ኣይትርእይዎ

ጽቡቕ ኣለኹም ከይንብለኩም

ኣበይ ፈቲናዮ መስዋእትኹም

ግን፡ …

ይትረፈኩም እቲ ዘለናዮ

እንቋዕ ኣይትርእይዎ።

 

ነቲ ዘለኹሞ ‘ሞ

ገነት ይግበረልኩም

ኣምላኽ የለምልሞ

ትንፋስኩም ይጠጥዕ

መንግስተ ሰማያት ይሰልሞ።

 

እምበር፡

እቲ ዓወት ንሓፋሽ ኣቢሉ

ንመስዋእቲ ዘፋነወኩም ኣምሒሉ፡

ሰብ ግዳ ቀቀሊሉ

ካብ ሰይጣን ከፊኡ ‘ሎ ቀርኒ ኣብቍሉ!

 

እወ እቲ ሰብ

ጽናሕ

ግናሕ

ብላሕ

ምራሕ

ስለ መብጽዓና

ጥልመት ፍራሕ

ዝበልኩሞ ፍጥረት

ከኽብረኩም ብግብሪ ብስራሕ፡

ኣሽንባይ ‘ዶ ናይ ጻድቃን

ናይ ሰብ እንዶ የብሉን

ስዒሩዎ ዝርጋን

ዓመጽ መቂሩዎ ንውጹዓን

ቅድሚት ተሰሪዑ  ምስ ባሕታውያን።

 

ብየማን ተንስእ

ፍቶ ‘ምበር ኣይትጽላእ

ዝራእ

ኣጠጥዕ

ኣልምዕ

ቆፎ ህዝቢ ምላእ

ዝበልኩሞ

ኣንጻር ኮይኑ ስርሑ

ግዜ የሕልፍ ኣሎ ከብርስ ክምሑ፡

ወቕቲ ዘይብሉ ኣንበጣ

ጸረ ዘርኢ ፈልሲ

ኮይኑ ‘ሎ መዕነዊ ደምሳሲ፡

ኣቤት’ወ!

ባልዕ ኮይኑ ፈውሲ ዘየርግፎ

ኣሽንባይ ዶ መዛዘሚ ቆፎ

ሰፋኢ ኳ ስኢና ትግፍግፎ።

 

ክንዲ ንመሬት ምሕላፍ

ስለ ህዝቢ ምድፋእ

ንወንበር ምውጋእ

ብስልጣን ምስሳዕ ፡

ክንዲ ንሓፋሽ ምስዋእ

ስጋ ሓፋሽ ምብላዕ

ንቡር ኮይኑ ክፋእ

መሬት ኣንቀጥቂጡ

ምስ ተሳእነ ጽዋእ።

 

ዋላ እቶም ዜናኡ ዝስምዑ ብማዕዶ-ማዕዶ

ምስ እየሱስ ዝሰቐልዎ ኣብታ ጸላም ኣጕዶ

ሃረር ዝበሉዎ ጸልማቶም ክቐዶ

ሰኪሖም ኣለዉ ከፊኡዎም ጋዶ፡

‘ካብ ኣርዮስ  ዘይንእስ

ካብ ሰይጣን ዝብእስ

እዚ ደኣ እንታይ ሰብ

ኣብ ማሕላ ቐዲሙ

ኣብ ጥልመት ዝርከብ፡’

ኢሎም ከዘንትዉ ይስምዑ ‘ለዉ

ሞት ተሰሚዑዎም ኣካሎም ብደዉ።

 

ብሰንኩ

ቃፍላያት ውሒዙ ዘይብሉ ኣድራሻ

ህይወት ሰብ ሃሊቑ ኣብ ዘይእሙን መገሻ

ዋላ ብዋጋ ሞት ተምሪጹ ስደት

መሪር ኮይኑ ናብራ ጎዶሎ ናጽነት፡

ዓዲ ተጸንቂቑ – መንእሰይዓሪቑ

ጎርዞ ተደፊራ ሓዋ ተናዒቑ

ማእከላይ ባሕሪ ሲናይ ምስ ሰሃራ

ሽርካ ሬሳ ኮይኖም ማዕረ ምስ ኤርትራ

ኣደ ተኣሲራ ኣቦ ተምበርኪኹ

መርድእ ንኸብጽሕ ህጻን ተላኢኹ፡

እንታይ’ሞ ተሪፉ ኣምላኽ ዘየቖጥዕ

ሓቁ’ንድዩ መቓብርኩም እሳተ-ጎመራ ክተፍእ።

 

ንሕልና ዘለዎ መስዋእቲ ክኽእል

ምትንሳእ ግዳ  ቐሊል፡

ግን ኣብኡ ይሕሸኩም ምስ ንጽህና

ቅንዕናኹም ጥራይ ይርኣየልኩም እግዚ ‘ቦና፡

ዝገደፍኩምና መሰኻኽር ገነት

ግሃነብ ርኢና ዘይተሓስበ መዓት

ጸብጻብና መሪር’ዩ ዘንድድ ወረቐት

ዓወታት የብልናን ዝንገር ብስራት

ሕድርኹም ክሳብ ዘይከበረ እመት ብእመት

ታሪኹም ክሳብ ዘይረኸበ ክብረት

ቅሰኑ ኣብ ሰማይ ኮርኵሑና ‘ሎ መሬት።

 

በለጽ ከይመስለኩም ንዓለም ምምናይ

ካብ ሰባት ተሪፍካ ምስ ዘይሰብ ምቕናይ

ህላወ ‘ዩ መስዋእቲ ግደፉዎ ንዓና

ክንደይ ሻዕ ክትውፈዩ ሓንሳብ ከየፍረና

ምሰ ኣጸባበቕናዮ ዝዕረ የዐሪና

ብድድ እንተበልኩም ኣብቲ ዳስ ማዕሬና

ሽዑ’ዩ ዝቐስን ሕልና ኩልና !

 

ሰማእታትና ብግብሪ ይዘከሩ !

ኣማኑኤል ኢያሱ

18 ሰነ 2011


Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>