ኣኼባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ – ኣማኑኤል ሳህለ

ኣመሪካ ዓርኪ የብላን፡ ረብሓ ጥራይ ኢዩ ዘለዋ ኪብሃል ሰሚዕና ኣሎና። ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ኣነ ብወገነይ፡ ሓንቲ ሃገር ጸላኢ የብላን፡ ብዘይካ ግጉይ ፖሊሲ ክብል ምደለኹ። 


ኣብዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ መዓልታት፡ ማለት መጠረስታ ወርሒ ነሓሰ፡ ምሁራን ኤርትራውያን ብዛዕባ ሃገሮም ንምዝታይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣኪቦም ነይሮም። ስለምንታይ ግን ኣብ ኣዲስ ኣበባ? ኢትዮጵያ ደኣ ጸላኢትና እንዲያ?….. ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝበልኩዎ እትጽላእ ሃገር የላን፡ ዚጽላእ ፖሊሲ ኢዩ ዘሎ። ፖሊሲ ኢትዮጵያ ኸኣ ብዞባዊ ይኹን፡ ብኣህጉራዊ መለክዒ ወይ መምዘኒ ዚጽላእ ኣይኮነን። አረ ዚፍቶ ኢዩ።

ቀጺለ’ውን ከምዚ ክብል እደሊ። ሓቂ ካብ ዝኾነ ሸነኽ ትምጻእ፡ ኩሉ ግዜ ሓቂ ኢያ። ሓቂ ፍሉይ ዓዲ የብላን፡ ፍሉይ ሓይሊ ግን ኣሎዋ። ሓቂ ብፖለቲካ ኣይትኽወልን፡ ብኸንቱ ዲፕሎማሲ ድማ ኣይትቕህምን።

እሞ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዄንካ ወይ ኣብ ዋሺንግተን ኴንካ ወይ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ጠሊቕካ ንሓቂ ምድላይ ኣይከኣልን ዲዩ? ወይስ ሓቂ ፍሉይ ቦታ ኣሎዋ ኾይኑዩ?

ምሁራን ኤርትራውያን፡ ካብ ኣርባዕተ ኩርናዓት ዓለም ናብ ኢትዮጵያ መጺኦም ብዛዕባ ሃገሮም ኪዝትዩ ከለዉ፡ ናብ ሓቂ ኪበጽሑ ስለ ዝደለዩ ኢዩ። ኣብዚ ንሓቂ ኣብ ምድላይ እተገብረ ዘተ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግቡእን ፍትሓውን ተራ ተጻዊቱ ኢዩ። ኪምስገን ዚግባኦ ኸኣ ኢዩ።

ሓቂ ንምድላይ ዚሕግዘካ ዘበለ ኹሉ ብጻይካ ኢዩ። ዘጋግየካ ጥራይ ኢዩ ጸላኢኻ። ኣብቲ ኣኼባ ከኣ ኣብ ሓቂ ተበጺሑ ኢዩ። ኩሉ ሰብ ረውዩን ቀሲኑን። ኩሉ ተባራዒ ስምዒታት ቅሂሙ። ኩሉ ስክፍታታት ጠፊኡ። ኩሉ ጥርጠራታት በኒኑ። ኣስላም ክርስትያን፡ ኣመንቲ ዘይኣመንቲ፡ እተፈላለያ ብሄራት፡ ኮታስ ኩሉ በቲ ውጽኢት ዓጊቡ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ብጻየይ ብታክሲ ናብ ሓደ ቦታ እናኸድና፡ እንቍጣጣሽ ዚብል ደርፊ ብካሴት ይድረፍ ነይሩ። ሽዑ እቲ ብጻየይ፡ ትርኢ ዶ ኣሎኻ፡ ኩሉ ሰብ በዓል ሓዲሽ ዓመት ቀሪቡ ኢሉ ተሓጒሱ ኢዩ ዘሎ፡ ኢሉኒ። ኣነ ኸኣ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኩሉ ሰብ በዓል ሓዽሽ ዓመት ኣትዩ ኢሉ ኪሕጐስ ከሎ፡ ዘይተሓጎሳ ባእታታት ግን ኣለዋ ኢለዮ። ንሱ ድማ ገሪሙዎ፡ መን ደኣ ኢየን እዚኣተን ? ኢሉኒ። ኣነ ኸኣ ኣባጊዕ ኢለዮ። ከመይሲ እቲ እንቍጣጣሽ ዚብል ናይ ሓድሽ ዓመት ደርፊ፡ ንኣታተን ናይ ሞት ኣዋጅ ኢዩ። ኪሕረዳ ስለ ዝኾና።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ምሁራን ኣኼባ እናተኻየደ ከሎ፡ ኩሉ ብዛዕባ ሃገሩ ዚሓስብ ኤርትራዊ ከኣ ደስ ኢሉዎ ኸሎ፡ በዓል መስከረም ወብሳይት ግን ደስ ኣይበሎምን። ከምተን ኣባጊዕ ደኾን ተሰሚዑዎም ይኸውን?

እቲ ኣኼባ፡ ኣብ ኣስመራ ኢዩ ኪኸውን ነይሩዎ። ከመይሲ ሰባት ኣብ ዓዳቶም ኮይኖም ብዛዕባ ሃገሮም ኪዛረቡን ኪዝትዩን ከለዉ ኢዩ ደስ ዚብል። እንተ ዘይተኻእለኸ? ግን ከኣ ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ፡ ንሓቂ ቦታ ኣየድልዮን። ኣእምሮ ሰብ ከኣ ብዶባት ኣይውሰንን፡ ኣይዕገትን።

እቲ ኣኼባ ብዙሕ ኣርእስቲ ኣልዒሉ ኢዩ ተኻቲዑ። ካብዚ ብውሕዱ ንምጥቃስ፡ ኩነታት ሃገርና፡ ኩነታት መንእሰያትና፡ ኩነታት ዲያስፖራ፡ ኩነታት መራኸቢ ብዙሓን፡ ደሞክራሲያዊ መስርሕ፡ ፍትሒ፡ ሰላም፡ ጽቡቕ ጉርብትና. … ወዘተ.

ካብ ኩሉ ደስ ዘበለኒ ግን፡ ብዛዕባ ብሄራትን ሃይማኖትን እተኻየደ ዘተ ኢዩ። ትግርኛ ብሔር ውጹዕ ኢዩ፡ ትግረ ውጹዕ ኢዩ፡ ኩናማ ውጹዕ ኢዩ፡ ክርስትና ውጹዕ ኢዩ፡ እስልምና ውጹዕ ኢዩ ወዘተ። ዘይውጹዕ እንተሎ፡ እቲ መንግስቲ ጥራይ ኢዩ። ሓደ ብሔር ካብ ካልእ ብሔር ኣይልዕልን፡ ከምኡውን ሓደ ሃይማኖት ካብ ካልእ ሃይማኖት ኣይበልጽን። ኣነ እየ ካብ ኩሉ ዝበልጽ ዚብል እንተሎ ግን፡ እቲ መንግስቲ ጥራይ ኢዩ። እዚ ኸኣዩ ሕማም ኮይኑ ዘሎ።

እቲ ኣኼባ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዚዝምቢ ዝነበረ ፈላላይን ጠርጣርን መንፈስ በቲኑዎ። ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ሓሰብትን ተገደስትን ከኣ ግሩም መንፈስ ሓድነትን ስኒትን ፈጢሩ። ናብቲ ዚስዕብን ዓብን ሰፊሕን ዋዕላ ዘእቱ መገዲ ድማ ጸሪጉ።

ክሪስቶፎር ኮሎምባስ ንኣመሪካ (ንህንዲ) ንምርካብ ብመርከብ ይጐዓዝ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ እቶም ባሕረኛታት፡ ንስለሰተ ኣዋርሕ ዚኣክል ኣብ ባሕሪ ከም ታኒካ ኪገላበጡን ብማዕበል ኪደራበዩን ኢሎም ኣይሓሰቡዎም። ስለዚ ሓደ እዋን ንኮሎምባስ ጸዊዖም፡ ንሕና ንህይወትና ንሰግእ ኢና፡ እታ እተደልያ ዘሎኻ መሬት ከኣ ኣይረኸብናያን፡ ስለዚ ተሎ ንዓድና ምለሰና ምስ በሉዎ፡ ከምዚ ብምባል ተዛረቦም፤

ክቡራት ኣሕዋት፡ ኣይትፍርሁ፡ ቅሰኑ፡ ቀሪብና ኢና። ግዜ ኪመጽእ ኢዩ፡ መንዩ ኣብ ኒኛ ፒንታ ሳንታ ማሪያ (እተን ሰለስተ መራኽብ ኮሎምባስ) ነይሩ ኪብሃል ኢዩ። ሽዑ ኣነ ኣብአን ነይረ፡ ኣነባ፡ ኣነባ ክትብሉ ኢኹም፡ ኢሉዎም ይብሃል።

እወ፡ እቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝነበሩ ሰባት፡ ኣስማቶም ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ኪዝከር ኪነብር ኢዩ። እወ፡ በዓል መን ነበሩ? ኪብሃል ኢዩ። ሽዑ ኣነ ኣብኡ ነይረ፡ ኣነባ ኪብሃል ከሎ፡ ብዓቢ ኩርዓትን ስምዒት ሃገራዊ ፍቕርን ኪኸውን ኢዩ።

VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0.0/5 (0 votes cast)
VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0 (from 0 votes)

What do you think?

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>