ደሓን ኩኒ ሰውራዊ ባይቶ ሰላም ቅድሚ ምቕባርኪ፡
ኣደ ኩሉ ቦይኮት መዕበይት ዕዮ ኔርኪ።
ክመርሕ ዝበልኪ ኣማን ምስ መለኪን፡
“መበል” ሂቦምኺ ሰውራዊት ት’መስኪን።
ካብ ባይቶ ናብ “ሰልፊ” ይሕሸኒ ማለት፡
ኣይግድን ውሳኔ ኣባላት ዘጕደለት።
ስዩም ኣይምኸደን ዝ’ኹሉ ቁልቍለት፡
በኾራ ኢብራሂም ኣኸቲሉ ፍሽለት።
ፍሪኖ ዘይብላ ናይ ዓማር ኣሰለት፡
ትኽ ኢላ ናብ “መስፍን” ጠቕሊላ ተንኮበት።
ለኻኺማ ከይዳ ድሕሪ’ኹሉ ኮለል፡
ምድስካል ዝቐድሐት ናይ ኣዲኣ ጸበል።
ሰላም ሰላም በለት ኣርማ ሓዋዊሳ፡
ውድብ ናይ ጀጋኑ ከንቱ ኣበስቢሳ።
ስርርዕ ድሕሪ ኣማን ታይኮን ክኾነ፡
ሳንኪኤል ክውድብ? ……..ወይ ኣነ ወይ ኣነ።
ታሪኽ ተደጊሙ ገርጊስ ዘምህረተ፡
ዓማር መንግስ ከይዶም ናይ ቀትሪ ዘመተ።
በሉ ግደፍዋ ምስ ህግደፍ ትዛተ
ኪዳን’ኩም ጋእ በሉ ዝሞተ ከይሞተ።
ጉባኤ እተዉ ምስ ኩሉ ንዛተ፡
ብሪንጂ ኣለኩም ማዕጾ ዝኸፈተ።
ልቕሶ ዝጕሃየ