ሰላማዊት ዲኺ?
ጓል ‘ቦይ ኣልመደ
የዒንታ ፈናጅል
ጸጕራ ዝወረደ
ዘንጸባርቕ ወዛ
ኣጕባዝ ዘዕበድበደ
ልዋም እትመስል
ስማ ዝፈረደ፡
ቅማስ ጣዕማ
ጸበል ኣዳም
ባህታ ዝፈጥረለይ
ንሽዓ ኣብ’ዛ ዓለም?
ወይስ…
ሰማያዊት ኢኺ?
ጓል ‘ዝጊሄር
ዘይግድሳ ገበር
ኣብ ውሽጣ ትምቅር
ፍቕሪ ኣወላ
ፍቕሪ ካልኣያ
ፍቕሪ ኣመላ
በረካ ዘይብላ
ኩሉ ሳዕ ወለላ!
ኣብ መሬት በቝላ
ኣብ ሰማይ ትበስል
ኣብ ህይወት ተዳሉ
ብመንፈስ ተዐንግል
ጽንዕቲ ‘ብ ኪዳና
መቐረት መዋእል!
ኣንቲ ሰማያዊት!
ክንድዚ እንተኾይኑ
ፍቕርኺ ሰዋጢ
መንፈሰይ ለዋጢ
ሓለፍኩልኪ በሊ
ስዒበኪ ‘ለኹ
ልበይ ተመሊኹ
ክንድኡ’ዩ ፍቕረይ
ስዓቢ ኣሰረይ!
ኣማኑኤል ኢያሱ
15 ሰነ, 2007