Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

2018 ዓ.ም. ዓመተ ቅዋም፡ ዓመተ ሰላም፡ ዓመተ ልዋም፡ ንህዝቢ ኤርትራ ታሪኻዊ ጸዋዒት ንወለዶ ፍትሕን ንኹሉ ሰራዊት ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ኤርትራ፡

እዚ ጽሑፍ እዚ፡ ኣብ’ዛ ሓዳስ ዓመት፡ ዓመተ 2018 ዓ.ም.፡ ኤርትራ ሃገርና መሰል ዜጋታታ ዝኽበረላ ቅዋማዊትን ደሞክራሲያዊትን ሃገር ምእንቲ ክትኮነልና፡ ኩልና ኤርትራውያን ነቲ ብህዝባዊ ተሳትፎ ተነዲፉ 23 ግንቦት 1997 ዓ.ም. ብሃገራዊ ባይቶ ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋም፡ ከም

እዚ ጽሑፍ እዚ፡ ኣብ’ዛ ሓዳስ ዓመት፡ ዓመተ 2018 ዓ.ም.፡ ኤርትራ ሃገርና መሰል ዜጋታታ ዝኽበረላ ቅዋማዊትን ደሞክራሲያዊትን ሃገር ምእንቲ ክትኮነልና፡ ኩልና ኤርትራውያን ነቲ ብህዝባዊ ተሳትፎ ተነዲፉ 23 ግንቦት 1997 ዓ.ም. ብሃገራዊ ባይቶ ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋም፡ ከም ሓደን ቀንድን መፍትሒ ሃገራዊ ጉዳይና ወሲድና፡ ንትግባረኡ ብሓድነትን ስምረትን ተወፊና ክንቃለስ ከም ዘለና ጸዋዒት ዘቕርብ ዘሎ ታሪኻዊ ጽሑፍ ኢዩ። ንሕና ኤርትራውያን ኣብ ጽላል ሃገራዊ ቅዋም ሰሚርና፡ ምእንቲ ትግባረ ቅዋም ብሓድነት ክንቃለስ እንተ ኾይንና፡ ነዚ ከነካይዶ ዝጸናሕና ሓፈሻዊ ናይ ሓባር ጸላኢ እንበር ንጹር ናይ ሓባር ዕላማ ኣለዎ ክትብሎ ዘየድፍር ኣገባብ ቃልሲ ኣዐሪና፡ መሰረታዊ ኣተሓሳስባናን ኣወዳድባናን ቀይርና፡ ምስ ሃገራዊ ቅዋምና ቃል-ኪዳንና ከነሐድስ ክንክእል ኣለና። ንሕና ኤርትራውያን ነቲ መፍትሒ ኩሉ ውልቃውን ሃገራውን ጸገምና ዝኾነ ሃገራዊ ቅዋም፡ ግቡእ ክብርን ሚዛንን ሂብና ክንቃለስ ኣይጸናሕናን። ፍትሒ ደሊና ንቃለስ ኣለና እናበልና፡ ነቲ መሰረትን መበቖልን ፍትሒ ዝኾነ ሃገራዊ ቅዋም ግን ቅድሚ ቀዳምነታትና ሰሪዕና፡ ኣብ ክምዲ ንትግባረኡ ንቃለስ ዕሽሽ ክንብሎ ኢና ተራኢና።

እዚ ኣጋጢሙና ዘሎ ኩለንተናዊ ዕንወት ብሰንኪ መግዛእቲ ስርዓት ምልኪ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብሰንኪ’ቲ ንሕና ኤርትራውያን፡ ኣብ ክንዲ ንስለ ትግባረን ክብረትን ሃገራዊ ቅዋምና ዝተሓተትናዮ መስዋእቲ ክንከፍል ድልዋት ኮይንና ንቃለስ፡ ምስ ሕሉፍ ታሪኽ ፖለቲካውን ብረታውን ቃልስና ክንበኣስ፡ ግፍዕታትን ገበናትን ስርዓተ ምልኪ እናጸብጸብና ከነማርርን፡ ነንሓድሕድና ክንነቓቐፍን ክንጠቃቐንን ወርቃዊ ናይ ቃልሲ ግዜና ብምብኻንና ዘጋጠመ ዕንወት’ውን ኢዩ። ኩሉ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ወሪዱ ዘሎ፡ ድኽነትን ሕስረትን፡ ስደትን ምብትታንን፡ ህልቂትን መቕዘፍትን፡ ኮታ ኩሉ እዚ ወሪዱና ዘሎ ኣደራዕ፡ ብሰንኪ ንሃገራዊ ቅዋምና ነቲ ኩሉ መሰላትና ክሕልወልና ዝነበሮ ዋሕስ ህላወና ግቡእ ክብሩን ሚዛኑን ከይሃብና፡ ንስርዓት ምልኪ ምቹኣት ተገዛእቲ ኮይንና ምጽናሕና ዘጋጠመ ኣደራዕ ኢዩ። ናይ’ዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ውድቀት ብቐንዱ እቲ ምልካዊ ስርዓት ዝሕተተሉ እኳ እንተ ኾነ ንሕና ኤርትራውያን’ውን ከም ህዝቢ ንነብስና ክንነቅፍን ተሓታትነት ከም ዘለና ክበርሃልናን ይግባእ።

ብድሮ’ዛ ንኣትዋ ዘለና ሓዳስ ዓመት፡ ዓመተ 2018 ዓ.ም.፡ ነብስወከፍና ብዛዕባ’ቲ ብህዝባዊ ተሳትፎ ተነዲፉ ብሃገራዊ ባይቶ ኣብ 23 ግንቦት1997 ዓ.ም. ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋም ንሕልናና ክንሓትት ንፈትን። ኣነ ከም ኤርትራዊ  ንትሕዝቶ ሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ ማዕረ ክንደይ እፈልጦ? ምሉእ እምነትን ኣኽብሮትን ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ ኣለኒ’ዶ? ሃገራዊ ቅዋም ሕጋዊ መግለጺ ኤርትራውነተይ ምኻኑ ኣሚነ ተቐቢለዮ ደየ? ሃገራዊ ቅዋም ውሕስነት ህልውናይን ህልውና ህዝበይን ምኻኑ እርዳእ ድየ? መሰለይን መሰል ስደራቤተይን፡ መሰል መትዓብይተይን መማህርተይን፡ መሰል ኩሎም ኤርትራውያን ደቂ ሃገረይ ከኽብር ዝግብኦ ሃገራዊ ቅዋም ጥራይ ምኻኑ ይስወጠኒ ድዩ? ማዕረ ክንደይ ንሃገራዊ ቅዋም የፍቅሮን ንኽስወኣሉ ድልው እኸውንን? ንትግባረን ንህልውናን ነዚ ሓደን መተካእታ ዘይብሉ መኽበር መሰለይን መሰል ህዝበይን ዝኾነ ሃገራዊ ቅዋም እንታይ ኣወፍየ? ኢልና ምስ እንሓትት ሕልናና እንታይ ክምልሰልና ምኻኑ ንጋግዮ ኣይመስለናን።

መሰል ምምራጽን ምንጻግን፡ መሰል ሓሳብካ ምግላጽን ምጽሓፍን፡ መሰል እምነትን ሃይማኖትን፡ መሰል ምውዳብን ምእካብን፡ መሰል ሕብረ ሰልፋዊ ስርዓት ምትካልን ሰላማዊ ሰልፊ ምግባርን፡ ብሓፈሻ ብሕታዊ ናጽነትን መሰልን ዜጋታት ከኽብርን ክሕሉን ዝግብኦ ሃገራዊ ቅዋም ጥራይ’ዩ ኔሩ። እቲ ዝዓበየ ናትና ጌጋ፡ ኩሉ ዓይነታት መሰላትና ክሕልወልና ዝግብኦ ሃገራዊ ቅዋም ምኻኑ ዘንጊዕና፡ ሓላፍነትን ስልጣንን ሃገራዊ ቅዋም፡ ነቲ መተካእታ ሃገራዊ ቅዋም ኮይኑ ንቕዋም ረጊጹ ዘሎ ውልቀ መላኺ ኣሕሊፍና ክንህቦ ምጽናሕናን፡ መሰልና ንሱ እቲ ውልቀ መላኺ ዘየኽበረልና ኢልና ነማርርን ንጉህን ምህላውናን’ዩ። እቲ ዝኸፈአ ናትና ስሕታን ነቲ ስርዓተ ሕጊ ኣኽቢሩ ኩሉ መሰላትና ክሕልወልና፡ ካብ ጭቆና ስርዓተ ምልክን ኩሉ ገበናቱን ዘይንደል ሃገራዊ መዝገብ ኮይኑ ክከላኸለልናን ክዕቑበናን ዝግብኦ ሃገራዊ ቅዋምና ገዲፍና፡ ንመጥቃዕቲ ውልቀ መላኺ ኣብ ሓዲግ ሰማይ ቃልዕ ምውጻእና ኢዩ።

ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ሃገርን ንሓርነት ህዝብን ዝተኻየደ ቃልሲ ኢዩ ኔሩ። ሃገር ብኸቢድ መስዋእቲ ነጻ ዝኾነት ሓርነት ህዝቢ ምእንቲ ክረጋገጽ ተሓሊኑ ስለዝኾነ፡ ሃገር ናጻ ምግባር ማለት ሓርነት ህዝቢ ንኽረጋገጽ ጥጡሕ ባይታ ምንጻፍ ማለት’ዩ። ሓርነት ህዝቢ ተዋሒሱ ክብሃል ዝከኣል ከኣ፡ ኩሉ ዓይነታት መሰል ህዝቢ ብሃገራዊ ቅዋም ክዋሓስ ከሎን፡ ቅዋማዊት ሃገር ክትፍጠር ከላን ጥራይ ኢዩ። ስለዚ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ምእንቲ ናጻን ቅዋማዊትን ኤርትራ ዝተኻየደ ቃልሲ ካብ ኮነ፡ ንኤርትራ ቅዋማዊት ሃገር ክገብራ ዝኽእል ከኣ ሃገራዊ ቅዋም ጥራይ ካብ ኮነ፡ መዛዘሚ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሃገራዊ ቅዋም ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕል ምግባር ምንባሩ ብሩህ ይኸውን። መደምደምታ ናይቲ ኹሉ ዝፈሰሰ ኩቡር ደምን ዝተኸስከሰ ኣዕጽምትን፡ ዝተሓልፈ ጽንኩርን መሪርን ጉዕዞ ገድሊ፡ ወላድ መኻን ኮይኖም ዝተረፉ ወለድን ዝጸነታ ስድራቤታትን፡ ዝዘኽተሙ ህጻናትን ዝማእመና ቦካራትን፡ ዝዓነወ ኣባይትን ዝባደማ ዓድታትን፡ ብሓፈሻ እቲ ኩሉ ዝተኸፍለ መስዋእቲ፡ ምእንቲ’ቲ ሓርነት ህዝቢ ከረጋግጽ ዝነብሮ ሃገራዊ ቅዋም ዝተኸፍለ መስዋእቲ’ዩ ኔሩ።

ትግባረን ህላወን ሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ ማዕረ ክብረትን ህላወን ናጽነት ኤርትራ’ዩ ሚዛኑ። ንሕና ኤርትራውያን ናጻ ዝኾነት ኤርትራ ረኺብና ክንስና፡ ነታ ዝተቓለስናላን ኣእላፋት ዝሰዋእናላን ናጻ ዝኾነት ሃገርና ገዲፍና፡ ናብተን ብሕግን ቅዋምን መሰልና ከኽብራልና ዝኽእላ ብደሞክራሲያዊ ቕዋም ዝምረሓ ሃገራት ክንዕቆብ ብዋጋ ህይወትናን ክብረትናን ንስደድ ዘለና፡ ኣድላይነት ሃገራዊ ቅዋም ማዕረ ኣድላይነት ናጽነት ሃገር ከም ንሰርዖ ግሁድ መረዳእታ’ዩ። ከምቲ ክብርን ዋጋን ናጽነት ዝርደኣና፡ ከማና ከም ኤርትራውያን ጌሩ ክብርን ዋጋን እቲ መሰልና ከኽብረልና ዝነበሮ ሃገራዊ ቅዋም ክርድኦ ዝግብኦ ፍጡር ክህሉ ኣይምተገብአን። ንሕና ኤርትራውያን ግን ነቲ ማዕረ ናጽነትና ክብርን ሚዛንን ክህልዎ ዝነበሮ ኣሽሓት ቀያሕቲ ዝኸፈልናሉ ሃገራዊ ቅዋም፡ ግቡእ ኣቓልቦን ክብረትን ክንህቦ ኣይተረኣናን። ብሰሪ እዚ ከኣ ናብ’ዚ ወዲቕናዮ ዘለና ዓለም ምልእቲ ዝስካሕክሓትሉ ውድቀት ወዲቕና ብጃምላ ንሃልቅ ኣለና።

ኣብ’ዚ መድረኽ እዚ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ተዓብዒቡን ተደጒሉን ፈኸም ክብል ዝጸንሐ ህዝባዊ ኣብያን ተቓውሞን ኣንጻር ምልካዊ ስርዓትን ኣዕናዊ ምሕደርኡን ዝተባርዓሉ፡ ባና ሓርነት ህዝብና ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምብራቕ ገጹ ምኻኑ ዝተጋህደሉ ፍሉይ መድረኽ ምኻኑ ንኹልና ኤርትራውያን ብሩህ’ዩ። እቲ ብኤርትራዊ ኣቦና ሓጂ ሙሳ  መሓመድ ኑርን ብመምሃራንን ተመሃሮን ወለድን ቤት ትምህርቲ ዲያ ኣልእስልምያን ብትብዓት ክቃላሕ ዝቐነየ ባርዕ ሕቶ መሰል፡ ናብ ሃገራዊ ባርዕ  ምትግባር ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ምእንቲ ክሰጋገር ኩሉ እቲ ኣድማዒ ለውጢ ከብርክት ዝግብኦ ዜጋ እጃሙ ከልዕል ጸዋዒት ይቐርበሉ ኣሎ።

ዓመተ 2018 ዓ.ም. ዓመተ ቅዋም ዓመተ ሰላም ዓመተ ልዋም ምእንቲ ክትኮነልናን፡ ኩሉ እቲ ኣብዛ ሓዳስ ዓመት ዝካየድ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ንትግባረ ሃገራዊ ቅዋም ዘቀላጥፍ ምእንቲ ክኸውንን፡ እዛ ሓዳስ ዓመት ንሃገራዊ ቅዋም ከነወፈያ ክንክእል ኣለና። ኣብዛ ሓዳሰ ዓመት፡ ሃገራዊ ቅዋም ብጽፉፍን ብኣድማዕነትን ኣብ ግብሪ ንኽውዕል ከኣ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ንኡስ ወለዶን እቲ ጠበንጃ ዓጢቑ ዘሎ ኤርትራዊ ዜጋን ዝለዓለ ግደ ክህልዎ ከም ዝግባእ ክዝንጋዕ የብሉን። ኣብ’ዚ ጹሑፍ እዚ ነቲ “ናይ ሕማመይ” እናተባህለ ዝባጨወሉን ቁም ነገር ከም ዘይብሉ ዝሕሰብን ዘሎ ድሕሪ ናጽነት ዝተወልደ ንኡስ ወልዶ፡ ከምኡ’ውን ን“ሓይልታት ምክላኻል” ነቲ ኩሉ ዓይነት መሰል ተነፊጉ፡ ኣብ ግዱድ ዕስክርና ወሰናስን ዶብ ሃገር ከቋምት ዝበሊ ዘሎ ዜጋ፡ በቲ ታሪኻዊ ሓላፍነት ክስከም ዘብቅዖ ስያመን በቲ ዝግብኦ ክብርን ተኪኡ ይጽውዕ ከም ዘሎ ክበርህ ይግባእ። ሃገራዊ ቅዋም ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕል ብምግባር ሃገርና ኤርትራ ናብ ቅዋማዊትን ደሞክራሲያዊን ሃገር ምእንቲ ክቕይርዋን፡ ፍትሒ ከም ዝነግስ ጌሮም መሰሎምን መሰል ህዝቦምን ዘኽብር ስርዓት ምእንቲ ክተኽሉን፡ እቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተወልደ ንኡስ ወለዶ “ወለዶ ፍትሒ” ክስመ፡ እቲ ጠበንጃ ዓጢቑ ዘሎ ዜጋ ከኣ “ሰራዊት ስርዓተ ሕግን ቅዋምን” ብዝብል ስያመ ክጽዋዕ ዝበለጸ ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ።

ኣብ’ዛ ንሃገራዊ ቅዋም ዝተወፈየት ሓዳስ ዓመት፡ እቲ ንወለዶ ፍትሕን ንኹሉ ሰራዊት ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ኤርትራ ዝቐርብ ዘሎ ህጹጽን ታሪኻውን ጸዋዒት በብደረጅኡ ብዝርዝር ይቐርብ።

1ይ,  ንጅግና ወለዶ ፍትሒ፡ ኣብታ ወለዱ ዝተቓለሱላ ናጽነትን ኣይታቱ ዘውሓስዋ ሃገርን መሰሉ ተመንዚዑ፡ ብዘይስርዓተ ሕግን ቅዋምን ኣብ ኣርዑት ባርነትን ተቆሩኑ ዝሳቐን ኣብ ጉዕዞ ስደት ዝሃልቕን ዘሎ ወለዶ፡                                                                 2ይ, ንጅግና ዋርሳይ፡ ነቲ ብዶብ ተሳቢቡ ንህልቂቱ ኣብ ዝተወልዐ ኩናት መኪቱ ሃገሩ ዘውሓሰ፡ ሃገራዊ ቅዋም ብዘይምትግባሩ ግን ዜግነታዊ ክብሩን ሰብኣዊ መሰሉን ተነፊጉ ኣብ ደረት ኣልቦ ዕስክርና ዝበሊ ዘሎ ጅግና፡                                                                                                                    3ይ, ንጅግና ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር፡ ነቲ ምእንቲ ናጽነት ህዝቡን ሃገሩን ኩለንተንኡ ኣወፍዩ ከብቅዕ፡ መትከላት ገድሉ ኣብ መዓልቦ ከብጽሕ ሃገሩ ብስርዓተ ሕግን ቅዋምን ከም ትመሓደር ክገብር ዘይከኣለ ሃገራዊ፡                                                                                                    4ይ, ንጅግና ኣባል ዑቑር ሰራዊት፡ ነቲ ደቁን ደቂደቁን ኣሰዊኡ ከይኣኽሎ ቅዋም ብዘይምትግባሩ ኣብ’ቲ ክኸብረሉን ከዕርፈሉን ዝግብኦ ዕድመ ሽምግልንኡ ብረት ዓጢቑ ዝከላበት ዘሎ ኤርትራዊ ኣቦ፡

       1        ጅግና ወለዶ ፍትሒ፡ ድሕሪ ናጽነት ሃገር ዝተወለድካ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ኣብ’ታ ወለድኻ  ዝተቓለሱላን ዝተሰውኡላን ዝሰንከሉላን ናጽነት፡ ኣብ’ታ ኣያታትካ ተበጅዮም ዘውሓስዋ ሃገር፡ ነቲ ብስርዓተ ሕግን ቅዋምን ክወሓስ ዝነበሮ መሰልካ ተመንዚዕካ፡ ኣብ ባርነት ትኽርትትን ኣብ ጉዕዞ ስደት ትሃልቕን ዘለኻ ወለዶ፡ ኣብዛ ንሃገራዊ ቅዋም ዝተወፈየት ዓመት፡ ናትካ ዕማምን ናይ መድረኽካ ታሪኻዊ ሕቶን እንታይ ምኻኑ ኣነጺርካ ክትፈልጥ ይግበኣካ። ጀጋኑ ወለድኻ ኣብ’ዚ ንስኻ ዘለኻሉ ዕደመ ንእስነት ከለዉ፡ ካብ ማሙቕ ገዝኦምን ካብ ዘፍቅርዎም ስድራቤቶም ተፈልዮም፡ ነታ ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣትያ ትሳቐ ዝነበረት ሃገሮም ሓራ ከውጽኡን ጅግንነት ኤርትራውነት ከመስክሩን፡ ብተበግስኦም ናብ በረኻታት ሃገሮም ብምውፋር ዕድመ ንእስነቶም፡ ታሪኽ ከም ዝሰርሕን ንረብሓ ሃገር ከም ዝውዕልን ጌሮም ኢዮም። ከማኻ ኣባጽሕ ከለው ብውሑድ ዓቕሚ ብዘይዝኾነ ናይ ወጻኢ ሓገዝ፡ ኣንጻር’ቲ ብርእሰ ሓያላን ሃገራት ዝሕገዝ ገዚፍ ወራሪ ሰራዊት ኢትዮጵያ ገጢሞም፡ ክጽወር ዘይከኣል መሪርን ጽንኩርን ኩነታት ሓሊፎም፡ ኣጽናቲ ወራራት ኣፍሽሎም፡ ንኹሉ ተጻብኦታት መኪቶም፡ መግለጺ ዘይርከቦ ተኣምረ መስተንክር ቅያታት ሰሪሖም፡ ዘድሊ መስዋእቲ ብምኽፋል፡ ብዘስደምም ጅንነት ናጽነት ሃገር ከረጋግጹ በቒዖም’ዮም።

ወለዶ ፍትሒ እዞም መስተንክር ታሪኽ ፈጺሞም ናጽነት ሃገር ዘረጋገጹ ጀጋኑ ወለድኻ ንዓኻ ምስ ወለዱ ግን፡ ብቅዋም ዝመሓደር ህዝባዊ ደሞክርስያዊ መንግስቲ ክተኽሉን ዕላማ ቃልሶም ኣብ መፈጸምታ ከብጽሕዎን ትብዓት ኣይረኸቡን። ንዓኻ ምስ ወለዱ ዝወለድናዮም ደቅና ከይነዘኽትም ብዝብል ምኽንያት ጀጋኑ ክንሶም ንሓደ ውልቀ ሰብ ፈሪሖም፡ ስረኦም ክፈትሑን ንመብጽዓ ስውኣት ብጾቶምን ንዕላማ ገድሎምን ክጠልሙን ተራእዮም። ዝኾነ ወለዶ ናይ መድረኹ ሕቶ ብግቡእ መሊሱ ታሪኽ ሰሪሑ ክሓልፍ ታሪኻዊ ሓላፍነት ኣለዎ። ጀጋኑ ወለድኻ ዋላ እኳ ምሉእ ታርኽ ሰሪሖም ቅዋም ከም ዝትግበር ጌሮም፡ንወለዶታት ዘውሕስ ባይታ ስርዓተ ሕግን ደሞክራስን ኣየንጽፉ፡ ከም ወለዶ ግን ኤርትራ ትበሃል ናጽነታ ዘረጋገጸት ሃገር ኣብ ካርታ ዓለም ከም ትሰፍር ብምግባር፡ ናይ መድረኾም ሕቶ ብግቡእ ክምልሱ በቒዖም ኢዮም። ዋርሳይ ዝተሰምዩ ዓበይቲ ኣሕዋትካ’ውን ዋላ እኳ ብፍላጥ ዝኣተውዎ ኩነት ኣይንበር፡ ጅግንነት ኣያታቶም ወሪሶም ዝተሓተትዎ መስዋእቲ ብምኽፋል ልኡላውነት ሃገር ኣውሒሶምን፡ ኤርትራ ከም ሃገር ዶባታ ዝተነጸረ ሃገር ከም ትኸውን ብምግባር ናይ መድረኾም ሕቶ ክምልሱ ክኢሎምን ኢዮም። ወለዶ ፍትሒ ንስኻ’ኸ ከም ወለዶ ናይ መድረኽካ ታሪኻዊ ሕቶ እንታይ ምኻኑ ተስተውዕል’ዶ ኣለኻ?

ወለዶ ፍትሒ፡ መጸውዒ ስም ወለዶኻ ከም ዝሕብሮ ናይ መድረኽካ ታሪኻዊ ሕቶ፡ ነታ ተጋደልቲ ወለድኻን ሓፋሽ ህዝብኻን ንዓኻ ውልዶም ከዕብዩ ዝፈትሕዋ ስረ ጅግንነት ዓጢቕካ፡ ነቲ ንስኻ ብምውላድካ ዝተኾልፈ ዕላማ ቃልሲ ወለዶታት ኤርትራ ኣብ መፈጸምትኡ ከም ዝበጽሕ ምግባር’ዩ። ታሪኻዊ ተልእኾ መድረኽካ እንበኣር፡ ህዝብኻ ህዝቢ ኤርትራ መሰሉ ዝሕልወሉ ህዝባዊ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ተኺሉ ብስርዓተ ሕጊ ንኽመሓደር፡ ነቲ ብህዝባዊ ተሳትፎ ተነዲፉ ብ1997 ዓ.ም. ብሃገራዊ ባይቶ ዝጸደቐ፡ ሃገራዊ ቅዋም ኣቦታትካ ከም ዝትግበር ምግባርን ፍትሒ ንኽነግስ ምቅላስን’ዩ። ነዚ ሓደን ቀንድን መፍትሒ ኩሉ ሽግርካን ሽግር ህዝብኻን ዝኾነ ታሪኻዊ ዕማም ምትግባር ሃገራዊ ቅዋም፡ ኣብ ውሽጢ እዛ ንኣትዋ ዘለና ዓመተ 2018 ዓ.ም. ኣብ መፈጸምትኡ ንኽበጽሕ ክትቃለስ ምስ ሕልናኻ ቃል ክትኣቱ ታሪኽ ይጽውዓካ ኣሎ።

ኢሳይያስ ኣፎርቂ ንህዝብኻ ህዝቢ ኤርትራ መሰሉ ዝሕልወሉ ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ንኸይትከልን ቅዋም ንኸይትግበርን፡ ብዶባዊ ምስሕሓብ ኣመኽንዩ ምስ ኢትዮጵያ ኩናት ወሊዕሉ። ቅዋም ብሃገራዊ ባይቶ ጸዲቑ ክንሱ ቅዋም ንኸይትግበር ብምፍርራሕን ብምስምስን ከታልል ጸኒሑ፡ ድሕሪ 17 ዓመት “ቅዋም ሞይቱ ተቐቢሩ’ዩ” ክብል ተሰሚዑ። ምእንቲ ሃገራዊ ቅዋምን ምእንቲ ቅዋማዊት ኤርትራን ቅድሚ ናጽነት ኣሽሓት ጀጋኑ ተሰዊኦም ኢዮም። ድሕሪ ናጽነት’ውን እቶም ምእንቲ ልኡላውነት ቅዋማዊት ኤርትራ ዝተበጀው፡ እቶም ኣብ ሸላታት ዒራዕሮን ካርሸልን ተሓይሮም ዝቕዘፉ ዘለወ ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ጀጋኑ ኣርካናት ገድልን ተባዓት ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታትን ሓያሎ ሃገራውያን ዜጋታትን፡ እቶም ኣብ ፎርቶ ኣስመራ ኮይኖም ቅዋም ይተግበር ኢሎም በጃ ዝሓለፉ በዓል ወዲ ዓሊን ብጾቱን፡ እቶም ብሰንኪ ቅዋም ዘይምትግባሩ ኣብ ኣብያተ ማእሰርትን ኣብ ጉዕዞ ስደትን ዝሃልቁ ዘለዉ ዜጋታት፡ እዞም ኩሎም ምእንቲ ሃገራዊ ቅዋም’ዮም ተኸፊሎም።

ጅግና ወለዶ ፍትሒ፡ ብሰንኪ ሽርሕን ጥልመትን ኢሳይያስ፡ እቲ ኩሉ መስዋእቲ ዝኸፈልናሉ ሃገራዊ ቅዋም ኣብ ግብሪ ስለ ዘይውዓለ፡ ስርዓተ ሕጊ ክነግስን ብህዝባዊ ምርጫ ዝምራሕ ቅዋማዊ መንግስቲ ክትከልን ኣይተኻእለን።  እቲ ኣብ ልዕሊ ሃገርናን ህዝብናን ወሪዱ ዘሎ መግለጺ ዘይርከቦ ሽግርን መከራን፡ ቅዋም ብዘይምትግባሩ ዘጋጠመ ሽግርን መከራን’ዩ፡ ካልእ ምኽንያት የብሉን። ቅዋማዊ መንግስቲ እንተ ዝህልወና፡ ከም’ዚ ሕጂ ሃገርና ኤርትራ ኮይናቶ ዘላ ኩሉ መዳያዊ ምዕባለኣ ባይታ ዘቢጡ፡ ብድሕረትን ድኽነትን ኣይምተዳኸመትን ኔራ። ቅዋም እንተ ዝትግበር ህዝብና ከም’ዚ ሕጂ ብምረት ባርነት ተዋሪዱ ኣንፈቱ ኣጥፊኡ ናብ ስደት ዝበታተንን፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ብሕስረት ዝዋረድን ዘሎ ኣይምኾነን ኔሩ። ዓቢ ሓውኻ ዋርሳይ’ውን ብዘይዓስቢ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ናይ ባርነት ዕስክርና ንእስነቱ ኣይምበለየን።

ወለዶ ፍትሒ፡ ቅዋም እንተ ዝትግበር ኣዕሩኽ መዛኑኻን ዓበይቲ ኣሕዋትካን ካብ ጎደናታት ተኣርዮም ኣብ ፈቐዶ መዳጎኒ ኣንደራትን ኣብያተ ማሕዩርን ተኣሲሮም ኣይምተሳቐዩን። ዝጣበቐሎም ቅዋማዊ መንግስቲ እንተ ዝህልዎም መሳኪን ደቂ ሃገርካ ኣብ ሲናይን ሊብያን ናውቲ ውሽጦም ተመዝሒቑ ናብ ዕዳጋ ኣይምወዓለን። ቅዋም እንተ ዝትግበር እተን ሃገር ከመሓድር ዘኽእል ኣእምሮ ሒዘን፡ ብሰንኪ ስርዓት ምልኪ ናብ ስደት ዝተበታተና ጽቡቓት በራውር ኣዋልድ ኣሓትካ፡ መጻወቲ በደዊን ራሻይዳን ሊብያውያንን ኣይምኾናን ኔረን። ቅዋማዊ መንግስቲ እንተ ዝህልወና መንእሰያትን ህጻናትን ኣሕዋትካ ኣብ ምድረበዳ ሳህራ፡ ኣብ ሊብያን ኣብ ማእከላይ ባሕርን ኣይምሃለቑን ኔሮም። መቕዘፍቲ ሰማእታት ላምፔዱዛ’ውን ፈጺሙ ኣይመጋጠመን። እዚ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ዝተፈጸመ ናዕብን ቶኽስን ኣይምተራእየን። ቅዋም ተተግቢሩ እንተ ዝነብር፡ እዞም ኣብ ሊብያ ዘስካሕክሕ ስቓይ እናወረዶም ከም በራዩ ተቖጺሮም ብቁንጣሮ ዶላር ዝሸየጡ ዘለዉ ኩቡራት ኣሕዋትካ፡ ብሰላምን ክብረትን ኣብ መሬት ዓደ ኣቦኦም ክነብሩ ምኸኣሉ ኔሮም። እዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ጥፋኣት ህዝብኻ ቅዋም ስለ ዘይተተግበረ ዘጋጠመ ስለ ዝኾነ፡ መሰረታዊ ሽግርካን ሽግር ህዝብኻን ሃገርካን ዝፍታሕ ከኣ ቅዋም ምስ ዝትግበር ጥራይ ምኻኑ፡ ካልእ መፍትሒ ከም ዘየለ ክበርሃልካ ይግባእ። ወለዶ ፍትሒ ቅዋም ከም ዝትግበር እንተ ዘይጌርካ ሃገርካ ክትባድም’ያ፡ ህዝብኻ ክጸንት’ዩ፡ ንስኻ’ውን ክትልከም ኢኻ። ሃገራዊ ቅዋም ንዓኻን ንህዝብኻን ንሃገርካን ርሕኩም፡ ትንፋስኩምን ኩለንተናኹምን ኢዩ።

ኢሳይያስ ኣፎርቂ እቲ መብጽዓ ጀጋኑ ስውኣት ኣቦታትካን ኣያታትካን ዝጠልመ ጣልማይ፡ ንዓኻ ንወለዶ ፍትሒ ቁምነገር ዘይብሉ ብኹን ወለዶ ምእንቲ ክትከውን፡ እዚ “ናይ ሕማመይ” ዝበሃል ወለዶ እናበለ የቋናጽበካ ኣሎ። እዚ ናይ ሕማመይ ዝብሃል ወለዶ ንነብሱን ንሃገሩን ዘይጠቅም፡ ሃገራውነት ዘይብሉ፡ ሓላፍነት ዘይስምዖ፡ ሕማም ዕንደራን ዳንኬራን ሕማም ስርቅን ለቕመጽመጽን ዘዕበድብዶ ፍንፉን ወለዶ’ዩ እናበለ፡ ብ03 ወረታት እንዳናፈሰ ይጥቅነካ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣቦታትካን ኣያታትካን ዝፈጸሞ ናይ ምድሃልን ናይ ጸለመን ዘመተ ኣብ ልዕለኻ’ውን ይፍጽሞ ኣሎ። ወለዶ ፍትሒ ከም’ቲ ኢሳይያስ “ናይ ሕማመይ” እናበለ ብ03 ዘናፍሶ ናይ ጸለመ ወረታት ዘይምኻንካ ተርእየሉ፡ ሕማም ዕንደራን ዳንኬራን ዘይኮነ ሕማም ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ሕማም ፍትሕን ደሞክራስን ዘሳቕየካ፡ ብኩነታት ህዝብኻን ሃገርካን ድቃስ ዝሰኣንካ ወለዶ ምኻንካ ተመስክረሉ፡ እታ ወለዶታት ኤርትራ ዝተቓለሱላን ከርተት ዝበሉላን ክዕወቱላ ግን ዘይከኣሉ ፍትሒ ንኽትነግስ ስረ ጀጋኑ ኣቦታትካን ኣያታትካን ትዓጥቀሉ ግዜ ሕጂ’ዩ። “እቲ ዝነዓቕዎስ ርእሲ መኣዝን ኮነ”  ከም ዝብሎ እቲ ጽሑፍ፡ ጅግና ወለዶ ፍትሒ ኣንጻር እቲ ኢሳይያስን ሰዓብቱን  እዚ ናይ ሕማመይ ዝብሃል ወለዶሲ… እናበሉ ብንዕቐት ዝወራዘዩልካ ንኽትከውን፡ ቅድመኻ ዝሓለፉ ወለዶታት ዘይሰርሕዎ ትኣምር ሰሪሕካ መቕሰን ሰማእታት ሃገሩ ንኽትስመ፡ ኤርትራዊ ቅልጽምካ ተልዕለሉ እዋን ሕጂ’ዩ።

ኣስተውዕል ወለዶ ፍትሒ ኢሳይያስ ካብ ኩሎም ዝሓለፉ ወለዶታት ኣብ ልዕሊ ወለዶኻ’ዩ ዝኸፍአ ገበን ፈጺሙ። ልዕሊ ኩሎም ዝሓለፉ ወለዶታት ከኣ ንዓኻ’ዩ ደመኛኻ። ክለተ ዝወደባታ ባሕሪ ዝቕናታ ሃብታም ሃገር ከላትካ ዝስተ ማይን ትቑረስ ሓንቲ ባንን ኣስኢኑካ። ኩሉ መሰላትካ መንዚዑ ግዳይ ባርነትን ስደትን ጌሩካ። ነታ ሓንቲ ኣብ ዓለም ተፈላጥነት ዘለዋ ይኒቨርስቲ ኣስመራ ዓጽዩ፡ ብደርጃ ዓለም ተፈላጥነትን ተቐባልነትን ኣብ ዘይብለን ኮለጃትን ተቕዋመ ትመሃርትን ከም ትመሃር ብምግባር ብወርቃዊ ዕድልካን ዕድመኻን ተጻዊቱ። ኩሎም ዝሓለፉ ወለዶታት ባዕዳውያን ገዛእቲ ክቐትልዎ ዘይከኣሉ ገዚፍ ሕልሚ፡ ሕልሚ ናጽነትን ሓርነትን ኔርዎም’ዩ። ናጽነትን ሓርነትን ኩሉ ሕቶታቶም ክምልሳሎም ኩሉ ባህግታቶም ከስምራሎም ሕልሚ፡ ተስፋ፡ ራኢ ኔርዎም’ዩ። ኢሳይያስ ንዓኻ ወለዶ ፍትሒ ከም ወለዶ ንጽባሕ ተማዕድዎ  ሕልሚ፡ ተስፋ ይኹን ራኢ ዘይብልካ ኮንካ ከም ትዓቢ’ዩ ጌሩካ። ብዘይሕልሚ ብዘይተስፋ ብዘይራኢ ምንባር ማለት ብደውካ ምማት ማለት’ዩ። ወለዶ ፍትሒ ኢሳይያስ ብደውካ ከለኻ’ዩ ክቐትለካ ወሲኑ ኔሩ።

ወለዶ ፍትሒ ከምቲ ኢሳይያስ መጻኢ ተስፋታትካ ኣጸልሚቱ ብደውካ ክትመውት ዝሓሰበካ ከም ዘይኮንካ፡ ሕልሚ፡ ተስፋን ራእን ሃገራዊ ቅዋም ዘለካን ንመጻኢ ተማዕዱ ትስፉው ወለዶ ምኽንካን ተመስክረሉ እዋን ሕጂ’ዩ። ኣብዛ ንሃገራዊ ቅዋም ዝተወፈየት ሓዳስ ዓመት፡ ነቲ ሕልምኻ፡ ተስፋኻን ራኢኻን ዝኾነ ሃገራዊ ቅዋም ንኽትግበር ብሓደ ተወዲብካን ሰሚርካን ክትቓለስ ይግብኣካ። እዚ ዕድመኡ ወዲኡ ብዕድመ ንእስነትካን ብዕድልካን ዝቛመር ዘሎ ሓደ እግሩ ኣብ ጉድጓድ ዝኣተወ ቦጅባጅ ውልቀ መላኺ፡ ንስኻ ቅዋም ንኽትግበር ክትቃለስ እንተ ተላዒልካ፡ ካብቲ ኣታሊሉ ተቐሚጥሉ ዘሎ ስልጣን ክግለፍ ምኻኑ ክትጠራጠር የብልካን። ወለዶ ፍትሒ ንስኻ እንተ ተላዒልካ ኩሉ ኣሰርካ ክስዕብ ኢዩ። ኩሉ ጠበንጃ ዓጢቑ ዘሎ ኤርትራዊ ሓውኻ ኩሎም ኣዘዝቲ ሰራዊት ከኣ ኣቦታትካ ኢዮም። ኣቦታትካ ዋላ እኳ ሕልንኦም ደኺሙ እርጋን እንተ ኣሰነፎም፡ ቀያሕቲ ብጾቶም ዝበጀውሉን ንእስነቶም ዝኸፈልሉን ዕላማ፡ ኤርትራ ሃገርና ብስርዓተ ሕጊ ትመሓደር ቅዋማዊት ሃገር ከም ትኸውን ምግባር’ዩ ኔሩ። ስለ ዝኾነ፡ ንስኻ ብትብዓት እንተ ተላዒልካ ኩሎም ኣብ ጎድንኻ ክስለፉ ኢዮም። ኢሳይያስ ከኣ ደፊሩ ብትብዓት ዝምክቶ ጅግና እንተ ረኺቡ ከትክል ጽንዓት ስለ ዘይብሉ፡ ብዘይወዓል ሕደር ስልጣን ንህዝቢ ከረክብ’ዩ። ስልጣን ናብ ህዝቢ እንተ ተረኪቡ ከኣ ቅዋም ክትግበርን ስርዓተ ሕጊ ክነግስን’ዩ።

ኢሳይያስ ነቲ ብህዝባዊ ተሳትፎ ተነዲፉ ብ1997 ዓ.ም. ብሃገራዊ ባይቶ ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋም ሞይቱ’ዩ ቀቲለዮ’የ ክብል ይፍትን ኣሎ። መሰልካን መሰል ህዝብኻን ዘኽብር፡ ዕድል መጻኢኻን ዕድል መጻኢ ወለዶታትካን ዘውሕስ፡ ንውሉድ ወለዶ ከቢሩ ክነብር ዝግብኦ ሃገራዊ ቅዋም ኢሳይያስ ክቐትሎ ይኹን ክቐብሮ መሰል የብሉን። ሃገራዊ ቅዋም ናትካን ናይ ህዝብኻን ናይ ወለዶታትካን ደኣ እንበር ውልቃዊ ንብረት ኢስይያስ ኣይኮነን። ኢሳይያስ ይትረፍ’ዶ ንቕዋም ብዓቢኡ ክቐትል፡ ብዘይደገፍ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሓንቲ ቃል’ውን ትኹን ክቕይር መሰል የብሉን። እንተኾነ ግን ኢሳይያስ እንተሎ ቅዋምን ስርዓተ ሕግን ክነግስ ስለ ዘይክእል፡ ቅዋምን ስርዓተ ሕግን እንተ ነጊሱ ከኣ ኢሳይያስ ክመልኽ ስለ ዘይክእል፡ ንዓኻን ንህብኻን ንዒቑ ንቕዋምካ ቀቲለዮ ኢየ፡ ትገብሮ ግበር ይብለካ ኣሎ። ስለዚ ወለዶ ፍትሒ ኣብ ኤርትራ ቅዋምን ስርዓተ ሕግን ድዩ ዋላስ ኢሳይያስ ኢዩ ክነግስ እቲ ውሳነ ናትካ’ዩ።  እቲ ንረብሓኻን ንረብሓ ህዝብኻን ዘገልግል፡ ውልቃዊ ሓርነትካን መሰልካን ኣኽቢሩ ዋሕስካን ዋሕስ ወልዶታትካን ክኸውን ዝግብኦ ሃገራዊ ቅዋምካ፡ ካብ መቕተልቲ ኢሳይያስ ከተድሕኖን ኣብ ግቡእ ቦትኡ ከተስፍሮን ይጽበየካ ኣሎ።

ኣቦታትና “ጎበዝ ኣይማህለል” ክብሉ ከለው፡ መንእሰይ ኣብ ጉዕዝኡ ንዝዓንቀፎ ብሓይሉ ፈንጢሱ ጥሒስዎ ኣብ ዝመደቦ ይበጽሕ እንበር መሽከንከን ክብልን ክመሳሰልን ኣየምሕረሉን’ዩ፡ ንምባል ምኻኖም ርዱእ’ዩ። ዝኾነ ሰብ ታሪኽ ክሰርሕ፡ ዕላምኡ ብጅግንነትን ቆራጽነትን ክፍጽም፡ ደራኺ ህንጡይነትን  ክምህ ዘይብል ትብዓትን ቆራጽነትን ዝህልዎ፡ ኣብ’ዚ ንስኻ ዘለኻሉ ዕድመ ጉብዝናን ንእስነትን ምስ ዝህሉ ምኻኑ ክትጋግዮ ኣይግብኣካን። ከምቲ “ከለካን ከለኻን’ዩ” ዝተባህለ፡ ሕጂ ኣብ ብርክኻ ተተንፍስ ጎቦዝ ከለኻ፡ ሓዊ ሓዊ ዝሽትት ፉሕፉሕ ዝብል ውዑይ ደም ከለካ፡ ጎቦታት ዘፍርስ ጎላጉል ዝስንጥቕ ንእስነትካ ዝዓደለካ ጉብዝና ከለካ፡ ጉብዝናኻን ብጽሕናኻን ንኤርትራ ሃገርካ መወዳደሪ ዘይርከቦ ሃብቲ ምኻኑ ተረዲእካ፡ መሰልካን መሰል ህዝብኻን ንኽኸብርን ቅዋም ንኽትግበርን ብትብዓት ክትልዓል ኣለካ።

ወለዶ ፍትሒ ኣብ ውሽጢ እዛ ንኣትዋ ዘለና ንሃገራዊ ቅዋም ዝተወፈየት ዓመት፡ ነዚ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ሃገር ዝለዓል ዘሎ ሕቶ መሰል፡ ናብ ሕቶ ምትግባር ሃገራዊ ቅዋም ምእንቲ ክዓቢ ወሳኒ ተራ ክትጻወት ዘለካ ንስኻ ምኻንካ ክርደኣካ ኣለዎ። ሕቶ ምትግባር ሃገራዊ ቅዋም ናብ ኩለን ኣብ መላእ ሃገር ዘለዋ ኮለጃትን ላዕላዋይ ደረጃ ተቕዋመ ትምህርትን፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ሃ.ማ.ሙ.ስ.ን ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ ሳዋን፡ ናብ ኣብ ምሉእ ኤርትራ ዝርከባ ካልኣይን ማእከላይን ታሕተዋይን ደረጃ  ኣብያተ ትምህርትን፡ ናብ ኩሉ ሰራዊት ኤርትራን ከም ዝላባዕ ምግባር ናትካ እዋናዊ ዕማም’ዩ። ወለዶ ፍትሒ፡ “ሰማእታትና ምእንቲ ሃገራዊ ቅዋም ኢዮም ተሰዊኦም፡ ቅዋም ምትግባር ናይ ወለዶና ታሪኻዊ ሓላፍነት ኢዩ!! እቲ ጀጋኑ ስውኣትና ህይወቶም ዝበጀዉሉ ብህዝባዊ ተሳትፎ ተነዲፉ ብሃገራዊ ባይቶ ዝጸደቐ ቅዋም ይተግበር!! ንሕና ብህይወት ከለና ሃገርና ኤርትራ ብስርዓተ ሕግን ቅዋምን እንበር ብውልቀ መላኺ ክትምራሕ ኣይነፍቅድን ኢና!! ኢሳይያስ ስልጣንካ ብዘይውዓል ሕደር ንህዝቢ ኣረክብ!! ቅዋም ዋሕስና ቅዋም ዋሕስ ወለዶታትና!!” ኢልካ እናጨራሕካ እንተ ተላዒልካን፡ ድምጺ ተቓውሞኻ ዓው ኣቢልካ ብትብዓት እንተ ኣንጎድጉድካዮን፡ ሓርነት ህዝባኻ ከተረጋገጽን ናይ መድረኽካ ታሪኻዊ ተልእኾ ክትፍጽምን ምኻንካ ይረድኣካ። ወለዶ ፍትሒ ታሪኻዊ ተልእኾኻ ከተተግብር ተላዓል እንበር ንስኻ እንተ ተላዒልካ እንታዋይ ኢዩ እሞ ኣብ ቅድመኻ ደው ክብል።

ቀደም ዘበን ኩሎም ህዝብታት ብነገስታትን መሳፍንትን ክግዝኡ ከለው፡ ኣቦሓጎታትካ ግን ልዕልና ሕጊ ኣንጊሶም ብስርዓት ሕጊ እንዳባ’ዮም ዝመሓደሩ ዝነበሩ። ኣብ’ቲ ዘበን ቆጽሊ ዘየንበርሉን ባዕሎም ዘይመረጽዎን ሰብ ዋላ ሓያል ይኹን ክመርሖም የፍቅዱ ኣይነበሩን። ብሓይሉ ከማሓድሮምን ክገዝኦምን ንዝፈተነ ሰብ ከኣ ብድሎ ውግእ ገጢሞም ይስዕርዎ ነበሩ። ቀሊል ኣብነት ናይ’ዚ ታርኽ እዚ “ኣብ ዛንታ ንጉሰ ወዲ እልፉ” ክትዕዘቦ ትኽእል ኢኻ። ንዝኾነ ብዘይሕጊ ክገዝኦም ዝፈትን  “ወዲ ደብተር ኣይከተር” እናበሉ ንመሰሎም ደው ይብሉ ኔሮም። ዘይከም ዘበን ኣቦሓጎታትካ ኣብ ዘበንካ ኣብ’ዚ ግዜ እዚ ግን፡ ኩሎም ህዝብታት ዓለም ብሕግን ቅዋምን እናተመሓደሩ ናብ ምዕባለ ክውንጨፉ ከለው፡ ህዝብኻ እቲ ቅድሚ ኩሎም ህዝብታት ብስርዓተ ሕጊ እንዳባ ዝመሓደር ዝነበረ ምዕቡል ህዝቢ ግን ብውልቀ መላኺ ተዳሂኹ ይጸንት ኣሎ። ወለዶ ፍትሒ ቀደም ኣብ ዘበነ ኣቦሓጎታትካ ዘይተገብረ ሕጂ ኣብ ዘበንካ ክግበር ከተፍቅድ የብልካን። ብሕግን ቅዋምን ኣቦታትካ ዘይተመርጸ መራሒ ካብ ዘመሓድረካ ዓሰርተ ሞት ሙማት ይበልጸካ። “ወዲ ደብተር ኣይከተር ብዘይ ቅዋም የለን ልዋም!!” ኢልካ ምእንቲ ትግባረ ሃገራዊ ቅዋምካን ምእንቲ መሰልካን መሰል ህዝብኻን ክትለዓል ውጹዕ ህዝብኻ ይጽበየካ ኣሎ።

ወለዶ ፍትሒ ቅዋምካ ቅዋም ኤርትራ መሰልካን መሰል ህዝብኻን ዘኽብር ቅዋም ምእንቲ ክኸውን፡ ርእይቶ ህዝብን ባህላዊ ሕግታት እንዳ ኣባን ኣብ ግምት ከም ዝኣቱ ተጌሩ፡ ደቂ ሃገርን ወጻእተኛታትን ናይ ሕጊ ክኢላታት ንኽካትዕሉ ዕድል ተዋሂቡ፡ ንኣርባዕተ ዓመት ምሉእ ኩሉ ንቕዋም ዘድሊ ሕጋዊ መምዘኒታት ኣማሊኡ ዝተነድፈን ዝጸደቐን ምዕቡልን ብሉጽን ቅዋም’ዩ። ሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ፡ ብሕታዊ መሰል ዜጋታት ዘኽብር፡ ዜጋታት ከም ድላዮም ኣብ መላእ ሃገርን ካብ ሃገር ወጻእን ክንቀሳቐሱ ዘውሕስ፡ ክሱስ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ኣብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ዝጣበቕ፡ ብድምጺ ምርጫ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝምራሕ፡ ዋላ ንፕረሲደንት ብምርጫ ሃገራዊ ባይቶ ካብ ሓልፍነት ክግልፍ ዘኽእል ስልጣን ዘለዎ፡ ኣብ ልዕልና ሕጊ ዝኣምን ምዕቡልን ደሞክራሲያውን ቅዋም’ዩ እሞ ንኽትግበር ብዝከኣለካ ተቓለስ።

ወለዶ ፍትሒ ብስደትን ውርድትን እናተኸላበትካ፡ ኣብ ትሕቲ ባርነትን ድኽነትን ከለኻ፡ ቅድመኻ ዝነበሩ ወለዶታት ዘይገበርዎ፡ ብቕድድም ብሽክለታን ጉያ እግርን ስም ሃገርካ ኣብ ዓለም ከተጸውዕ ዝበቓዕካ መስተንክራዊ ኤርታዊ ወለዶ ኢኻ። ብቕዋምን ስርዓተ ሕግን መሰልካ ዝሕሉ ቅዋማዊ መንግስቲ እናተመሓደርካ፡ ኣብ ሃገርካ ብኽብረት ክትነብር ዕድል እንተ ትረክብ፡ ካልእ ብዝበለጸ ንዓለም ዘገርም ትኣምር ክትሰርሕ ከም ትኽእል ዘጠራጥር የብሉን። ኣታ ብዘይካ ኤርትራውነት ካልእ መግዛእታዊ ዜግነት ዘየርስሓካ ሕሩይን ጹሩይን ሕልሚ ዝሓለፉ ወለዶታት ዝኾንካ ኤርትራዊ ወለዶ፡ ነታ ኩሎም ዝሓለፉ ኣቦታትካ ክዕወቱላ ዘይከኣሉ ብቕዋምን ስርዓተ ሕግን ትማሓደር፡ ብድምጺ ህዝባ ትምራሕ፡ ራኢ ወለዶታት ተስምር፡ ደሞክራሲያዊትን ቅዋማዊትን ኤርትራ ትምስርትን ኣብ ሃገርካ ፍትሒ ከም ዝነግስ ትገብርን ወለዶ ንስኻ ምኻንካ ኣስተውዕል። ወለዶ ፍትሒ ሕቶ ድሕነት ኤርትራን ዕድል መጻኢ ወለዶታትን ኣብ ኢድካ ስለ ዘሎ ንስኻ ደላይ ፍትሒ ዘይኮንካ ረኻቢ ፍትሒ ምዃንካ ይረድኣካ። ነዚ ታሪኽ ሓዚኡልካ ዝጸነሐ ፍሉይ ታሪኻዊ ተልእኾ ብግቡእ እንተ ዛዚምካዮ፡ መጻኢ ወለዶታት ስምካ እናልዓሉ ብኽብሪ ከመጉሱኻ ክነብሩ ኢዮም።

ወለዶ ፍትሒ ክትጋገያ ዘይብልካ ኣገዳሲት ጉዳይ ግን ኣላ። ከም ዜጋ ብታሪኽ ክትመሃር ጽቡቕ እኳ እንተኾነ ኣብ ታሪኽ ክትነብር ምፍታን ግን ስንፍና’ዩ። ስለ ዝኾነ ብዛዕባ ሕልኽላኽ ጉዕዞ ገድልን ውጽኢቱን ክትንትን ግዜኻ ከይተጥፍእ። ብዛዕባ ታሪኽ ምትንታንን ምስትንታንን ናይ ኣቦታትካ ደኣ እንበር ናትካ ሕማም ኣይኮነን። ናትካ ሕማም ናትካ ቃንዛ ናትካ ስቓይ ጉዳይ ቅዋምን ስርዓተ ሕግን ጉዳይ መሰልን ሓርነትን ጥራይ ክኸውን ከም ዘለዎ ኣነጺርካ ክትፈልጥ ይግበኣካ። ኢሳይያስ ከምቲ ንዓበይቲ ኣሕዋትካ ዝገበሮም፡ ንዓኻ’ውን ነብስኻን ሃገርካን ጸሊእካ ናብ ስደት ከተማዕዱን ኣብ ጉዕዞ ስደት ክትሃልቕን ከይተሓለለ’ዩ ዝጽዕር። ንስኻ ግን “ኣነ ታሪኻዊ ተልእኾ ዘለኒ ክቡር ወለዶ’የ፡ ሃገረይ ብስርዓተ ሕግን ቅዋምን ከም ትመሓደር ጌረ፡ ምስተን መሰል ዜጋታተን ኣኽቢረን ብደሞክራሲ ዝማዕበላ ሃገራት ንኽትስራዕ ክጽዕር’የ። ነዛ ኣእላፋት ጀጋኑ ዝተኸፍሉላ ብማዕድናትን ብሃብቲ ባሕርን ሃብታም ዝኾነት ሃገረይ ገዲፈ ኣይስደድን’የ” ክትብል ኣለካ።

ኣታ ረኻብ ፍትሒ ዝኾንካ ክቡር ወለዶ፡ ሃገርካ ኤርትራ ብቕዋም ከም ትመሓደር ክትገብር እንተ በቒዕካ፡ እዚ መሰሉ ተመንዚዑ መዓልታዊ እናተኣስረ፡ ብፍርሒ ምዩቕ እናበለ፡ ተሸቑሪሩን ክሳዱ ኣድኒኑን ዝነብር ዘሎ ውጹዕ ህዝብኻ፡ ንሕግን ቅዋምን እንበር ንወልቀ ሰብ ከይፈርሐ፡ ብናጻ ምርጭኡ ብዝመርጾም መራሕቱ ብፍትሕን ደሞክራስን እናተመሓደረ፡ ኣንቀጻት ቅዋም እናጠቐሰ ብዛዕባ መሰሉን ክብሩን ክምጉትን፡ ዋና ሃገሩ ኮይኑ መስተርሆት ረኺቡ ክሳዱ ኣቕኒዑ ክነብርን ምኻኑ ይገሃደልካ። ቅዋም ከም ዝትግበር እንተ ጌርካ ከም’ዚ ክሳዕ ሕጂ ኢሳይያስ ክገብሮ ዝጸንሐ፡ ሃብቲ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ዘሚቱ፡ ኣትዊ ዕደና ወርቂ ብሻን ዛራን ኣብ ናይ ውልቁ ካዝና ኣእትዩ፡ ነቲ ካብ ዕደና ፖታሽ ክርከብ ዝሕሰብ ብቢልዮናት ዶላራት ዝግመት ሃብቲ ሃገር ክግብት ዝመጣጠሮ ዘሎ ክኸውን ከም ዘይኮነ ተረዳእ። ብቅዋም ክትመሓደር እንተ ጀሚርካ ሃብቲ ሃገርካ ኣብ ረብሓኻን ረብሓ ህዝብኻን ክውዕል ምኻኑ ክበርሃልካ ኣለዎ።

ሃገራዊ ቅዋም ከም ዝትግበር እንተ ጌርካ ነዛ ብወርቅን ቦታሽን ካልእ ኩቡር ማዕድናትን ዝተሸለመ መሬት ዘለዋ፡ ብነዳድን ብዕንቊን ሃብታም ባሕሪ ትውንን ለምለም ሃገር ሒዙ፡ ብሰንኪ ሕስድናን ጥልመትን ኢሳይያስ ብድኽነትን ድሕረትን ብዋሕዲ መግብን ማይን ደርጃ መነባብርኡ ባይታ ዘቢጡ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብኻ፡ ራህዋ ረኺቡ ናብርኡ ብቕጽበት ክመሓየሽ፡ ብማዕርነትን ብሓድሕድ ምክብባርን ከነብርን ናብ ጎደና ምዕባለ ክግስግስን ክትዕዘቦ ኢኻ። ኤርትራ ሃገርካ ከኣ ዓዲ ብላዕ ስተ፡ ዓዲ ሩፍታን መስተርሆትን ዓዲ ፍትሕን ደሞክራስን ክትኮነልካ ኢያ። ንስኻ’ውን ከምዚ ሕጂ ብስግረዶብ ኣሽሓት ዶላራት ከፊልካ፡ ብጠያይት እናተሰሓትካ፡ ብጽምእን ጥምየትን እናተቐዘፍካ፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት እናተዋረድካ፡ ኣብ ምድረበዳን ባሕርን እናሃለቕካ፡ ትስደዶ ዘለኻ ዘስካሕክሕ ጉዕዞ ጥፍኣት ዘይኮነ፡ ካብ ሃገርካ ክትወጽእን ናብ ሃገርካ ክትኣቱን ብሕጋዊ ኣገባብ ፓስፖርትኻ ሒዝካ ናብ ዝመረጽካዮ ሃገር ክትበርር ክትክእል ኢኻ።

ወለዶ ፍትሒ ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ከም ዝግበር እንተ ጌርካ እቶም ኣብ ፈቆዶ ቸላታትን ኮንቴኔራትን ኣንደራትን ተኣሲሮም ዝማስኑን ዝሳቐዩን ዘለዉ መተዓብይትኻ፡ ዓበይቲ ኣሕዋትካን ጀጋኑ ተቓለስቲ ወለድኻን ፍትሒ ክብየነሎምን ሳላኻ ንፋስ ሓርነት ከስተማቑሩን ኢዮም። ሳላኻ ወለዶ ፍትሒ፡ እቲ ብናፍቖት ሃገሩ እናተሳቐየ ኣብ ፈቐዶ ስደት ፋሕ ጭንግራሕ ኢሉ ዘሎ ግዳይ ኢሳይያስን ምሕደርኡን ዝኾነ ስደተኛ ዜጋ ናብታ ዘፍቅራ ሃገሩ ክምለስ ክኽእል’ዩ። እታ ብሕሰም ባርነትን ስደትን ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ዝተበታተነት ስድራ’ውን ኣብ ማሙቕ ገዝኣ ኣብ ሓንቲ መኣዲ ከም ትእክብ ክትከውን ኢያ። ሽዕኡ ወለዶ ፍትሒ መቕሰን ሰማእታት ሃገሩ፡ መርሆ ሽግር ህዝቡ ዝኾነ ወለዶ እናተበሃልካ ንወለዶታት ብታሪኽ ክትዝከር ክትነብር ኢኻ።

እዚ ንኽትገብር ግን ኣብዛ ንሃገራዊ ቅዋም ዝተወፈየት ሓዳስ ዓመት፡ ከምቲ ተጋደልቲ ኣቦታትካ ክቃለሱ ከለው ፍቕሪ ናጽነት ሃገሮም ወሪስዎም፡ ዘረባኦምን ዕላሎምን፡ ሓሳቦምን ሕልሞምን፡ ብዛዕባ ናጽነት ሃገር ጥራይ ዝነበረ፡ ንስኻ ከኣ ሃምኻን ቀልብኻን ክቆጻጸሮ ዘለዎ ፍቕርን ባህግን ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ክኸውን ከም ዘለዎ ክትገብር ኣለካ። ካብ ስድራኻ ጀሚርካ ኩሎም ፈተውትኻን ቀረብትኻን ኣብ ፍትሒ ዝኣምኑ ንቑሓት ሃገራውያን ምእንቲ ክኾኑ፡ ንትሕዝቶ ሃገራዊ ቕዋም በብሓደ ዘርዚሮም ከም ዝፈልጥዎን ብዛዕብኡ ከም ዝመያየጡን ግበር። ደቂስካን ተንሲእካን፡ ኣብ ገዛኻን ኣብ ደገን፡ ክትበልዕን ክትሰትን፡ ኮታ ኣብ ኩሉ መዓልታዊ ምንቅስቓስካ ብዛዕባ ትግባረ ቅዋምን ስርዓተ ሕግን ከትሓስብ ኣለካ። ምስ ኣዕሩኽ መዛኑኻ፡ ምስ ደቂ ገዛውትኻን ደቂ ትምህርትኻን፡ ምስ መሳርሕትኻን መዋዕልትኻን፡ ምስ ደቂ ዓድኻን ደቂ ዞብኻን፡ ምስ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ዕላልካን ዘተኻን ብዛዕባ እዚ ተሰከምካዮ ዘለኻ ገዚፍ ታሪኻዊ ሓላፍነት ብዛዕባ ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ጥራይ ክኸውን ኣለዎ። ብሰንኪ ቅዋም ዘይምትግባሩ ኣብ ጉዕዞ ስደትን ኣብ ማሕዩርን ነብስወከፍ ደቒቕ  ህይወት በራውር ኣሕዋትካ ትቐዝፍ ስለ ዘላ፡ ህርመት ልብኻ ኣብ ነብስወከፍ ካልኢት ደወል ፍትሒ ደወል ቅዋም ክትድወል ኣለዋ።

ኣታ ፍቕሪ ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ዘዕበዶ ወለዶ፡ ኩሉ ዜጋ ኣብ ነብስወከፍ ደቒቕ ብዛዕባ ቅዋም ምእንቲ ክዝክር፡ ኣብ ጽርግያታትን መናድቕን ገዛውትኻ፡ ኣብ ሰሌዳ ቤት ትምህርትኻን ኣብ ገበር ጥራዝካን፡ ኮታ ኣብ ኩሉ ክትጽሕፈሉ ትኽእል ቦታ “ ሃገራዊ ቅዋም ይተግበር!!” ኢልካ ጽሓፍ። ሃገራዊ ቅዋም ኣብ ግብሪ ንኽውዕል እንታይ ኣበርኪተ? እንታይከ ከበርክት ይግብኣኒ ኔሩ? ኢልካ መዓልታዊ ንነብስኻ ሕተት። ንመዘከርታ እቶም ምእንቲ ሃገራዊ ቅዋም ዝተበጀዉን ፍትሒ ተነፊጎም ፈቐድኡ ዝሳቐዩን ዝቕዘፉን ዘለው ኣሕዋትካን ምእንቲ ክትምሕል ከኣ “ቅዋም ከየርኣየ ይቕተለኒ! ገጽ ፍትሒ ኣየርእየኒ! ስጋ ፍትሒ!” ዝብል ምስ ቅዋምን ፍትሕን ዝተሓሓዝ ማሕላ ይኹን ሓቀኛ ላባዊ ማሕላኻ። ዋላ እቲ ዓስከር ንኽትከውን ተገዲድካ ናብ መዓስከራት ታዕሊም ትኸዶ ንትግባረ ሃገራዊ ቅዋም ምእንቲ ከገልግል፡ “ ዙር ቅዋም፡ ዙር ፍትሒ፡ ዙር መሰል” ስመዮ። ብምስጢር ተወዳዲብካ ከይተረፈ ቅዋም ኣብ ግብሪ ንኽውዕል ዝጽውዕ ጽሑፋት ብምዝርጋሕ፡ ቅዋም ንኽትግበር ብዝጥዕመካ ኣገባብ ተቓለስ።

ኣታ ድሕሪ ናጽነት ዝተወለድካ ሕልምን ተስፋን ኩሎም ዝሓለፉ ወለዶታት ዝኾነካ ክቡር ወለዶ፡ ኣብዚ ዘለኻሉ ዕድመ ንእስነት ከለው ብቆራጽነቶምን ትብዓቶምን ዓለም ዝመስከረሎም ኣቦታትካን ኣያታትካን ዘይገበርዎ፡ ብፍርሒ ጃጂኻ ብነብሰ ፍትወት ተሰኒፍካ፡ ነዛ መፍትሕ ኩሉ ጸገማት ህዝብኻን ሃገርካን ዝኾነት ታሪኻዊ ዕማምካ ካብ ምፍጻም እንተ ኣድሓርሒርካ፡ መዋእልካ ብታሪኽን ብመጻኢ ወለዶታትን ክትንቀፍ ክትነብር ኢኻ። ናይ መድረኽካ ታርኻዊ ሕቶ ብዘይምምላስካ ናይ ሕልና ቅሳነት ክትስእንን፡ ካብ’ዚ ተሕልፎ ዘለኻ ዝመርርን ዝጭክንን መዋእለ ህልቂት ከተሕልፍን እቲ ቀንዲ ግዳይ ንስኻ ባዕልኻ ክትከውንን ኢኻ። በቲ ገና ከይገበለ “ኣቦይሲ ዓጋመ ክሃል፡ እዚ ህዝቢ’ዚ ግርም ኮነ፡ ክጸንት ዘለዎ ህዝቢ’ዩ፡” እናበለ ብጭካነን ንዕቐትን ዝሕንሕነልካን ሽጉጡ ዘወጣውጠልካን ዘሎ ኣብርሃም ኢሳይያስ ኣፎርቂ ተገዚእካ ክትሃልቕ ኢኻ። ሕጂ ቅዋም ከም ዝትግበር ጌርካ ካብ መግዛእቲ ኢሳይያስ ሓራ እንተ ዘይወጺእካ፡ ጹባሕ ካብ መግዛእቲ ኣብርሃም ክትድሕን ከም ዘይምኻንካ ክበርሃልካ ኣለዎ።

ኣስተውዕል ፍቕሪ ሃገራዊ ቅዋም ዝተዓደለ ጎቦዝ ኤርትራ፡ ንዓኻ ምእንቲ ክሕሸካ፡ መሰልካ ተኸቢሩ ብሰላም ምእንቲ ክትነብር፡ ካብ ዝኾነ ፈላላይ ስምዒታት ሓራ ኮንካ፡ “መሰል ህዝበይ ይተሓሎ! ብምርጫ ህዝበይ ተነዲፉ ብሃገራዊ ባይቶ ዝጸደቐ ቅዋም ይተግበር!!” ክትብል ኣለካ። ሕጂ ኣብ’ዛ ንሃገራዊ ቅዋም ዝተወፈየት ሓዳስ ዓመት ኢኻ እቲ ክምህ ዘይብል ኤርትራዊ ቅልጽምካ ኣልዒልካ፡ ስረ ኣቦታትካን ኣያታትካን ዓጢቕካ፡ መሰልካን መሰል ህዝብኻን ከም ዝሕሎ ብምግባር ዋልታን ጸግዕን ህዝባኻ ምኻንካ ተመስክረሉ። ሕጂ ኢኻ ነዚ ተጎሃሂሩ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ባርዕ ወሲኽካ፡ ናብ ምሉእ ሃገራዊ ሓርነትን ትግባረ ሕግን ቅውን ከም ዝሰጋገር ትገብሮ። እታ መፍትሕ ሽግር ህዝብኻን ሃገርካን ኣብ ኢድካ ኢያ’ሞ ዘላ፡ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣለዓዒልካ፡ ዓመተ 2018 ዓ.ም. ዓመተ ቅዋም ዓመተ ሰላም ዓመተ ልዋም ከም ትኸውን ግበር። ወለዶ ፍትሒ ያሆ!! ንትግባረ ሃገራዊ ቅዋምካ ዳይ ሕጂ ተበገስ።

2         ጅግና ዋርሳይ፡ ሰራዊት ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ኤርትራ ትማሊ ኣብቲ ብዶብ ተሳቢቡ ንህልቂትካ ዝተኣጉደ መጋርያ ኩናት ተፈቲንካ ኤርትራዊ ጅግንነትካ ዘመስከርካ ጅግና ክንስኻ፡ ንመሰልካን ንመሰል ህዝብኻን ዝሕሉ፡ ዕድል መጻኢ ወለዶታት ዘውሕስ ሃገራዊ ቅዋም ንኽትግበር ግን ብትብዓት ክትቃለስ ኣይጸናሕካን። ዓጢቕካያ ዘለኻ ጠበንጃ ስውእ ኣያኻ ምእንቲ ሓርነት ህዝቡን ምእንቲ ቅዋማዊት ኤርትራን ዝዓጠቓ ጠበንጃ ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ደኣ እንበር፡ ጠበንጃ ስርዓት ምልኪ ኣይኮነትን። ንጠበንጃ ስውእ ኣብ ክንዲ ሰራዊት ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ምኻንካ ተረዲኡካ፡ መኽበሪ መሰል ህዝብኻን መተግበሪ መትከልን መብጽዓን ሰማእታትካን ትጥቀመላ፡ ዋላ እኳ ከይፈተኻ ተገዲድካ እንተኾንካ፡ ባርያ ውልቀ መላኺ ኮይንካ ኣንጻር ዕላማኣ ከተቕንዓ ኢኻ ተራኢኻ። ብሰሪ እዚ ከኣ ቀዳምነት ንነብስኻ ድሕሪኡ ከኣ ንህዝብኻን ንሃገርካን ክትብድል ጸኒሕካ።

ጅግና ኤርትራዊ ዋርሳይ ሰራዊት ሕግን ቅዋምን ጠበንጃ ጅግንነት ጠበንጃ እቲ መጻኢት ኤርትራ ብቕዋምን ሕግን ምእንቲ ክትመሓደር ኢሉ በጃ ዝሓለፈ ስውእ ኣያኻ ዓጢቕካ ከለኻ፡ ቅዋም ብዘይምትግባሩ ስድራኻ ወላድ መኻን ኮይኖም ኣላይ ክስእኑ፡ ደቅኻ ብጥምየትን ዕርቃንን ብሕሰምን ድኽነትን ክማስኑ፡ ህዝብኻ እኽለ ማይ ስኢኑ ኣብ መግዛእቲ ባርነት ክቑረንን ፈቐዶ ስደት ፋሕ ጭንግራሕ ኢሉ ክበታተንን ክጸንትን፡ ብኽቡር ቀይሕ ደም ኣሕዋትካ ተረኺባ ብደምካ ዝተዋሕሰት ሃገር ነበር ኮይና ክትተርፍ ከተፍቅድ ኣይግብኣካን። ጅግና ዋርሳይ ካብዛ ንሃገራዊ ቅዋም ዝተወፈየት ሓዳስ ዓመት ጀሚርካ፡ ሕቶ መሰል ገለ ክፋል ህዝብኻ  ሕቶ መሰልካን ሕቶ መሰል ምሉእ ሕዝብኻን ምኻኑ ተረዲኡካ፡ ካብ ፍርሕን ተኣዛዝነትን ሓራ ኮንካ “ቅዋም ይተግበር! ስርዓተ ምልኪ የብቅዕ!” ክትብል ጸዋዒት ይቐርበልካ ኣሎ። ጅግና ዋርሳይ ነቲ ካብ ኣኽርያ ተበጊሱ ጎዳና ሓርነት ኣስመራ ዘቃልሐ ቁልዒ ሕቶ መሰል፡ ናብ ኩሉ ወሰናስን ሃገርካ ምእንቲ ክባራዕ፡ ናህሪ ወስኽካ ከተባርዖን ንትግባረ ቅዋምን ንሓርነት ምሉእ ህዝብኻን ከም ዝበቅዕ ክትገብሮን ታሪኽ ዘይድገም ዕድል ከፊቱልካ ኣሎ።

ጅግና ኤርትራዊ ዋርሳይ ሰራዊት ስርዓተ-ሕግን ቅዋምን፡ ነቲ ውለቀ መላኺ ኢሳይያስ ኣብ መንጎኻ ከዝርቖ ዝፍትን ጸቢብ ናይ ሃይማኖትን ናይ ኣውራጃን ፍልልያት ኣወጊድካ፡ መሰልካን መሰል ህዝብኻን ዝሕሉ ቅዋም ንኽትግበር ተቓለስ፡፡ ናትካ ምሉእ መሰል ዝሕሉ እቲ ብህዝባዊ ምርጫ ተነዲፉ ብሃገራዊ ባይቶ ዝጸደቐ ቅዋም ደኣ እንበር፡ እቲ ኣብ ቃሉ ዘይጸንዕ ንዓኻ ብቑንጣሮ ደሞዝ እናገዝአ፡ ንርእሱ ማዕድን ሃገርካ ዘሚቱ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ሃብቲ ዘኻዕብት ዘሎ ኢሳይያስ ከም ዘይኮነ ነጺሩ ክበርሃልካ ኣለዎ። ኩሉ እቲ ብዛዕባ ምጥያስ፡ ወሰኽ መሃያን ውህሉል ደሞዝን ዝምልከት ማዓልታዊ ዝናፈስ ዘረባታት፡ ሓሶትን ዘይትግበር ተስፋታትን ምኻኑ ይረድኣካ። ውልቃዊ ጸገምካ ውጽኢት ሃገራዊ ጸገም ስለ ዝኾነ፡ ሃገራዊ ጸገም ሃገራዊ መፍትሒ ክርከበሉ ስለ ዘለዎ፡ ሃገራዊ መፍትሒ ዝርከብ ከኣ ቅዋም ክትግበርን ስርዓተ ሕጊ ክነግስን ከሎ ጥራይ ስለ ዝኾነ፡ ኣተሓሳስባኻ ኣብ ናይ ውልቃዊ ጸገምካ ከም ዝድረት ከይገበርካ ሃገራዊ ቅዋም ኣብ ግብሪ ንኽውዕል ብቖራጽነት ክትቃለስ ኣለካ። ስለዚ ኪኖ’ቲ ብኢሳይያስ ዝወሃብ ፍሹል መብጽዓታትን ኪኖ’ቲ ምስ ናይ ቀረባ ሓለፍትኻ ዘጋጥመካ ዘይምርድዳእን ሰጊሩ፡ ብዛዕባ ትግባረ እቲ መሰልካን መሰል ህዝብኻን ዘኽብርን ነባሪ ፍታሕ ከውሕስ ዝኽእልን ትግባረ ቅዋም ዘማዕዱ ጠመተ ክህልወካ ይግባእ። ዋላ እቲ ኢሳይያስ መሸቀጥን መናውሒ ስልጣንን ዝጥቀመሉ ምሕንጻጽ ዶብ’ውን፡ እቲ ጹባሕ ዝትከል ቅዋማዊ መንግስቲ ደኣ እንበር ኢሳይያስ መዕለቢ ክገብረሉ ድልየትን ዕላማን ከም ዘይብሉ ክበርሃልካ ኣለዎ።

ጅግና ዋርሳይ ሰራዊት ስርዓተ ሕግን ቅዋምን፡ ጉጅለ 15 ቅዋም ይተግበር ስለ ዝበሉ ክእሰሩ ከለው ስለ ዘጽቀጥካ፡ በዓል ወዲ ዓሊ’ውን ኣብ ማእከል ፎርቶ ኣስመራ ኮይኖም ቅዋም ይተግበር እሱራት ይፈትሑ እናበሉ ስለ ዘይተበገስካ፡ እቲ ቀንዲ ግዳይ ባርነትን ስደትን ዝኾንካ ንስኻ ባዕልኻ ኢኻ። ንስኻ ፍቕርን እምነትን ሃገራዊ ቅዋም ስለ ዘይነበረካን ብምእዙዝነትን ፍርሕን ስለ ዝተንበርከኽካን፡ ህዝብኻን ሃገርካን ብውልቀ መላኺ ተዳሂኾም ናብ ጥፍኣት ገጾም ከም ዘምርሑ ኮይኖም ኣለው። ናይ ዝሓለፈ ሓሊፉ ኢዩ፡  ምምራርን ምእዙዝነትን ገዲፍካ ታሪኽካ ዳግም ከተሐድስ፡ ታሪኽ ዘይድገም ዓቢ ዕድል ከፊቱልካ ከም ዘሎ ኣስተውዕል። ነዚ ታሪኻዊ ዕድል ምእንቲ ብዓወት ክትዋጽኦ፡ ኣብዛ ንሃገራዊ ቅዋም ዝተወፈየት ሓዳስ ዓመት፡ እታ ብስርዓተ ሕግን ቅዋምን እናተማሓደረ ህዝባ ብሓርነት ዝነብረላ ቅዋማዊት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ልብኻ ክትፈጥር፡ ኩለንተናኻ ብፍቕርን ባህግን እቲ መድሓኒኻ ዝኾነ ሃገራዊ ቅዋም ክምላእን ኣተሓሳስባኻ ፍትሓውነት ክለብስን ከም ዘለዎ ክትገብር ኣለካ።

ዋርሳይ ሰራዊት ስርዓተ ሕግን ቅዋምን፡ ነቶም ቅዋም ብዘይምትግባሩ ግዳይ ዝኾኑ ሰማእታትን ፡ ነቶም ምእንቲ ቅዋማዊት ኤርትራ ክብሉ በጃ ዝሓለፉ ስውኣትካን፡ ነቶም ኣብ ጎድንኻ ዝወደቑ ለይለያት መዋዕላትኻን እናዘከርካ፡ ሕልምኻን ሓሳብካን፡ ዘረባኻን ወግዕኻን፡ ብትግባረ ሃገራዊ ቅዋም ከም ዝበሓት ክትገብር፡ ንግሆ ካብ ኣለዳ ክስዕ ምሸት ሕረረ ብዛዕባ ቅዋም ክትሕስብን ክትዝትን ክትክእል ኣለካ። ኣብ መዓሙቕ ልብኻ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ ክትጽሕፈሉ ትኽእል ቦታታት ክሳብ ኣብ ሰደፍ ጠበንጃኻን ኣብ ቦታ ስራሕካን ድፋዕካን ንትግባረ ቅዋም ዘዘኻኽር ነገር ጽሓፍ። ኣብ ስርዓተ ሕግን ቅዋምን እምነትን ፍቕርን ዘለዎ ዜጋ ብፍርሕን ምጅጃውን ከይተዳህለ፡ ብርእሰ ተኣማንነትን ትብዓትን ናብ ዕላምኡ ስለ ዝግስግስ፡ ንስርዓተ ሕግን ቅዋምን ክትኣምንን ከተፍቅርን ምስ ጀመርካ ፍርሕን ምጅጃውን ጥቓኻ ኣይክቐርቡን ኢዮም። ሽዕኡ ነታ ኣመና ዝበሃግካያ ኣብ መዓሙቕ ልብኻ ዝተፈጥረት፡ ዘረባኻን ዕላልካን ሕልምኻን ራኢኻን ዝወረሰት፡ መሰልካን መሰል ህዝብኻን መሰል መጻኢ ወለዶታትካን ከተኽብር ዘለዋ ቅዋማዊት ኤርትራ፡ ኣብ ባይታ ክውንቲ ክትገብራ ግዜ ኣይክወስደልካን ኢዩ። ኤርትራዊ ዋርሳይ ሰራዊት ስርዓተ ሕግን ቅዋምን፡ ዓመተ 2018 ዓ.ም. ዓመተ ቅዋም ዓመተ ሰላም ዓመተ ልዋም ምእንቲ ክትኮነልና፡ ምስ ወለዶ ፍትሒ ንኡስ ሓውኻ ሰሚርካ ንትግባረ ሃገራዊ ቅዋም ብትብዓት ተለዓል።

  • ጅግና ተጋዳላይ ቅዋማዊት ኤርትራ፡ ምእንቲ ናጽነት ሃገርካ ንእስነትካን ህይወትካን ዘወፈኻ ጅግና ሃገራዊ፡ ካብ ጉርሕን ፍርሕን ወጽእ ኢልካ፡ ነዚ ሕጂ ህዝብኻ ቅዋም ብዘይምትግባሩ ረኺብዎ ዘሎ መከራን፡ ነቲ ምእንቲ ሓራን ቅዋማዊትን ኤርትራ ዝኸፈልካዮ ከቢድ መስዋእትን ዝሓለፍካዮ ጽንኩር ኩነታትን ከተመዛዝኖ እሞ ፈትን። ዕሸል ዕድመኻን ኩሉ ሕልምታትካን ዘወፈኻሉን ጀጋኑ ብጾትካ ዝኸፈልካሉን ዕላማታትን መትከላትን ቃልስኻ ምሉእ ብምሉእ ተኸዲዑ። እታ ብኽቡር መስዋእትኻን መስዋእቲ ብጾትካን ናጻ ዘውጻእካያ ሃገር ዳግም ኣብ ዝመረረ መግዛእቲ ሓደ ውልቀ ሰብ ወዲቓ ናብ ምጽናት ገጻ ተምርሕ ኣላ። እቲ ልዕሊ ህይወትካ ተፍቅሮን ተኽብሮን ህዝብኻ ብባርነትን ድኽነትን ተዋሪዱ ናብ ስደት ይበታተንን ፈቐድኡ ይጸንትን ኣሎ። ታሪኽ ጅግንነትካን መዘና ኣልቦ ቅያታትካን ተደዊኑ ብሓበን ዝዝክሮ ሰብ ስኢኑ። እታ ብመስዋእቲ ጀጋኑ ብጾትካ ዝተኸልካያ ህዝባዊት ውድብካ መዐንደሪ እቲ ብናይ መንነት ቅልውላው ዝተሰረየ ጣልማይ ውልቀ ሰብ ኮይና።

ውጽኢት ናይ’ቲ ነዞም ደቅና ከነዕቢ ኢልና ኢና እንበር እቲ ክኸውን ዝግብኦ ደኣ መኣስ ጠፊኡና እናበልካ፡ ኣንጻር ሕልናኻን ዕላማታት ቃልስኻን መብጽዓ ሰማእታትካን ዝተጓዓዝካዮ ጉጉይ ጉዕዞ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብኻን ሃገርካን ዘውረዶ መዳርግቲ ዘይርከቦ ታሪኻዊ በደል’ከ ትዕዘቦ’ዶ ኣለኻ? እቶም ብዋጋ መብጽዓ ጀጋኑ ስውኣትን ብዋጋ ህልውና ህዝብን ሃገርን ከተዕብዮም ዝፈተንካ ደቅኻ’ኸ ኣብ ምንታይ ኩነታት ከም ዘለዉ ይስወጠካ’ዶ ኣሎ? መጻኢኦም እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል’ከ ምግማት’ዶ የጸግመካ ይኸውን?

ጅግና ተጋዳላይ ካብቶም ከይዝኽትሙኒ እናበልካ መጋበሪ ውልቀ መላኺ ኮይንካ ንህዝብኻን ሃገርካን በዲልካ ዘዕበኻዮም ደቅኻ፡ ገሊኦም ግዳይ ግስሩጥ ምሕደራን ባርነትን ኢሳይያስ ኮይኖም መጻኢኦም ጸልሚቱ ይርከብ ኣሎ። ገሊኦም ከኣ ናብራ ባርነት ኣስካሕኪሕዎም ሃገሮም ገዲፎም ንስደት የማዕድው፡ ኣብ ዶባት ብጥይት ብጾትካ ይቕተሉ፡ ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብያተ ማሕዩርን ማእሰርትን ይሳቐዩ፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ይዋረዱን ይሓስሩን፡ ኣብ ምድረበዳ ሳህራን ሊብያን ማእከላይ ባሕርን ከኣ ይሃልቁ ኣለዉ።

ተጋዳላይ ሰራዊት ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ንውላድካ ነዚ ወለዶ ፍትሒ ተሰምዩ ዘሎ ወለዶ፡ ዝተቓለስካሉ ዕላማ ኣብ መዓልቦ ስለ ዘየብጻሕካዮ ዕዳ ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ዘለዋ ሃገር ኢኻ ተረክቦ ዘለኻ። ነዚ ዕዳ’ዚ ታሪኻዊ ሓላፍነቱ ኮይኑ ብዓወት ምእንቲ ክዋጽኦ ከኣ ናትካ ኣበርክቶ ወሳኒ ኢዩ። ቅድሚ ክትጋደል ኢልካ ንሜዳ ምውጻእካ፡ ብዛዕባ ግፍዕን ጭካነን መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ ኤርትራዊ ኣብ ገዛእ መሬቱ ዘጋጥሞ ዘሎ ጭቆናን በደልን፡ ብዛዕባ ዕጥቅን ጅግንነትን ተጋዳላይ፡ ብዛዕባ ናጽነት ኤርትራ ከይተረፈ፡ ካብ ገዛኻን ከባቢኻን ካብ ወለድኻን ቀረብትኻን ኢኻ ክትፈልጦ ክኢልካ። “ኣብ ገበላ ኮይንካ ጸሓይ ትጽለወሉ እዋን ኣይኮነን፡ ንዓ ኺድ ዝወደይ ካብ መሳቱኻ ኣይትትረፍ፡ ወድ መንከ ክትበሃል” ኢሎም ዘዕጥቑ ተባዓት ወለዲ ሳላ ዝነበሩኻ ኢኻ ጅግና ተጋዳላይ ኮይንካ፡ ኤርትራ ትብሃል ሃገር ክትፈጥር ክኢልካ። ሃገራውነት፡ ጅግንነትን ትብዓትን ካብ ገዛኻን ከባቢኻን’ያ ትውረስ።

ንዋርሳይ ነቲ ተረካብ ሕድሪ ኢልካ ዝሰመኻዮ ሓውኻ ኣብ’ታ ገዝኡ ከሎ፡ “ኣበይ ዝነበርካ ኢኻ ብዛዕባ ውድብን መንግስትን ክትግምግም ትፍትን፡ ዝተኣዘዝካዮ ግበር፡ ካልእ ንዓኻ ዝምልከት ኣይኮነን፡” እናበልካ ኣብ ክንዲ ትድህሎን ትንጽሎን፡ ዕላማ ቃልሰይ ልዕልና ሕጊ ዝነግሰላ ቅዋማዊት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ምፍጣር’ዩ፡ ታሪኻዊ ሓላፍነት ከኣ ነዚ ኣያታትካ ዝተዋደቕናሉ ዕላማ ወሪስካ ኣብ መፈጸምትኡ ምብጻሕ’ዩ፡ ኢልካ ብግቡእ ኣረዲእካ ታሪኻዊ ሓላፍነቱ ኣሰኪምካዮ ኔርካ እንተ ትኸውን፡ ታሪኽካን ታሪኽ ኤርትራን ህዝባን ከም’ዚ ሕጂ ዘለዎ ኣይምኾነን። ምእንቲ ነታ ነብሱ ክትጥዕሞ፡ ምእንቲ መሰሉን ክብሩን ክሕለወሉን ምእንቲ ሕልንኡ ክቐስነሉን ታሪኻዊ ሓላፍነቱ ብግቡእ ምተዓወተሉ ኔሩ።

ንዋርሳይ ብሰንኪ እታ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣትሒዛ ክሳዕ ሕጂ ዘጋጠመቶ ምድሃልን ምንጻልን ግን፡ ከም ሰብ ታሪኻዊ ሓላፍነቱ ብግቡእ ዘይፈልጥ፡ ዝተባህሎን ዝተኣዘዞን እንበር ብውልቃዊ ተበግሶኡ ተላዒሉ ገለ ክገብር ዘይሓስብ፡ ተሰዲዱ ሃገር እንተ ቀየረ ዘይሕጎስ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ኮሎ ዘይቀስን፡ እንታይ’ዩ ጎዲልዎ ዘሎ እንታይ’ዩ’ኸ ክምልእ ዘለዎ ዘይርድኦ፡ ብታሪኹን ብዝሰርሖ ጅግንነትን ዘይሕበን፡ ምስ ነብሱን ምስ ታሪኽ ገድሉን ምስ ዜግነቱን ከይተረፈ ዝራጸም፡ ወትሩ ኣብ ነብሰ ነቐፌታን ምምራርን ዝነብር ዘይርጉእ ሰብ ከም ዝኸውን ኮይኑ’ዩ። ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ እቲ ተረካብ ሕድሪ ክኸውን ዝግብኦ ዋርሳይ ዘርኣኻዮ ኣተሓሕዛን ኣጠማምታን፡ ንኤርትራ ሓደ ንባዕዳዊ መግዛእቲ ዝፈልጥ ንናጽነት ከኣ ሃንቀው ኢሉ ዝተጸበየ ወለዶ ኣኽሲርካያ ኢኻ። ሕጂ ኸኣ ንኤርትራ ነዛ ኣእላፋት ዝተኸፍሉላ ሃገር፡ ነዚ ወለዶ ፍትሒ ዝተሰመየ ድሕሪ ናጽነት ዝተወልደ ካልኣይ ወለዶ ከይተኽስራ መሰረታዊ ኣተሓሳስባኻ ክትቅይር ይግበኣካ።

ኣብ’ዛ ንሃገራዊ ቅዋም ዝተወፈየት ሓዳስ ዓመት፡ ዓመተ 2018 ዓ.ም. ወለዶ ፍትሒ፡ ታሪኻዊ ተልእኾኡ ተሰኪሙ ቅዋም ከም ዝትግበር ጌሩ፡ ስርዓተ ሕግን ደሞክራስን ምእንቲ ከንግስ፡ ካብ ጉዕዞ ቃልስኻ ዝወርሶ ትምህርቲ ከተውርሶ ክትክእል ኣለካ። ኣብ’ቲ ዝሓለፍካዮ መሪር መዋእለ ገድሊ፡ ናይቶም ቀቢርካዮም ዝኣተኻ መቓልስትኻ ትብዓትን ጽንዓትን፡ ዝሰገርካዮም መረርትን ጽንኩራትን ኩነታት፡ ዝተዋጋእካዮም ፈተንቲ ውግኣት፡ ዘጋጠመካ መውጋእትን ስንክልናን፡ እዚ ኩሉ ምእንቲ ሓራን ቅዋማዊትን ደሞክራሲያዊትን ኤርትራ ክትፈጥር ዝተኸፍለ ከቢድ ዋጋ ምኻኑ፡ ንወለዶ ፍትሕን ንኹሎም  ቀረብትኻን ነቶም ኣብ ትሕቲ ምምሕዳርካ ዘለው ኣባላትን ከተውርሶም ታሪኻዊ ሓላፍነት ኣለካ። ተጋዳላይ ዕላማን መትከልን ጉዕዞ ቃልስኻ ሓራን ቅዋማዊትን ኤርትራ ንኽትፈጥር ምንባሩ፡ ነዚ ወለዶ ፍትሒ ተሰምዩ ዘሎ ወለዶ እንተ ኣውሪስካዮን፡ ነቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ትኣምር ክሰርሕ ዝኽእል ጸዓት ዘማእዝን ፍቕርን እምነትን ታሪኻዊ ሓላፍነቱ ከም ዝህልዎ እንተ ጌርካን፡ ሃገሩ ብሕግን ቅዋምን ትመሓደር ሃገር ከም ትኸውን ጌሩ መሰሉን መሰል ህዝቡን ዘኽብር ስርዓት ክተክልን፡ ነቲ ንስኻ ክትዛዝሞ ዘይከኣልካ ዕማም ከም ዝዛዘም ክገብርን ምኻኑ ክበርሃልካ ኣለዎ። ሽዑ ኢኻ ተጋዳላይ ናይ’ቲ ዝተጓዕዝካዮ መሪር ጉዕዞ ገድሊ መኸተምታ ትረኽበሉ። ሽዑ ኢዩ ሕልናኻ ዝዓርፈልካ ምስ ነብስኻን ምስ ህዝብኻን ተዓሪቕካ ካብ ዓሕሕ.. ምባል ትድሕን። ሽዑ’ዮም ከኣ ሰማእታትካ ዝቐስኑ።

ተጋዳላይ ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ከምቲ ኣብ ጉዕዞ ቃልስኻ ዝነበርካዮ፡ ሓደ ሃገራዊ ታሪኻዊ ተልእኾ ዘለዎ ኣብ ልዕልና ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ዝኣምን ዜጋ፡ ንመሰሉን መሰል ብጻዩን ዘኽብር፡ ውልቃዊ ናጽነቱን ውልቃዊ ናጽነት ካልኦት ዝሕሉ፡ ፍትሓዊ ኣተሓሳስባ ወኒኑ ፍትሒ ከይጎድል ዝቃለስ፡ ኣብ መንጎ ግቡእን መሰልን ዘሎ ፍልልይ ኣነጺሩ ዝፈልጥ፡ ግቡኡ ተወፍዩ ዝፍጽም መሰሉ ከኣ ብትብዓት ዝሓትት፡ ነቲ ዝኣምነሉ ሕጊ ዘፍቅርን ብእኡ ተማእዚዙ ዝኸይድን፡ ንሕጊ እንበር ንውልቀ ሰብ ዘይፈርሕ፡ ምእንቲ ስርዓተ ሕግን ምእንቲ መሰሉን መሰል ዜጋታቱን ህይወቱን ክሳብ ምብጃው ድልው ዝኸውን፡ ብመትከልን ዕላማን ዝምራሕ፡ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝኣምን፡ ገዚፍ ሕልምን ንጹር ራእን ዝወነነ ምዕቡልን ብሱልን ሰብ ክኸውን ክበቅዕ ኣለዎ። ወለዶ ፍትሒ ከኣ እንተ ደኣ ታሪኻዊ ሕላፍነቱ ፈሊጡን ፍቕርን እምነትን ታሪኻዊ ተልእኾኡ ከም ዝሰርጾ ኮይኑን፡ ከምዚ ዓይነት ሰብ ክኸውን ከም ዘይጽግሞ ብግብሪ ከመስክር ዝኽእል ወለዶ ኢዩ።

ተጋዳላይ ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ክትጋደል ኢልካ ምስ ተበገስካ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ባይታ ዘይኮነ ኣብ ልብኻ ኢኻ ፈጢርካያ። ነታ ኣብ ልብኻ ዝፈጠርካያ ብፍቕራ ዝዓበድካላ ናጽነት ኤርትራ፡ ቃልሲ ይምረር፡ ኩነታት ይጸንክር፡ ሜላታት ይቀያየር፡ ዝመጸ ዓይነት ኣጽዋር ይምጻእ፡ ወለዶታት ይሕለፉ፡ ዝተኸፍለ መስዋእቲ ይከፈል፡ ግዜ ይሕጸር ይንዋሕ ብዘየገድስ፡ ሓደ መዓልቲ ኣብ ባይታ ከተረጋግጻ ምኻንካ ትኣምን ኔርካ። ብዘርምም ጅግንነት ከኣ ክውንቲ ከም ትኸውን ጌርካያ። ጸላኢ ክሳብ ኣፍንጭኡ ኣጽዋራት ዓጢቑ እንተ ተሃንደደ፡ ከጥፍኣካ ኢሉ ወራር ኣብ ልዕሊ ወራር እንተ ደራረበ፡ ድንብርጽ ከይበለካ “ኣነ ክሓልፍ እኽእል’የ፡ እዛ ኣብ ልበይ ዝፈጠርክዋ ናጽነት ሃገረይ ግን ከም ትዕወት ጥርጥር የብለይን” ትብል ኔርካ። ካብ ዓረ ዝተረረ ነቕ ዘይብል እምነትን ፍቕርን ዕላማ ከኣ ኔሩካ። ብሓይልን ግዝፍን ናይ’ቲ ብርእሰ ሓያላን መንግታት ዝሕገዝ ዝነበረ፡ ኣብ ጸሊም ኣፍሪቃ መወዳድርቲ ዘይነበሮ ዓርሞሹሽ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከይተደሃልካን መንፈስካ ከይተረበሸን ተቓሊስካ ክትዕወት ዝበቓዕካ፡ ሃምኻን ቀልብኻን ብፍቕርን ባህግን እታ ኣብ ልብኻ ዝነበረት ሓራን ቅዋማዊትን ኤርትራ ተባሒቱ ስለ ዝነበረ ኢዩ።

ተጋዳላይ ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ከምቲ ንደርማስ ሓይሊ ጸላኢ ንዒቕካን ብእኡ ከይተደሃልካን፡ ነታ ኣብ ልብኻ ዝሰኣልካያ ተፍቅራ ናጽነት ክውንቲ ክትገብር ትግስግስ ዝነበርካ፡ ኣብዛ ንሃገራዊ ቅዋም ዝተወፈየት ሓዳስ ዓመት፡ ዓመተ 2018 ዓ.ም. ነዚ ናይ’ዚ እዋን ጸላኢኻ ንኢሳይያስን ንኹሉ ምትላሉን ጥልመቱን ንኹሉ ተንኮላቱን ጭካነኡን ንዒቕካን ብእኡ ከይተደሃልካን፡ ኩሉ ሓሳብካን ሕልምኻን ብዛዕባ እታ ትብህጋን ተፍቅራን ቅዋማዊት ኤርትራ ጥራይ ከም ዝኸውን ግበር። ኣብ’ዛ ሓዳስ ዓመት፡ ንኢሳይያስ ምዝካርን ብዛዕባ’ቲ ማእከል ስሕበት ምእንቲ ኽኸውን ኮነ ኢሉ ዝፈጥሮ ነውጽን ዘመሓላልፎ ተለዋዋጢ መምርሒታትን፡ ብዛዕባ ግዕዙይ ምሕደራኡን ጸብጺብካ ዘይውዳእ ጨካን ገበናቱን፡ ምሕማይን ምትንታንን ፈጺምካ ኣቛርጾ። ንኢሳይያስን ናቱ ግናይምናይን ካብ ኣእምሮኻ ሓግሒግካ ኣውጽኣዮ። ኣብ ልቢ ሓደ ጅግና ተቓላሳይ ዝኸበረ ቦታ ዝሕዝ፡ እቲ ዘፍቅሮን ዝብህጎን ዕላምኡ ደኣ እንበር ብርታዐን ክእለትን ጸላኢኡ ስለ ዘይኮነ፡ ንኢሳይያስ ንዒቕካን ረሲዕካን ኣብ ልብኻ ስእሊ’ታ ትብህጋ ቅዋማዊትን ደሞክራስያዊትን ኤርትራ ከም ዝፍጠር ክትገብር ጸዓር። ሽዕኡ ብፍቕርን ባህግን እታ ኣብ ልብኻ ዝተሳእለት ቅዋማዊት ኤርትራ ሓይልኻን መንፈስካን ክሕደስ’ዩ። እቲ ኤርትራዊ ጅግንነትካን ትብዓትካን ናብ ቦትኡ ክምለስ’ዩ። እተን ራኢ ከማዕድዋ ንጹራት ዝነበራ ኣዕይንትኻ ክኽፈታ ኢየን። ይክኣሎ ምንባርካ ክርደኣካን ኩሉ ነገር ቀሊል ምኻኑ ክኽሰተልካን’ዩ። ንኢሳይያስ ንዒቕካን ረሲዕካን ነታ ኣብ ልብኻ ዝሰኣልካያ ተፍቅራ ቅዋማዊት ኤርትራ ክትብህግን ክትናፍቕን ምስ ጀመርካ፡ ናይ ኢሳይያስ ክፍኣት ከመይ ጌርካ ተማህምኖ መርበባት ተንኮላቱ’ውን ብኸመይ ትበጣጥሶ ክበርሃልካ’ዩ። ሽዕኡ እታ ብፍቕራ ደረት ኣልቦ ጸዓት ዝፈጠረትልካ፡ ኣብ ልብኻ ዝፈጠርካያ ቅዋማዊት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ፡ ኣብ ልቢ እቲ ዕላማ ቃልስኻን መብጽዓ ሰማእታትካን ከይተረፈ ዘወፈኻሉ ተፍቅሮ ውላድካ ወለዶ ፍትሒ፡ ንኽትፈጥር ክትሃርፍን ክትርበጽን ኢኻ። ሽዕኡ ኢሳይያስ ክሰዓርን ክወድቕን ኢዩ። ጸገም ኤርትራን ህዝባን ከኣ ከም ዓፈፋ ተመን ምሕው ኢሉ ክጓሓፍ ኢዩ።

ተጋዳላይ ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ከምቲ ኣቦታት ቃልሲ ኣርብዓታትን ሓምሳታትን ኣብ ልብኻ ናጻ ኤርትራ ንኽትስእል ኣብነት ዝኾኑኻ፡ ካብ’ዛ ንሃገራዊ ቅዋም ዝተወፈየት ሓዳስ ዓመት ጀምርካ ኣብ ድንግል ልቢ ወለዶ ፍትሒ ፍቕሪ እታ ብልዕልና ሕግን ቅዋምን ትምራሕ ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ከም ትፍጠር ክትገብር ክትክእል ኣለካ። ፍቕሪ ብቐንዱ ሓይሊ ምኻኑ ርዱእ’ዩ። ፍቕሪ ዕላማን ፍቕሪ ሃገርን ከኣ ከልካሊ ዘይርከቦ ደርማስ ሓይሊ ክትውንን ከም ዘብቅዓካ ጉዕዞ ቃልስኻ ብቐንዱ ምስክር’ዩ። ስለ ዝኾነ ከምቲ ንስኻ ጅግና ተጋዳላይ ኮይንካ ነቦታትካ ተኣምር ዘርኣኻዮም፡ ወለዶ ፍትሒ ከኣ ንኹሉ ምልካዊ ተጻብኦታት ፈንጢሱ፡ ነታ ኣብ ልቡ ዝተፈጥረት ዘፍቅራ ቅዋማዊት ኤርትራ ክውንቲ ክገብርን ንታሪኻዊ ተልእኾኡ መስተንክር ብዝኾነ ኣገባብ ክዛዝምን ክትዕዘቦ ኢኻ። ጅግና ተጋዳላይ ደጊሙ ክሕበረካ ዘለዎ ጉዳይ እንተ’ሎ፡ ካብ’ዛ ሓዳስ ዓመት ጀምርካ ንኢሳይያስ ምስ ኩሉ ግናይምናዩ ረስዓዮ፡ ካብ ውሽጥኻ ሓግሒግካ ኣውጽኣዮ። ኣብ ልብኻን ኣብ ልቢ ኣባልካን ውላድካን፡ እታ ስውኣት ብጾትካ እናተመነይዋን እናበሃግዋን ከይረኣዩዋ ዝሓለፉ፡ እታ ኣብ ልዕሊ ረመጽ ሓዊ እናመረሽካ ምስ ሞት ብድሎ እናገጠምካ ከለኻ ትሓልማን ትናፍቓን ዝነበርካ ቅዋማዊትን ደሞክራሲያዊትን ኤርትራ ከም ትፍጠር ግበር። ሽዕኡ ኢስይያስ ክሰዓርን ጸገም ኤርትራን ህዝባን ምልእ ብምሉእ ከኽትምን’ዩ።

ተጋዳላይ ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ከምቲ ንስኻ ብዕድመ መሰታ’ዚ መንእሰይ ወለዶ ፍትሒ ከለኻ መስተንክር ታሪኽ ክትሰርሕ ዝኸኣልካ፡ ንሱ ከኣ ኣብ’ዛ ዕድመ ንእስነቱ ከሎ ታሪኽ ክሰርሕ ብቕዓት ኣለዎ። ወዮ እኳ ደኣ ክትንየተሉ ዘይከኣል ኮይኑ እንበር፡ ኣብ ትሕቲ ባርነትን ጉዕዞ ስደትን ዘርዮ ዘሎ ትብዓትን ዘሕልፎ ዘሎ ምረት ህይወትን እኮ ጽብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን። እዚ ንባርነትን ንስደትን ዝኸፍሎ ዘሎ ዋጋ ኣብ ምትግባር ሃገራዊ ቅዋምን ኣብ ምትካል ቅዋማዊት ኤርትራን ኣውዒልዎ ኔሩ እንተ ዝኸውን፡ ምስሊ ኤርትራና ድሮ ከም’ቲ ንብህጎ ኮይኑ ምሃለወ ኔሩ። ነዚ ክፉእ ግዜ ንሕና ዘይከኣልናዮ እዚ ሕንጫል ቆልዓ ከመይ ኢሉ ክኽእሎ ኢልካ ከይነኣኣስካ፡ “ሕማቕ ኤርትራውን ሕማቕ ብረትን የለን” ትብል ብዝነበረት ታሪኻዊት እምነትካ ተመሪሕካ ሃገራዊ ሓላፍነቱ ኣፍልጦ። ንወለዶ ፍትሒ ታሪኻዊ ሓላፍነቱ ከም ዝፈልጥ ስለ ዝገበርካዮ ኣብ ዘይምልከቶ ፖለቲካዊ ጉዳያት ከም ዝግደስ ትገብሮ ዘለኻ ኣይምሰልካ። ኣብ ፖለቲካ ምንጣፍ ካልእ’ዩ፡ ታሪኽዊ ተልእኾኻን መሰልካን ምፍላጥ ከኣ ካልእ’ዩ። ክልቲኡ በበይኑ’ዩ፡ ዘራኽብ’ውን የብሉን። ኣብ ፖለትካ ምግዳስ ብምርጫኻ ትኣትዎ ሞያ ወይ ዝንባለ’ዩ፡ ታሪኻዊ ተልእኾኻን መሰልካን ተረዲእካ ኣብ ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ምእማን ግን ሰብ ምኻን’ዩ። ሓላፍነቱ ዝፈልጥ ምሉእን ንቑሕን ሰብ ምኻን እኳ ደኣ። ስለ’ዚ ተጋዳላይ ነዚ ወለዶ’ዚ ሓላፍነቱ ዝፈልጥ ምሉእን ንቑሕን ሰብ ምኻን ኣይትኽልኣዮ።

ተጋዳላይ ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ኣብ ልቢ ወለዶ ፍትሒ ዘይነጽፍ ዘልኣለማዊ ፍቕሪ እታ ታሪኻዊት ተልእኾኡ ዝኾነት ቅዋማዊት ደሞክራሲያውት ኤርትራ ከም ትሰኣል ስለ ዝገበርካን፡ ሰብ ከም ዝኸውን ሰብ ብሰቡ ከኣ ሓላፍነቱ ዝፈልጥ ምዕቡልን ንቑሕን ብሱልን ሰብ ከም ዝኸውን ስለ ዘብቃዕካዮን፡ ዕዳኻ ባዕሉ ክኸፍለልካ፡ ንህዝብኻ ከኣ ንሱ ክኽሕሰልካ’ዩ። ተጋዳላይ ካብ’ዛ ንሃገራዊ ቅዋም ዝተወፈየት ሓዳስ ዓመት ጀምርካ ስእሊ እታ ሕልሚ ወለዶታት ዝኾነት ቅዋማዊት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ኣብ ልቢ ወለዶ ፍትሒ ከም ትሰኣል ግበር ንዓኻ ምእንቲ ክሕሸካን ክትቀስንን። ንዕኡ ምእንቲ ክርህዎ ብባርነትን ስደትን እናተዋረደ ምእንቲ ከይጸንት። ገዚፍ ሕልምን ንጹር ራእን ዝወነነ ሕቡን ዜጋ ኮይኑ መሰሉ ኣኽቢሩ ነዛ ሃገር ጽባሕ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ባዕሉ ምእንቲ ክመርሓ። ሃልሃልታ ንእስነቱ ኣብ ዓቢ ታሪኻዊ ቁምነገር ስለ ዘውዓሎ ብታሪኹ ኮሪዑን ተፈሲሁን ብሓበን ምእንቲ ክዝክረካ። ካብ ምስትምሳልን ምምራርን ድሒኑ ትርጉምን ምልኣትን ዘለዎ መዋእል ምእንቲ ክሕልፍ። ከም ዋርሳይ ኣያኡ “እዚኦም…” እናበለ ንስም ተጋዳላይ እናማረረ፡ ዘይርጉእን ዘይዕጉብን ህይወት ምእንቲ ከየሕልፍ። ኣብ መድረኸይ ሰብ እንበር መቛጽርቲ ኣይነበርኩን፡ ንህይወተይ ንስለ ምንባር ዘይኮነ፡ በቲ ዝኣመንኩሉ ኣገባብ ክነብራ ዝበቓዕኩ ታሪኻዊ ተልእኾይ ዝፈጸምኩ፡ ምሉእ ሰብ’የ፡ ኢሉ ንታሪኹ ብኹርዓት ምእንቲ ከዘንቱ። ከም’ቲ ኣብ ሸላታት ዒራዒሮ ተሓይሩ ዝሳቐ ዘሎ ጅግና “ኣነ ብኢሳይያስ ተገዚኤ ሓሊፈ ኣለኹ፡ ሓደራኻ ዝወደይ ብኣብርሃም ከይትግዛእ” ዝበሎ፡ ምናልባት ጹባሕ እዚ ወለዶ’ዚ ካብ መግዛእቲ ኣብርሃም ኢሳይያስ ምእንቲ ክድሕን። ኣውራ ግን እዛ ኣእላፋት ዝተኸፈሉላ ክብርቲ ኤርትራና ካብ ምጽናትን ምብዳምን ድሒና ቀጻልነት ዘለዋ ሃገር ምእንቲ ክትከውን።

ኩልኻ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ካብዛ ንሃገራዊ ቅዋም ዝተወፈየት ሓዳስ ዓመት፡ ዓመተ 2018 ዓ.ም. ጀሚርካ ብግብሪ ሰራዊት ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ምኻንካ ከተመስክርን፡ ካብ’ቲ ክትጓዓዞ ዝጸናሕካ ናይ ጥፍኣትን ህልቂትን ጉዕዞ ተመሊስካ፡ ነቲ በዕጽምቲ ሰማእታትካ ዝኣተኻዮ መብጽዓኻ ከተሕድስን ንህዝብኻ ክትክሕስን ከም ዝግብኣካ ክሰቆረካ ኣለዎ። ብፍላይ ኣታ ኣብ ስልጣን ዘለኻ ተጋዳላይ፡ እቲ ዘለኻዮ መንበረ ስልጣን፡ ሕጂ ኣብ’ዛ ግዜ እዚኣ ኣብ መዳጎኒ ሸላታት ዒራዒሮን ካርሸልን ተሓይሮም ዝሳቐዩን ዝቕዘፉን ዘለው፡ ብሕማም ስትሮክ እናተመኽነየ ዝቕንጸሉን ኣብ ፈቐዶ ስደት ዝበልዩ ዘለው ኣያታትካን መራሕትኻን ቅድመኻ ተቐሚጠምሉ ዝነበሩ መንበረ ስልጣን ምኻኑ ዘክር። ልዕሊኦም እሙን ልዕሊኦም ገባርን ሓዳግን ዝኾንካ ኣይምሰልካ። “እዛ ዘለኽዋ ስልጣን ኢሳይያስ እንተሎ’የ ዝረኽባ ምስኡ ተላሒገ ካብዝን ካብትን ሸማጠጠ ምንባር ይሕሸኒ” ኢልካ ትሓስብ እንተሊኻ ዓሻን በሃምን ኢኻ። ስልጣን ኢስይያስ ድሕሪ ደጊም ብሃገራዊ ቅዋም ተተኪኡ ከብቅዕ’ዩ። ምናልባት ብዕድል እንተ ጸኒሑ’ውን ኢሳይያስ ንኹሉ ሰብ ከም በጃ ኢድ ወይ ጓንቲ ስለ ዝሓስቦ ከም’ቲ ንኣያታትካን መራሕትኻን ተጠቂሙ ዝጎሓፎም፡ ንዓኻ’ውን ጌጋ ይርከበልካ ኣይርከበልካ ብዘየገድስ ኣይክንሕፈካን ኢዩ። ስለዚ በቲ ብፍርሒ ረድረድ እናበልካ ብጫፍ መቐመጫኻ ተቐሚጥካሉ ዘለኻ ዕድመ ቃንጥሻ ዝዕድመኡ ግዝያዊ መንበረ ስልጣን ከይተታለልካ፡ እቲ ኢሰይያስ ኣብ ነንሓድሕድካ ኣእትይዎ ዘሎ ናይ ስልጣን ምትፍናንን ቅርሕንትን ካልእ ፈላላይ ስምዒታትን ኣወጊድካ፡  ኣብዛ ሓዳስ ዓመት ንትግባረ ቅዋም ክትለዓል ታሪኽ ዕድል ከፊቱልካ ኣሎ።

ብፍላይ ሰራዊት ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ክንስኻ ኣዛዚ ሰራዊትን ኣባል ሃገራዊ ድሕነትን ኮይንካ ምስ ምልካዊ ስርዓት ወጊንካ ህዝብኻ ተጽንት ዘለኻ ዜጋ፡ ዝሓለፈ ገበናትካ ይኣክል። ተጋዳላይ ሰራዊት ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ምኻንካ ኣሚንካ ንሰራዊትካ ወዲብካ ኣብ ጸግዒ ህዝብኻ ክትስራዕን፡ ጠበናጁኻ ምእንቲ እቲ ሓቀኛ ዕላምኡ ምእንቲ ቅዋማዊት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ከተቕንዖን፡ ኣብ’ዛ ንሃገራዊ ቅዋም ዝተወፈየት ሓዳስ ዓመት ህዝብኻ ይጽበየካ ኣሎ። “እቶም ህዝቢ ዘጽነቱ ጥራይ ዘይኮኑ እቶም ህዝቢ እናጸነተ ከሎ ኣጽቂጦም ዝዕዘቡ ዘለው’ውን ቀንዲ ተሓተትቲ ኢዮም፡” ከም ዝበሃል፡ ኣታ ካብ ኩሉ ጽፍሕታት ስልጣን መንግስቲ ተኣሊኻን ደስኪልካን ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ ዝወርድ በደል ኣጽቂጥካ ትዕዘብ ዘለኻ ተጋዳላይ’ውን፡ ከም’ቲ ብግዝያዊ ረብሓን ስልጣንን ተታሊሉ ንህዝቢ ዘድሚ ዘሎ ብጻይካ፡ ንስኻ’ውን ተሓታቲ ምኻንካ ክርደኣካ ይግባእ። ነቲ መጋበሪ ኮይኑ ህዝቡ ዝብድል ሃገሩ ዘባድምን ዘሎ ብጻይካ መኺርካን ወዲብካን፡ ነዚ ተላዒሉ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ከተጎሃህሮን ኣብ ጸግዒ ህዝብኻ ኮንካ ሃገራዊ ቅዋም ንኽትግበር ክትቃለስን ሓላፍነት ኣለካ።

ተጋዳላይ ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ነቲ ኣብ 2001 ዓ.ም. ብጉጅለ 15 ዝተወስደ ተበግሶ፡ ከም’ውን ነቲ ኣብ 2013 ዓ.ም. ብወዲ ዓልን ብጾትን ዝተገብረ ምንቅስቓስ፡ ደጊፍካዮን ኣብ ጎድኑ ደው ኢልካን ኔርካ እንተ ትኸውን ኢሳይያስ ንሃገርናን ንህዝብናን ከም’ዚ ጌሩ ኣይምነዓቖን፡ ንባርነትን ውርደትን ንስደትን ምብትታንን’ውን ኣይምፈረዶን ኔሩ። ብሕሉፍ  ምጽብጻብ ረብሓ ስለ ዘይብሉ ሕጂ’ውን ንህዝብኻ ትኽሕሰሉ ዕድል ተራሒውልካ ኣሎ። ኢሳይያስ ልክዕ ከምቲ ንምንቅስቓስ መንካዕ፡ የሚንን ጉጅለ 15ን ብኣውራጃዊ ዝንባለ ዝወንጀሎ፡ ንምንቅስቓስ ጥሪ 21 2013 ዓ.ም. ‘ውን ብሃይማኖት ዝጠቀኖ፡  ሕጂ’ውን ነዚ ተበጊሱ ዘሎ ሕቶ መሰል ዝመንቀሊኡ ህዝባዊ ተቓውሞ ብሃይማኖት ክውንጅሎ ምኻኑ ተረዲኡካ ሓድነት ህዝብኻ ኣደልድል። እዛ ንሃገራዊ ቅዋም ዝተወፈየት ዓመት፡ ዓመተ 2018 ዓ.ም. ዓመተ ቅዋም ዓመተ ሰላም ዓመተ ልዋም ምእንቲ ክትኮነልና፡ ነቲ ብህዝባዊ ተሳትፎ ተነዲፉ 23 ግንቦት 1997 ዓ.ም. ብሃገራዊ ባይቶ ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋም ንኽትግባርን፡ ነታ ኩሉ ሃገራዊ ዘፍቅራን ዝሓልማን ቅዋማዊት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ክውንቲ ንኽትከውንን ብሓርበኛዊ መንፈስን ብትብዓትን ተለዓል።

  • ኣባል ዑቑር ሰራዊት፡ ደቅኻን ደቂ ደቅኻን ኣሰዊእካ ከይኣኽለካ ኣብ’ቲ ክትከብረሉን ከተዕርፈሉን ዝግብኣካ ዕድመ ሽምግልናኻ ብረት ዓጢቕካ ትከላበት ዘለኻ ዕቑር ሰራዊት ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ኤርትራዊ ኣቦ፡ ምእንቲ ትግባረ ቅዋም ትለዓለሉ እዋን ኣኺሉ’ዩ። ካብቶም ዘሕለፍካዮም ክልተ ወይ ሰለስተ ስርዓታት እቲ ዝኸፍአ፡ ተንኮል፡ ጭካነን ጥልመትን ዝመለለይኡ ክብረት ሰብ ዘይፈልጥ ስርዓት፡ እዚ ንመስዋእቲ ደቅኻ ዝኸድዐ ስርዓት ኢሳይያስ ምኻኑ ኣይትጠራጠርሉን ትኸውን። ደርግ እኳ ጨቋኒ ባዕዳዊ ጸላኢ ከሎ ናይ ቀበሌኻ ኣመሓደርቲ ክትመርጽ ዘፍቅድ መሰል ዘይከለኣካ፡ ኣብ’ዛ በዕጽምቲ ደቅኻ ሓራ ዝኾነት ሃገር ግን እዛ መባእታዊት መሰል ከይተረፈ ተሓሪምካ፡ ብባርነትን ድኽነትን ትኽርትት ኣለኻ። እዚ ከይኣክል ሕዱር መርገም ከም ዘለካ፡ ኣብ ግዜ እርጋንካ ጠበንጃ ዓጢቕካ ክትከላበትን ክትዋረድን ተፈሪድካ ኣለኻ። እንተኾነ እዛ ዓጢቕካያ ዘለኻ ጠበንጃ፡ ስውኣት ኣሕዋትካን ደቕካን ምእንቲ ሓራን ቅዋማዊትን ኤርትራ ዓጢቖማ ዝነበሩ ጠበንጃ ስለ ዝኾነት፡ ካብ’ዛ ንሃገራዊ ቅዋም ዝተውፈየት ሓዳስ ዓመት፡ ዓመተ 2018 ዓ.ም. ጀምርካ ነዛ ጠበንጃ ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ምዕጣቕካ ምርቓ እንበር መርገም ከም ዘይኮነ ክስወጠካ ኣለዎ። ነዛ ጠበንጃ ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ዓጢቕካ ሃገርካን ህዝባኻን ብዘይሕግን ቅዋምን ክመሓደሩ ከተፍቅድ ኣይግብኣካን ኢዩ’ሞ ስረ ቀደምካ ዕጠቕ። ከምቲ ኣብ መዋእለ ዕድመኻ ዝተመኮርካዮ ስርዓታት ወደቕትን ሓለፍትን ምኻኖም ዘኪርካ፡ ነዚ ናይ ባርነትን ስደትን ጸላማት እዋን ሓሊፉ ብርሃን ሓርነት ዘማዕዱ ተስፋ ወኒናካ፡ ከምቲ ኣብ ዘበነ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ንደቅኻን ኣሕዋትካን ፍቕሪ ናጽነት ሃገር ዘውረስካ፡ ሕጂ’ውን ፍቕሪ ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ንደቅደቕኻ ከተውርስ ከይተሓለልካ ጸዓር።

    ወለዶታት እዛ መሬት መዋእሎም ብሕግን ድግን እንዳ’ባ እናተመሓዳደሩ ይነብሩ ከም ዝነበሩ፡ ንስርዓት ሕጊ ደኣ እንበር ንውልቀሰብ ፍሪሖም ተገዚኦም ከም ዘይፈልጡ፡ ንደቕኻን ደቂደቕኻን ክትሕብር ሓላፍነት ኣለካ። ብዘይካ ኣብ’ዛ እዋን እዚኣ ደቂ’ዛ መሬት እዚኣ ተንበርከኽትን ሰገድትን ኮይኖም ዘይፈልጡ ምኻኖም ክትነግርን፡ “ኣቱም ደቀይ ኣቦታትናን ኣቦሓጎታትናን ዘይገበርዎ ዘይባህልናን ዘይልምድናን ኣይንግበር” ኢልካ ክትምዕድን፡ ንትግባረ ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ብትብዓት ክትለዓልን ይግበኣካ።

ዕቑር ሰራዊት ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ኤርትራዊ ኣቦ፡ ርእስኻ ኣድኒንካ ምንባር ለውጢ ኣየምጽኣልካን’ዩ። ዘይባህልኻን ዘይባህርኻን ምግባር’ውን ኣየልምዓካን’ዩ። ንስኻ ጠበንጃ ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ዓጢቕካ ከለኻ ብሰንኪ ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ዘይምንጋሱ፡ ደቅደቕኻ ዕሸላት ቆልዑት’ዮም ኣብ ምድረበዳን ኣብ ባሕርን ዝቕዘፉ ዘለው። ብለምለም ዳስ ብኸበሮ ለጋስ ኣግዚምካን ዋሕስ ኣግቢእካን ብሕጊ እንዳ’ባ ከተምስለን ዝግብኣካ በራውር ኣዋልድ ደቅደቅኻ ኣብ ጉዕዞ ስደት መጻወቲ ኣሰጋገርትን ጨወይትን ይኾና ኣለዋ። ህዝብኻ ይበታተን እዛ ህያብ ስውኣት ደቅኻ ዝኾነት ሃገርካ ከኣ ትባድም ኣላ። ኤርትራዊ ኣቦ ትብዓትን ጅግንነትን ካብ ገዛኻን ከባቢኻን’ያ ትጅምር’ሞ “ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ዘይብሉ መዋእል ካብ ዘሕልፍ ሞት ይሕሸኒ!” ኢልካ ኣንጻር ስርዓት ምልኪ ተለዓል። ወላዲ እንተ ኣንቂሉ ውሉድ ቅድምኡ ስለ ዝውርወር፡ ንስኻ እንተ ተላዒልካ ደቅኻን ደቅደቅኻን ንትግባረ ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ቅድመኻ ክወናጨፉ ክትርእዮም ኢኻ። ነቲ እንኮ ዋሕስካን ዋሕስ ሕዝብኻን ዝኾነ ብተሳትፎኻ ተነዲፉ ብሃገራዊ ባይቶኻ ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋምካ፡ ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕል ክገብሩን ሃገርካን ህዝብኻን ካብ ጥፍኣትን ህልቂትን ከድሕኑን ክኽእሉ ኢዮም።

ከም’ቲ ኣቦና ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር “ይመውት ደኣ እንበር ካብ ዝኣምነሉ ነቕ ኣይብልን፡ ርዒደ ኣይምለኽን፡” ኢሎም ብትብዓት እንብይታኦም ዘቃልሕዎ፡ ብሳላ ቆራጽነቶም ከኣ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘሎ ኤርትራዊ ምእንቲ መሰሉ ክልዓል ዘበራበርዎ። ንስኻ ከኣ ሰራዊት ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ኤርትራዊ ኣቦ “ብሕግን ቅዋምን ዘይመሓደር መንግስቲ ኣይምንግስተይን’ዩ” ብምባል ኩሉ ወዲ ሃገር ንትግባረ ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ብሓደ ንኽትንስእ ኣብነት ክትከውን ይግብኣካ። ከምቶም ኣቦታትካ “ኣነ ሓደ እግረይ ኣብ ጉድጓድ ዝኣተወ ፈሪሐኸ መን’ዩ ክተብዕ? ቅድሚ ደቀይ ኣነ ክስጣሕ፡” ብምባል ፍርሕን ተንበርካኽነትን ባህሪ ኤርትራውያን ዘይምኻኑ ከተርእን፡ ደቅኻን ደቂደቅኻን ጅግንነት ኤርትራውነቶም ከበራብርዎ ከተተባብዕን፡ ፍቅሪ ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ከም ዝሰርጾም ክትገብርን ታሪኻዊ ሓላፍነት ኣለካ።

ዕቑር ሰራዊት ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ኤርትራዊ ኣቦ፡ እዛ ንሃገራዊ ቅዋም ዝተወፈየት ሓዳስ ዓመት፡ ዓመተ 2018 ዓ.ም. ህልቂት ህዝብኻን መርድእ ደቅደቅኻን ዘይትሰምዓላ፡ መስተርሆትን ሰላምን ትረኽበላ፡ ዓመተ ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ክትኮነልና እታ መርሆ ኣብ ኢድካ’ያ ዘላ። ኩሉ ባህግኻን ትምኒትካን ንትግባረ ቅዋም ኣወፍዮ። ንግሆ ተሲእካ ጸሎት ከተብጽሕ ከለኻ “ ቅዋምን ስርዓተ ሕግን ከነንግስ ሓይልኻ ሃበና” ኢልካ ንስለ ትግባረ ቅዋም ጸሎትካ ከተዕርግ፡ ምሉእ መዓልቲ ብዛዕባ ቅዋም ከተሰላስልን ክትዝትን ውዒልካ ምሸት ክትድቅስ ከለኻ፡ ኣብ’ዛ መዓልቲ እዚኣ ቅዋም ኣብ ግብሪ ንኽውዕል እንታይ ኣበርኪተ ኢልካ ንነብስኻ ክትሓትት ይግብኣካ። ንደቅኻን ንደቂደቅኻን ክትምርቕ ከለኻ ከይተረፈ ” ቅዋምኩም ተተግብሩ ይግበርኩም፡ ብስርዓተ ሕግን ቅዋምን ትመሓደርሉ መዋእል የምጽኣልኩም” ይኹን ምርቓኻ። ኤርትራዊ ኣቦ ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ክነግስ፡ ስዉእ ብቕሳነት ክድበስ፡ ዝተሰደ ናብ ቅርዓት ዓዲ ኣቦኡ ክምለስ፡ ዝተበደለ ክከሓስ፡ ገበነኛ ከም ግብሩ ክኽሰስ፡ ዝዓነወ ዳግም ክሕደስ፡ ባይቶ ምእንቲ ሓቂ ክዝቲ፡ ዝተኣስረ ክረክብ ፍትሒ፡ ዝተወልደ ብሕንቃቐ ክዓቢ፡ ዝተዘርአ ክኹመር ኣብ ዓውዲ፡ እዛ ንሃገራዊ ቅዋም ዝተወፈየት ሓዳስ ዓመት፡ ዓመተ 2018 ዓ.ም. ዕመተ ቅዋም ዓመተ ሰላም ዓመተ ልዋም ከም ትኸውን ክትገብራ ተበገስ። ኤርትራዊ ኣቦ መፍትሒ ኩሉ ጸበባኻ ሃገራዊ ቅዋም ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕል ምግባር ስለ ዝኾነ፡ ንስለ ትግባረ ቅዋምካ ሳቮያ ኢልካ ተለዓል።

እዚ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዝገሃድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ብወለዶ ፍትሕን ብሰራዊት ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ተመሪሑ ናብ’ቲ ኩል ወዲ ሃገር ዝምነዮ፡ ናብ ትግባረ ሃገራዊ ቅዋምን ምፍጣር ቅዋማዊት ደሞክራሲያዊት ኤርትራን ምእንቲ ክሰጋገርን፡ ሓርነት ህዝብና ምእንቲ ከረጋግጽን፡ ናይ’ቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ደንበ ተቓውሞ ወይ ደንበ ፍትሒ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ እወታውን ኣሉታውን ጎድንታት ብግሉጽነትን ብዘይሕብእብእን ገምጊምካ፡ ነቲ እወታዊ ጎድኒታት መሊሱ ከም ዝድንፍዕ፡ ነቲ ኣሉታዊ ጎድንታት ከኣ መፍትሒ ከም ዝርከበሉ ምግባር፡ ኣብ’ዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ዘይንዓቕ ኣበርክቶ ከበርክት ምኻኑ ንኹሉ ብሩህ ኢዩ።

ኣብ ደንበ ተቓውሞ ክካየድ ዝጸነሐ ቃልሲ ብዙሕ ዝምስገን እወታዊ ጎድንታት ስለ ዘለዎ ንኹሉ ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ገለ ካብቲ ቀንዲ እወታዊ ጎድንታት ወይ ዓወታት ግን ብኸም’ዚ ዝስዕብ ክዝርዘር ይከኣል። ኣንጻር ስርዓተ ምልኪ ኣብ ክትቃለሰሉ ትኽእል ቦታ ወሪድካ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ምክያድ፡ ተቃውሞኻ ብዓውታ ብምቅላሕ ድምጺ ናይቲ ወጽዕኡ ክገልጽ ዘይከኣል ውጹዕ ህዝቢ ኮይንካ ኩነታት ህዝብኻን ሃገርካን ዓለም ከም ትፈልጦ ኣብ ምግባር፡ ህዝቢ ንተንኮላትን ገበናትን ስርዓት ኢሳይያስ ክነቕሓሉ ኣብ ምጉስጓስ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝካየድ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣብ ምድጋፍን ምትብባዕን፡ ሰላማዊ ሰልፍታት ብምክያድ ደገፍትን መራሕትን ስርዓት ህግደፍ ከም ድላዮም ከይውደቡን ፈስቲቫላት ከየካይዱን ኣብ ምእጋድ ኣድማዒ ተራ ተጻዊቱ’ዩ። ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኢሳይያስ እገዳ ከም ዝግበርን ከም ዝጸንዕን ከምኡ’ውን እቲ ስርዓት ካብ ዓለም ከም ዝንጸል ኣብ ምግባር፡ ነቲ ካብ ስደተኛታት ኤርትራውያን ዝእክቦ 2% ናጻ ኮይኑ ንኸይክቦ ኣብ ምክትታልን ምቅዋምን፡ ኣብ ጸገም ንዝወደቑ ስደተኛታት ኣብ ምትሕግጋዝ፡ ብዛዕባ ኩነታት ህዝብኻን ሃገርካን ኣኼባታትን ሰሚናራትን ብምክያድ መፍትሒ ንኽርከብ ኣብ ምዝታይ፡ እዚኦምን ካልኦትን ዝኣመሰሉ ንሰብኣዊ መሰላትን ንፖለቲካዊ ምንቅስቓሳትን ዝምልከት ዝምስገን ኣበርክቶ ጌሩ’ዩ።

ናይ’ዚ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ወይ ደለይቲ ፍትሒ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኮይኑ ክካየድ ዝጸንሐ ቃልሲ ኣሉታዊ ጎድንታት ወይ ጸገማት ብኸም’ዚ ዝስዕብ ክዝርዘር ይከኣል። እዚ ብነቐፌታዊ ኣቀራርባ ቀሪቡ ዘሎ መግለጺ፡ ናይ ሓባር ዕላማ ከይሓዝካ በብዝመስለካን እናኸድካ ዘዝተሰማዓካ ትገብረሉን ትዛረበሉን ኣገባብ ቃልሲ፡ ካብ ረብሕኡ ጉድኣቱ ከም ዝዛይድ ክሕበር ስለ ዝተደልየ ዝቐርብ ዘሎ መግለጺ ደኣ እንበር፡ ኣንጻር ስርዓት ምልኪ ክትቃለስ ምፍታንካ ክቆናጸብ ተሓሲቡ ወይ ተጸሊኡ ከም ዘይኮነ ክበርህ ኣለዎ። እዚ ቃልሲ እዚ ክብገስ ከሎ ብውድባውን ውልቃውን በደል ዝተበገሰ ቃልሲ ኮይኑ፡ ድሒሮም ንስርዓት ምልኪ ዝተቓወሙን በቲ ስርዕት ግዳያት ዝኾኑን ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ዘሕመሞምን ዜጋታት ተሓዊሲሞ ዝተጎሃሃረ ቃልሲ’ዩ። ኣብ’ዚ ቃልሲ እዚ ጎሊሑ ዝረአ ደረት ዘይብሉ ቂምን ቅርሕንትን ሕርቃንን ጽልእን፡ ኣንጻር ውልቀ መላኽን ሓለፍቲ ህግደፍን፡ ኣንጻር ውልቀ ሰባትን ገበናቶምን ኮይኑ፡ እቲ ደራኺ ሓይሊ ናይዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ’ውን እዚ ስምዒታት እዚ ይመስል። እዚ ቃልሲ እዚ ገበናትን ጭቆናን ስርዓት ምልኪ ብዝፈጠሮ ነድርን ስምዒታትን ዝድፋእ ቃልሲ እንበር፡ ብፍቕርን እምነትን ዕላማ ተመሪሑ፡ ስሙር ውዳበን ንጹር ዕላማን ሒዙ ዝግስግስ ቃልሲ ኮይኑ ስለ ዘይጸንሐ፡ ህዝባዊ ተቓውሞ ፈጢሩ ንስርዓት ምልኪ ካብ ስሩ ቦርቂቑ ከውድቕን ሸቶኡ ክወቅዕን ኣይከኣለን።

እዚ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ብውድበይ ውድብካ ዝተፈላለየ፡ ብግዚያዊ ምዕበለን እዋናዊ ፍጻመታትን ዝናወጽ፡ መምስዘጓነፈ ኣጋጣሚታት ናህሩ ዝውስኽን ለጠቕ ዝብልን፡ ብዘረባን ተግባራትን ውልቀ ሰባት ኣመና ዝጽሎ፡ ብቐጥታ ድዩ ብተዘዋዋሪ ጽልእን ጸላእን ዝቆጻጸሮ ቃልሲ’ዩ ኮይኑ ጸኒሑ። ጸላኢ ወይ እቲ ውልቀ መላኺ ባዕሉ ብቐጥታ ወይ ውጺኢት ናይቲ ንሱ ዝፈጸሞ ገበን ገለ ነገር እንተ ኣጋጠመ፡ ተቓውሞ ደንበ ፍትሒ ይንህር፡ ሰላማዊ ሰልፍታት ይዕምር፡ ዜናታት ይጋዋሕ፡ ብዙሕ ዋጭዋጭ ይበሃል፡ ነዊሕ ከይጸነሐ ግን ይዝሕትል። ገለ ገዳይም ተጋደልቲ ነበር ወይ ሕቡእ ነገራት ይፈልጡ ኢዮም ዝተባህሉ ውልቀ ሰባት፡ ኣብ መርበባት ሓበሬታ ቀሪቦም ዘይተሰምዐ ምስጢራት እንተ ኣቃልዑ፡ ሓቂ ይኹን ሓሶት ከየረጋገጽካን ንምንታይ ዕላማ እቲ ምስጢር ሕጂ ክገሃድ ተደልዩ ከይገምገምካን ዋዕዋዕ ይብሃል፡ ጸኒሑ ግዚኡ ኣሕሊፉ ከኣ ይርሳዕ። ቀደም ከም ነውሪ ዝሕሰብ ዝነበረ ንታሪኽ ብረታዊ ገድልን ንስውኣትን ዝምልከት ዘይልሙድን ሚዛኑ ዘይሓለወን ዘረባታት ምስ ዝዝረብ፡ ኩሉ ሰብ በብዘለዎ ይካታዕ፡ ገለ ዝድግፍ ገለ ዝነቅፍ ይኸውን ኣብ ሓደ መረዳድኢ ነጥቢ ከይተበጽሐ ከኣ ይርሳዕ። ሃይማኖተይ ሃምኖትካ ዓደይ ዓድኻ ኣወራጃይ ኣውራጃኻ ብሄረይ ብሄርካ ዝኣመሳሰሉ ተነቃፊ ጉዳያት፡ ባዕሉ እቲ ምልካዊ ስርዓት ከም ዝጎሃሃር ይገብር፡ ገለ ዝንቡዓትን ሓያለ ግሩሃትን ይስዕብዎ ቁሩብ ከየስዓተ ከኣ ረስኑ ወዲኡ ይጠፍእ። ሓደስቲ ውዳባትን ምንቅስቓሳትን ይፍጠራ፡ ብዛዕብአን መዓት ጽቡቕን ሕማቕን ይዝረብ፡ ጸኒሐን ይገማምዓን ኣባላተን ይፍልሉን፡ ገለ ለውጢ ከየምጽኣ ከኣ ምስተን ቅድመአን ዝነበራ ይስርዓ።

እቲ ዝኸፍአ ኣሉታዊ ጎድኒ እዚ ቃልሲ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ፡ ጥርኑፍ ኣተሓሳስባ ዘይብሉ፡ በብዝመስለካ ተቓለስ ብዝብል ኣምር ዝምራሕ፡ ዝኾነ ተራ ውልቀሰብ ኣንፈቱ ክጥምዝዞ ወይ ክጎጃጅሎ ዝኽእል ቃልሲ ምኻኑ’ዩ። ዝኾነ ብዘይሕንከት ዓው ኢሉ ዝመደረ ሰብ፡ ነብሱ ከም ጀማሪ ሰውራ ይቖጽራ’ሞ ሕጂ ኢያ እታ መፍትሕ ዝተረኽበት ኢሎም፡ ገለ ግሩሃት ደድሕሪኡ ህዱድ ኢሎም ይስዕቡ፡ ዘዘተፍኦ ቃላት ኣራርዮም ክደጋግምዎ ይቕንዩ፡ ድሕሪ ቁርብ ከኣ ደሃይ የለ ድምጺ የለ ይኸውን። ገለ ኣንፈቶም ኣጥፊኦም ዝጸንሑ ውልቀ ሰባት ነዚ ድንግርግር ዝበለ ዘይርጉእ ሃዋሁ መዝሚዞም፡ ንውሑዳት ድሒሮም ኣንፈቶም ዘጥፍኡ ኣጋግዮም ዘየለን ዘይነበረን ታሪኽ መስሪሖም፡ ናይ ብሄር ክብሃል ኣይከኣል ናይ ሃይማኖት ክትብሎ ኣየድፍር ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ጥርኑፍነት ክፈጥሩ ክምድሩ ይጅምሩ። እቶም ድሒሮም ኣንፈቶም ዘጥፍኡ ይስዕብዎም፡ እቲ ካልእ ከኣ ንዘዝተዛረብዎ ግዕዘይ ክትንትን ጫቕ ክብል ይቕኒ፡ ድሕሪ ቑርብ ከኣ ህጣሙ የጥፍእ። ዝኾነ ሓደ ደጋፋይ ድዩ ዋላ ተቓዋማይ ደፊሩ ኣብ ናይ ሓበሬታ መራኸቢታት ተቐልቂሉ ገለ እንተ በለ፡ ወይ ባንዴራ እንተቃጸለ ወይ’ውን ምስክር ወረቕት ስውኣት እንተ ኣንደደ፡ ኤርትራውያን ዝእከብዎ ቦታታትን ናይ ሓበሬታ ትካላትን ኩሎም ብዛዕባኡ ያዕ ያዕ ክብሉ ይቕንዩ፡ ጸኒሑ ካብ ዝኽሪ ይእለ። እቲ ነብሱ ኣግሊሉ ኣጽቂጡ ዝዕዘብ ዘሎ ዝበዝሐ ክፋል ህዝብና ወይ እቲ ሳይለንት ማጆሪቲ ዝበሃል ክፋል ህዝብና ከኣ፡ ሎሚ ከምዚ ተባሂሉ ከምዚ ከኣ ተፈጢሩ እናበለ ትሕምሒም ክብል ይቕኒ ድሕሪ ቁሩብ ከኣ ይርስዖ።

ሓደ ተቓላሳይ ነቲ ንሱ ክለብሶ ዘለዎ ናይ ተቓላሳይ መንፈስን ድልውነትን፡ ነቲ ኣብ ዕላምኡ ዘለዎ ፍቕርን እምነትን፡ ነቲ ወኒንዎ ዘሎ ጽንዓትን ዝኸፍሎ ዘሎ መስዋእትን ገምጊሙ፡ ንነብሱ ምስ ብቕዓት እቲ ኣንጻሩ ዘሎ ጸላኢ የወዳድርን፡ ኩነታቱ ይመዝንን። እቲ ሓቂ እዚ ኮይኑ ከብቅዕ ሓያለ ካብ’ዞም ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዘለዉ ተቓለስቲ ግን፡ ንነብሶም ምስቲ ሃገሮም ዘባድማ ዘሎ ቀንዲ ጸላኢኦም ዝኾነ ስርዓት ምልኪ ክንዲ ዘወዳድርዋ፡ ንነብሶም ብሚዛን እቶም ንውልቀ መላኺ ዝድግፉ ወይ ህግደፋውያን ተባሂሎም ዝፍለጡ መጣቓዕቲ ክዕይርዋ ይፍትኑ። ደገፍቲ ህግደፍ ዝገብርዎ ስለ ዘይገበሩ፡ ንሶም ዝዛረብዎ ስለ ዘይተዛረቡን፡ ብኣንጻር ሚዛን ናይቶም ደገፍቲ ደው ስለ ዝበሉን፡ ኣንጻር እቲ ሃገር ዘባድም ዘሎ ውልቀ መላኺ ዝምክቱን ግቡእ ቃልሲ ዝቃለሱ ዘለው ኮይኑ ይስምዖም ብተግባራቶም ከኣ ይሕበኑ። ብዙሓት ተቓለስቲ ደንበ ተቓውሞ’ውን በቲ ተንኮልን ክፍኣትን ኢሳይያስ እንበር ጅግንነትን ትብዓትን ኤርትራውያን ተቃለስቲ ዘየዘንቱ ቃለ-መሕትታትን መጻሕፍትን ተጸልዮም፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝመስል መስተንክራዊ ቃልሲ ንኢሳይያስ ክዕድልዎ ይረኣዩ። ንክእለትን ብልሕን ኢስይያስ ልዕሊ ዓቕሙ ብምግናን ከኣ፡ ኢሳይያስ ካብ ግዜ ቃልሲ ጀሚሩ ዝሰርሓሉ ነገር ስለ ዝኾነ ሕጂ ተቓሊስና ኣብ ንበጽሖ የለን፡ ቀደም ኣሽኪዑና ተጻዊቱልና’ዩ፡ ናይ ሃገርና ነገር ኣብቂዑ’ዩ ክብሉ ይስምዑ። ንታሪኽ ብረታዊ ተጋድሎ እናማረሩ፡ ሞራሎም ብውድቑ ተስፋ ቁርጸትን ቃልስን እናተዋጃበሮም ከኣ ክቃለሱ ይፍትኑ።

ብዙሓት ብተመኩሮን ብትምህርትን ዝበሰሉን ሚዝኖም ዝሓለውን፡ ኣብ’ዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ኣድማዒ ለውጢ ንኸምጽእ’ውን እጃሞም ከበርክቱን ንህዝቦም ከንቁሑን ብቕዓት ዘለዎም ዜጋታት ኣለው። እንተኾነ ግን ነዚ ዝካየድ ዘሎ ቀዳምነታቱ ክፈልን ንጹር ናይ ሓባር ዕላምኡ ከለልን ዘይከኣል ቃልሲ፡ ኣንጻር ውልቀ ሰባት ጸኒሑ ኣንጻር ህግደፍ፡ ኣንጻር ፖለቲካዊ ቃልሲ ጸኒሑ ኣንጻር ህዝባዊ ግንባርን ብረታዊ ተጋድሎን፡ ኣንጻር ባንዴራ ጸኒሑ ኣንጻር መበቆል ሃገራውነትን ኤርትራውነትን፡ ኣንጻር ገለ ብሄራት ጸኒሑ ኣንጻር ገለ ሃይማኖታት፡..በቃ እዚ ኢዩ ናይ ሓባር ዕላምኡ ክትብሎ ዘይከኣል ኮይንዎም፡ መትሓዝን መጨበጥን ስኢኖምሉ ብምንታይ ከም ዝኣትውዎ’ውን ጠፊእዎም፡ ነብሶም ኣግሊሎም ተዓኒዶም ከም ዝዕዘብዎ ኮይኖም ኣለዉ።  እዚ ክብሃል ከሎ ግን ዝሰምዖምን ዝስዕቦምን እንዳ ወሓዱ ደኣ እንበር፡ ሓያለ ለባማትን ህርኩታትን ሃገራውያን ተቓለስቲ ነዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ኣንፈቱ ከይስሕት ከማእዝንዎን ከዐርይዎን ከይተሓሉሉ ዝጽዕሩ ኣይተሳእኑን።

ናይ’ዚ ኩሉ ዝተገልጸ ኣብ ደንበ ተቃውሞ ወይ ደንበ ፍትሒ ዝረአ ዘሎ ኣሉታዊ ጎድንታት ማለት፡ ቀዳምነታትካ እንታይ ምኻኑ ዘይምልላይ፡ መገድኻ ስሒትካ ኣብ ጓል መገዲ ሸንኮለል ምባልን ኣንፈት ምጥፋእን፡ ተስፋ ቁርጸትን ሞራል ምውዳቕን፡ ጫውጫውታን ያዕያዕታን፡ ምንቕቓፍን ምጥቕቓንን፡ ምብትታንን ምግምማዕን፡ ንሓድሕድካ ዘይምትእምማንን ዘይምክብባርን፡ በቃ ኣብ ኩሉ ነገር ፋሕ ዝበለ ማእዶ ኮይኑ ምስጓም ተሳኢኑ ዘሎ እዚ ቃልሲ እዚ ሓፈሻዊ ናይ ሓባር ጸላኢ እንበር ንጹር ናይ ሓባር ዕላምኡ ኣለልዩ ክቃለስ ስለ ዘይከኣለ ኢዩ። ቀንዲ ኣሉታዊ ጎድኒ ወይ ጸገም ናይ’ዚ ኣብ ድንበ ተቓውሞ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ እንበኣር፡ ዝበዝሐ ደላይ ፍትሒ ንፍትሒ ይቓለስ ኣለኹ እናባለ ነቲ መሰረት ፍትሒ ኮይኑ ፍትሒ ከንግስ ዝግብኦ ዕላማ ከም ናይ ሓባር ዕላማኡ ወሲዱ ክቃለሰሉ ስለ ዘይጸነሐን፡ ኩሉ ተቓላሳይ ብጽልእን ቅርሕንትን ዝሕንሕነሉ ጸላኢ እንበር፡ ብምሉእ ልቡ ዝኣምነሉን ዘፍቅሮን ንኽትግበር ከኣ መዓልትን ለይትን ከይትሓለለ ዝጽዕረሉ ንጹር ናይ ሓባር ዕላማ ስለ ዘይነበሮን’ዩ።

ብመሰረቱ እንታይ ኢዩ እቲ ጠንቂ ናይ’ዚ ኩሉ ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ኣጋጢሙ ዘሎ ክትገልጾ ዘጸግም ኩሉ መደያዊ ውድቀት? ኢልና ምስ እንሓትት፡ እቲ ብህዝባዊ ተሳትፎ ተነዲፉ ኣብ 23 ግንቦት 1997 ዓ.ም. ብሃገራዊ ባይቶ ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋም ስለ ዘይተተግበረ ኢዩ፡ ዝብል ቀጥታውን ንጹርን መልሲ ኢና ንረክብ። ቅዋም ኣብ ግብሪ ስለ ዘይወዓለ ልዕልና ስርዓተ ሕጊ ክረጋገጽን ፍትሒ ክነግስን ኣይተኻእለን። ሳዕቤን ናይ’ዚ ከኣ ሃገርና ብውልቀ መላኺ ተገዚኣ ትደሃኽን ትባድምን ኣላ። ህዝብና ከኣ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ውልቀ መላኺ ተቖሪኑ ብባርነት ይሳቐን ናብ ስደት ይበታተንን ይጸንትን ኣሎ። ጠንቂ ናይ እዚ ኩሉ ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ወሪዱ ዘሎ ኣደራዕ፡ ንኣጀማምራን ኣገባብን ፖለቲካውን ብረታውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንመበቆልን ባህርን ኤርትራዊ ሃገራውነትን፡ ንኣውራጃን ሃይማኖትን ንኻልእ ጉዳያትን ዝምኽነ ኣይኮነን። ኩሉ እቲ ዝተፈጸመ ገበናትን ይኹን ዘጓነፈ ሽግራትን ሳዕቤን ወይ ንሓደ ሳዕቤን ተኸቲሉ ዝተፈጥረ ሳዕቤን ደኣ እንበር እቲ ጠንቂ መበገሲ ንሱ ኣይኮነን።

ጠንቂ ናይዚ ኩሉ ኣጋጢሙና ዘሎ ጸገም እቲ ብህዝባዊ ተሳትፎ ተነዲፉ 23 ግንቦት 1997 ዓ.ም. ብሃገራዊ ባይቶ ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋም ስለ ዘይተተግበረ ዘጋጠመ ጸገም ምኻኑ፡ ካልእ ምኽንያት ከም ዘይብሉ ንኹልና ብሩህ ክኸውን ኣለዎ። እቲ ቀንዲ ጠንቂ እዚ ኩሉ ዕንወት ሃገራዊ ቅዋም ኣብ ግብሪ ስለ ዘይውዓለ ካብ ኮነ ፡ እቲ ቀሊል መፍትሒ ከኣ ሃገራዊ ቅዋም ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕል ምግባር’ዩ። ኣብ 1997 ዓ.ም. ሃገራዊ ቅዋም ተተግቢሩ እንተ ዝነብር እቲ ኩሉ ዘጋጠመ ዕንወትን ህልቂት ኣይምተራእየን፡ ጹባሕ ንግሆ ቅዋም ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕል እንተ ተጌሩ ከኣ እዚ ኩሉ ክንርእዮ ዝጸናሕና ኣበሳ ኣይክንርእዮን ኢና። ስለዚ ኩልና ሃገራውያን ቀንዲ መፍትሒ ኩሉ ሃገራውን ውልቃውን ጉዳይና ቅዋም ምትግባር ምኻኑ ተረዲኡና፡ ኣብ ሳዕቤናትን ፍጻመታትን ዕንክሊል ምባል ገዲፍና፡ ሃገራዊ ቅዋምና ኣብ ግብሪ ንኽውዕል እንታይ ክንገብር ኣለና ኢልና ክንዝቲ ይግበኣና።

ካብ’ዛ ንሃገራዊ ቅዋም ዝተወፈት ሓዳስ ዓመት፡ ዓመተ 2018 ዓ.ም. ጀሚርና፡ ሃገራዊ ቅዋም ኣብ ግብሪ ምእንቲ ክውዕል ኩላትና ሃገራውያን ቅማዊትን ደሞክራሲያዊትን ኤርትራ ኣብ ልብና ፈጢርና፡ ኩሉ ኣብ መንጎና ዝረአ ናይ ኣረኣእያን ናይ ጥርናፈታትን ፍልልያት ተጻዋዊርና፡ ኣብ ጓል መንገዲ ሸንኮለል ምባል ኣቋሪጽና፡ ኣብ ጽላል ቅዋም ተጠርኒፍናን ሰሚርናን፡ ኩሉ ኣተሓሳስባናን ኣረዳድኣናን ሃምናን ቀልብናን ብዛዕባ ትግባረ ቅዋም ክንገብሮን ምእንቲ ቅዋማዊት ኤርትራ ክንቃለስን ይግብኣና። ቅዋማዊትን ደሞክራሲያዊትን ኤርትራ ኣብ ልብና ስኢልና፡ ሓደን መተካእታ ዘይብሉን ዕላማና ቅዋም ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕል ምግባር እንተ ጌርናዮ፡ ዕንቅፋታት ክንዲ እንባሶይራ እንተ ተኾመሩ፡ ተንኮላት ክሳብ ዝኣኽሎም እንተ ተጠናነጉ ካብ ጉዕዞና ከሰናኽሉና ኣይክኽእሉን ኢዮም። ውልቀ መለኺ ኢሳይያስ ኣንፈት ቃልስና ክጠዊ ኢሉ ሃሱሳት ልኢኹ ኣቓልቦና ዝምንዝዕ ነገር እንተ ተተናኾለ፡ ክድህለና ኢሉ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝኸፍአ ግፍዒ እንተ ፈጸመ፡ ዓቕሙ ዝፈቕዶ ጭካነ ዝዕብለሎ ግብረ እኪት እንተ ገበረ፡ ንሕና እቶም ሰብ ጽኑዕን ንጹርን መትከል ክንከውን ዘለና፡ ሃገራዊ ቅዋምና ኣብ ግብሪ ከነውዕል ናህርና ንውስኽ እንበር ካብ ጉዕዞና ምንቕ ክንብል ኣይክንፍትንን ኢና።

እቶም ጽልኢ ኤርትራውነት ብዘለዎም ባእታታት ዝተላእኩን እቶም ከይተረድኦም ነገራት ዘወጃብሩን፡ ነቲ ስሙር ጉዕዞ ቃልስና ክጥምዝዙን ቀዳምነታትና ክዘራርጉን ኣበር እንተ ፋሕተሩ ክሰልጦም ኣይክኽእልን ኢዩ። ተንተንቲ ታሪኽ ኢና በሃልቲ ንዘይተረጋገጸ ምስጢራት ታሪኽ ቃልሲ እናፈተሉ፡ ክስቶ ንኹስቶ ቀንጺልዎ፡ እገለ ንወዲ እገለ ኣሕሊፉ ሂብዎ፡ ኩስቶ ተሓታቲ’ዩ፡ እናበሉ ኣብ ሕሉፍ ታሪኽ ኣጥሒሎም ሸንኮለል ከብሉናን ኣንፈትና ከጥፍኡልናን እንተ ፈተኑ፡ ገበናትን ምስጢራትን ስርዓት ኢሳይያስ እናቃልዑ ጭካነ ብዝመልኦ ዛንታታትን ፍጻመታትን ከርዕዱና እንተ ጸዓሩ፡ ንኣሕዋት ደቂ ሃገሮምን ንኤርትራዊ ዜግነቶምን ከዲዖም ምስ ብቋንቛ ዝመሳሰልዎም ጎረባብቲ ናይ ሃልወሳ ሃገር ክንፈጥር ኢና ኢሎም እንተ ኣህተፍተፉ፡ ባንዴራ ኤርትራ ኣቃጺሎም ኣብ ልዕሊኣ ረጊጾም ኣጋርችቦ እንተ ሳዕስዑ፡ ንክብርን መስዋእትን ስውኣትና ደዊኖም ምስክር ወረቐቶም እንተ ኣንደዱ፡ ንኹሉ ዝብልዎን ዝገብርዎን ዋጋ ከይሃብናን ንዒቕናን፡ ኩሉ ዓቕምና ናብ ምዕዋት ዕላማና ናብ ምትግባር ሃገራዊ ቅዋም ከነውፍሮ ክንክእል ኢና። ጉዕዞና ከሰናኽል ንዝፍትን ኩሉ ብንቕሓትን ብስለትን ክንሰግር ናብ’ታ ኣብ ልብና ዝተፍጥረት ኤርትራውነትና ከተውሕስ ዝግብኣ ክብርቲ ዕላማና፡ ናብ ምትግባር ሃገራዊ ቅዋምን ምንጋስ ስርዓተ ሕግን፡ ናብ ምፍጣር ቅዋማዊትን ደሞክራሲያዊትን ኤርትራ ክንግስግስ ክንበቅዕ ኢና።

ሓንትን ንጽርትን ዕላማና ምትግባር ቅዋምን ምፍጣር ቅዋማዊትን ደሞክራሲያዊትን ኤርትራን እንተ ጌርናያ፡ ትግባረ ቅዋም ብዓይኒ እቲ ቅዋም ብዘይምትግባሩ ብባርነትን ድኽነትን ተዋሪዱ መሬት ከም ኣፍ ዕንቊ ጸቢባቶ ኩሉ ጸልሚትዎ ዘሎ ህዝብና፡ ብሕልሚ እቶም መሰሎም ተመንዚዖምን ፍትሒ ተነፊግዎምን ኣብ ኣብያተ ማእሰርትን ማሕዩርን ዝሳቐዩን ዝቕዘፉን ዘለው ዜጋታትና፡ ብዓይኒ እቶም ዓደ’ቦም ገዲፎም ዝስደዱን ፈቐዱኡ ዝዋረዱን ዝሃልቁን ዘለው ደቂ ሃገርና ክንጥምቶ ሓላፍነት ከም ዘለና ክርደኣና ኢዩ። ቅዋም ከም ዝትግበርን ቅዋማዊት ኤርትራ ከም ትፍጠርን ምግባር ማለት፡ ነዚ ወሪዱና ዘሎ ጸገም ንሓንሳብን ንሓዋሩን ከም ዝእለ ምግባር ማለት ጥራይ ዘይኮነ፡ ጹባሕ ንግሆ ቅዋም ብዘይምትግባሩ ግዳያት ባርነትን ስደትን ክኾኑ ዝሕሰቡ ኣእላፋት ዜጋታትና ከም ዝድሕኑ ምግባር፡ ህዝብና ከም ህዝቢ ሃገርና’ውን ከም ሃገር ቀጻልነት ንኽህልዎም ውሕስነት ምውሓስ ማለት ምኻኑ ክገሃደልና ኢዩ።

ብዛዕባ ሃገራዊ ቅዋም ክበርህ ዘለዎ መሰረታዊ ነጥብታት ቀጺሉ ክጥቀስ ኢዩ። ሃገራዊ ቅዋም ብኮምሽን ቅዋምን ብተሳትፎ ህዝብን ተነዲፉ፡ ኣብ 23 ግንቦት 1997 ዓ.ም. ብምርጫ ሃገራዊ ባይቶ ከኣ ጸዲቑ። ስርዓተ ሕጊ ንኽነግስን ኩሉ ዓይነታት መሰል ህዝቢ ንኽኸብርን፡ እዚ ሃገራዊ ቅዋም እዚ ኣብ ግዜኡ ክትግበር ዝግብኦ እኳ እንተ ነበረ፡ ክስዕ ሕጂ ግን ኣይተተግበረን። እዚ ሃገራዊ ቅዋም እዚ ንኸይትግበር ቀንዲ ዕንቅፋት ኮይኑ ዘሎ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ኣፎርቂ እኳ እንተኾነ፡ ብዙሓት ካብዞም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኮይኖም ዝቃለሱ ውልቀ ሰባት ብዛዕባ ቅዋም ቅኑዕ ኣጠማምታ ኣይጸነሖምን። ኣዞም ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ቅዋምና ቅኑዕ ኣጠማምታ ዘይብሎም ዜጋታት “ብኢሳይያስ ተነዲፉ ብኢሳይያስ ዝጸደቐ ቅዋም፡ ንዓና ኣይውክለናን’ዩ፡ ኣይንቕበሎን ኢና፡” እናበሉ ኣንጻሩ ክጉስጉሱ’ውን ይስምዑ ኢዮም። ብሰንኪ እዚ ከኣ ህዝቢ ንትግባረ ቅዋም ከም ቀንዲ መቃለሲ ዕላምኡ ወሲዱ ክቃለስ ኣይከኣለን። በዞም ውልቀሰባት ዝተጸልዉ ኣብ ፖለቲካ ክነጥፉ ዝረኣዩ ገለ መንእሰያት’ውን ትሕዝቶ ቅዋም ብንጹር ከይመርመሩ፡ “ቅዋም ናይ ህግደፍ ኢዩ ኔው በልዎ” እናበሉ ንሃገራዊ ቅዋም ነጺጎም ዕላምኦም ስሒቶም ኣብ ጓል መንገዲ ኣትዮም ሸንኮለል ክብሉ ይርኣዩ ኣለዉ።

እዚ ሃገራዊ ቅዋም ኣዚ፡ ብኮምሽን ቅዋም ምስ ተነድፈ ናብ ህዝቢ ከም ዝቐርብ ተጌሩ፡ ህዝቢ ከኣ ሓሳቡ ክፍስሰሉን ክዝትየሉን ዕድል ረኺቡ። ድሕሪኡ’ውን ደቂ ሃገርን ወጻእተኛታትን ናይ ሕጊ ክኢላታት ብዛዕባ ትሕዝቶኡ ንኽመያየጡን ንኽካትዑን ባይታ ተፈጢሩ። ሃገራዊ ቅዋም ን4 ዓመት ዝኣክል ዘድሊ ሕጋዊ መስርሕ ምስ ተኻየደሉ፡ ናብ ሃገርዊ ባይቶ ቀሪቡ ብዓብላሊ ድምጺ ከኣ ከም ዝጸድቕ ኮይኑ። እዚ ሃገራዊ ቅዋም’ዚ ከምቲ ኣብ ኩለን ብቕዋም ዝመሓደራ ሃገራት ዝኽተልኦ ኣገባብ ተኸቲሉ ዝተነድፈ፡ ግቡእ ሕጋዊ መስርሕን ሕጋዊ መምዘኒታትን ዘማልአ ቅዋም ደኣ እንበር፡ ብኢሳይያስ ተነዲፉ ብኢሳይያስ ዝጸደቐ ቅዋም ከም ዘይኮነ ንኹሉ ብሩህ ክኸውን ኣለዎ።

ቁሩብ ከነመዛዝንን ነብስና ክንሓትትን ኢልና ምስ ንፍትን፡ እዚ ቅዋም እዚ ብኢሳይያስን ንረብሓ ኢሳይያስን ተነዲፉ ዝጸደቐ እንተ ዝኸውን ኔሩ፡ ንምንታይ ኢሳይያስ ከተግብሮ ኣይተጓየየን? ንምንታይ ብሃገራዊ ባይቶ ምስ ጸደቐ ንኸይትግበር ንሓያለ ኣዋርሕ ዝኣክል ከደናጉዮ ጸኒሑ፡ ዶባዊ ኩናት ምስ ኢትዮጵያ ከም ዝውላዕ ጌሩ? እቶም ነነዊሕ ዓመታት ኣብቲ ጽንኩር ጉዕዞ ገድሊ ምስኡ ዝመረሹን ዝተቓለሱን ብጾቱን መተዓብይቱን ጉጅለ 15፡ ቅዋም ይተግበር ስለ ዝበልዎ፡ ንምንታይ ከም ደመኛታት ጸላእቱ ሓሲቡ ኣብ ማሕዩር ኣእትዩ ተሳቕዮም ከም ዝሃልቁ ዝገብር ዘሎ? ኢሰይያስ ዕድመ ንእስነቱ ዘሕለፈሉ ገድላዊ ታሪኹ፡ ብብጾቱን መጋድልቱን ዝነበሮ ተኣማንነት፡ ኣብ ህዝቢ ዝነበሮ ተቐባልነት፡ ኣብ ዓለም ዝነብሮ ክብርን ዝናን፡ ቅዋም ንኸይትግበር ነዚ ኩሉ ኔሩኒ ዝብሎ ህቡብነት ዘዕኑን ዋጋ ዝኸፍልን ዘሎስ ቅዋም ንረብሕኡ የገልግል ስለ ዝነበረ ድዩ? ንፕረሲደንት ከይተረፈ ብድምጺ ብዝሒ ኣባላት ባይቶ ካብ ስልጣን ክግልፍ ዘፍቅድ ሕጊ ዘለዎ ሃገራዊ ቅዋም፡ ከመይ ኢሉ ንረብሓ እቲ ስልጣን ወይሞት ዝጭርሖኡ ኢሳይያስ ከገልግል ይኽእል’ዩ ኢልካ ይሕሰብ? ኣብ ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ኣብ ህንጸት ሃገር ኢና ዘለና፡ ዶብና ከይተሓንጸጸ ቅዋም ኣይነተግብርን ኢና፡ ክብል ጸሊሑ ድሕሪ 17 ዓመታት ቅዋም ሞይቱ ተቐቢሩ’ዩ ኢሉ ክቐተሎ ዝሓለነስ፡ ትግባረ ቅዋም ንዕኡ የርብሕ ስለ ዝንበረ ድዩ? ዝኾነ ሰብ ክበርሃሉ ዘለዎ፡ ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ንረብሓ ሓፋሽ ህዝቢ ደኣ እንበር ንከም ኢሳይያስ ዝዓይነቶም ስልጣኖም ኣብ ዋጋዕዳጋ ከእቱው ዘይደልዩ፡ ብህርፋን ስልጣ ዝተሰነኑ ውልቀ መላኽቲ ፈጺሙ ከርብሕ ኣይክእልን’ዩ። ሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ ደኣ እንበር ንኢሳይያስ ጨርሹ ዘርብሕ ኣይነብረን፡ ኣይኮነን’ውን።

ከም ኤርትራውያን ሃገራውያን መጠን ትሕዝቶ ቅዋም ተዓዚብናን መርሚርናን፡ እዚ ቅዋም እዚ ንረብሓ ህዝቢ ዘገልግልን ሃገራውነት ዘደልድልን ቅዋም ድዩ ዋላስ ኣይኮነን ክንግምግም ሓላፍነት ኣለና። እዚ ቅዋም እዚ ከም ኣብ ዝበዝሓ ብቕዋም ዝመሓደራ ሃገራት ዝምርሓሉ፡ ብሰለስተ ኣዕኑድ ቅዋማዊ መንግስቲ ማለት ብሓጋጊ፡ ብፈራድን ፈጻምን ኣካላት ዝቐውም ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ክተክል ብቕዓት ዘለዎ ቅዋም ድዩ? ንህዝብናን ንመጻኢ ወለዶታትናን ብርግጽ ዘርብሕን ሓድነቱ ዓቂቡ ናብ ምዕባለ ከም ዝግስግስ ዝገብር ቅዋም ድዩ? ብሕታዊ ናጽነት ዜጋታት፡ ማዕርነት ሃይማኖታትን ብሄራትን፡ መሰል ሓሳብካ ምግላጽን ምጽሓፍን ዘኽብር ቅዋም ድዩ? ዜጋታት ክውደቡን ሰላማዊ ሰልፊ ክገብሩን ውሕስነት ዝህብ ቅዋም ድዩ? ሕብረ ሰልፋዊ ስርዓት ዘፍቅድን ዘውሕስን ቅዋም ድዩ? ኢልና እንተ ሓቲትና ሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ ነዚ ዝተጠቕሰ ሕቶታት ብዘየማትእ ኣገባብ ኣነጺሩ ዝምልስን፡ መሰረታዊ መሰል ዜጋታት ዘኽብርን ቅዋም ምኻኑ ክበርሃልና’ዩ።

ልክዕ’ዩ ነቶም ንሕና ብገዛእ ርእስና ከም ብሄር ክንፍለጥ ይግብኣና’ዩ ዝብል ሕቶ ዘለዎም ክፋል ሕብረተሰብናን ንሃገራዊ ቋንቋን ዝምልከት ጉድለት የብሉን ክብሃል ኣይከኣልን። ሃገራዊ ቅዋም ደርቕን ዘይመሓየሽን ስለ ዘይኮነ ግን፡ ከምቲ ኣብ ቅዋም ብንጹር ሰፊሩ ዘሎ፡ ቅዋም ተተግቢሩ ብህዝባዊ ምርጫ ዝቖመ ሃገራዊ ባይቶ ምስ ተተኽለ፡ ብድምጺ ምርጫ ወከልቲ ህዝቢ እዞም ዝተጠቕሱን ካልኦት ሕቶታት ህዝብን ግቡእ መፍትሒ ክግበረሎም ምኻኑ ክርደኣና ኣለዎ። እቲ ቅድሚ ኩሉ ክንዝንግዖ ዘይብልና ዓቢ ጉዳይ ግን፡ ሓደ ኩሉ ሕቶታትናን ጠለበትናን ክነቕርበሉ ንኽእል ናይ ሓባር ባይታ፡ ማለት ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ቅዋም ዝምእዘዝ ቅዋማዊ መንግስቲ ክንተክል ክንክእል ከም ዘለና ኢዩ። ኩልና ከም ንፈልጦ ምዕባለ ደሞክራሲ መስርሕ ስለዝኾነ፡ ቅዋማዊ ስርዓት እንተ ተተኺሉ፡ ደሞክራሲ ኣብ ውሽጢ እቲ ቅዋማዊ ስርዓት ምስ ግዜ እናማዕበለ ኢዩ ዝኸይድ። ቃልሲ ንዝሓሸ መሰል ቃልሲ ንዝበለጸን ንዝልዓለ ደርጃ ደሞክራሲ፡ ንወለዶታት ቀጻልን ዘየቋርጽን ምኻኑ ክንዝንግዕ’ውን ኣይግብኣናን። ዋላ እተን ንነዊሕ ዓመታት ብቕዋም እናተመሓደራ ኣብ ጉዕዞ ደሞክራሲ ነዊሕ ዝተጓዓዛ ምዕቡላት ሃገራት፡ ኩሉ ንመሰልን ንደሞክራስን ዝምልከት ሕቶታት ምሉእ ብምሉእ መሊሰንኦ ክብሃል ኣይከኣልን’ዩ። ወድ ሰብ ካብ ቃልሲ ንመሰልን ንደሞክራስን ኣቋሪጹ ኣይፈልጥን’ዩ፡ ብሕጅ’ውን ኣይከቋርጽን ኢዩ።

ቅዋም እንተ ተተግቢሩስ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ኣንፈቱ ኣጥፊኡ ከይህሉ’ሞ፡ በዘን ኣብ ወጻኢ ሃገራት መዓልታዊ ዝፍጠራ ዘለዋ ውድባትን ምንቕስቓሳትን፡ ብሃይማኖትን ብሄርን፡ ብካልእ ጸቢብ ፈላላይ ጥርናፈታት፡ ፋሕፋሕ ከይብል ዝፈርሑ፡ ኣምር ትግባረ ቅዋም ዝጎድሎም ገለ ዜጋታትና ክህልዉ ትጽበዮ’ዩ። ሃገራዊ ቅዋም ምንጪ ኩሉ ሕግታት ከም ምኻኑ መጠን ሕጊ ኣቃውማ ሰልፍታት ዝውስን ሕጊ’ውን ኣለዎ። ሓንቲ ሰልፊ ሕጋዊት ሰልፊ ኮይና ኣብ ምርጫ ንኽትወዳደር ሕጊ ኣቃውማ ሰልፍታት ዝሐቶ መምዘኒታት ከተማልእ ትግደድ ኢያ። ሕጊ ኣቃውማ ሰልፋታት ከም ዝጠቕሶ ሓንቲ ሰልፊ ሕጋዊት ሰልፊ ንኽትከውን እቲ ሕጊ ዝጠልቦ ብዝሒ ደገፍ ህዝቢ ክህልዋ፡ ካብ ኩለን ብሄራትን ሃይማኖታትን ኤርትራ፡ ካብ ኩለን ዞባታት(ኣውርጃታት) ኤርትራ ወከልቲ ክህልውዋ ግድን ይኸውን። ኩለን ሰልፍታት ካብ ነብስወከፍ ዓዲ ወይ ወረዳ ወከልቲ ክህልውወን ስለ ዝኾኑ፡ ህላወ ሰልፍታት ሓድነት ሃገር ዘደልድል እንበር ዝበታትን ክኸውን ኣይክኽእልን ኢዩ። ሕጊ ኣቃውማ ሰልፍታት ዘየኽበረ ኣብ ምርጫ ክወዳደር ሕጋዊ መሰል ስለ ዘይብሉ፡ ዝኾነ ሰብ ምጽእ ኢሉ ንሕጊ ኣቃውማ ሰልፍታት ጥሒሱ፡ ኣነ ኣብ ምርጫ ቀሪበ ክወዳደር ኢየ ኢሉ ከም ቃሕትኡ ክወዳደር ሕጊ ኣየፍቅደሉን’ዩ። ገለ ንኢሳይያስ ዝኣምኑ ዜጋታት ከኣ ዶብ ከይትሓንጸጸ ቅዋም ክትግበር ዘይክእል ዝመስሎም ኣለው። ኢሳይያስ ኣብ ስልጣን ኮሎ ዶብ ክሕንጸጽን ምስ ጎረባብትና ዘሎ ግጭት ክፍታሕን ኢልካ ምጽባይ የዋህነት’ዩ። ኢሳይያስ ንመናውሒ ስልጣኑ ኢሉ ስለ ዝምዝምዞ ዘሎ ደኣ እንበር፡ ብመስረቱ ጉዳይ ዶብ ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ እንበር ጉዳይ ኢሳይያስ ኮይኑ ኣይፈልጥን’ዩ። ዶብ ክሕንጸጽን ምስ ጎረባብትና ዘሎ ዘይምርድዳእ ክፍታሕን ዝኽእል፡ ቅዋም ከም ዝትግበር ጌርና ቅዋማዊ መንግስቲ ክንተክል ምስ ንበቅዕ ጥራይ ኢዩ።

ገለ ካብዞም ብፍቕሪ ማዕዶ ናይ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ዝዓበዱ ኣብ ስደት ዝነብሩ ኣጣቓዕቲ፡ ብዛይካ እቲ ዶብ ከይተሓንጸጸ ቅዋም ክትግበር ኣይክእልን’ዩ ዝብል ከም ሕንጸ ዝደጋግምዎ ዝማህመነ ምኽንያቶም፡ ቅዋም ዝትግበረሉ ግዜ ገና ኣይበጸሐን፡ ህዝቢ ስለ ዘይነቕሐ ብቕዋም ክመሓደር ብቑዕ ኣይኮነን፡ እናበሉ ንህዝቢ ኤርትራ ኣቆናጺቦም ክግምግሙን ዓንጀልጀል ክብሉን ይስምዑ ኢዮም። ንዓና ንኤርትራውያን ብስርዓት ሕጊ ምምሕዳር ሓድሽ ኣይኮነን። መዋእል ዘቑጸረ፡ ኣብ ዓጽመ ደምና ዝተወሃሃደ፡ ናይ ጥንቲ ናይ ጥቅምቲ ንቡር ባህልና’ዩ። ንዘበናት ብሕግን ድግን እንዳ’ባ እናተመሓደርና ንነብር ዝነበርና ህዝቢ ኢና። ኣቦሓጎታትና ኣብ ልዕልና ሕጊ ጹኑዕ እምነትን ብርቱዕ ፍቕርን ስለ ዝነበሮም፡ ንሕጊ ዝምእዘዙን ዘኽብሩን፡ ኣብ ጽላል ሕጊ እንዳ’ባ ኣጽሊሎም ብስምረትን ምክብባርን ዝነብሩ ህዝቢ’ዮም ኔሮም። “ኣይካብ ባይታን ካብ ባይቶ” ዝምስልኦም ኣቦሓጎታትና፡ ባይቶ ሓቂ እንተ ፈሪዱ ባይታ ሽሻያ ኣትነፍግን ኢያ፡ ብዝብል ክውን እምነት ፍትሒ ከይጎድል ይጥንቀቑ፡ ንባይቶኦም የኽብሩን ከም ብሌን ዓይኖም ይሕልውዎን ኔሮም።

ኣቦሓጎታትና ሕጊ ንበዳልን ተበዳልን ማዕረ ክዳኒ ከም ዘለዎ ከይተረፈ ይኣምኑ። ነቲ ዝተበደለ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ዝዓገበ’ውን ፍትሒ የውጽእሉ ኔሮም። ኣብ መወዳእትኡ ከኣ “ኣብ ጎቦ ዘሎ ንፋስ ይሰዶ፡ ኣብ ሩባ ዘሎ ዉሕጅ ይሰዶ፡” ብምባል ንገበነኛ ገበኑ ኣሚኑ ይቕረታ ከም ዝሓትት፡ ተበዳሊ ከኣ ምሕረት ክገብር ከም ዘለዎ ኣእሚኖም፡ ነገር ብዕርቅን ምርድዳእን ዝዓርፈሉን ሰላም ዝወርደሉን መገዲ የናድዩ ኔሮም። ደም ምፍሳስ ኮይኑ ህይወት እንተ ሓለፈ’ውን ነገር ብጋርን ጓልን ንኽድቕስ ይበላሓቱ። ቀታልን ተቐታልን ኣዋሲቦም፡ ሞትን ህይወትን ኣራኺቦም፡ ፍቕርን ዕርቕን ዝፈጥር ውላድ ከም ዝውለድ፡ ሞት ብህይወት ከም ትሰዐርን ህይወት ኣብ ልዕሊ ሞት ሕነ ከም ትፈድን ይግብሩ ኔሮም። ኣቦሓጎታትና ብሳላ እቲ ኣብ ስርዓተ ሕግን መሰል ሰብን ዝነበሮም ጥሉቕ ፍልጠትን ክብርን፡ ንቕሓቶም ናብ ዝለዓለ ድረጃ ሰብኣውነትን ፍትሓውነትን ክዓቢ ክኢሉ፡ ናይ ኣተሓሳስባ ዕብየትን ዓሚቕ ልቦናን ብስለትን’ውን ክውንኑ በቒዖም ኔሮም ኢዮም። እዚ ናይ ኣተሓሳስባ ዕብየትን ብስለትን ኣብ’ዚ ምዕቡል እዋን በቶም ዝማዕበሉ ኣህዛብ እኳ ገና ክብጻሕ ኣይተካእለን።

እዞም ኣብ’ዚ እዋን እዚ ኮይንና ኣብ ልዕልና ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ዝተሰረተ ስርዓት ክንተክል ኢልና ንቃለስ ዘለና ዜጋታት፡ ካብ ኣቦሓጎታትና ናይ ኣተሓሳስባን ልቦናን ዕብየት ክንወርስ እንተ ዘይክኢልና፡ ናይ’ቲ ንደልዮ ዘለና ዕላማ ተቓለስቲ ክንከውን ኣይክንበቅዕን ኢና። ናይ ስርዓተ-ሕግን ፍትሕን ተቓለስቲ ኢና ንብል እንተ ኾይንና ኣብ ሕጊ ዝኣምን ልቦናን ፍትሓዊ ዝኾነ ኣተሓሳስባን ክህልወና ኣለዎ። ሕግን ፍትሕን መሰል በዳልን ተበዳልን ብማዕረ ከም ዝሕሉ፡ ንሓደ ክሱስ ገበኑ ኣጻርዩ ገበነኛ ምኻኑ ከረጋግጽ ዝኽእል ሕጊ ጥራይ ምኻኑ፡ ክንመሚ ዘብቅዕ መሰረታዊ  እምነትን ፍትሓዊ ኣረኣእያን እንተ ዘይለቢስና ናይ ፍትሕን ሕግን ተቓለስቲ ኢና ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። ኣብ ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ብርቱዕ እምነት ዘለና ፍትሓዊ ኣተሓሳስባ ለቢስና ንመሰል ንቃለስ ዜጋታት ክንከውን እንተ ኾይንና፡ ጹባሕ ኣብታ ብስርዓተ ሕግን ቅዋምን ክትመሓደር ንብህጋ ሃገር፡ ነቲ ንሃገርናን ህዝብናን ናብ’ዚ ህልም ዝበለ መዓሙቕ ጥፍኣት ዝሸመመ ኢሳይያስ ኣፎርቂ ከይተረፈ፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቡ ጠበቕኡ ኣቑሙ ክማጎት፡ መሰሉ ክሕለወሉ ከም ዝግባእ ክንኣምን ኣለና። መሰል እቲ ብገበን ዝሕተት እንተ ዘየከቢሩ፡ መሰል እቲ ቑኑዕ ዜጋ ክኸብር ከም ዘይክእል ክበርሃልና ኣለዎ።

ተቓለስቲ ቅዋምን ስርዓተ ሕግን ክንከውን እንተ ኾይንና፡ ምስጢራት ውልቀ ሰባት ክንጸናጸን፡ ብዛዕባ ተፈጺሞም ዝተባህሉ ገበናት ክንትንትን፡ ነቶም ፈጸምቱ ዝብሃሉ ክንኩንንን ሕነ ክንፈድን ኢልና ግዜና ኣብ ሕልሚ ቀትሪ ከነባኽን የብልናን። እገሊት ከምዚ ጌራ፡ ክስቶ ከኣ ክምዚ እሉ ተዛሪቡ፡ እቲ ደጋፊ’ዩ፡ እዚ ልኡኽ ህግደፍ ኢዩ፡ ብምባል ንውልቀ ሰባት ክንከታተል ወርቃዊ ናይ ቃልሲ ግዜና ኣብ ሃበስ ቀደስ ነባኽን እንተ ኾይንና፡ ሃገራዊ ዕላማ ቃልስና ንሕቶ ወለዶታት ዝምልስ ምትካል ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ክንዲ ዝኸውን፡ ኣንጻር ኣተሓሳስባን ተግባራትን ውልቀ ሰባት ኮይኑ ይተርፍ። ክሱስ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቡ ገበነኛ ምኻኑ ተርጋጊጹ፡ ሕጊ ዝግብኦ ፍርዲ ክውስን ከይተጸበና፡ ባዕልና ክንፈርዶን ሕነ ክንፈድየሉን ኢልና ሕኒን ንብል እንተ ኾይንና’ውን፡ ካብ’ቲ ብምልካዊ ምሕደርኡ መሰል ህዝቢ ዝግህስን ስርዓተ ሕጊ ረጊጹ ንዜጋታት ብዘይሕግን ፍርድን ዝኣስርን ዘህልቕን ዘሎ ውልቀ መላኺ ዝፈሊ የብልናን።

ጹባሕ እቲ ኣብ ኤርትራ ክንምስረቶ ዘለና ቅዋማዊ ደሞክራስያዊ መንግስቲ፡ ብደገፍትን ተቓወምትን፡ ብተጋዳላይን ኣገልግሎትን፡ ብካልእ ፍልልያትን ዝተጎጃጀለ መንግስቲ ክኸውን ከም ዘይኮነ ክበርሃልና ኣለዎ። ኣዞም ምስ ስርዓት ኢሳይያስ ዝደናገጹ ዘለዉ፡ ጹባሕ ኣብታ ቅዋማዊት ኤርትራ፡ “ኢሳይያስ ይሕሸና ኢሳይያስ ናብ ስልጣን ይመለስ፡” ክብሉ ምስ ዝፍትኑ፡ ንሕና ከኣ ኣረኣእይኦም ክሳብ ዝኾነ ዝተሰመዖም ክዛረቡ መሰሎም ክሕለወሎም ኣለዎ ኢልና ክንምጉት እንተ ዘይክኢልና፡ ምስ ብሕታዊ ናጽነት ዜጋታትን መሰል ሓሳብካ ምግላጽን ሌላ የብልናን ማለት’ዩ። ኣተሓሳስባናን መሰረታዊ እምነትናን ምልእ ብሉእ ክቕየር እንተ ኮይኑ፡ ኣብ ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ጽኑዕ እምንቶን ምሉእ ፍቕርን ክህልወና ግድን ኣለዎ። ሽዕኡ ናይ ኣርኣእያን ኣተሓሳስባን ፍልልያት ክንጻወር ዘኽእል ንቕሓትን ልቦናን ክንውንን፡ ንነብስና ኣብ ቦታ ሕጊ ተኪእና ንሰባት ክንፈርድ ኣይክንደፍርን፡ መሰል እቶም ገበን ዝፈጸሙ ዜጋታት ክንምንዝዕ’ውን ኣይክንፍትንን ኢና። ሃገራዊ ዕላማና ብግዚያዊ ፍጻመታትን ብውልቀ ሰባትን ክጽሎ ዘይክእል ድልዱል ሰረት ዘለዎ ምኻኑ እንተ ተረዲኡና፡ ፍርሕን ምጥርጣርን ካብ ውሽጥና ከነወግድ፡ ንጹር ራእን ምሉእ ርእሰ ተኣማማንነትን ክንውንን፡ ጽኑዕ ሃገራዊ መንፈስ ለቢስና ናብ ምዕዋት ዕላማና ክትግስግስ ክንበቅዕ ኢና።

ልክዕ’ዩ ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመና ጨካን ጥልመትን ክትገልጾ ዘስደምም ህልቂትን ኩልና ጉዱኣት፡ ኩልና ቁሱላት ኢና። ቁስልና ክዝነን መጉዳእትና ክፍወስ እንተ ኮይኑ ግን፡ ንስርዓተ ሕግን ቅዋምን ክንኣምንን ንዕኡ ከነፍቅርን ምእንቲ ትግባረኡ ክንቃለስን ጥራይ’ዩ ዘለና፡ ካልእ ወላሓንቲ መፍትሒ የብልናን። ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ከም ዝነግስ ጌርና፡ ኩሉ ዝተበደልናዮ ሕጊ ክብይነልና ንሕጊ እንተ ገዲፍናዮ፡ ጽልእና ክሰክንን ልብና ክነጽህን ኢዩ። ሽዕኡ ብዛዕባ ዝሓለፈ ገዲፍና ብዛዕባ መጻእን ገፊሕ ዕድላቱን ክንሓስብ ክንጅምርን ክንፍወስን ኢና። ቃልስናን ፖለቲካዊ ዕላማናን ብዓይኒ ደቅናን ብኣተሓሳስባ ደቅናን ከም ዝኸውን ክንገብሮ፡ እታ ጹባሕ ትፍጠር ቅዋማዊት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ፡ ውሉድ በዳልን ተበዳልን፡ ውሉድ ኣሳርን ተኣሳርን፡ ውሉድ ቀታልን ተቐታልን፡ ብፍቕሪ ዝነብሩላ፡ ሓቢሮም ብዛዕባ መጻኢ ዕድል ሃገሮም ዝዝትዩላ ሃገር ክንገብራ ክንጽዕር ኣለና።

ኣብ’ዛ ንሃገራዊ ቅዋም ዝተወፈየት ዓመት፡ ዓመተ 2018 ዓ.ም.፡ ኣብ ሃገራዊ ቅዋምን ስርዓተ ሕግን ብርቱዕ እምነትን ጽኑዕ ፍቕርን ከም ዝህልወና እንተ ጌርና፡ ልቦናናን ንቕሓትናን ኣዕቢና መስረታዊ ናይ ኣትሓሳስባ ለውጢ ከነምጽእ እንተ በቒዕና፡ ዕላማና ንጹርን ዘየማትእን ስለ ዝኸውን ብዛዕባ ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ምሕሳብን ንዕኡ ምዝካርን ውሽጥና ከርግኣልናን ፍስሃ ክፈጥረልናን’ዩ። ልብናን ቀልብናን ፍቕሪ ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ክወርሶ ኢዩ። ንትግባረ ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ነበርከቶ ኩሉ መመሊሱ ከሓጉሰናን፡ ኩለንተናና ክነወፍየሉ ፍቓደኛታት ክንከውን ኢና። መጻኢ ወለዶታት ብፍትሕን ደሞክራስን ንኽነብሩ መሰረት ክኾኖም ዝኽእል ዕላማ ተሰኪምና ንቃለስ ስለ ዘለናን፡ ኣብ ስርዓተ ሕግን ቅዋም ደረት ኣልቦ ፍቕርን እምነትን ክህልወና ስለ ዝኸኣለን ናብራና ትርጉምን መቐረትን ክንረኽበሉ ኢና።

ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ቅዋም ብርቱዕ እምነትን ጽኑዕ ፍቕርን ክህልወና ኣለዎ ተባሂሉ ዝግለጽ ዘሎ፡ ብዘይካ እቲ ረብሕኡ፡ እቲ ንሃገራዊ ቅዋም ዝተኸፍለ ዋጋ ኣመና ከቢድን መሪርን ስለ ዝኾነ’ዩ። ንሃገራዊ ቅዋም እቶም ምእንቲ ሓራን ቅዋማዊትን ኤርትራ ዝተሰውኡ፡ እቶም ቅዋማዊት ሃገር ንኽትህልወና ምእንቲ ላዕላውነት ሃገር ዝተበጀዉ፡ ከምኡ’ውን እቶም ምእንቲ ትግባረ ቅዋም ዝተሓየሩን ዝተቐንጸሉ ጥራይ ኣይኮኑን ተኸፊሎምሉ። እቶም ኩሎም ሃገራዊ ቅዋም ብዘይምትግባሩ ግዳይ ቅዋም ዝኾኑ ሰማእታት ምእንቲ ሃገራዊ ቅዋም ኢዮም ተሰዊኦም። እቶም ኩሎም ኣብ ዶባት ሃገሮም ዝተቐትሉን ዝተኸላበቱን፡ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ዝሓሰሩን ዝተዋረዱን፡ ኣብ ሲናይ ቆርቦቶም ዝሓረረን ኣካላቶም ተመዝሒቁ ንመሸጣ ናብ ዕዳጋ ዝወረደን፡ እቶም ኣብ ዶባት እስራኤልን ግብጽን ከም ቆጽሊ ዝረገፉ፡ እቶም ኣብ ምድረበዳ ሳህራ ብጽምኢ ማይ ደሪቖም ዝተኾልፉ፡ እቶም ሰማእታት ላምፔዱዛን ኣብ መዓሙቕ ማእከላይ ባሕሪ ዝተዋሕጡን፡ እቶም ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ ክብሃለሎም ዝውዓል ዘሎ ደሃይ ዘይብሎም ዝሃጠሙ፡ ኩሎም ምእንቲ ሃገራዊ ቅዋም እዮም ተሰዊኦም። እታ ኣብ መዓሙቕ ባሕሪ ዝተወልደት ኣብ ክንዲ ዕልልታ ኣዴታት ማይ ባድ ማእከላይ ባሕሪ ዝተቐበላ፡ ዕትብታ ከይተቖርጸ ምስ ምስኪን ወላዲታ ዝጸንሐት ሰማእቲ ላምፔዱዛ፡ እቲ ዘልኣለማዊ ልዋም ድቃስ ደቂሱ ኣብ ባሕሪ ጸንበልል ክብል ዝጸንሐ ኤርትራዊ ናጽላ፡ እታ ማዕበል ማእከላይ ባሕሪ ካብ ሕቑፊ ወላዲታ መንዚዑ ዝቐዘፋ ህጻን፡ እዞም መዓንጣ ዘይቆጸሩ ህጻናት ከይተረፉ’ዮም ምእንቲ ሃገራዊ ቅዋም ተሰዊኦም። ንሃገራዊ ቅዋም ምኽባርን ምፍቃርን ማለት ንኹሎም እቶም ምእንቲ ቅዋም ዝተሰውኡን ቅዋም ብዘይምትግባሩ ሰማእቲ ዝኾኑን ምኽባርን ምፍቃርን ማለት’ዩ። ስርዓተ ሕጊ ከም ዝነግስን ቅዋም ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕልን ምግባር ማለት፡ ናይ ኩሎም እቶም ሰማእታት ቅዋምን ስርዓተ ሕግን ዝኾኑ ዜጋታት ሕልምን ባህግን ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕል ምግባር ማለት’ዩ። ቅዋም ከም ዝትግበር ምግባር ማለት፡ ናይቶም ምእንቲ ቅዋማዊት ኤርትራ ዝተሰውኡን ናይዞም ብሰንኪ ቅዋምን ብዘይምትግባሩን ስርዓተ ሕጊ ብዘይምንጋሱን ግዳያት ዝኾኑን፡ ሕነ ክትፈድየሎም ምኽኣል ማለት’ዩ።

ገለ ካብዞም ኣብ ደንበ ፍትሒ ተጠርኒፎም ዝቃለሱ ዜጋታት፡ ኢሳይያስ ባዕሉ ቅዋም ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕል ክገብረሎም ዝጽበዩ ኣለው። እቲ ክበርሃሎም ዘለዎ ነገር ግን፡ ከምቲ መንግስቱ ሃይለማርያምን ናጽነት ኤርትራን ኣንጻር ዝነበሩ፡ ኢሳይያስ ኣፎርቅን ቅዋማዊት ኤርትራን ከኣ ኣንጻር ኢዮም። ኢሳይያስ ንኤርትራ ቅዋማዊት ሃገር ክገብራ ይኽእል’ዩ ኢልካ ምሕሳብ ማለት፡ መንግስቱ ንኤርትራ ናጻን ሓራን ሃገር ክገብራ ይቃለስ ኔሩ’ዩ ኢልካ ምሕሳብ ማለት ምኻኑ ክበርሃልና ኣለዎ። ንኢሳይያስ ቀንዲ ጸላኢኡ ሃገራዊ ቅዋም ስለ ዝኾነ ቅዋም ከተግበር ይትረፍ ቅዋም ትብል ቃል ክሰምዕ’ውን ድልየት የብሉን። ሃገራዊ ቅዋም ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕል ክገብር ዝግብኦ፡ ንሕና እቶም ወነንትን ተጠቀምትን ሃገራዊ ቅዋም ዝኾንና ባህግን ፍቕርን ሃገራዊ ቅዋምና ዘለና ኤርትራውያን ደኣ እንበር፡ እቲ ብትግባረ ቅዋም ዕምሪ ስልጣኑ ተብቅዕ ምኻና ዝፈልጥ ኢሳይያስ ኣይኮነን። ንኢሳይያስ ምስጢራት ገበኑ ኣቃሊዕካ ኣንጻሩ እንተ መደርካ፡ ኣድማታትን ሰላምዊ ሰልፍታትን ኣካይድካ ኣብ ልዕሊ ስርዓቱ እገዳ ከም ዝጸንዕን ካብ ዓለም ከም ዝንጸልን እንተ ገበርካ፡ ኣብ ባይታ ቅልጡፍ ለውጢ ከምጽእ ከም ዘይክእል ስለ ዝግምት ይጥንቀቐሉ እንበር ኣይርዕደሉን ኢዩ። ሃገራዊ ቅዋም ንኽትግበር ዝጠልብ ህዝባዊ ተቓውሞ እንተ ፈጢርካ ግን፡ እቲ ተቓውሞ ፈጺሙ ከም ዘይሃድእ ኣጸቢቑ ስለ ዝፈልጥ፡ እታ ዝፈርሓ መዓልቲ ከም ዝመጸት ክርዳእ ኢዩ።

ኣብ’ዛ ንነብረላ ዘለና ዓለም ዝኾነ ጨቋንን ዓማጽን ውልቀ መላኺ እንተ ክኢሉ ቅዋም ምሉእ ብምሉእ ተተግቢሩ ከሎ ንትሕዝቶ ቅዋም ቁሩብ ክቕይር ይፍትን፡ ወይ ከኣ ኣብ ኣተራጉማ ትሕዝቶኡ ክዕሉቕን ከታልልን ይበላሓት፡ እንበር ቅዋም ክቐትል ኢሉ ወስ ኣይብልን’ዩ። ሃገራዊ ቅዋም ዝኣክል ክቐትል ዝሓለመ መራሒ ብዘይካ ኢሳይያስ ካልእ ዋላሓደ የለን። ኢሳይያስ ንሃገራዊ ቕዋምና ክቐትል ኢሉ ምሕሳቡ፡ ነቲ ኣሽሓት ጀጋኑ ዝተሰውእሉ ዕላማ ትርጉም ኣልቦ ኮይኑ ከም ዝተርፍ ክገብር ይሓስብ ከም ዘሎ፡ ንኹሎም እቶም ኣብ ገገዛና ተለጢፎም ዘለዉ፡ ንእሰነቶም ከይመነወዋ ዝተሰውኡ ሕሩያት ዳጋጊሙ ክቐትሎም ይሓልም ከም ዘሎ፡ ናይቶም ብሰንኪ ቅዋም ዘይምትግባሩ ግዳይ ዝኾኑ ዜጋታት ቀዳማይ ተሓታቲ ንሱ ምኻኑ ይቃላዕ ከም ዘሎ ዝስወጦ ዘሎ ኣይመስልን። ኢሳይያስ ንቕዋም ክቐትል ምፍታኑ “ናይ’ቲ ኩሉ ኣብ ልዕሊ እዛ ሃገር ዘጋጠመ ዕንወት፡ ናይቲ ኩሉ ኣብ ልዕሊ እዚ ህዝቢ ዝተፈጸመ ገበናት ውልቃዊ ተሓታቲ ኣነ ኢየ” ይብለና ከም ዘሎ ክበርሃሉ ምተገብኣ ኔሩ።

ኢሳይያስ እቲ ዝዓበየ ጌግኡ ነቲ ንመሰሉ ከይተረፈ ክጣበቐሉ ዝነበሮ ቅዋም’ዩ ቀቲለዮ’የ ዝብል ዘሎ። ገበን ዝገበረ ብሕጊ ይፍረድ፡ ንሕጊ ዝቐተለ’ኸ ብምንታይ ይፍረድ? ዝብል ሕቶ’ዩ ዘለዓዕል ናይ ኢሳይያስ ተግባር። ኢሳይያስ ነቶም ምእንቲ ቅዋም ዝተበጀውን ቅዋም ዘይምትግባሩ ግዳይ ዝኾኑን ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ካብ ህላወ ቅዋም ክርከብ ዝነበሮ ጸጋታት ከይተረፈ ኢዩ ክቐትል ጽዒሩ። እዘን ኩለን ብደሞክራስን ምዕባለን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝበጽሓ፡ ዜጋታትና ከም ምድራውያን ገነታት ቆጺሮም ስደት ወይ ሞት እናበሉ ዝስደዱለን ዘለዉ ሃገራት፡ ምዕባለአንን ሰላመንን ውጽኢት እቲ ዝመሓደራሉ ቅዋም ኢዩ። ነብስወከፍ ዜጋ እዘን ምዕቡላት ደሞክራስያውያን ሃገራት ከኣ ልዕሊ ኩሉ ነቲ መሰሉ ዝሕልወሉ ንቕዋም ይኣምንን የኽብርን። ምእንቲ ቅዋም ዝኸፍሎ ዋጋ ምእንቲ ውልቃዊ መሰሉ ዝኸፍሎ ዋጋ ምኻኑ ይፈልጥ። ምእንቲ ቅዋሙ ኩሉ ነገሩ ከወፊ ከኣ ድልው ይኸውን። ቅዋም ዘይብላ ሃገር ከም ሃገርና ኮይና ብድኽነትን ድሕረትን ከም ትዳኸም፡ ቅዋም ዘይብሉ ህዝቢ ከኣ ከም ህዝብና ኮይኑ፡ ብባርነት ተዋሪዱ ናብ ስደት ከም ዝበታተንን ሃገር ከም ዘይብሉ ኣዕቁቡኒ እናበለ ዕቑባ ክልምን ከም ዝነብርን፡ ከማና ከም ኤርትራውያን ክርድኦ ዝኽእል ዋላሓደ ኣይነበረን። እንተኾነ ግን ንሕና ኤርትራውያን ነቲ መሰልና ሓልዩ ሃገርና ናብ ምዕባለ ከም ትግስግስ ክገብር ዝግብኦ ሃገራዊ ቅዋም፡ ከምዞም ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ዘለዉ ዜጋታት፡ ኩሉ ነገርና ከነወፍየሉ ኣይጸናሕናን። ብሰንክ’ዚ ከኣ ኢዩ ኢሳይያስ ንሃገራዊ ቅዋምና ቀቲለዮ ኢየ ኢሉ ብደፍረት ከውክእ ዝፈተነ።

ኢሳይያስ “ቅዋምኩም ቀቲለዮ ኢየ፡ ሞይቱ ኢዩ፡” ክብለና ከሎ፡ ዘይርድኦ ደኣ ኮይኑ እንበር ይሓልም ኢዩ ኔሩ። ሃገራዊ ቅዋምና ልክዕ ከምቶም በጃ ዝሓለፍሉ ስውኣትናን ከምቶም ግዳይ ዝኾንሉ ሰማእታትናን፡ ኣብ ልቢ ነብስወከፍና ህያው ኮይኑ ብኽብረት’ዩ ዝነብር ዘሎ። ነዚ ንዘልኣለም ኣብ ልብናን ኣብ ልብታት ወለዶታትናን ብኽብረት ክነብር ዘለዎ፡ ዋሕስ ህላወናን ሕጋዊ መግለጺ መንነትናን ዝኾነ ሃገራዊ ቅዋምና ክቐትል ዝኽእል ዋላ ሓደ ፍጡር የለን። ኢሳይያስ ኣጽናቲ ምልካዊ ስርዓት ተኺሉ ንቕዋም ከይተተግበረ ከሎ ክቐትሎ ምሕላሙ፡ ሃገራዊ ቅዋምና ኣብ ህላወናን ህላወ ሃገርናን ማዕረ ክንደይ ወሳንን ኣገዳስን ምኻኑ’ዩ ኣብሪሁልና። ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ቅዋምና ወሰን ዘይብሉ ክብረትን ፍቕርን ተገዳስነትን እምነትን ከነሕድር ከም ዘለና’ዩ ኣበራቢሩና። ሃገራዊ ቅዋምና ማዕረ ናጽነት ሃገርና ክብረትን ሚዛንን ከም ዘለዎን፡ ማዕረ ናጽነት ሃገር ክንብህጎን ክንሃርፎን ክንውፈየሉን ከም ዝግብኣናን ኢዩ ኣዘኻኺሩና። ሃገራዊ ቅዋምና ሓደን ናይ መወዳእታን መድሕን ህዝብናን ሃገርናን ምኻኑ’ዩ ኣረዲኡና። ባሕሪ ባርነትን ስደትን ጨዲዱ፡ በትረ ሙሴ ህዝብና ኮይኑ፡ ናብ ምድረ ሰማእታት፡ ናብ ሃገረ ሓርነት፡ ናብ ኤርትራና ኣደ ክብረት፡ ክመልሰና ዝኽእል፡ ሃገራዊ ቅዋምና ጥራይ ምኻኑ’ዩ ኣግሂዱልና።

ኣብዛ ንሃገራዊ ቅዋም ዝተወፈየት ዓመት፡ ዓመተ 2018 ዓ.ም. ኩልና ኤርትራውያን ኣፍቀርቲ ሃገራዊ ቅዋም፡ብፍቕርን እምነትን ሃገራዊ ቅዋም ተመልእና፡ ኣተሓሳስባና ንቕሓትናን ኣዕቢና ሃገራዊ ቅዋምና ከነትግብር ምስ ተበገስና፡ ኢሳይያስን ኩሉ እከይ መጋብሩን ካብ ዝኽርናን ካብ ናይ ምልኪ ስልጣኑን፡ ብኣካል ይኹን ብመንፈስ ክግለፉ ምኻኖም ክንጠራጠር የብልናን። ኢሳይያስ ኣብ ተፈይቶ ጭኑቕ ሽክንኡ ሓቁኑ ዘጽዓዮ፡ ዶርሆ ፋሕቲራ ትረኽቦ ናይ ቀደም ሽጣራ ተጠቂሙ፡ ኣእምሮናን ኩሉ ሓሳብናን በቲ ዝገብሮ ዘሎ ጨካን ተግባራት ተጸሚዱ መሃንና ነጥፍእ ይመስሎ እንተሎ፡ ኢስይያስ ካብ ሕልሙ ኣይተበራበረን፡ ንዓና ነዞም ሰብ ቅዋም ክፈልጠና ኣይከልን ማለት ኢዩ። ሃገር ብምልእታ ብሻቕሎትን ቅልውላውን ከም ትናወጽ እንተ ገበረ፡ ንህዝብና ዝኸፍአን ዝመረረን ናብራ ክሕልፍ እንተ ፈረዶ፡ ለፋዕ ኢልና ዝኣከብናዮ ባጤራና ኣሲሩ ንግዳዊ ትካላትና እንተ ዓሸገ፡ ዕሱባት ሰራዊት ደ.ም.ህ.ት. ክስብ ኣብ ምምሕዳራትን ቀበሌታትን ኣትዮም ንኸማሓድርሉ እንተ ኣዋፈረ፡ ንህዝቢ ኣብ ተባህለን ተገብረን ሓሸውየ ከእትዎ ኢሉ ዘየለ ዜናታት እንተ ኣናፈሰ፡ ንተቓለስቲ ኤርትራውያን ብውድበይ ውድብካ፡ ብሃይማኖተይ ሃይማኖትካ፡ ብዓደይ ዓድኻ ከናቑት እንተ ጸዓረ፡ ኩሉ ወዲ ሃገር መንፈሱ ናብ ስደት ከም ዝሽፍት ክገብር ኢሉ ደሃሊ ጨካን ተንኮላት እንተ ፈጠረ፡ ዓቕሙ ዝኽእሎ ኩሉ መጋብረ እኪት እንተ ፋሕተረ፡ ንሕና ቅዋም ዝሕላገትና ኤርትራውያን ተቓለስቲ፡ ካብ ከጥፍኣናን ክጽንተናን ኢሉ ዝነቐለ ኣራዊት ወላሓንቲ ጽቡቕ ነገር ስለ ዘይንጽበ፡ ንኢሳይያስን ጨካን ተንኮላቱን ዋጋ ከይሃብና፡ ንነብስና ሓራን ቅዋማዊትን ጌርና፡ ቅዋማዊት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ክንፈጥር ክንግስግስ ኢና።

ካብ’ዛ ንሃገራዊ ቅዋም ዝተወፈየት ሓዳስ ዓመት ንደሓር፡ ኣንጻር ሃገራዊ ቅዋም ጽሑፋት ዝዝርግሕ ይኹን ንሃገራዊ ቅዋም ከቆናጽብ ዝምድር፡ ኣንጻር ናጽነት ኤርትራን ኣንጻር ህላወ ኤርትራውነትን ምኻኑ ክርደኣና ኣለዎ። ስርዓት ኢሳይያስን ኩሎም እቶም ናይ’ቲ ስርዓት ኣጣቓዕቲ ዝኾኑ ድኹማት መንፈስን፡ ኩሎም እቶም ግዳያት ወልፊ ምዕዙምዛምን ምስትምሳልን ዝኾኑ ምምራርን ተስፋ ምቑራጽን ቃልሲ ዝመስሎም ቅቡጻት ተስፋን፡ እቶም ኤርትራውያን ተመሲሎም ኣብ ናይ ሓበሬታ መርበባት ዝቀላቐሉ ዝኸሓነ ቂምን ጽልእን ኤርትራውነት ዘለዎም ጓኖትን፡ ብሓፈሻ ኩሎም እቶም ህዝቢ ኤርትራ ቅዋሙ ኣተግቢሩ ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ተኺሉ ብሰላም ክነብር ዘይደልዩ ተጻባእቲ፡ ኣሎ ዝበሃል ዓቕሞም ኣዋፊሮም ኣንጻር እዚ ዝዝርጋሕ ዘሎ ጽሑፍ ክጉስጉሱን፡ ዕላምኡ ንኸይወቅዕ ከጎናድቡን ክጽዕሩ ምኻኖም ተረዲኡና ክንነቕሓሎም ይግብኣና። ከም’ቲ ንኢሳይያስን ንኹሉ ጨካን ተንኮላቱን ንዒቕና ናብ’ታ ብሕልሚ ቀትርን ለይትን ንብህጋ ኣብ መዓሙቕ ልብና ዝተፈጥረት ቅዋማዊት ኤርትራ ክንግስግስ ዘለና፡ ኩሎም እቶም ኣንጻር ሃገራዊ ቅዋምናን ቅዋማዊት ደሞክራሲያዊት ኤርትራን ዝለዓሉ ተጻባእቲ፡ ዝጫሕገሩ እንተ ጫሕገሩ፡ ዝጸሓፉ እንተ ጸሓፉ፡ ዝዓፈሩ እንተ ዓፈሩ፡ ንኹሉ ሃተፍተፎም ንዒቕና፡ ጸማም እዚኒ ሂብናን ምስኦም ኣብ ቆይቂ ከይተጸመድናን ዕላማና ኣብ መዓልቦ ንኸነብጽሕ ብስምረት ክንምርሽ ይግብኣና። እቶም ኣኻልብ ይነብሑ እቲ ገመል ከኣ ጉዕዝኡ ይቕጽል ከም ዝብሃል፡ ንሕና እቶም ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ዝዕላማና ተቓለስቲ ከም ገመል፡ ኢስይያስን ወጦታቱን፡ እቶም ኤርትራውነት ክጠፍእ ዝሓልሙ ጸላእቲ ከኣ ከምቶም ጉዕዞ ገመል ከጎናድቡ ዝነብሑ ኣኻልብ ከም ዝምሰሉ ክንግብር ኣለና።

ኣብዛ ንሃገራዊ ቅዋም ዝተወፈየት ዓመት፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብወለዶ ፍትሕን ብሰራዊት ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ዝግበር ህዝባዊ ተቓውሞ ደገፍ ምእንቲ ክኸውን፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ሃገር ዝነብር ኤርትራዊ ዜጋ ካብ ነብስወከፍ ኤርትራዊት ስድራ ክሳዕ እቲ ዝለዓለ ናይ ኤርትራውያን ምትእኽኻብ፡ ኩሉ ዝገብሮ ንትግባረ ሃገራዊ ቅዋም ከወፍዮ ክኽእል ኣለዎ። ኩለን እተን ኣብ ደንበ ደለይቲ ፍትሒ ተሰሪዐን ዘለዋ ማሕበረ ኮማት፡ ተቓለስቲ ውድባትን ምቅስቓሳትን፡ ፖለቲካውን ስቪካውን ማሕበራት፡ እዛ ንሃገራዊ ቅዋም ዝተወፈየት ሓዳስ ዓመት ናብ ዓወት ምእንቲ ክትበቅዕን፡ ሃገራዊ ቅዋም ተተግቢሩ ቅዋማዊት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ክውንቲ ምእንቲ ክትከውን፡ ኩሉ መደባተን ንምዕዋት እዚ ሃገራዊ ዕላማ እዚ ንኸውዕልኦ ጸዋዒት ይቐርበለን ኣሎ። ነዚ ሃገራዊ ዕላማ እዚ ንኽዕወት ኩሉ ናይ ሓበሬታ መደባተን ብዛዕባ ሃገራዊ ቅዋምን ትግባረኡን ክምድብኦ፡ ኣፍልጦ ኣባላተን ኣብ ሃገራዊ ቅዋምን ትግባረኡን ከም ዝዓቢ ክገብራ፡ ምእንቲ እዚ ዕላማ እዚ ዓለም ለኻዊ ሰላማዊ ሰልፍታትን ኣኼባታትን ክውድባ፡ ነዚ ዕልማ እዚ ንምስላጥ ብኹሉ ነገር ዝውፈዩ ባህግን ፍቕርን ሃገራዊ ቅዋም ዝሰረጾም ዕውታት ኣባላት ክምልምላ ከም ዘለወን ክዝንግዓ ኣይግባእን። እተን ክሳብ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ መሓውራተን ዘርጊሐን ኣንጻር ስርዓት ምልኪ ዝንቀሳቐሳ፡ ከም ዓርቢ ሓርነት ዝኣመሰላ ሃገራውያን ናይ ቃልሲ ጥርናፈታት፡ ኩሉ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘካይድኦ ስርሒታት፡ ንትግባረ ሃገራዊ ቅዋም ዘቃላጥፍ ክገብርኦን ቅዋማዊት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ኣብ ምፍጣር እጃመን ከበርካታ ጸዋዒት ይቐርበልን ኣሎ።

ኣብ’ዛ ንሃገራዊ ቅዋም ዝተወፈየት ትስፍውቲ ዓመት፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብወለዶ ፍትሕን ብሰራዊት ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ዝግበር ህዝባዊ ተቓውሞ ድርኺት ምእንቲ ክኸውን፡ ኩለን ናይ ደለይቲ ፍትሒ ናይ ሓበሬታ ትካላት፡ ነዚ ዝዝርጋሕ ዘሎ ጽሑፍ ካብ ድሮ እዛ ንኣትዋ ዘለና ዓመት ጀሚረን ብመንገዲ ስሩዕ ፈነወታተን ኣብ ምዝርጋሕን ኣብ ምቅላሕን ክተሓባበራ፡ ብስም ሃገራዊ ቅዋም ይጽወዓ ኣለዋ። እዚ ቅዱስ ሃገራዊ ዕላማ እዚ ኣብ’ቲ ዝደለ ዓወት ምእንቲ ክበጽሕን፡ ኣብ ሃገርና ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ምእንቲ ክትከልን፡ ኩሉ እቲ ኣብ’ዛ ሓዳስ ዓመት ዝገብርኦ ፈነወታትን ጎስጓሳትን፡ ንትግባረ እቲ ሓደን ናይ መወዳእታን መድሕን ህዝብናን ሃገርናን ዝኾነ ሃገራዊ ቅዋም ከም ዝውዕል ክግበራ ክኽእላ ኣለወን። እዘን ተቓልስቲ ናይ ሓበሬታ ትካላት ብዛዕባ ብስራት ሃገራዊ ቅዋም ብዝፍንውኦ ማዕበላት ፈነወ፡ ኩለን ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዋ ኣእዛን ኤርትራውያን ደሃይ ብስራት ሃገራዊ ቅዋም ከም ዝሰምዓ፡ ኩለን ልሳናት ኤርትራውያን ከኣ ሃገራዊ ቅዋም ከም ዘድምጻ ክገብራ ክኽእላ ኣለወን። ብስራት ሃገራዊ ቅዋም ዝሓዘለ ማዕበላት ካብ እንባ ደንደን ናብ እምባ ሶይራ፡ ካብ ሮራ ሓባብ ናብ እምባ መጠራ፡ ካብ ኣባ ሓኒ ናብ እንባ ጠቐራ፡ ኣብ ኩሉ እንባታትን ኣኽራናትን ኤርትራ መቓልሑ ከጋውሕ ኣለዎ። ማዕበላት ብስራት ሃገራዊ ቅዋም ካብ ራስ ቄሳር ክሳብ ራስ ዱሜራ፡ ካብ እምኒሓጀር ክሳብ ማርሳ ጉልቡብ፡ ካብ ጻት ንጻት ምድረ ሰማያት ኤርትራ ኣቃሊሑ፡  ምስ ማዓበላት ቀይሕ ባሕሪ ተወሃሂዱ፡ ብስራት ምትግባር ሃገራዊ ቅዋም ንጀጋኑ ዒራዒሮ ከበስር ኣለዎ። ምኡዝ ፈነወ ንፋስ ሓርነት ንፋስ ሃገራዊ ቅዋም፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣዕጽምቲ ሰማእታት ሓርነት ኣብ ከርሶም ሰቲሮም ዘለዉ  ኣኽራናትን ጎቦታትን፡ ስንጭሮታትን ኩጀታትን፡ ሜዳታትን ሩባታትን፡ ኤርትራ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ምሉእ ዓለም ተበቲኖም ዘለው ሰማእታት ቅዋም ክነፍስ ክኽእል ኣለዎ።

ኣብዛ ንሃገራዊ ቅዋም ዝተወፈየት ሓዳስ ዓመት፡ ነብስወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ጎድኒ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮይኑ ብግብሪ ክቃለስ ዘለዎ ወለዶ ፍትሕን ሰራዊት ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ምእንቲ ክስራዕ፡ ንነብሱ ከም ተቓላሳይ ሃገራዊ ቅዋም ክቖጽራ ክኽእል ኣለዎ። ኣብ ናይ ሓበሬታ መርበባት ቀሪቡ ከኣ “ኣነ ናይ ሃገራዊ ቅዋም ተቓላሳይ’የ፡ ቅዋማዊት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ንኽትፍጠር ከኣ ክውፈ’የ፡” ኢሉ ንህዝቢ ኤርትራን ንዓለምን ብትብዓት ክነግር ክኽእል ኣለዎ። እታ ንእሽቶ ምእንቲ ትግባረ ቅዋም ንገብራ፡ ህጻናትን ኣንስትን ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣሕዋትና ሒዛ ትጥሕል ዘላ መርከብ ተድሕን ምኻና ይረድኣና። እታ ዝደቐቐት ምእንቲ ትግባረ ቅዋም ነወፍያ፡ ነዞም ኣብ ሊብያ ዘስካሕክሕ ስቓይ እናሕለፉ ከም ባርያ ዝሽየጡ ዘለው ክቡራት ኣሕዋትና ናጻ ከተውጽእ ከም ትኽእል ንእመን። እታ ዘይትጠቅም ትመስል ንትግባረ ቅዋም ነበርክታ፡ ነተን ብሊብያውያንን ብኣሰጋገርትን ዝዕመጻን ዝሳቐያን ዘለዋ መሳኪን ኣሓትና ካብ’ቲ መፈጠርካ ዘጽልእ ስቓይ ከም ዝድሕና ክትገብር ከም ትኽእል ንረዳእ። ነተን ደሃይ ደቀን ጠፊእወን “ዝርኣየ ዓይኑ ይብራህ” ክብላ ዝውዕላ ዘለዋ ብሻቑሎትን ሓዘንን ጸልማት ዝተኸድና ስድራቤታት ኤርትራ፡ ደሃይ ደቀን ከም ዝረኽባን ኣብ’ታ ስድራ ብርሃን ተስፋ ከም ዝውላዕን ምግባር ማለት ምኻኑ’ውን ይሰወጠና። እታ ዘይትረብሕ ትመስል ምእንቲ ትግባረ ቅዋም ነወፍያ፡ ነቶም ኣብ ጋህሲ ተደርብዮም ዘለው ሰማእታት ላምፔዱዛ ሓመድ ዓዶም ከም ዝረኽቡ ክትገብር ትኽእል ምኻና ይረድኣና። ነቲ ኣብ ሲናይ፡ ኣብ ዶባት ግብጽን እስራኤልን፡ ኣብ ምድረበዳ ሳህራ፡ ኣብ ሊብያን ገማግም ማእከላይ ባሕርን፡ ንቡር ስኢኑ ፈቐድኡ ተደርብዩ ዘሎ ሬሳታት ኤርትራውያን ናብ መሬት ዓደ ኣቦታቱ ኣምጺኣ ብኽብረት ከም ዝቕበሩ ትገብር’ውን ምኻና ክንኣምን ኣለና። እታ ትርጉም ዘይብላ ትመስል ምእንቲ ትግባረ ቅዋም ነወፍያ፡ ነቶም ፍትሒ ተነፊጎም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝሳቐዩ ዘለው ዜጋታትና ሓርነት ተጎናጽፍ፡ ንኹሎም ሰማእታትና ከኣ ቅሳነት ትህብ ምኻና ክስወጠና ኣለዎ። ኩሉ ኤርትራዊ እታ ንትግባረ ሃገራዊ ቅዋም ዘበርክታ ንእሽተይ ነገር ውጽኢታ ኣዝዩ ዓብን ለዋጥን፡ ንህዝቢ ኤርትራን ወለዶታቱን ራህዋን ሰላምን ተወርድ ምኻኑ ተረዲእዎ፡ ንትግባረ ሃገራዊ ቅዋም እንተ ወሓደ ንእሽተይ ነገር ከበርክት ከም ዘለዎ ኣሚኑ ምስ ሕልንኡ ቃል ክኣቱ ይግባእ።

ኣብ’ዛ ንሃገራዊ ቅዋም ዝተወፍየት ዓመት፡ ዓመተ 2018 ዓ.ም. ኩልና ኤርትራውያን፡ ልክዕ ከምቲ ምእንቲ ናጽነት ሃገር ኩለንተናና ዝሰዋእና፡ ምእንቲ ትግባረ ሃገራዊ ቅዋም ከኣ ዓቕምና ከነወፊ ድልዋት ምእንቲ ክንከውን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ኩልና ኤርትራውያን ሃገራዊ ቁርኣንን ሃገራዊ መጽሓፍ ቅዱስን ዝኾነ ሃገራዊ ቅዋም ክንምሕልን ክንጠቅዕን ኣለና። ካህናትናን መሻይኽናን ንስለ ትግባረ ሃገራዊ ቅዋምና ንምእመናኖም ክሰብኩን ጸሎቶም ከዕርጉን ክኽእሉ ኣለዎም። መምሃራናን ምሁራትናን ብዛዕባ ሃገራዊ ቅዋምን ትግባረኡን ክምህሩን ክፈላሰፉን ዓውደ መጽናዕቲ ክካይዱን ይግብኦም። ገጠምትና ብዛዕባ ቅዋም ክገጥሙ፡ ደረፍትና ንቕዋም ከዝይምሉ፡ ማሰኛታትና ንቕዋም ኣውሎ ክብልሉ፡ ቀባእትና ብሕብርታት ቅዋም ክቐብኡ፡ ደረስትና ንስለ ቅዋም ክደርሱ፡ ኩሎም ስነጥበባውያን ሃገርና ምእንቲ ትግባረን ንግስነትን ሃገራዊ ቅዋምና ዋሕዚ ጥበብን ፈጠራታትን ከውሕዙ ዘበነ ቅዋም ይጽበዮም ከም ዘሎ ከስተውዕሉ ኣለዎም። መኣድና መኣዲ ሃገራውነት ብዛዕባ ቅዋም ዝዝተየላ መኣዲ ክትከውን፡ ኩላ እታ ብጎሮሮና ትሓልፍ ነገር ነቶም ምእንቲ ሃገራዊ ቅዋም ዝተበጀውን ግዳይ ዝኾኑን እናዘከርና ከነውርዳ ክንክእል ኣለና። ሃገራዊ ቅዋምና ንውሉድ ወለዶ ምስ ዕትብትናን ዓጸመ ደምናን ተወሃሂዱ ምእንቲ ክነብር፡ ህጻናትና ከይተረፉ ቅዋም ብትብል ቃል ኣፍ ክኸፍቱ ከም ዘለዎም ክንገብር ኣለና። ካብ’ዛ ንሃገራዊ ቅዋም ዝተወፈየት ሓዳስ ዓመት ንደሓር፡ ሓደ ዜጋ ንቑሕን ብሱልን ሃገራዊ ምኻኑን ዘይምኻኑን፡ ህላወ ኤርትራን ህዝባን ዝድግፍ ዜጋ ምኻኑን ዘይምኻኑን፡ በቲ ኣብ ሃገራዊ ቅዋም ዘለዎ እምነትን ፍቕርን፡ በቲ ምእንቲ ትግባረ ሃገራዊ ቅዋም ዘወፍዮ ኣበርክቶን ክዕየር ከም ዘለዎ ክንገብር ኣለና።

ንብስወከፍና ካብዛ ንሃገራዊ ቅዋም ዝተወፈየት ዓመት ጀሚርና፡ ንኢስይያስ ረሲዕናን ከም ዘየለ ሓሲብናን፡ ብዛዕባ’ታ ኣብ ውሽጢ ልብና ዝፈጠርናያ ጹባሕ ንግሆ ክውንቲ ንገብራ ቅዋማዊት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ክንሓስብን ብዛዕብኣ ክንዝትን ኣለና። ኣብ’ቲ ብናይ ኩለን ሃይማኖታትን ብሄራትን ኩለን ዞባታትን(ኣውርጃታትን) ኤርትራ ዝቖመ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝምራሕ፡ ብሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ኣካላት መንግስቲ ዝተማእከለ ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ኤርትራ፡ ሕጊ ኣቃውማ ሰልፍታት ዘማልኣ ሕጋውያን ሰልፍታት ብሃገርዊ መንፈስ ክወዳደራ፡ ህዝቢ ክመርሓና ይበቕዓ’የን ዝበለን ሕጋውያን ሰልፍታት ብናጻ ምርጭኡ ክመርጽ፡ ብሃገራዊ ባይቶ ዝተመርጸ ፕረሲደንት ሃገረ ኤርትራ ንቕዋም ተማእዚዙ ድምጺ ህዝቢ ኣኽቢሩ ክመርሕ ምኻኑ ኣሚኑ ቃል ማሕላ ከፍጽም፡ ህዝቢ በቲ ዝኣምነሉ ኣብ ቅዋም ተሞርኪሱ ዝተሓገገ ሕግታት ተማእዚዙን መሰሉ ተሓልይሉን ክነብር፡ ኩሉ ዜጋ ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ ተማሃር ተማሃራይ ዝብል ዘበን መጺኡሉ ብሰላምን ርግኣትን ናብርኡ ክመርሕ፡ ዝተሰደደ ናብ’ታ ዝናፍቓ ሃገሩ ተመሊሱ ክጣየስ፡ ስነጥበባውያንን ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታትን በቲ ሕጊ ፕረስ ዘፍቅደሎም መሰል ተጠቂሞም ናጻ ኮይኖም ንረብሓ ህዝቢ ዘገልግል ስነጥበባዊ ፍርያትን ሓበሬታታትን ክዝርግሑ፡ ምስ ጎረባብትና ሃገራት ዘሎ ዘይምርድዳእ ሰላማዊ መዕለቢ ተጌርሉ ኤርትራና ኣብ ምትሕግጋዝ ዝኣምን ጽቡቕ ጉርብትና መስሪታ ናብ ምዕባለ ገጻ ክትግስግስ፡ ብዛዕባ እዝን ካልእን ጹባሕ ንግሆ ክውንነት ክለብስ ዘለዎ ጉዳይ ብርእሰ ምትእምማን ክንሓስብሉን ክንዝትየሉን ክንክእል ኣለና። ራኢናን ሓሳብናን ብብርሃን ቅዋማዊት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ በርሃው ኢሉ ምስ በርሀ፡ ኢስይያስ ብብርሃን ሃገራዊ ቅዋም ተደጒሑ ከም ዝቐትሮ ዝብኢ ዓወንወን ኢሉ ክተርፍ ኢዩ።

ኣብዛ ንሃገራዊ ቅዋም ዝተወፈየት ሓዳስ ዓመት ኩሉ ኤርትራዊ ብፍላይ ከኣ ወልዶ ፍትሒ ዝተሰመኻ ዜጋን ሰራዊት ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ዝኾንካ ዜጋን፡ ሕቶ ቤት ትምህርቲ ድያ ኣል እስላምያ ሕቶ መሰልን ሕቶ ሃገራዊ ቅዋምን ምኻኑ ኣሚንካ፡ ኤርትራን ህዝባን ዝድሕኑ ሃገራዊ ቅዋም ምስ ዝትግበር ጥራይ ምኻኑ ተረዲኡካ፡ ሃገራዊ ቅዋም እንተ ዘይተተግቢሩ ህዝብኻን ሃገርካን ክጠፍኡ ምኻኖም ተሰዊጡካ፡ ንኢሳይያስን ኩሉ ግናይምናዩን ንዒቕካን ረሲዕካን፡ ንደምክራሲያዊትን ቅዋማዊትን ኤርትራ ኣብ ልብኻ ፈጢርካ፡ ንትግባረ ሃገራዊ ቅዋምካ ተለዓል። ዓመተ 2018 ዓ.ም. ዓመተ ቅዋም፡ ዓመተ ሰላም፡ ዓመተ ልዋም፡ ምእንቲ ክትኮነልና፡ ነቲ ዋሕስ መንነትናን ሕጋዊ መግለጺ ኤርትራውነትናን ዝኾነ ንዘልኣለም ከቢሩን ተሓፊሩን ክነብር ዘልዎ፡ ብህዝባዊ ተሳትፎ ተነዲፉ ኣብ 23 ግንቦት 1997 ዓ.ም. ብሃገራዊ ባይቶ ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋም፡ ብዘይወዓል ሕደር ከም ዝትግበር ጌርካ፡ ነታ ሕልምን ባህግን ኩሉ ኤርትራዊ ዝኾነት ኣእላፋት ዝተበጀዉላ፡ ቅዋማዊት ደምክራሲያዊት ኤርትራ ንኽትፈጥር ብሓድነትን ስምረትን ተለዓል።

ኣብዛ ንሃገራዊ ቅዋም ዝተወፈየት ሓዳስ ዓመት፡ ነቲ ንትግባረ ሃገራዊ ቅዋምን ንምፍጣር ደሞክራሲያዊትን ቅዋምዊትን ኤርትራ ንገብሮ ቃልሲ ድፍኢት ምእንቲ ክኾነና፡ ኩሉ ናይ ቀደም ዜማታት ሃገርና ናብ ምትግባር ሃገራዊ ቅዋም ቀይርና ከምዚ ኢልና ከነዝይም ክንክእል ኣለና።

  • ሽገይ ሃቡኒ ቅዋም ሃቡኒ ቅዋም ሃቡኒ ኣየተታልሉኒ።
  • ላሎየ ላሎ ላሎየ ላሎ ቅዋም ዓደቦይ ይረኣየኒ ኣሎ፡ ላሎየ ላሎ ላሎየ ልሎ ባይቶ ዓደቦይ ይረኣየኒ ኣሎ።
  • ወጊሑ’ዶ ጌና ወጊሑ’ዶ ጌና ክትግበር ቅዋምና፡ ወጊሑ’ዶ ጌና ወጊሑ’ዶ ጌና ወጊሑ’ዶ ጌና ክሕሎ መሰልና።
  • ጎቦዝ’ዶ ይዋዘ ይዋዘ’የ ጎቦዝ’ዶ ይዋዘ ቅዋም ከይሓዘ፡ ጎቦዝ’ዶ ይዋዘ ይዋዘ’የ ጎቦዝ’ዶ ይዋዘ ፍትሒ ከይሓዘ።
  • ሆ ይበሃል ኣሎ ቅዋም ይበሃል ኣሎ፡ ሆ ይበል ኣሎ ፍትሒ ይበሃል ኣሎ። ቅዋም ዘይበለ ካባና የፈለ፡ ፍትሒ ዘይበለ ካባና ይፈለ።
  • እዞም ደቂ ኤረ ሃሪ ጎተኖም’የ፡ ንቕዋም መሪጾም ጽልላ ዓደቦም’የ።
  • ኣስካርባይ ኮንጎ ክዳነይ ካኪ ክዳነይ ካኪ፡ ቅዋመይ ክዋደቐልኪ።

ነቲ ሃገራዊ ስምዒት ኣበራቢሩ፡ ናይ ቃልሲ መንፈስካ ኣጎሃሂሩ፡ መስዋእቲ ንኽትብህግ ዝድርኽ፡ ኣብ ዘበነ ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነት ሃገር ዝተዘየመ ምኡዝ ሰውራውያን ዜማታትና’ውን ንስለ ሃገራዊ ቅዋምን ፍትሕን ከም ዝዝየም ክንገብሮ ክንክእል ኣለና።

  • መትከል ቅዋም ቅዋም ዝጨበጠ ኣይስሕትን ሸትኡ፡ ንምልካዊ ስርዓት የትሕዞ ቦትኡ። መትከል ፍትሒ ፍትሒ ዝጨበጠ ኣይስሕትን ሸትኡ፡ ንምልካዊ ስርዓት የትሕዞ ቦትኡ።
  • ኤረየ ኤረና ስርዓት ሕጊ ምርጫና፡ ኤረየ ኤረና ቅዋም ፍትሒ ኮይኑ ምርጫና።
  • ኣብ ትሕቲ ጽንኩር ናይ ህግደፍ ጥልመታት፡ በቲ ሓደ ቅዋም በቲ ሓደ ብረት፡ ተሻሞ በል ህዝበይ ንሓደ ዕላማ ነዛ ለምለም ዓደይ ፍትሒ ክንሽልማ።
  • ዝመጸ ይምጻእ ወራሪ ኣብ ባርዕ ፍትሒ ሓራሪ፡ ዝመጸ ይምጻእ መላኺ ኣብ ትሕቲ ቅዋም ተንበርካኺ።
  • መርከብና ቅዋምና ፍትሒ ምልክቱ፡ ንቕድሚት ይውንጨፍ ናይ ግድን’ዩ ዓወቱ።
  • ፍረ ጻዕርኻዩ ህዝበይ ቅዋምካ ነጊሱ’ዩ ለይለይ፡ መሰላ ኣኽቢራ ዓባይ ኤርትራ።
  • ዘሊሎም ዘሊሎም ዘሊሎም ናብ መሬት፡ ቁዋሞም ከዲዖም ኣትዮም ኣብ ባርነት፡ ቅዋምካ’ዶ ይጥለም እዋይ ሰኣን ፍልጠት እዋይ ሰኣን ስምረት።
  • ኣይዳነን ኣይዳነን’የ፡ ቕዋመይ ገዲፈስ ኣይዳነን’የ። ኣይትዓድልለይ ካምቻይ ሰዓተየ ካምቻይ ሰዓተየ፡ ይመጽእ ኣለኹ ንቕዋም ዓቲረየ።
  • ኣደይ ተሰዲዳ ኣሕዋተይ ሒዛቶም፡ ዶባት ክሳገሩ ቅዋም ኣርኪባቶም። መሰለይ መሰለይ ይቃለስ ኣለኹ ሓዚለያ ዕመረይ፡ ቅዋመይ ቅዋመይ ይቃለስ ኣለኹ ሓዚለያ ዕመረይ።
  • ኣቲ ኤረይ ኩሑሎ ቅዋምና’ዶ ብምልኪ ይሕሎ ሎምዘበን ሓዲኡ ኣሎ፡ ኣቲ ኤረይ ኩሕሎ መሰልና’ዶ ብምልኪ ይሕሎ ሎምዘበን ሓዲኡ ኣሎ።

ህጻንት ኤርትራ’ውን በቲ ሰሚዕካዮ ዘይምኖ ጥዑም ልሳኖም፡ ነቲ ካብ ንእስነትና ጀሚርና ነዝይሞ ዝነብርና መዛሙር፡ ንክብሪ ሃገራዊ ቅዋም ከም ዘዝይምዎ ክንገብር ኣለና። ቆልዑት ገዛውቲ ከይተረፉ እቲ ኣብ ገዛውቶም ተኣኪቦም ዝደርፍዎ ደርፍታት ንስለ ሃገራዊ ቅዋም ከም ዝደርፍዎ ክንገብሮም ክንክእል ኣለና።

  • ቅዋም ተመሃሩ ደቀይ ካብ ሎሚ ደቀይ ካብ ሎሚ፡ መሰልና ክሕሎ ካብ ትማል ካብ ዓሚ፡ ካብ ትማል ካብ ዓሚ።
  • ኣቦታትና ኔሮም ጀጋኑ ኢዮም ስሞም፡ ምእንቲ ቅዋሞም ኣብ ማሕዩር ሰፊሮም፡ ምእንቲ ቅዋሞም ዒራዒሮ ሰፊሮም። ንቕዋም ዝማወት ወት ወድ ዓወት፡ ንፍትሒ ዝማወት ወት ወዲ ዓወት።
  • ኣይበልዕን እንጌራ ደፍዲፈ፡ ኣይግዛእን ቅዋመይ ገዲፈ። ኣይበልዕን እንጌራ ደፍዲፈ፡ ኣይከይድን ንፍትሒ ገዲፈ። ቅዋመይ መለየ መለየ ቅዋመይ መለይ፡ ኣለኹ ባዕለይ።
  • ንቕዋም ዝተንከፋ ፋፋ ቁልቁል ኣፋ፡ ንፍትሒ ዝተንከፋ ፋፋ ቁልቁል ኣፋ፡ ንመሰል ዝተንከፋ ፋፋ ቁልቁል ኣፋ።
  • ወሰደ ቅዋም ብዓል ስረ፡ ወሰደ ፍትሒ ብዓል ስረ።

እቶም ጸኒዖም ዘጽንዑ፡ ርህሩሃትን ተባዓትን ኤርትራውያን ወልድና ከኣ፡ ነቶም ዓዶም እናናፈቑ ከም ደቂ ዛግራ ኣብ ምሉእ ዓለም ተበታቲኖም ብስደት ዝዋረዱን ዝከላበቱን ዘለው ደቆም ናብ ሕቑፎኦም ከምጽኣሎም፡ ኣብ ሃገሮም ፍትሕን ስርዓተ ሕግን ከም ዝነግስ ጌሩ ሰላምን ቅሳነትን ከውርደሎም ዝኽእል፡ ሃገራዊ ቅዋም ጥራይ ምኻኑ ኣሚኖም፡ ኩሉ እቲ ባህላዊ ዜማታትና ንስለ ሃገራዊ ቅዋም ከም ዘዝይምዎን፡ ከምዚ ኢሎም እናደረፉ ልቦም መሊኡሎም እናዓለሉን እናደበሉን ክስዕስዑ ከም ዘለዎምን ክንገብር ክንክእል ኣለና።

  • ኤረይ መዓረይ ሽታ ለሚንየ፡ ሕጋን ቅዋማን ዘወናውን’የ።
  • ባዕለይ ተዘንጊዐ’የ ባዕለይ ተዘንጊዐ’የ፡ ቅዋማይ ረሲዐ’የ ቅዋመይ ረሲዐ’የ።
  • ኣይጥዑምን’የ ኣይጥዑምን’የ ቅዋም ዘይነግሶስ ኣይጥዑምን’የ፡ ኣይጥዑምን’የ ኣይጥዑምን’የ ፍትሒ ዘይነግሉስ ኣይጥዑምን’የ። ኣቲ ዑፈይ ዋሪ ኣቲ ዑፈይ ዋሪ፡ ደሃይ ቅዋም ግበሪ።
  • ዓዲ ቅዋም ፍቕሪ ዓዲ ቅዋም ፍቕሪ፡ ዓዲ ቅዋም ፍቕሪ ሎሚ ዕልል በሊ።
  • እንታይ ኢለዮ ዙርያ እንታይ ኢለዮ ወርቂ፡ ቅዋም ሸልመኒ ክዳነ ብሓቂ።
  • ዕሸል ካብ ተወልደ ኣብ ቀላይ፡ ቅዋምካ ኣድሕን ተጋዳላይ፡ ከየጥፍኣና እዚ ሃላይ።
  • ኣይንሓደን ንኹሉኹም’የ ኣይንሓደን ንኹሉኹም’የ፡ ደቂ ቅዋም ከመይ ኣለኹም’የ፡ ደቂ ፍትሒ ከመይ ኣለኹም’የ። ጎቦዝ ነደረ ጎቦዝ ዘለለ፡ መሰለይ እናበለ። ቅዋም ዝደብተራ ሃገርና ኤርትራ፡ ኣየ ክጥዕም ክትነብራ።
  • ኣይከተር ወድ ደብተር፡ ብዘይ ቅዋም የለን ልዋም። ቅዋመይ ቅዋመይ፡ ምሳኺ’ያ ዘላ እዛ ልበይ።
  • ዘበነ እንእኒ ሕንባሻ ከሎ እምኒ ሕጊ እንዳ ኣባ ኔሩኒ፡ እንታ ሎሚ እዋን ተሪፈ ብዘይቅዋም። ንዶተር በረኸት መጋድልቱ፡ ብዛዕባ ቅዋም ግዳ ዘይትሓቱ።
  • እልፊ ገልዳም መልዳም’የ እልፊ ገልዳም መልዳም፡ ይገዝኡኻ ብዘይቅዋም። ሽዑስ ሞት ከም ኣዳም፡ ኤረይ ምስ ረኸበት ቅዋም።
  • ባይቶና ምስ ቆረረ፡ ቅዋምና ምስ ተቐብረ፡ ጎቦዝ ተሰደደ ከደ በረረ።
  • ጓል እነኻ ትነብዕ ኣላ ደኒና፡ ቅዋማ ስኢና። ኣቲ ኣጆኺ ኣይትሰንብዲ፡ ቅዋም ኣለዋ እዛ ዓዲ።
  • ፍትሒ ጓል ኣስመራ ድልያ ጌራ፡ ቅዋም ናይ ኤርትራ ህዝባ ጠሚራ። ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ፡ ሕጊ ኣለዋ እዛ ዓደይ።
  • ፍትሒ ኣደ ራህዋ ወላዲት ግስጋሰ፡ መኣስ ትርከቢ ቅዋም ከይነገሰ።
  • ተለዓል በዓል ስረ፡ ቅዋምካ ከሎ ከይተቐብረ።
  • ኣታ ስተሰደድካ ቅዋም ነጊሱ’ዩ እቶ ገዛኻ፡ ፍትሒ በሪቓ ኢያ እቶ ገዛኻ፡ ኢሳያስ ወሪድ’ዩ እቶ ገዛኻ።
  • ኣይበልናን’ዶ ኣይትኽእሎምን ኢኻ፡ እንተ ኣንቂሎም ኣይትሕዞምን ኢኻ፡ ንቕዋምና ኣይትቐትሎን ኢኻ፡ ንቅዋምና ኣይትስዕሮን ኢኻ፡ ሰብ ፍትሒ ኢዮም ኣይተስግዶምን ኢኻ።

ሃገራዊ ቅዋም ብዘይውዓል ሕደር ይተግብር!!!!

ቅዋማዊት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ንዘልኣልም ትንበር!!!!

 

 

 

 

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Tesfom December 23, 2017

    ብጣዕሚ ሰሓብን ኣገዳሲ መልእኽቲ እዚ ኣብ ደገ ብስም ተቛውሞ ነንሕድሕዱ ክባላዕ ዝዉዕል ዘሎ። እቲ መልእኽቲ ንጹር እዮ። ካብ ጉይይ ምዓል ክሳድ ምሓዝ። ንቕዋም ኣብግብሪ ንኽውዕል እታ ሓንቲ ምርጫ መገዲ ራህዋ እያሞ ሃየ ብሓደ ኮና ንቃለስ። ኣማን ብኣማን እዋናዊ መልእኽቲ።

    • Araya Debessay December 25, 2017

      I fully support Tesfom. I urge every justice-seeker Eritrean to read this article earnestly. Do not be discouraged by its length (24 pages). There is a lot of food for thought in this article. And do not focus on who the nameless author(s) are; focus on the content and think how each of us can contribute to make 2018, to be a year that will bring about fundamental democratic changes in our country,

      Merry Christmas to all, and let’s make sure 2018 will be the year that will end the suffering of the Eritrean people.

      • Danilo December 25, 2017

        Araya debesay, tesfom is telling us
        the only solution is “ንቅዋም ኣብ ግብሪ ንምውዓል እታ ኣሓንቲ መገዲ ራህዋ እያ” what does he mean , isn’t constitution a basic to have peace and prosperity? Tesfom should have more to say and you please read his comment again.

  • Tesfom December 27, 2017

    መርሓባ Danilo ነብሲ! እታ ጽሕፍቲ ንጽርቲ እያ። ቕዋም እንድሕር ተተርጉሙ ልዕልና ሕጊ ይነግስ ። ሕጊ ዘለዋ ሓገር ድማ ህዝባ ቐሲኑ ይነብር። እታ ጽሕፍቲ ተጾሚቓ ንሳ እያ። ጥራይ ጸርፊ ምብልላዕ ኣይንፍቶ።

Post a Reply to Tesfom Cancel Reply