ተመክሮይ ምስ ውፉያት መጋበርያ ህግደፍ ኣብ ማሕበር ዋይት ጅዳ!! ራብዓይ ክፋል

 

እቲ ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ናበናይ ዝተሓላለኸ ከቢድ ዓዘቕቲ ሸሚምዎ ምህላው፡ ኣብዚ ህሞት ካብ ማንም ጥዑይ ስነ-ኣእምሮ ዘለዎ ዜጋ ዝተሰወረ ክውንነት ኣይኮነን።

እቲ ሓቀኛ ነጻነት፡ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ግስጋሰ፡ ዝሰፈና ምዕርግትን ብልጽግትን ደሞክራስያዊት ኤርትራ ንምርኣይ ወይ ንምህናጽ ብዝነበሮ ብርቱዕ ባህግታት፡ ሰፍ ዘይብል ኩሉ መዳያዊ ከቢድ መስዋእትን ዋጋን ዝኸፈለ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ምጥላሙ፡ ኣብ ታሪኹ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝኸፍአ መነባብሮ የሕልፍ ምህላው፡ ኣብ ባይታ ዘሎ መሪር ክውንነትዩ። ባርነት ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ከኣ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብዕጽፊ ዝኸፍአን ዝመረረን ኮይኑ ብምርካቡ እቶም ትማሊ ብድሕሪ ነጻነት ዝተወልዱ ዕሸላት ከይተረፈ ድሮ ጎቢዞምስ ብጉጉይ ፖሊስታትን ኣዕናዊ ኲናትን ስርዓት ህግደፍ ንዳግማይ ስደት ክውሕዙ ዝግደድሉ ኩነታት ነጊሱ ምህላዉ ብፍጹም ክኸሓድ ዝኽእል ተርእዮ ኣይመስለንን። ካብኡ ሓሊፉውን ህዝቢ ኤርትራ ብመወዳእታ ዘይብሉ ስርዓት ህግደፍ ብዝጽሕትሮ ጽልኢ ተኸቢቡ ካብ ጎረባብቱ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ካብ መላእ ማሕበረ-ሰብ ተነጺሉ፡ ኣብ ደሴት ቅርሕንቲ ክነብር ተገዲዱ ምህላው ኣብዚ እዋን ብዝያዳ ንማንም ንጹር ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።

ስለዚ ካብዚ መሪር ክውንነታዊ ሓቂ ብምብጋስ፡ ነቲ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ዘለዎ ወጽዓታትን ግፍዕታትን ዝኸፋአ ሕሰም ንምውሳኽ፡ ኣብ ትሽትሽ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ተሸጒጦም ሓሶት ከብጽሑን ንመቕተሊ ኣሕዋቶም ገንዘብ ክዋጻእ ሸርሕታት ክሰርሑን ከይደቐሱ ዝሓድሩ፡ ካብ ውፉያት መጋበርያ ስርዓት ህግደፍ ምባል ሓሊፍና እንታይ ዓይነት ስያመ ክንህቦም ትጽቢት ዝግበር? ነዚኣቶም ውፉያት ተቓለስቲ ህግደፍ ብምባል ስሞምን መንነቶምን ከነጸብቕ ንደፋፋኣሉ ዝኾነ ይኹን ብቁዕ ምክንያትን ስነ-መጎትን ክህሉ ኣይኽእልን? ብወገነይ ብኣንጻሩ ኣብዚ ህሞት ነቲ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንምጥፋእ ነዊሕ ዝተጓዕዘ ስርዓት ህግደፍ ኣሽንኳይ ብገንዘብ ብሞራል ምድጋፍ ካብ መጋበርያ ምዃን ሓሊፉ ጽባሕ ንሕልና ቅሳነት ዘይህብ ዓቢ ታሪኻዊ ገበን ምዃኑ ይግንዘብ። ህግደፍ ከም ጸረ ሰላምን ጸረ ፍትሕን ስርዓት መጠን፡ ጽባሕ ኣብታ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ብዝፈጸሞ ኩሉ-መዳያዊ ገበናት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ምሕታቱ ዘይተርፍ ክስተት ክሳብ ዝኾነ፡ ኩሎም እቶም ናብዚ መንገዲ ጥፍኣት ክጎዓዝ ከሎ መሻርኽቱ ዝነበሩ፡ ብክንድ ዝተጻወትዎ ኣዕናዊ ተራ ምሕታቶም ዘይተርፍዩ።

ብርግጽ ብድሕረይ ብዙሕ ዝተቐያየረ ኩነታት ምህላዉ ስለ ዘይተርፍ፡ ንኩሎም እቶም ኣብ መርበብ ሓበሬታ ተጎሩባ ብውፉያት መጋበርያ ስርዓት ህግደፍ ዝተዘርዘሩ 85 ሰባት ኣጸቢቐ ይፈልጦም ክብል ሕጂ ብዙሕ ኣይደፍርን፡፡ ይኹን ደኣምበር ኣስማት ናይቶም ኣዓርየ ዝፈልጦም ፍጹም ፍቅርን ሓልዮትን ህዝቢ ዘይብሎም ምስ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ሕሹኽ ክብሉ ዝወግሖምን መወዳእታ ዘይብሉ ወጽዓታት ዘብጽሑን ደጊመ ክገልጽ ነውሪ ኮይኑ ኣይስመዓንንዩ። ሰለሙን መረስዕ፡ ዮውሃንስ መርሆ፡ በኹረጽዮን /ዝጊ፡ ሓየሎም መንግስቱ /ከኒሻ/ ኣሕፈሮም መንግስቱ፡ ሙሉጌታ ሰረቐ፡ ሚካኤል ከፈላ /ፓኪስታን/ ኤልያስ ተስፋይ፡ ኣቶ ብርሃን ሰረቐን /መስቀል ወዲ ቀሽን ካብ ቅድም ኣባላት /ግንባር ከም ዝነበሩ ይፍለጥ። ቅድሚ ነጻነት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዝኣትዎ እንዳ ሻሂ፡ ቤት መግብን መዘናጊዒ ቦታን ጥዑያት ክመስሉ ብሓደ ጸግዒ ተጸጊዖም ብሰዓትን ዕለትን ንህ/ግንባር ዝነቕፍ ዘረባታት ብምእራይ ጸብጻብ የብጽሑ ምንባሮም ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ኣብቲ ግዜ ብፍላይ እቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያታት መንበሪ ወረቀት /ኢቓማ/ ዘይነበሮም ኤርትራውያን ብጸጥታ ስዑዲ ዓረብ ተታሒዞም ኣብ ገምገም ባሕሪ ዝባረረሉ ዝኸፍአ ውድዕነት ብምንባሩ፡ ብመሰረት ብሰዓትን ዕለትን ብውፉያት መጋበርያ ስርዓት ህግደፍ ተመዝጊቡ ናብ /ግንባር ተመሓላሊፉ ዝጸንሕ ዝነበረ ጸብጻብ ኣብኡ ዝሰራጠዩን ሂወቶም ዝተሰወሩን ዜጋታት ብጣዕሚ ብዙሓትዮም። ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦትን ሰነን 2011 ሰለሙን መረስዕ ብዝበለጸ ህግደፋዊ ተኣማንነቱ ንምድልዳል ንጵጥሮስ ኣፈወርቂ ዝተባህለ ሓው ኤሳይያስ ኣፈወርቂ ካብ ኣስመራ ሒዙ ብምምጻእ፡ ኣብ ጅዳ ከዛውሮ ምቕናዩውን ሰሚዐ ምህላወይ ይሕብር።

ካብቲ ብቅድሚ ነጻነት ብውፉያት መጋበርያ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝግበር ዝነበረ ዝተፈላለየ እከይ ተግባራት ብምብጋስ፡ ኣብቲ እዋን ንህግደፍ 3000 ርያል ምክፋልስ በኽሪ ወደይ እንተዝመውት ምሓሽኒ ነይሩ ዝበለ በሊሕ ተዋዛያይ ዝበሎ ቃል ምጥቓስ ኣገዳሲ ጉዳይ ኮይኑ ረኺበዮ ኣለኹ። ግዜኡ ኣብ ጽባሕ ሃገራዊ ነጻነት ኣብቲ ብጣዕሚ ርሱን ስምዒት ዝነበረሉን ውፉያት መጋበርያ ስርዓት ህግደፍ ዝሕንሕንሉን ዝነበሩ ህሞት ነይሩ። እቲ በሊሕ ተዋዛያይ ንህ/ግንባር ዝነቕፍ ገለ ዘረባ ወስ ምስ ኣበለ፡ ሓደ ካብቶም ውፉያት መጋበርያ ስርዓት ህግደፍ ሰሚዑ ብቀጥታ ኢሂ ዓድኻ ክትኣቱ ኣይትደልን ኢኻ? ዝብል ናይ ምፍርራሕ ሕቶ ኣቕረበሉ። ንሱውን ትቕብል ኣቢሉ ስሙ ብድሕሪ ምጥቓስ፡ /ግንባር ምስ ገንዘብ ብዙሕ ፍቅሪ ከም ዘለዎም ትፈልጥ እንዲኻ? ናትኻን ናይ ከማኻን ዝኣመሰሉ ሓሶት ንምጽራይ ኣብ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ሸውዓተ ሰራሕተኛታት ምቁጻር የድልዮም። ስለዚ ኣይትሰኸፍ ንሸውዓተ ሰራሕተኛታት ደሞዝ ካብ ምኽፋል፡ ንኩሉ ሓሶት ምቕዳድ ይሕሸና ብምባል ከም ዝቐደድዎ ኣይሰማዕኻን ዲኻ ዝብል ዋዛ ምስ ቁም-ነገር ብምሕዋስ መልሲ ምሃቡ ይዝኽር።

ጸጋይ የማኑ፡ ሃብተ /ገርጊስ፡ ተዛረ ርስቶም፡ /ዮሃንስ ሓንጣል፡ እንጅነር ኣስጎዶም /ሚካኤል፡ /ማርያም የሴፍ /ጉርጃ/ ተጋደልቲ ተሓኤ ዝነበሩ ድሒሮም ምስ ዓወታት ከተማ ባጽዕ ተገፊዖም ናብ /ግንባር ዝተጸንበሩን ኣባልነት ዝወሰዱን ክኾኑ ከለው፡ ብዝበለጸ እሙናት ንክበሃሉ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ማሕበርን ህዝብን ዝተፈላለየ ኣበሳታት ንምፍጻም ቃል ማሕላ ዝፈጸሙ ውፉያት መጋበርያ ስርዓት ህግደፍ ምዃኖም ዘጠራጥር የብሉን። እዚኦም ውፉያት መጋበርያ ስርዓት ህግደፍ እዚኣቶም ከኣ ብጀካ እቲ ፍልጠት ዝንእሶ ጸጋይ የማኑን ገታር ሃንደበቱን ንጎኒ ብምግዳፍ፡ እቶም ካልኦት ግን ኣቐራርብኦም ብጣዕሚ ሓደገኛን ሰላሕታን ምዃኑ ይፍለጥ። በይኖም ኣብ ብሕትዉ ዝበለ ቦታ ክትረኽቦም ከለኻ ነቲ ጉጉይን ኣዕናውን ፖሊስታት ስርዓት ህግደፍ ብዘይዝኾነ ተቓውሞ ክፈላለዩ ዝመርጹዮም። ግሩህ ሰብ ክረኽቡ ከለዉ ግን እወ ብርግጽ ኣብ /ግንባር ብዙሕ ጉድለታት ኣሎ ካብ ባህርያቱ ዘይኮነስ፡ መንግስቲ ኤርትራ ሓድሽ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ኤሳይያስ መሳርሕቲ ብሰንኪ ምስኣኑ ዝፍጽም ዘሎ ሕጽረታት ምዃኑ ብምምሳል ክሰብኹ ዝውዕሉን ዝሓድሩን ኣካላት ኢዮም። ብሓጺሩ ነቲ ንህዝቢ ኤርትራ ናብዚ ዝኸፍአ ደረጃ ዘብጽሐ ዲክታቶር ኤሳይያስ ብምዝንጋዕ ካብ ሰማይ ዝወረደ ማና ጌሮም ዝወስዱ ምዃኖም ካብ ምንም ዝተኸወለ ሓቂ ኣይኮነን።

ብፍሉይ ብዛዕባ ኢንጅነርን ስነ ጥበባውን ኣስጎዶም /ሚካኤል ገለ ምባልስ ኣገዳሲ ጉዳይ ኮይኑ ይስምዓኒ። እንጅነር ኣስጎዶም /ሚካኤል ቅድሚ 1977 ኣብ ዝነበረ እዋን ብዙሕ ይፈልጦ ነይረ ክብል እንተዘይደፈርኩ፡ ኣብቲ ግዜ ግን ብዝያዳ ንምፍላጡ ዝሕግዝ ኣጋጣሚ ተፈጥረ። ኣብቲ ዓመት ብስያመ ተሓኤ ፋሉልን የሚንን ብምባል ዝፍለጡ ክልተ ምንቅስቓሳት ዝረኣየሉ ህሞትን ኢንጅነር ኣስጎዶም /ሚካኤል ኣብ ቃልሲ ዝተሰለፈሉን እዋን ምንባሩውን ይዝኽር። ኣብቲ እዋን ዕላማን ምንጪ መበገስን ናይቲ ክልተ ምንቅስቓሳት ፍጹም ዝፈልጦ ዘይብሉ፡ ገሊኦም ገጢሞም ብዝሃብዎ ጥራይ <<ፋሉል ቀይዲ በተኽ ተደርዒሙ ኣሎውን ሓደ የማናዊ ሽሙ ኣይተርፎን ውዒሉ ሓዲሩ>> ብምባል ምስ ደረፈ፡ ከም ምሁርን ስነ-ጥበባውን ንባዕለይ ኣብ ክንድኡ ብዙሕ ሓዘንኩ። ነዛ ደርፊ እዚኣ ብድሕሪ ምድራፉውን ኣብ ተሓኤ ብዙሕ ኣይጸንሐን ንሱዳን ሰጊሩ ናብ /ግንባር ተወዲቡ። ከም ምሁርን ስነ-ጥበባውን መጠን ኩሉ ኣብ መስርሕ ብረታዊ ቃልሲ ንህ/ግንባር ዘወፈዮ ሞራላዊ፡ ሞያውን ገንዘባውን ሓገዛት ምእንቲ ነጻነት ክሳብ ዝኾነ፡ ኣብኡ ብዙሕ ሞጎት እንተዘይብለይ፡ ብድሕሪ ነጻነት ግን ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝኸፍአ ወጽዓታት፡ ኣደራዕን ዳግማይ ስደትን ህዝቢ ኤርትራ ጸማም እዝኒ ብምሃብ፡ ንኣዕናዊ ኲናት ስርዓት ህግደፍ ክድጋፍ ክትሰምዕ ከለኻ ካብ ብርቱዕ ጓሂ ሓሊፉ ኢንጅነር ኣስጎዶም /ሚካኤል እንበር ተማሂሩ? ከም ስነ-ጥበባዊ መጠን ብሓቂ ንትርግታ ህዝብን መንእሰያትን ኤርትራ የዳምጽ……..ወዘተ? ዝብሉ ሕቶታት ወግሐ ጸብሐ ብብዙሓት ዜጋታት ምሕታት እንተዘይተረፈ ብርግጽ ግን ፍጹም መልሲ ክረኽበሉ ዝኽእል ጉዳይ ኮይኑ ኣይርኸብንዩ።

ኣብ መርበብ ሓበሬታ ቶጎርባ ኣስማት ውፉያት መጋበርያ ስርዓት ህግደፍ ምቕልዑን ብመርበብ ሓበሬታ መስከረም ዝተንጸባረቐ ዘይሕጉስ መንፈስን ብምዝማድ ሓደ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ጉዳይ ኣዘኺሩኒ። ኣብቲ ዝወጸ ኣስማት መብዛሕቶም መበቆል ዓዶም ክገልጽ ከሎ፡ ገሊኦም ከኣ ኣብ እገለ ዓዲ ዝዓበዩ ብምባል ተመዝጊቡ ኣንቢበ። ስለ ምንታይ ኣስማት መበቆሎም ዘይተገልጸ? ስለምንታይ ኣብ እገለ ዓዲ ወይ ኣውራጃ ዝዓበዩ ጥራይ ብምባል ተሓሊፉ? ዝብሉ ብዙሓት ክሓቱ ዝኽእሉ ለባማት ምህላዎም ስለዘይተርፍ፡ ብወገነይ ብንጹር ክበርህ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ምዃኑ ይግንዘብ። ትሕዝቶ ናይቲ ሰነድ እቶም ዓዶም ዘይተገልጹ ውፉያት መጋበርያ ስርዓት ህግደፍ ኤርትራዊ መበቆል ከም ዘይብሎም የረድእ። ልዕሊ ዝኾነ ኤርትራዊ ኤርትራውያን ንምዃን ንቀንዲ መበቆሎም ብምኽሓድ፡ ተመሊሶም ንመንነቶም ባዕሎም ከናሽውን ከባጭቡን ክትሰምዕ ከለኻ ከኣ ክሳብ ክንደይ ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ባሕሪ ቅልውላው ይነብሩ ምህላዎም ክትርዳእ ብዙሕ ኣጸጋሚ ጉዳይ ክኸውን ኣይኽእልንዩ። ናይዚ ቅልውላው መሰረታዊ ምንጭን ኣብነትን ከኣ ብቀንዱ እቲ ንመንነቱን ብንእሽትኡ ኣዕብዩን ኣቓሊሱን ናብዚ ፖሎቲካዊ ስልጣን ዘብቕዖ ህዝቢ ኤርትራን ዝጠለመ ኤሳይያስን ደቂ መዝምርቱን ምዃኖም ብዙሕ ዘካትዕ ጉዳይ ኣይኮነን። እዞም ሰባት እዚኣቶም ከኣ በቲ ቀንዲ መበቆሎም ዘይተሓበኑን ዘይኾርዑን ክሳብ ዝኾኑ፡ መንነቶም ብምኽሓድ ንባዕሎም ኣብ ከቢድ ቅልውላው ይነብሩ ምህላዎም ክሳብ ዘይተረፈ፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ንህዝቢ ኤርትራ ወይ ነቲ ዝተወለድሉ ህዝቢ ሰናይ ክሓስቡን ንምድልዳል ሕውነታዊ ዝምድና ክልቲኡ ኣህዛብ ክሰርሑን ምጽባይ የዋህነት ጥራይ ዘይኮነስ ዕሽነትዩ።

ብዝኾነ ኩሎም እቶም ውፉያት መጋበርያ ስርዓት ህግደፍ መሰረታዊ እንታይነት መበቆሎም ብዘየገድስ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ሃዋርያት ጥፍኣትን ዕንወትን ክሳብ ዝኾኑ፡ ሓለይቱ መሲሎም ክቐርቡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ሞራላውን ፖሎቲካውን ብቅዓት ክህልዎም ኣይኽእልንዩ። ከምኡውን እቶም ንክውንነት ህዝቢ ኤርትራ ብልክዕ ዘይፈልጡ ተረፍ መረፍ ኣንድነትን ኢስፓን፡ ኣብዚ እዋን ሕብሮም ከም ነፋሒቶ ብምቕያር፡ ካባ ኤርትራዊ ሃገራውነት ብምጉልባብ ከደናግርሉ ዝኽእሉ ዕድል ፍጹም ዕጹው ምዃኑ ክፈልጡ ይግባእ። ብዝተፈላለየ መርዛም ስልቲ ንሕድሕድ ምትእምማን ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምዝራግ፡ ስም ተቓለስቲ ምጽላምን መርዛም ሓሶት ምንዛሕን ዋላ ከም ንቡር ባህሊ ብምውራስ፡ ዕለታዊ ስርሖም ጌሮም ምውሳዶም እንተዘይተረፈ፡ እቲ ኣጉል ሕልምታቶም ግን ከንቱ ምዃኑ ምንም ዘጠራጥር ጉዳይ የብሉን። ውፉያት መጋበርያ ስርዓት ህግደፍ ይኹኑ ተረፍ መረፍ ኣንድነትን ኢስፓን ኣበናይ ኩርናዕ ዓለም ወይ ጽፍሒ ምህላዎም ብዘየገድስ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብግብሪ ክልተ ገጽ ሓንቲ ሳንቲም ስለዝኾኑ፡ ኩሉ ዘይጭበጥ ጻዕርታቶም ብዙሕ ትርጉም ዘይብሉን ጽባሕ ምስ ወግሐ ምትሕስሳብ ከም ዘይተርፍን ፍሉጥዩ። ብርግጽ ከኣ ብመንነት ካልኦት ቅድሚ ምዝራብ ቅድም ቀዳድም ሕሉፍን ህልውን ፖሎቲካዊ መንነቶም ወይ ድሕረ ባይትኦም ምስቲ ሕጂ ዘካየድዎ ዝተፈላለየ እከይ ዕለታዊ ተግባሮም ብምዝማድ ብዕቱብ ክምርምሩ በዚ ኣጋጣሚ ይዕደሙ።

ብርግጽ ግን እቶም ብግሩህ ልቢ ወይ ብጸቢብ ሃገራውነት ህዝብን መንግስትን ምፍላይ ተሳኢንዎም ከይተፈለጦም ኣንጻር ረብሕኦም ደው ብምባል ምስ ስርዓት ህግደፍ ወጊኖም ዘለዉ ዜጋታት ክድሕኑ ይግባእ። ፍቅርን ሓልዮትን ሃገር ምህላው ወትሩ ክተባባዕ ዝግብኦ ብጣዕሚ ቅዱስን ንቡርን ራእይ ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን፡፡ ብግሩህ ልቢ ይኹን ብዕውር ሃገራውነት ብቀጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ምብራስ ካልእ ተጻራሪ ተግባር ምዃኑ፡ ብኣግኡ ከስተውዕሉ ይህልዎም። ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ክሳብ ዕለት ሒዝዎ ክጉዓዝ ዝጸንሐን ዘሎን መንገዲ ጥፍኣት ንህዝቢ ኤርትራ ኣበናይ ብርኪ ዕንወት ኣብጺሕዎ ምህላዉ ብጣዕሚ ግሉጽን መሪር ክውንነትንዩ። እዚ ስርዓት ካብቲ መንገዲ ጥፍኣት ተመሊሱ ብምንም ተኣምር ኣብ ጎደና ሰላም፡ ርግኣት፡ ፍትሕን ምዕባለን ክምርሽ ምሕሳብ ኣጉል ጽውጽዋይ ብምዃኑ እቲ ዝሓለፈ ኲናትን ዕንወትን ይኣኽል ክንብል ይግባእ። እንተዘይኮይኑ ጽባሕ እታ ብክንደይ ፍረ መስዋእቲ ዝተረኽበት ኤርትራ ካብቲ ወዲቓቶ ዘላ ሓደጋ ናብ ዝኸፍአ ከቢድ ሓደጋ ምስ ወደቐት ካብቲ ጀርመናውያን ክልተ ግዜ ክነብዑ ተገዲዶም ተባሂሉ ዝንገር ኣፈ ታሪኽ ንላዕሊ ደጊምና ደጋጊምና ከይንነብዕ ንርሑቕ ምቁማት ይሓትት።

ክቡራት ኣንበብቲ

ተመክሮይ ምስ ውፉያት መጋበርያ ስርዓት ህግደፍ ክቕጽል ክትኸታተሉ ተስፋ ይገብር።

ብነፀረኣብ ኣስመላሽ

20 ሓምለ 2011

 


Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>