ኤርትራዊት ካናዳዊት ኣትለት ለምለም ዑቕባስላሰ ናብ ኣህጉራዊ ሻምፕዮና ተቋምት።

Lemlemጓል 23 ዓመት ኤርትራዊት ካናዳዊት ኣትለት ለምለም ዑቕባስላሰ ኣብ ቫንኩቨር፡ ካናዳ ኣብ ዝተኻየደ ናይ Harry Jerome International Track Classic ቅድድም 800 ሜትሮ ድሕሪ ምዕዋታ ናብ ኣህጉራዊ ሻምፕዮና ተቋምት ምህላዋ The Province ዝተባህለ ጋዜጣ ብኣድናቖት ይገልጽ።

ንሳ ነቲ ውድድር ብዝበለጸ ብሕታዊ ሬኮርድ ብ1.03 ክትፍጽሞ ኸላ፡ ካልኣይቲ ኮይና ተዓዊታ። እዚ ኸኣ ኣብቲ ብ27 ነሓሰ ኣብ ደቡብ ኮርያ ብዓለም ደረጃ ዝካየድኣህጉራዊ ሻምፕዮና ኣባል ናይታ ንካናዳ ወኪላ እትወዳደር ጋንታ ኮይና ክትሕረ ኣቃሪቡዋ ኣሎ።

ለምለም፡ ዛጊት ንካናዳ ወኪላ ኣብ ዓበይቲ ውድድር ኣይተወዳደርኩን፡ ሎሚ ዘበን እቲ ዕድል’ቲ እንተዘጋጥመኒ ክንደይ ምተሓጎስኩ ነይረ’ ትብል።

ለምለም ብ2003 ጓል 15 ዓመት ከላ ንኤርትራ ወኪላ ክትወዳደር ናብ ካናዳ ምስ ከደት እያ ዑቕባ ሓቲታ።

ምሉእ ዛንታ ብእንግሊዝኛ ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ።

VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0.0/5 (0 votes cast)
VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0 (from 0 votes)

What do you think?

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>