ንራብዓይ ምዓልቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝቐጸለ ኣኼባ ሞያውያንን ግዱሳትን ኤርትራውያን ኣብ ኩሎም’ቶም ንዘተ ሰሪዑዎም ዝነበረ ዛዕባታት ብሱልን ሓላፍነታውን ልዝብ ብምክያድ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምቅልጣፍ ዝሕግዙዎ ናይ ቃልሲ ስትራተጂን ስልትን ኣለልዩ።
ኣብቲ ሎሚ 9 መስከረም ዝተኻየደ ዘተ፡ ፈለማ መራሕቲ ተቓወምቲ ሓይልታት፡ ኣብቲ ብድሮ ብሞያውያንን ግዱሳትን ኤርትራውያን ዝቐረበሎም ንገስጋስን ድኻምን ደምበ ተቓውሞ ዘርኢ ገምጋም ዘለዎም ርእይቶን መብርህን ሂቦም።
ካብዚ ብምቕጻል፡ እተን ትማሊ ኣብ ኣርባዕተ ጉጅለታት ተኸፋፊለን ግደ ዲያስፖራ፡ መራኸቢ ብዙሓን፡ ኩነታት ስደተኛታት ከምኡ ‘ውን ተራ መንእሰያት ኣብ ቃልሲ ዝገምገማ ጉጅለታት፡ ንርኽበት ዘተአን ናብ ኣኼበኛታት ብምቕራብ፡ ፍታሓት ኣሚመን።
ስዒቡ ዘተ ዝተገብረሉ ናይ መወዳእታ ዛዕባ፡ ተራ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ኮይኑ፡ ሚኒስተር መራኸቢታት ኢትዮጵያ ኣቶ በረኸት ስምኦን፡ ኢህወደግ ስልጣን ቅድሚ ምጭባጡን (ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ) ስልጣን ድሕሪ ምጭባጡን (ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ) ኣብ ዝብሉ ክልተ ክፋላት መቒሉ ተመልኪቱዎ።
ንሱ ኣብ መብርሂኡ፡ ኢህወደግ ቅድሚ ስልጣን ምሓዙ፡ ጉዳይ ኤርትራ ናይ መግዛኣቲ ሕቶ ምዃኑ ኣሚኑ ንመሰል ርእሰ ውሳኔ ህዝቢ ኤርትራ ብመትከል ደው ከምዝበለ ደጊሙ ገሊጹ። ስልጣን ድሕሪ ምጭባጡ ‘ውን ንናጽነት ኤርትራ ቅድሚ ዝኾነት ሃገር ብምፍላጥን ንኤርትራ ከም ልኡላዊት ሃገር ብምቕባልን፡ ኣብ ሰናይ ጉርብትና ዝተሰረተ ክልተኣዊ ዝምድና ከማዕብል ከምዝጸዓረ ኣረዲኡ። ይኹን’ምበር ስርዓት ህግደፍ ነቲ ጽቡቕ ድሌት ኣዘንቢዑ ብምምዝማዝ ከምዘባኸኖ ብኣብነታት ኣረዲኡ።
እዚ ኮይኑ ከብቅዕ፡ ዋላ ኣብቲ ናጽነት ኤርትራ ንምቕልባስ ድሌት ዝነበሮም ወገናት ኢትዮጵያ ዝገንፈሉሉ ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከይተረፈ፡ መንግስቲ ኢህወደግ፡ ኣብቲ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ዝኣምን መትከሉ ከምዝጸንዐ ኣገንዚቡ።
“ኢህወደግ ካብ ዝፈጸሞም ውሑዳት ጌጋታት እቲ ዝዓበየ፡ ጃምላዊ ምስጓጕ ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ እዩ” ድሕሪ ምባል ከኣ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕጂ ንዝበሎ ይቕሬታ ደጊሙዎ። ከም እምነት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ተሓንጺጹ ነባሪ ፍታሕ ዝረክብ ብዘተ ምዃኑ ‘ውን ኣስሚሩሉ።
ካብ’ዚ ቐጺሉ ሚኒስተር በረኸት፡ ደገፍ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኤርትራውያን ተቓለስቲ ካብ ሰናይ ድሌት ንህዝቢ ኤርትራን ሓባራዊ ረብሓን ዝተበገሰ ምዃኑ ኣገንዚቡ።
ኣብ መወዳእታ ኣኼበኛታት፡ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምቅልጣፍ መሰረት ግብራዊ ስርሓት (Action Plan) ዝኾኑ ስትራተጂታትን ስልትታትን ኣለልዮም።
እቲ ብንጡፍ ተሳታፍነት ናይቶም ሞያውያንን ግዱሳትን ኤርትራውያን ዓሚቝን ብሱልን ልዝብ ከካይድ ዝቐነየ ዘተ ጽባሕ ቀዳም 10 መስከረም ብደምዳሚ መግለጺ ክዛዘም እዩ።