Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተስፋ ዝህብ ጅማረ ካልኣይ ክፋል ብደብረ ስጡም ኣወዳድባ።    ደይ ጸገም ረኺቦም ‘ምበር ኣይ ደቅና እንድዮም፡ ንመን የሕሊፎም ከይህቡና ኣንዳበልና ንነፍስና ምዕሻው ከብቕዕ ኣለዎ። ብሰንኪ እዚ ዕሽነት ኣብ ሊዕሊ ኤርትራዊያን ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ፤ ግፍዕን ምጽማምን ከብቕዕ ኣለዎ። ዝተኣለመልና ዘይተደልየ ህድሕዳዊ ምንቛትን ምትፍናንን ገዲፍና፡ ፍልልያትና ኣወጊድና ኤርትራዊ ከም ሓደ

READ MORE

ኣማኑኤል ሳህለ ሰብ ይሓስብ፡ ነቲ ሓሳባቱ ድማ ኣብ ግብሪ ኸውዕሎ ይፍትን። ገሊኡ ይዕወት፡ ገሊኡ ግን ኣይዕወትን። እቲ ዘይተዓወተ ገሊኡ ከም ብሓድሽ ኪፍትን ከሎ፡ ገሊኡ ግን ተስፋ ቖሪጹ ካልእ ሓሳባት ክሳዕ ዝመጾ ስቕ ኢሉ ይጽበ። ገለ ሓሳባት ኣብ ናይ ውልቃውን ብሕታውን ጉዳይ ኪሕጸሩ ኸለዉ፡ ገሊኦም ግን ክንዮ ባዕላውነት

READ MORE

ህዝባዊ ጻውዒት ደገፍ ንመርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ንሕና ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ንነብር ዘሎና ኤርትራውያን፡ ልክዕ ከም’ቲ ኣብ ጥቅምቲ 2015 ኣብ ኒውዮርክ ዝፈጸምናዮ ዕዉት ሰለማዊ ሰልፊን ኣኼባን፡ ነቲ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ ብዛዕባ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ትቕጽሎ ዘላ መጽናዕትን ሓያል ስራሕን፡ ኣብ

READ MORE

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ዕጡቓት ጉጅለታት ብምውፋር፣ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘይምርግጋእ ንምፍጣር ዝዕላምኡ ተጻባኢ ሽርሕታት ምፍጻም ይቕጽል ብምህላዉ፣  ሃገሩ ስጉምቲ ክትወስድ ምዃና ከምዘጠንቀቐ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃበ ሚኒስተር መራኸቢታት ኢትዮጵያ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ምግላጹ ሱዳን ትሪቡን ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና ገሊጹ። ሚኒስተር መራኽቢታት

READ MORE

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብ ወርቂ፣ ፖታሽ ነሓስን ዝኣመሰሉ ማዕድናት  ዕደናዊ ንጥፈታቱ ብምስፋሕ ኣታዊታቱ ከዕቢ ይፍትን ‘ኳ እንተሎ፣ ብሰንኪ ‘ቲ ንዘይስነምግባራዊ ወፍሪ ብዘርኢ ንመሻርኽቱ ዝቐርበሎም ዘሎ ቀጻሊ ኣህጉራዊ ወቐሳታትን ተቓውሞን፣ ዓበይቲ ኣውፈርቲ ንዕድሚኡ ሃንደፍ ኢሎም ስለዘይኣተዉዎዎ ኣብ ዘይምኩራት ናኣሽቱ ኩባንያታት ተሓጺሩ ተሪፉ ከምዘሎ ሮይተርስ ኣብ ዘመሓላለፎ

READ MORE

ተስፋ ዘስንቕ ጅማረ ቀዳማይ ክፋል ብደብረ መእተዊ ብመጀመርታ  ካብ መዓሙቕ ልበይ ሰላም ክብል ኣፍቅዱለይ። ከም መእተዊ ብሳልሳይ ተፈኣጥሮኣዊ ሕጊ ኒውቶን ክጅምር። ርክብ ህዝባዊ ግንባር (ናይ ሕጂ ህግደፍ) ምስ ህዝቢ ካብ ጊዜ ገድሊ ንናጽነት ክሳብ ሕጂ ዘሎ ብሳልሳይ ሕጊ ንዊቶን ክግለጽ ይኸኣል ‘ዩ። ኒውቶን ኣባል ባይቶ ሃገሩ ‘ዩ

READ MORE

ብይን ገበነኛታት ቅትለት፡ 1ይ ክፋል፡                 26.02.16፡ መእተዊ፡ ኣብ ዝሓለፈ 7ይ ክፋል ጽሑፈይ “እሞ እዛ ሕብእቲ ሰልፍና ገበነኛ ከምዝኾነት እንተኣሚንኩም እንታይ ትፈርዱዋ?” ክ ብል ተሰናቢተኩም ከምዝቐነኹ ትዝክርዎ ትኾኑ። ንምጥቕላል ዝኣክል እስከ ቁሩብ ንድሕሪት ክመልሰኩም። ዜማ ወዲ-እልፉ እንተሰሚዕኩም ኣብ ሃገርና ጀግና ኣብ ግንባሩ ከምዝውቃዕ ዝኣምን ምስክር ጅግንነት ኣሎ። በቲ እዋን

READ MORE

ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ፣ ነቶም ጠንቂ ንቡር ኣልቦ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት እቲ ደረት ኣልቦ ሃገርዊ ኣገልግሎት እዩ ዝብል እምነት ዘለዎም ኤውሮጳውያን ዲፕሎማሰኛታት፣ ኣብ ዕጹው ገዛ፣ “ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ 18 ኣዋርሕ ከም ዝድረት ክንገብሮ ኢና” እናበለ ክሽሕጦም ዝጸንሐ ለዅመኛ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ብቐንዱ ዋሕዚ ስደተኛታት ኣብ ምግታእ

READ MORE

እቲ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ብዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ተፈንፊኑ ኣብ ተስፋ ምቝራጽን ዓቕሊ ጽበትን ወዲቑ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ራዕድን ሽበራን ፈጢሩ ንህዝቢ ብሓይልን ፍርሕን ክሕዞ ክፍትን ከሎ፣ ኣብ ወጻኢ ድማ ጠንቂ ተነጽሎኡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራን ማሕበረሰብ ዓለምን ኢሉ ንዝኣምነሎም ተቓለስስቲ ዝጻብኡ ሃሱሳት

READ MORE

ዓቢ ሃገራዊ ተቓላሳይ ማሕሙድ እስማዒል ኣልሓጅ ብሮቡዕ ዕለት 10/02/2016 ኣብ ከተማ ሎንዶን ካብ’ዛ ዓለም ብመስዋእቲ ተፈሊዩና። ስዉእ ማሕሙድ እስማዒል ዳርጋ ዕድሚኡ ብምሉኡ ምእንቲ ህዝቡን ሃገሩን ዝተቓለሰ ሓርበኛ ኢዩ ነይሩ። ካብ’ዚ ብምብጋስ ከኣ፣ ንሰንበት ዕለት 28/02/2016 ኣብ ከተማ ስቶክሆልም - ሽወደን፣ ቃልሱን ተመክርኡን ሓቢርና ንምዝካር መደብ

READ MORE

ኢጋድ ከምኡ `ውን ኣብ ናይሮቢ ዝመደበሩ SAHAN Foundation ዝተባህለ ማሕበር ነቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሳዕሪሩ ዘሎ ንግድ ደቂ ሰባት (human trafficking) ብዝምልከት Security Sector Program (ISSP) ኣብ ትሕቲ ዝብል ፕሮግራም ኣብ ዝዘርግሑዎ ጸብጻብ፡ ዲፕሎመሰኛታትን ፍሉጣት ዜጋታትን ኤርትራ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቂ ሰብ ተዋፊሮም ከምዘለዉ

READ MORE

ምንቅስቓስ ንደሞክራስን ፍትሕን ኤርትራ ብሓጺር ኣሰዋውዓ ምደፍኤ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዕጡቕ ተቓዋሚ ውድብ ኤርትራ፡ ኣብ ረሀይ ዓባይ ዝተባህለ ካብ ኣቑርደት ንወገን ምብራቕ ዝርከብ ቦታ፡ ኣብ ልዕሊ 10 ዝኣባላታ መስርዕ ኣሃዱ ስለያ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ብ 12 ለካቲት ሰዓት 8፡00 ምሸት ኣብ ዝፈጸሞ ናይ ድብያ መጥቃዕቲ ሓደ

READ MORE

ብኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ ካብ እግሪ ጎቦ ስራጅ ዑመር ወሰናስን ዋርዳፊሎ ዝጅምር VIA8 ብምሓዝ ቀጥ ኢልካ ንሪጋ ሶማል ሓሊፍካ ንማዲሽቶ ንምውራድ ንገዛ ቀረጽ ክትውድእ እናደለኻ ንየማን ቁሊሕ እንተልካ እንዳቦይ መሓመድ ብርሃን ካብቲ ክረኣየካ ዝኽእል ገዛውቲ`ዩ። ( ገለ ካብ ኣንበብቲ ነቲ ዝጠቀስኩዎ ቦታታት ኣበ`ዩ? ክብሉ ስለ ዝኽእሉ መልሱ ኣኽርያ`ዩ ዝብል

READ MORE

መርድእ ሓፍትና ወይዘሮ ኢየሩሳሌም ፍስሃየ: ብዓልቲ ቤቱ ንተጋዳላይ ተኽልዝጊ ዑቕባልደት (ወዲ ዑቕባልደት): ብ15/02/2016 ኣብ ሆስፒታል ሞርጅ Morges (ኣብ ስዊዘርላንድ) ብሕማም ምኽንያት ዓሪፋ ከምዘላ ንሕብር። ተጋዳላይ ተኽልዝጊ ዑቕባልደት ምስ ምሉኣት ስድራ-ቤት

READ MORE

ፍትሓውነት ካብ ሰማይ ኣይትነጥብ፤ ካብ መሬት ኣይትቦቁል። እንተኾነ ኣብ ደቂ ሰባት ልቦና ትሰፍርን፥ ሕልናዊ ምምዝዛን ክንገብር ተገድድ። መጀመሪያ ሐደ ሰብ ፍትሓዊ ክብሃል እንተኾይኑ መምዘንን መዕቀንን ግብሩ ብጋህዲ ርእይትኡ ከቅርብ ኣብ ዝኽለሉ ክፉት መኣዲ ምስተሳተፈ ጥራይ ኢዩ ዝፍለጥ። እቲ ግልጹነት ዘየዘውትር ግን ካብ ግልጹነት ክሕባእን ካብ

READ MORE

ብርሃነ እምባየ ዝተባህለ፣ ካብ ኤርትራ ተሰዲዱ ኣብ ጁባ ኣብ ስርሓት ህንጻ ዝሰርሕ ዝነበረ፣ ናይ 90 ተጋዳላይ ነበር ኤርትራዊ፣ ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ተታሊሉ ካብ ጁባ ናብ ኤርትራ ኣትዩ ድሕሪ ምእሳሩ 9 ኣዋርሕ ደሃዩ ኣጥፊኡ ከምዘሎ ምንጭታት ንድምጺ ኣሰና ሓቢሮም። ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብምትላልን ሽሕጣንን ናብ ኤርትራ

READ MORE