Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ሱዑዲ ዓረብያ ሰፊሕ ኣኼባታት ክትገብር ብመንግስቲ ፍቑድ ዘይምዃኑ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ’ዩ። ኣብቲ ብተመሳሳሊ ብነጻ ክትዛረበሉ ዘይፍቐዶ ኤርትራዊ መሰላትን ሓርነትን ዘይኽበረሉ ቀጽሪ ህግደፍ ልዕሊ 600 ኣባል ማሕበር ዝተኣኸበሉ መድረኽ፡ ብርክት ዝበሉ ካብ ሓለፍቲ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈትን ውፉያት መጋበርያ ህግደፍ ኣባላት ማሕበረ-ኮምን ብሓደ ጸግዒ ኮፍ ኢሎም ነበሩ።

ኣብ ዝሓለፈ፡ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ኣቢሉ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ፡ ነቲ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኣብ ውሽጢ ኣስላም ኤርትራውያን ዘሎ ድኽመታት ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ውሽጢ ጀበርቲ ዘሎ ሉሕሉሕ ሓድነት፡ ምእንቲ ህዝቢ ክማሃረሉ፡ ኣብቲ ጉዳይ ጥራይ ምድሃብ ይሓይሽ ብምባል፡ ኣስማት ውልቀሰባት ብዘይ ምጥቃስ ጹሑፋተይ ኣቕሪበ ነበርኩ።

እቲ ‘’ጉዕዞ ኤርትራ ናብ ዲሞክራሲ፡ ዝርርብ ኣብ ቅዋማዊ ጉዳያት” ብዝብል ቴማ ካብ ቀዳም 25/06/2011 ክሳብ ሰንበት 26/05/2011 ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ብኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ብምትሕብባር ምስ ኣባላት ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ ኢዩ ተወዲቡን ኣዋሃሂዱን። 

martyrቀዳም 18 ሰነ 2011 እቶም ሕድሪ ንስለ ሕድሪ ጀጋኑ እምበር ንመሸቀጢ ከምዘይኮነ ዝኣምኑን፥ ኣሚኖሙሉ ዝቃለሱን ኤርትራውያን 3.5 ማይል ወይውን ኣስታት 6 ኪ.ሜ ዝርሕቀቱ ናይ እግሪ ጉዕዞ ጌሮም። እቲ ጉዕዞ ካብ ሌክ ሜሪት ዝርከብ ናይ ህዝቢ ላይብረሪ ተበጊሱ ነታ ምጭውቲ ቀላይ ሌክ ሜሪት ዜርካ ምምጻእ እዩ ኔሩ።

EyGMሎም መዓልቲ፡ ዕስራ ሰነ፡ መዓልቲ ዝኽሪ እቶም ምእንቲ ናጽነት እታ ጠርናፊትን ሓቛፊትን ኩልና ዝኾነት ኣደ መሬት ህይወቶም ዝሃቡ ጀጋኑ፡ መዓልቲ ዝኽሪ እተን ኣብ ጥሙይ ከብደንን ዕሩቕ ዝባነን ዕረን ዓንዴልን መሪሩና ከይበላ በጃ ሓርነት ህዝቢ ትንፋሰን ዝሃባ ሰማእታት ኤርትራ እያ።

badmeምብራዕ ኲናት ባድመ ንእለቱ ተmምጢዑ ከይበኾዐ ዝተሰንከተ ሌጣ ቅጫ ኣይነበረን፡፡ ከምቲ ብተደጋጋሚ ናይ ስልበጣ ቃል ገበነኛ ኢሳይያስን መንደዃድክቱ መሪሕነትን ዝበሃል ብናይ ደገ ሐይልታት ዝተሰገደደ ዝተሰነዐ ናይ ዶብ ኲናት ውን ኣይኮነን፡፡

ስርዓት ህግደፍ ዓትዒቱ ካብ ዝሕዘና፡ ብጭቆናን ብራዕዲን ካብ ዝሳቕየናን፣ ዓመታት ኣቕጺሩ’ዩ። እቲ ብትሪ ምልከ ጭቆናኡ ዝልለ ስርዓት ናይ ሰሜን ኮረያ ኢዩ ተባሂሉ ብናይዚ እዋንዚ ተኸታተልቲ ታሪኽ ይንገር፡ ግንከ ጉጅለ ኢሰያስን መዛምርቱን ነዚ ብጭቆንኡ ዝተለለየ ስርዓት ሰሜን ኮረያ፣ ብዓመጽ ተወዳዲሩ ብልጫ ወሲዱ ክትብል ትደፍር።

 

መርሓባ ! እንቋዕ ደሓን መጻእኩም !!

ካብ ፈለምኡ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ብግብርን ብስራሕን ንምርግጋጽ ዘንቀደት፡ ነጻ መርበብ ሓበሬታኹም ኣሰና ዳት ኮም፡ ገጻታ ኣስፊሓ ዓምድታታ ኣርቢሓ ብሓድሽ መልክዕን ቅርጽን ሓበሬታዊ ኣገልግሎታ ብዝለዓለ ክትቅጽል ተዋዲዳ ምህላዋ ተበስረኩም።

PatriotsCemetery20 ሰነ፡ ሽምዓ ወሊዕና ነቶም ስለ ናጽነት ኤርትራ ህይወቶም ዝበጀዉ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰማእታት ኤርትራ እንዝክረሉ ክቡር ዕለት እዩ። ሰማእታትና ዋላ ትሕቲ መሬት እንተተቐበርናዮም፡ ኣብ እምባ ሓበን ክነብሩ ዝግብኦም ጻድቃናት እዮም።

AsmaraKerenስርዓት ህግደፍ፡ ካብ ሳዋ ‘ኮብሊልኩም’ ብዝብል ምኽንያት ኣብዚ ሰሙን’ዚ ካብ ኣስመራ ዝለቐሞም ካብ 21 ክሳብ 25 ዝዕድሚኦም 25 ዕሸላት መንእሰያት ከም ገላዩ በብጽምዲ ብሰንሰለት ኣሲሩ ብመኪና ናብ ማሕዩር ናብ ከረን ገጹ ከግዕዞም ከሎ፡ እታ ዝጓዓዙላ ዝነበሩ ናይ ጽዕነት መኪና

EritreaninOsloነጻ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ኣብ ኦስሎን ከባቢኣን” ብዕለት 11.06.2011 በዓል ናጽነት፣ ዝኽሪ ስውኣትን ዝኽሪቶም ብሓደጋ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሃሊቖም ግቡእ ናይ ቀብሪ ስነስርዓት ዘይረኸቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ኦስሎ ብድምቀት ኣሕሊፉ።

encdcልኡኻት ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃኮደለ) ምስ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤI) ሰሉስ ሰነ 14, 2011 ኣብ ከተማ ለንደን ዓባይ ብሪጣንያ ድሕሪ ምርኻቦም ሕጂ ነናብ ቦትኦም ብሰላም ተመሊሶም ኣለዉ።

dcmeetingኣባላት ኣህጉራዊ ምሕዝነት ኤርትራውያን (EGS)፡ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራን (EYGM)፡ ኣሰና ፋውንደሽንን፡ ምስ ኣባላት ጉዳያት ወጻኢ ምምሕዳር መንግስቲ ኣመሪካን: ምስ ዝተፋላለዩ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካን (ኮንግረስ) ተራኺቦም ተዘራሪቦም።

ትማሊ ዕለት 04. 06. 2011 ዓመታዊ ንግደት ማርያም ደዓሪት ኣብ ከተማ ኦስሎ ኖርወይ ብድምቐት ከቢሩ ውዒሉ:: ጽምብል ንግደት ማርያም ደዓሪት ብግዕዛዊ ሊጡርግያ ብዝተኻየደ ስርዓተ ቅዳሴን፣ ዝተፈላልየ ጥዕመ ዜማ ብዘለዎም መንፈሳውያን መዝሙራትን ሸብሸብቦታትን ብዝተሰነየን ኣገባኣብ ከባቢ ሰዓት ሓደ ድሕሪ ቀትሪ ተጀሚሩ::