ተኽለኣብ ሃይለ ዝተባህለ ኣብ ማያት ማልታ ካልእ ሰብ ከድሕን ኣብ ባሕሪ ብድንገት ዝዓረፈ ወዲ 32 ዓመት ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ብዘርኣዮ ንኻልኦት ናይ ምሕጋዝ መንፈስ ብጅግንነት ከምዝተናኣደ ምልታ ታይምስ ገሊጹ።
ተኽለኣብ ሃይለ ዝተባህለ ኣብ ማያት ማልታ ካልእ ሰብ ከድሕን ኣብ ባሕሪ ብድንገት ዝዓረፈ ወዲ 32 ዓመት ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ብዘርኣዮ ንኻልኦት ናይ ምሕጋዝ መንፈስ ብጅግንነት ከምዝተናኣደ ምልታ ታይምስ ገሊጹ። ተኽለኣብ ሃይለ ዝተባህለ ኣብ ማያት ማልታ ካልእ ሰብ ከድሕን ኣብ ባሕሪ ብድንገት ዝዓረፈ ወዲ 32 ዓመት ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ብዘርኣዮ ንኻልኦት ናይ ምሕጋዝ መንፈስ ብጅግንነት ከምዝተናኣደ ምልታ ታይምስ ገሊጹ።
ንሱ ንሓደ ኣብ ባሕሪ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ዘጋጠሞ ወዲ 23 ዓመት ፈረንሳዊ ተማሃራይ ክሕግዝ ክብል እዩ ህይወቱ ስኢኑ።
ነቲ ናይ ትብዓት ሓቡኡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ሞት ዘስዓበሉ፡ ከም ጻዕረኛ ለዋህን ውፉይን ዝገለጹዎ ዘለዉ ኤርትራዊ ስደተኛ ተኽለኣብ ሃይለ፡ ከም ጅግና ካብ ምግላጹ ሓሊፎም፡ ደቂ ማልታ፡ እቲ ዝሞተሉ ገምገም ባሕሪ ብስሙ ክጽዋዕ፡ ሓወልቲ ክግበረሉ ይሓቱ ከምዘለዉ እታ ጋዜጣ ብተወሳኺ ትሕብር።
እቲ ኣብ 2009 ካብ ስቅያት ሃገሩ ብምምላጥ፡ ናዕበኛ ማዕበል ተቓሊሱ ናብ ስደት ኣብ ዘምርሓሉ እዋን መሬት ማልታ ክረግጽ ኣፈፌት ብምዃን ዘድሓኖ ማያት ማልታ ሕጂ ህይወቱ ምውሳዱ ከምስግንጢር ዝገለጸቶ ማልታ ታይምስ፡ነቲ ዛንታ ዝሰምዑ ደቂ ማልታ ከምዝሓዘኑ ብምግላጽ፡ ናይ ማልታ Labour Youth Forum ናይታ ሃገር ናይ ጅግንነት ማዳልያ ክሽለም ንመንግስቶም ክሓቱ ከለዉ፡ ነቶም ድሕሪት ዝገደፎም ስደራቤቱ ንምርዳእ፡ ብፍላይ እታ ዝሰርሓላ ዝነበረ ሆቴልን ሓደ ናይ ሓንባሲት ትካልን ገንዘባዊ ሓገዝ የዋጽኡሉ ከምዘለዉ ትጠቅስ።