ስዩም ጸሃየ ብ1952 ኣብ ትኹል ካብ ኣቡኡ ኣቶ ጸሃየ ወልደማርያምን ካብ ኣዲኡ ወ/ሮ ሮማ ሰለሞንን ተወሊዱ፡፡ ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ ጸጸራት ዝበሃል ቦታ ድማ፡ ዓብዩ። ኣቡኡ ወናኒ ናይ ኣብ ካምበቦሎ ዝርከብ ባር ዳኦስታ እዮም ኔሮም።
ብድሕሪኡ ኣብ ክፍሊ ዜና ከም ስኣላይን ተዋጋኣይን ኮይኑ እጃሙ የበርክት ኔሩ። ስዩም ኣብቲ ዝተሳተፎ መረርቲ ዓውደ ውግኣት ሓርነታዊ ቓልሲ፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ቪድዮ ካሜራ ጥራሕ ኣብ ኢዱ ዝሓዘሉ ግዜ፡ ብረት ንዝዓጠቐ ወትሃደር ጸላኢ ዝማረኸ ተባዕ ተጋዳላይ ምንባሩ እቶም ብቐረባ ምስኡ ዝተጋደሉ ይገልጹ። ከምኡ’ውን ብዙሕ ካብዚ ሎሚ ኣብ ቴሊቪዥን ኤርትራ ኮነ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ከም መወከሲ ዓውደ ውግኣት ብረታዊ ቓልሲ ዘቕርብኦ ዘለዋ ደረቕን ተንቀሳቓስን ኣሳእል፡ ስዩምን ብጾቱን ተባራዒ ቦምባታትን ዝናብ ጠያይትን ኣብ ዝፈሶ ዓውደ ውግኣት ተሳቲፎም ብካሜራታቶም ዘሰነዱዎ ታሪኽ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ስዮም ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ “ተጋዳላይ ሰኣላይ” ተባሂሉ ዝፍለጥ።
ብቀረባ ዝፈልጥዎ ብጾቱን መጋድልቱን፡ ስዩም ቅኑዕ፣ ተባዕ፣ ኣብ ስራሕ ዘይስልኪ፣ ኩሉ ሳዕ ዝበለጸ ነገራት ከፍርን ከበርክትን ከይደቀሰ ዝሓድር፣ ክእለቱን ብቕዓቱን ከመሓይሽ ወትሩ ዝጽዕር፣ ብቐጻሊ ዘንብብን ዝባላሓትን፣ ውፍይ፣ ሰባት ክምህርን ፍልጠቱ ከውርስን ዘይሕለል፣ ይዕበ ይንኣስ ብዘየገድስ ከሰርሕ እየ ክፈልጥ እየ ንዝብል ዝኾነ ይኹን ሰብ ብምኽርን ሞራልን ብዝርካቡ ትሕዝቶኡን ዝደጋገፍ ሰብ እዩ ይብሉ። እንተኾነ ግን፡ ኣብ ሜዳ፡ “ንኡስ ብርጅዋ”፡ “ምሁር ንገድሊ ክጻወር ዓቅሚ የብሉን” ብምባል ብነቀፌታን ብተግባርን የሳቕይዎ ከምዝነበሩ ይገልጹ። ስዩም ግን ነቲ ዘጋጥሞ ዝነበረ ጸገምን ዕንቅፋትን ተጻዊሩ ኣብ ኩሉ መዳያት ቓልሲ ንናጽነትን ህንጸት ሃገርን ብልዑል ተወፋይነትን ጅግንነትን ንህዝቡን ሃገሩን ዘገልገለ ውፍይ ጅግና ተጋዳላይ እዩ።
ስዩም ኣብ ገድሊ ከሎ ሓደ ካብቶም ዋና መለለይኡ ህጻናት ቆልዑ ምፍታው እዩ ኔሩ። እንተኾነ ግን ዘኽታም ቆልዓ ኣይገድፍን ብምባል ከይተመርዓወን ከይወለደን ዝኣተወ ተጋዳላይ እዩ።
ስዩም ሓደ ካብተን ኣዝየን ዝፍለጣ ስራሓቱ ኣብ ምህራር ናጽነት ባጽዕ ብቖራጽነት ነቲ ዝነበረ ዘስካሕክሕ ናይ ውግእን ቅትለትን ኩነታት ስኢሉ፣ቀዲሑን ሰኒዱን፡ “ቅብጸት” እትብል ካሴት ዘዳለወ ተባዕ ተጋዳላይ እዩ። ከምኡ’ውን ኣብ ውግእ ናይ ደቀምሓረ ኣብ ማእከል ኩናት እንዳኣተወ ነቲ ዝካየድ ዝነበረ ውግእን ጅግንነትን እንዳቀድሐን እንዳስኣለን ነቶም ጀጋኑ ብጾቱ ተጋደልቲ እንዳሰነየ ክሳብ ኣስመራ ዝኣተወን፡ ምስኣተው’ውን ነቲ ኩናት ዝሰነደን ብህዝቢ ኤርትራን ብህዝቢ ዓለምን ንክርአይ ዝገበረ እዩ።
ስዩም ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዓሰብ ኣብ ክፍሊ ዜና ተመዲቡ ይሰርሕ ነይሩ። እቲ ኣብ ዓሰብ ዝቕመጥ ዝነበረ ህዝቢ ብጀካ ብኣምሓርኛ፡ ዜና ብትግርኛ ሰሚዑ ዘይፈልጥ ስለዝነበረ፡ ስዩም ባዕሉ ጸሓፋይን ዜና ኣቕራብን ኮይኑ ነቲ ናይ’ቲ እዋን ሓበሬታ ብትግርኛ ኣብ ህዝቢ ከምዝበጽሕ ይገብር ነይሩ። ህዝቢ ዓሰብ ብስርሑ ብጣዕሚ ስለዝፈተውዎ “ኣንበሳ” ብዝብል ሳጓ ይጽውዕዎ ነይሮም።
ብድሕሪ ዓሰብ ናብ ኣስመራ ተቐይሩ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ቲቪ ኤሬ ንክትምስረት ዓቢ ኣስተዋጽኦ ጌሩን ዳይረክተር ናይ ቲቪ ኤሬ ኮይኑ ኣገልጊሉ። ስዩም ብባህሪኡ ከሰርሕን ካልኦት ክሰርሑ ከተባብዕን ዝፈቱ፡ ኣብ ለውጢ እምበር ኣብ ሓላፍነት ይኣምን ስለዘይነበረ፡ ብትእዛዝን ጸቕጥን ክሰርሕ ስለ ዘይደለየ፡ ምስቲ ኣብቲ እዋን ዳሬክተር ናይ ሚኒስትሪ ዜና ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ኣሕመድ ጣህር ባድዊ ምርድዳእ ስለዝሰኣነ ንቲቪ ኤሬ ክገድፎ ተገዲዱ። ብድሕሪኡ ኣብ ሚኒስትሪ ቱሪዝም ከም ዳይረክተር ናይ ክፍሊ ምምዕባል ቱሪዝም ኮይኑ ሰሪሑ። ኣብ ሚኒስትሪ ቱሪዝም ከሎ፡ ብዙሕ ናይ ኣሰራርሓ ሃጓፋት ይርእይ ስለዝነበረ፡ ንከዕርዮ ብዙሕ እኳ እንተፈተነ፡ ደጋፊ ኣይረኸበን። ድሕሪ ዝተወሰነ ጊዜ ግን ኣብ መንግስታዊ ትካላት ክሰርሕ ስለዘይደለየ፡ ብወግዒ ንኽጣየስ ሓቲቱ። ሕቱኡ ድማ ተቐባልነት ረኺቡ ተጣይሱ።
ብድሕሪኡ ብውልቁ ክሰርሕ ጀመረ። ስዩም ንፉዕ ጸሓፋይን ሰኣላይን ስለዝነበረ፡ ኣብ ምድላው “ሕድሪ” ትብል ዓባይ ፊልም ከም ሰኣላይን ዳይረክተርን ኮይኑ ሰሪሑ። ናጻ ኾይኑ’ውን ናይ ስእሊ ኤግዚቢሽን የዳሉ ነይሩ። ብተወሳኺ ጽሑፋት ካብ እንግሊዝ ናብ ጥልያን፡ ከምኡ’ውን ካብ ጥልያን ናብ ፈረንሳ ቋንቋ እንዳተርጎመ ናብርኡ የካይድ ነይሩ።
መንእሰያት ሃገሩ ብዛዕባ ሕማም ኤይድስን ኣገባብ ኣመሓላልፉኡን ኣፍልጦ ንክህልዎምን ንክጥንቀቑን ተባሂሉ ምስ ግዱሳት ብጾቱ ምሃርቲ ቪድዮታት ንከዳልው ኣብዝወሰኑሉ፡ ስዩም ነተን “ኑዛዜ”ን “ህይወት ብእምነት”ን ዝተሰምያ ምሃርቲ ቪድዮታት ኣብ ምድላወን ከም ሰኣላይን ዳይረክተርን ኮይኑ ሰሪሑ።
ዝተፈላለየ ስራሓት እንዳሰርሐ ናብርኡ ዝመርሓሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኩናት ዶብ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብ1998 ተወልዐ። ስዩም እቲ ኹነታት ዋላ እኳ እንተጉሃዮ፡ ከም ቀደሙ ንመጻኢ ወለዶ ዝኸውን ታሪኽ ህዝብን ቃልስን ኪዕቅብ ዝጽዕር ሓቦኛን ጻዕራምን ስለዝኾነ ነቲ ኩነታት ውግእ ብስእልን ጽሑፍን ንክስንድ ብድሌቱ ናብቲ ዓውደኩናት ይወፍር ኔሩ።
ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ኣብ ኤርትራ ክሰርሓ ምስ ጀመራ’ውን፡ ኣብ ጋዜጣ ሰቲት ብቐጻሊ ይጽሕፍ ኔሩ። ንኣብነት ገለ ካብቲ ዝጽሕፎ ዝነበረ ጽሑፋት ብዛዕባ እተን ንናጽነት ኤርትራ ዝተጋደላ ጀጋኑ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ከመይ ዝበለ ሕማቕ መነባብሮ ወዲቐን ከምዝርከባ ዝገልጽ ነይሩ። ኣብ ክራማት 2001፡ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ብዛዕባ እቲ ግቡእ መሰሎም ስለዝሓተቱ፡ ብዘስካሕክሕ ኩነታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዊዓ ምስተኣሰሩን ክልተ ካብኣቶም በቲ ዝነበረ ሕማቕ ኩነታት ናይ’ቲ ቤትማእሰርቲ ብቕጽበት ምስሞቱ፡ ስዩም፡ “እዞም ናይ ጽባሕ መራሕቲ ብናይ ሎሚ መራሕቲ ይቅተሉ ኣለው” ኢሉ ጽሒፉ። ስለምንታይ ኣብ ዊዓ ይእሰሩ? ኣብ ታሪኽ ዘሕትት ገበን ይግበር ኣሎ እንዳበለ ብፍላይ ነቲ ናይ እቲ ጊዜ ፕሬዚደንት ናይ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ዝነበረ ዶ/ር ወልድኣብ ይሳቅ ዝወቅስ ጽሑፋት ይጽሕፍ ነይሩ።
ስዩም ሓቅን ቅኑዕን መሲሉ ዝተራእዮ ርእይቶን ሓበሬታን ካብ ምሃብ ድሕር ዘይብል ሰብ ስለዝኾነ ኣብ መንጎ ፓለቲካውያን መራሕቲ ሃገሩ ኣብ 2000 ዓ/ም ንዝተኸስተ ፖለቲካዊ ቅልውላው፡ ኩሉ ነገር ኣብ ጠረጴዛ፡ ብዘይ ሕብእብእ፡ ብቅሉዕን ግሉጽን መገዲ ብዘተን ልዝብን ክፍታሕ ብጽሑፉ ጌሩ ኣጥቢቑ መኺሩን ጻውዒት ኣቕሪቡን እዩ። ጸግዕን ወገንን ከይሓዘ ንክልቲኡ ወገን መሪሕነት ካብ ዝሓለፈ ተሞኩሮኡ ተማሂሩ ምእንቲ ረብሓ ህዝቡን ሃገሩን ብኹፉት ልብን መንፈስን ተመኻኺሩን ተነቓቒፉን መጻኢ ጉዕዞ ሃገሩ ከቕንዕ ሓደራ ኢሉን፡ ከምኡ’ውን ፍታሕ ክኸውን ይኽእል ኢሉ ዝኣመነሉ ኣንፈት ሂቡን መንገዲ ሓቢሩን እዩ።
ገለ ሰባት ንስዩም ከም ሓራቕን ቁጥዑን ዝገልጹዎ ኣለው። እቶም ኣጸቢቖም ዝፈልጥዎ ድማ፡ ስዩም ሓሶትን ክፋእን ከምዝጸልእን ይዕበ ይንኣስ ዘይንሱ ክመስል ዝፍትን ሰብ እንተርእዩ ከምዝቑጥዓን፡ ኩሉ ሳዕ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነናቱ ብልጫ ከምዘለዎ፣ ንምስልን ኣካይዳን ሓደ ኪቀድሕ ሑኽ ክብል ከምዘይብሉ፣ ብእንታውነቱን መንነቱን ክሕበን ከምዘለዎ፣ ፍሉይነትን ብዙሕነትን ናይ ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ከም ሕብሪ ዕምባባታት ግርማን መልክዕን ምዃኑ፡ ይምዕድን ይመክርን ከምዝነበረ እዮም ዝገልጹ። ብዛዕባ ስዩም ብዙሕ ክዝረብ ይከኣል እዩ። ልዕሊ ኩሉ ግን ቅኑዕ፣ተባዕ፣ጻዕራም፣ሓቀኛን መትከላውን ሰብ ከምዝኾነ ይንገር።
ስዩም ኣብ 1999 ተመርዕዩ፡ ኣቦ ክልተ ቆልዑ ድማ እዩ። ነታ ቦኽሪ ጓሉ፡ ጓል 3 ዓመት ከላ ነታ ካልእይቲ ጓሉ ብዓልቲቤቱ ናይ 7 ወርሒ ጥንስቲ ከላ እዩ ኣብ መስከረም 2001 ዝተኣስረ። ስዩም ዝኽትምና ጸሊኡ’ዩ ኣብ ሜዳ ከይተመርዓወን ከይወለደን ዝኣተወ። ብዝኾነ እታ ንእስነቱ ዝኸፈለላን ደሙ ዘፍሰሰላን ናጽነት ነተን ብሂጉ ዝወለደን ደቁ ካብ ዝኽትምና ከተድሕነን ኣይክኣለትን። ብዓልቲ ቤቱ’ውን ምስ ንብዓት ዓይና እያ ክትቃለስ ትውዕል ዘላ።
ኣዲኡ ወ/ሮ ሮማ ስዮም ድማ 8 ደቀን ንናጽነት ኤርትራ ተጋዲሎም፡ ሓደ ካብኣቶም ተሰዊኡ፡ እቶም ሸውዓተ ደቀን ናጽነት ሒዞምለን መጺኦም። ብዝኾነ እሰን’ውን እንተኾና ኣብ ጊዜ ገድሊ ዝነብዖኦን ዝተሻቐልኦን ከይኣኽለን፡ ኣብ ጊዜ ዕብየተን ናይ ማእሰርቲ ስዩም ወደን እንዳሳቐየን ኣብ ሓዘን ተሸሚመን፡ ተኾርምየን ክበኽያን ክምህለላን ይውዕላ ኣለዋ። ኣቡኡ ንስዩም ኣቶ ጸሃየ ወልደማርያም ግን ማእሰርትን ስቕያትን ናይ’ቲ ብሉጽ ወዶም ስዩም ከይርኣዩን ከይሰሙዑን’ዮም ብ 1997 ካብ’ዛ ዓለም ብሞት ዝተፍልዪ።
ስዩም ካብ ዝእሰር እንሄለ ሸውዓተ ዓመቱ ቀሪቡ። ስጋዕ ሕጂ ናይ መእሰሪኡ ምኽንያት ኣይተፈልጠን። ኣብ ፍርዲ ቀሪቡ ኣይፈልጥን። ደቁ፣ሰበይቱ፣ ኣዲኡ ይኹን የሕዋቱ ካብ ዝእሰር ርእዮሞ ኣይፈልጡን። ኣብ ዒራዒሮ ዝበሃል ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ ከምዘሎ ይንገር። ብገለ ኣብኡ ሓለውቲ እሱራት ኮይኖም ዝሰርሑ ዝነበሩ ወትሃደራት ከምዝተገልጸ፡ ኣብ ዒራዒሮ እሱራት ብዘስካኽክኽ ኩነታት ተታሒዞም ከምዘለውን ኣርባዕተ ካብቶም ምስኡ ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት ድሮ ኣብኡ ከምዝሞቱን ይሕብሩ።
ስዩም ንናጽነት ኤርትራ ከምኡውን ንፍትሕን ንስርዓተ ሕግን ከምዘይተቓለሰን ደሙ ከምዘየፍሰሰን፡ ፍትሒ ስኢኑ ኣብ ትሕቲ ጎቦ ኣብዝተነደቐ ቤት ማእሰርቲ እታ ብልጽቲ ህይወቱ ትማስን ኣላ። እተን ምጽሓፍ ዝለመዳ ኣጻብዕቱ፡ ብርዕን ወረቀትን ተሓሪሙወን፡ እቲ ምንባብ ዝለመደ ሓንጎሉ፡ መጽሓፍቲ ተሓሪሙዎ፡ ሎሚ ኣብ ጮራ ናይ ጸሓይ ዘይኣትዎ ሽላ ተዳጉኑ፡ ነታ ተኣሲሩላ ዘሎ ክፍሊ ብኣእምሮኡ ክስእላ ይውዕል ከምዘሎ ንምግማቱ ኣየሸግርን።
“ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ” (Reporters without Borders) ተባሂሉ ዝፍለጥ ዓለምለኻዊ ዘይመንግስታዊ ትካል፡ ንስዩም “ጋዜጠኛ ናይ ዓመት 2007” ኢሉ ምስ ሸለሞ፡ እቲ ወረ ኣብ ማዕቐናት ዜና ተዘርጊሑ። እቲ ዓወቱ ብጣዕሚ ዘሕብንን ዘኹርዕን እኳ እንተኾነ፡ እቲ ዘሕዝን ግን፡ ስዩም፡ ንናጽነትን ህንጸት ሃገሩን ብልዑል ተወፋይነትን ጅግንነትን ንህዝቡን ንሃገሩን ዘገልገለ ውፍይ ጅግና ተጋዳላይ፡ ኣብ ሃገሩ ሙዩኡን ጅግንነቱን ተፈሊጡ፡ ክንዲ ዝሽለምን ዝነኣድን፡ ሓቂ ስለዝተዛረበን ስርሑ ከም ጋዜጠኛ ስለዘሰላሰለን ከም ገበን ተቖጺሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብዘይ ክስን ፍርድን ይበልይ ምህላው እዩ።
ወይልኦም ነቶም ኣሰርቱን መብጽዓ ስውኣት ዝጠለሙን እንበር፡ እቲ ብሉጽን ዘኹርዕ ሙዩኡን ጅግንነቱን ታሪኹን ክሓኩዎ ስለዘይክእሉ ሽም ስዩም ጸሃየ ንዘልኣለም ነባሪ እዩ።
ኤልሳ ጭሩም
ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ
18 ሓምለ 2008