓል ናጽነት ዝወረደ ናይ መንእሰያት ህልቂት ኣብ ግምት ብምእታው ከኣ፡ ”ሕዝብና ክሓዝንስ ንሓዝን ደኣ’ምበር ኣይንስዕስዕን” ብምባል፡ ስለቲ ሰፍ ዘይብል ሃገራዊ ሓደጋን መንስአኡን ኣስተንቲኑ። ምእንቲ ፍትሕን ክብሪ ደቂ ሃገርን ከምዝቃለስ ከኣ ቃል ኣትዩ። ነቲ በዓል ዝግልጽ ኣሳእል ተመልከት።

ኣካያዲት ሽማግለ

ነጻ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ኣብ ኦስሎን ከባቢኣን”

 

 

 


Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>