Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርዓት ህግደፍ በርሀ ዓንደማርያም ንዝተባህለ፣ ኣካያዲ ኢንተርኮንቲነንታል ሆተል ( ናይ ሕጂ ኣስመራ ፓላስ)  ንዝነበረ ገዲም ተጋዳላይ ኣብ ቀይዲ ኣእትዩዎ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም። ንሱ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ኣቢሉ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ከምእተኣስረ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ። ኣብ ስርዓት ህግደፍ ከሳሳይን ተኸሳሳይን ብግልጺ ዝቐርቡሉ ነጻ ቤትፍርዲ ስለዘየልቦ፣ ክሉ ብዊንታ ኢሳይያስን ጉጅሊኡን

READ MORE

  ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ድቅስ ወሪሑ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠየቕ፣ ነቲ ብሰንኪ ብልሽውን ገባትን ምሕደራኡ ንሃገርና ናብ ፍጮ ሃገር ለዊጡ ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓዘቕቲ ፖለቲካዊ ጭቆና፣ ምረት መነባብሮን ስደትን ብምሽማም ዝፈጠሮ ኩሉ መዳያዊ ውድቀት ናብ ካልኦት ብምጽጋዕ፣ ከምቲ

READ MORE

ሓደ ምስ ኤርትራ ጽቡቅ ኣፍልጦ ዘይብሉ ሰብ፡ “ምስ መንግስቲ ኤርትራን ፕረሲደንት ኢሳያስን ክላለ ደልየ” ኢሉ እንተዝሓተና መልስና እንታይ ምኾነ? ብርእይቶይ እቲ መልሲ ኣብ ክልተ ምተመቅለ፡ ዝጎበጠ ምጉትን ትኽ ዝበለ ሓቅን። ኣብ ናይ ሎሚ ጽሑፋይ ድማ ኣብቲ ትኽ ዝበለ ሓቂ ክፋል ጥራይ ከተኩር። ብዛዕባ ዝጎበጠ ምጉት

READ MORE

  ዝኸበርኩምን/ክንን ኣሕዋትን ኣሓትን ደቂ ሃገር፡ ደለይቲ ለውጢ ንደሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ …! እቲ ኣብ 2014 ዓ.ም.ፈ. ዝተመረጸ ሽማግለ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ንደሞክራሲያዊ ልውጢ ኣብ ኤርትራ ካብ NRW ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2014ዓ.ም.ፈ. ግዜኡ ኣብቒዑ ነይሩ እዩ፡ ብመገዲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ምንቅስቃስ፡ ብሓድሽ ሽማግለ ክትካእ ነይርዎ። ኮይኑ ግን ብሰንኪ

READ MORE

ካብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ኤርትራ ኣባል ድምጺ ሓፋሽ ፕሮግራም ዓረብ፣ ድሕሪ ናጽነት ‘ውን ኣብ ቴለቭዥን ኤርትራ ብደረጃ ሓላፍነት ዝሰርሐ ነባር ጋዜጠኛ፣ ቀጺሉ ኣብ ደንማርክ ከም ቆንስል፣ ኣብ ፓኪስታን ከኣ ኣምባሳደር ኤርትራን ኮይኑ ዝዓየየ ነባር ጋዜጠኛን ዲፕሎማትን ዓብዱ መሓመድ በክሪ ሄጂ (ዓብዱ ሄጂ፣ ዝሓለፈ ሰኑይ ብምልካዊ

READ MORE

ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ሓድሽ ዓመት፡ ነቲ ኣብ ዲፕሎማስያውን ኣህጉራውን መዳያት ዘጋጥሞ ዘሎ ተነጽሎታትን ውርደትን ንምንጋፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንምድንጋርን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን፡ ናብ ውሽጥን ወጻእን ዝቀንዐ ጽዑቕ ዘመተ ከካይድ ከምዝጀመረ፡ ካብ ኣስመራ ዝወጸ ሓበሬታ ይመልክት። እቲ ካብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ሚኒስትሪ ዜናን ዝወጸ

READ MORE

Veteran Eritrean journalist and former Eritrean ambassador to Pakistan, Abdu Mohammed Bekri Heji (Abdu Heji) has been arrested by the dictatorial PFDJ regime, according to sources. The veteran Eritrean journalist during the armed struggle for independence, who also served as head of the Eritrean television before he was assigned to

READ MORE

ብያሲን ዑመር (yassinomer01@gmail.com) ዓድሽ ዓመት 2017  ድሕሪ ምኽሳቱ፡ ኣብ መጀመርያ ሰሙን ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ጥሪ፡ ዝዓጠቑ ኣባላት ክፍሊ ጸጥታ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ፡ "ኮብሊልካ" ብዝብል ምስምስ ንመንእሰይ ጀማል ዓብዱልዋስዕ ካብ ዓዱ ዓዲ-ወደርኪ ብሓይሊ ሒዞም ንኽኣስርዎ፡ ብከውታ ለይቲ ንዝንብረሉ ዝነበረ መንበሪ ስድራ-ቤቱ ከቢቦም ብሃንደበት ንዕኡን ንስድራ-ቤቱን ሓደጋ ወዲቖሞም።

READ MORE

‘ሆም ኦፊስ’ (ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ)፣ ቁጽሪ ስደተኛታት ንምውሓድ ካብ ዘለዎ መደብ ተበጊሱ፣ ሓደ ካብ ዝኸፍኡ ውለቀመለኽቲ ዓለም ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ንዝፍጽሞ ዘሎ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣነኣኢሱ ብምቕራብ፣ ንስደተኛታት ኤርትራ ዝምልከት መርምርሒ ሰነዱ ከምዘፍኮሶ ዘ ጋርድያን ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ሓቢሩ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ፕሮጀክት ህዝባዊ

READ MORE

ረያል ማድሪድ ብእትርከበን ዓበይቲ ክለባት ኤውሮጳ ከይተረፈ ክድለ ዝጸንሐሐ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኮኾብ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኣለክሳንደር ኢሳቕ’፣ ዝኸበረ ትሕቲ ዕድመ ተጻዋታይ ኮይኑ፣ ነታ ክጻወተላ ዝጸንሐ ሽወደናዊት ጋንታ AIK ገዲፉ ምስ ጀርመናዊት ክለብ Borussia Dortmund ብ 10 ሚልዮን ይሮ ናይ ነዊሕ እዋን ውዕል ከም ዝተፈራረመ ካብ

READ MORE

ኣብ ጋምብያ ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ምርጫ ድሕር ምዕዋቱ ብዝተኽስተ ፖለቲካዊ ወጥሪ ኣብ ጎረቤት ሃገር ተዓቚቡ ዝጸንሐ ሓድሽ ፕረዚደንት ጋምብያ ኣዳማ ባሮው፣ ፕረዚደንታዊ መሪሕነቱ ንምጅማር ብክብ ዝበለ ህዝባዊ ኣቀባብላ ተዓጂቡ ሎሚ ሓሙስ 26 ጥሪ ሃገሩ ከምዝተመልሰ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዓለም ኣረጋጊጸን። እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ናብ ሃገሩ ኣብ

READ MORE

ታደሰ ኪዳነ           በርሚንግሃም                23/01/2017   ኣብ ዝሓለፈ ቀዳማይ ክፋል ናይ ጽሑፈይ፡ ብዛዕባ`ቲ ኣብ ኤርትራ ከም ሃገር ዘጋጥም ዘሎ ሰብኣዊ ብርሰት ተዛሪበ ነይረ። ኣብዚ ናይ ሎሚ 2ይ ክፋል ድማ ብዛዕባቲ ኣብ ሃገርና ዘጋጥም ዘሎ ባህላዊ ብርሰት ቁሩብ ክትንክፍ ኢየ። ባህላዊ ብርሰት ንሳቶም ባህላዊ ሰውራ ኢሎም ክጽውዕዎ ይኽእሉ ኢዮም። ኣነ ግን

READ MORE

ህዝቢ ኤርትራ ኣስላማዩ ክርስትያኑ ፈሪሃ እግዚኣብሄር ዘለዎ ሓላል ህዝቢ ኢዩ፡ዕድሉ ኮይኑ ግን ከም ድልየቱ ኣይኮነሉን፡ካብ ዘመነ ገድሊ ክሳብ ሕጂ እፎይ ኢሉ ከየዕረፈ ኣብ ከልበትበት ይርከብ፡ኣብ ገዛእ ሃገሩ ተጠቃሚ ጸጋታቱ ክኸውን ይትረፍስ ከም ሰብ ናይ ምንባርን ምህላውን መሰሉ ተነፊግዎ ኣብ ኣዝዩ ሕሱም ናብራ ይርከብ፡ዘዝወለዶም ደቁ ንስደት ኣብ ዘምርሕሉ ዘለዉ እዋን ገሊኦም ኣብ ምድረበዳ ሰሃራ፡ገሊኦም ኣብቲ ጸሊም ባሕሪ፡ገሊኦም ከኣ ብበላዕቲ ደቂ ሰባት ተተጨውዮም ይጸንቱ'ለዉ፡፡ [gview file="http://archive.assenna.com/wp-content/uploads/2017/01/tigrina-article-61.pdf"]  

READ MORE

ዕስራ ጥሪ 2017፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዕድመ ስልጣኑ ዘብቅዐ ፕረሲደንት ባራክ ኦባማ ካብ ቤተ-መንግስቲ ዋይት ሃውስ ዝተፋነወሉ፡ መበል 45 ፕረሲደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኮይኑ ዝተመርጸ ዶናልድ ትራምፕ ስልጣኑ ዝተረከበሉ ወግዓዊ ጽምብል’ዩ ነይሩ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከም ካልኦት ዝበዝሓ ሃገራት ዓለም፡ ብቅዋም ዝምእዘዝ ስርዓትን

READ MORE

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ጋምብያ ኣብ ዝተኽየደ ምርጫ ተሳዒሩ ክንሱ ስልጣን ካብ ምርካብ ሓንጊዱ ዝነበረ መራሒ ጋምብያ ነበር ያሕያ ጃምዕ፣ ካብ ሰኔጋልን ናይጅርያን ተበጊሶም ናብ ወሰናስን ‘ታ ሃገር ዝኣተዉ ሓይልታ ሰራዊት ምዕራብ ኣፍሪቃ ብዝገበሩሉ ጸቕጢ ተገዲዱ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምውራዱ ትማሊ ቀዳም 21 ጥሪ

READ MORE

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ጋምብያ ድሕሪ ዝተኻየደ ሃገራዊ ምርጫ ስልጣን ካብ ምርካብ ሓንጊዱ ዝቐነየ ፕረዚደንት ጋምብያ ነበር ያሕያ ጃምዕ፣ ሰራዊት ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ብዝገበሩሉ ብርቱዕ ወተሃደራዊ ጸቕጢ ስልጣን ክለቅቕ ከምእተሰማምዐ ሮይተርስ ሓቢሩ። እቲ ኣብ 1994 ብዕልዋ ስልጣን ምስ ጨበጠ ን22 ዓመታት ኣብ መሪሕነት ዝጸንሐ ሚስተር ጃምዕ፣

READ MORE

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ መበል 45 ፕረዚደንት ኣመሪካ ብምዃን ሎሚ 20 ጥሪ 2017 ቃለ-ማሕላ ፈጺሙ። ንሱ ኣብ ጽምብል ቃለ-ማሕላኡ ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ ኣመሪካ ፋብሪካታት ዝባደሙላ፣ ገበናት ዝሳዕረረላ፣ ስርዓተ- ትምህርቲ ዝወደቐላ ሃገር ኮይና ምህላዋ ብምጥቃስ፣ ዘበነ ፕረዚደንትነቱ ኣብታ ሃገር ለውጢ ከምጽእ ምዃኑ ተመባጺዑ። ፕረዚደንት ትራምፕ ዘስምዖ መደረ፣ ንምስሊ ኣመሪካ

READ MORE

ኣብ ከባቢ ዓዲዃላ ካብ እትርከብ ዓዲወደርኪ ዝተባህለት ዓዲ፡ ልዕሊ 70 ዝኾኑ ደቀንስትዮ ዝርከበኦም ዜጋታት ብጉጅለ ዓፋኝ ስርዓት ህግደፍ ተኣሲሮም ናብ ዘይፍለጥ ቦታ ተወሲዶም፡፡ እቲ ኣብ መጀመርያ ሰሙን ናይ ወርሒ ጥሪ 2017 ዝተረኽበ ናጤባ ብሰንኪ ሓደ ጀማል ዓብደልዋስዕ ዝተባህለ ተወላዲ እቲ ዓዲ ዝኾነ መንእሰይ ‘ኮብሊልካ‘ ብዝብል

READ MORE