ምንጭታትና ካብ ኒው-ዮርክ ከም ዝሓበርዎ፡ ኣማኻሪ ፕረሲደንት ሃገር-ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብርኣብን ናይ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ጉዲያት ሓላፊ ኣቶ ዐስማን ሳልሕን ብዕድመ ጥራይ ዝጸውዑዏ ፍሉይ ኣኼባ ናይ ኣባላትን ተሓባበርትን ህግደፍ ኣብ ኮሎምቢያ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ከተማ ኒው-ዮርክ ኣካይዶም።
ኣብ’ቲ ብሰንበት ነሓሰ 24, 2011 ዘካየድዎ ኣኼባ ኣስታት 60 ዝኾኑ ዕዱማት ክርከቡ እንከሎዉ፡ ካብዚ’ኣቶም ኣስታት 40 ካብ ከባቢ ኒው-ዮርክ፡ እቶም ዝተረፉ ኣስታት 20 ዝኾኑ ድማ ተቐማጦ ካልኦት ከተማታት እዮም።
ኣቶ የማነ ኣብ’ቲ ኣኼባ ዝሃቦ መግለጽን መልስን ከም’ዚ ዝስዕብ ነይሩ፡-
ኣብ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሓበሬታ ንምልውዋጥን ዘተን ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክመጹ ቪዛ ኣብ ዝሓተቱሉ እዋን እቲ መስርሕ ቀሊል ከምዘይነበረን ከምእተሸገሩን
ኣቶ የማነ ገብረኣብን ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሃገረ ጀርመን ምስ ወረዱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ጸጥታ ናይታ ሃገር ከምዝኣተዉን ጉዳዮም ክሳብ ዝጻረ ብኣባላት ጸጥታ ከምዝተሓለዉን
ኣብ ኒውዮርክ መዓርፎ ነፈርቲ ከኔዲ (JFK) ምስ ኣተዉ ‘ውን ብኣባላት ጸጥታ ኣመሪካ ከምዝተታሕዙን ጉዳዮም ምስ ተጻረየ ብ Home Land Sedurity ተሰንዮም ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝወጹን
ንማዕቀብ ብዝምልከት ኤርትራ ሓሳባታ ክትገልጽ ዕድል ከምዝተዋህባ
ወኪል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሱሳን ራይስ ኣብ መግለጺኣ ኣብ ኣመሪካ ንዝነበሩ ኤርትራውያን ኣመሪካውያን ዘይሕጋዊ 2 % ቀረጽ ተኽፍሉ ኣለኹም ኢላ ከሲሳትና። ኣብዚ ክትርድኡዎ ዘለኩም ግን ኣብ ወጻኢ ዝነብር ህዝብና 2% ክኸፍል ኣለዎ ዝብል ሕጊ የብልናን። ህዝብና 2% ዝኸፍል ሃገሩ ስለዝፈቱ ብድሌቱ እዩ ‘ምበር ተገዲዱ ኣይኮነን።
ኣብዚ ናይ ማዕቀብ መስርሕ መንግስትና ዝገበሮም ጉድለታት ኣለዉ
ሕቶን መልስን ምስ ተጀመረ፡ ሓደ ካብ ተሳተፍቲ ኣኼባ ‘2% ክንከፍል ብሕጊ ዘይግደድ እንተዄንና ንምንታይ ካብ መንግስቲ ሓደ ነገር ምስ እንሓትት 2% ከምዝኸፈልካ መረጋገጺ ንሕተት’ ክብል ንዝሓተቶ ሕቶ፡ ኣቶ የማነ ከይመለሰሉ ሓሊፉ። ብኻልእ ወገን ድማ፡ ‘ካብዚ ዝሕሰብ ዘሎ ማዕቀብ መዋጽኦ ኣለና ዶ? ተባሂሉ ምስ ተሓተተ….. ኣቶ የማነ ምወሰኽታ ቃላት ዘይብላ ‘ ተስፋ ኣለና’ በሎ።
ኣኼባ ጀሚሩ ክሳብ ዝውዳእ ኣቶ የማነ እዩ መሪሑዎ።