Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓርነትን ጭቆናን

ኣማኑኤል ሳህለ መብዛሕትኡ ናይ መውጽእ ሓራ ውድብ ወይ ምንቅስቓስ፡ ነቲ ተጨቊንካ ኣሎኻ ዚብሎ ህዝቢ ናጻ ከውጽእ ቅድሚ ምፍታኑ፡ ኣቐዲሙ ነቲ ዘቖሞ ውድብ ወይ ምንቅስቓስ ኣፈናዊ ቅርጺ ከትሕዞ ምድላዩ ባህርያዊ እዩ። ቅርጺ ምትሓዝ ማለት ከኣ ወላ ብምርጫ

ኣማኑኤል ሳህለ

መብዛሕትኡ ናይ መውጽእ ሓራ ውድብ ወይ ምንቅስቓስ፡ ነቲ ተጨቊንካ ኣሎኻ ዚብሎ ህዝቢ ናጻ ከውጽእ ቅድሚ ምፍታኑ፡ ኣቐዲሙ ነቲ ዘቖሞ ውድብ ወይ ምንቅስቓስ ኣፈናዊ ቅርጺ ከትሕዞ ምድላዩ ባህርያዊ እዩ። ቅርጺ ምትሓዝ ማለት ከኣ ወላ ብምርጫ ይኹን ኣይኹን፡ ኩሉ ግዜ መራሕን ተመራሕን፡ ስልጣን ዝሕዝን ነቲ በዓል ስልጣን ዝምእዘዝን ኣካል ምፍጣር ማለት እዩ። ውድባዊ ስልጣን ንምሓዝ ዝግበር መስርሕ ከኣ ነብሱ ዝኸኣለ ካልእ ኲናት እዩ።

ብፍላይ እቲ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዚኣምን ናጻ ኣውጻኢ ውድብ፡ ኣብቲ ውሽጡ ኣብ ዚግበር ናይ ስልጣን ቍርቍስ፡ ብግሁድን ብሕቡእን መገዲ ናይ ጎንጽን ሓይልን ኣገባባት ይኽተል እዩ። እዚ ኸኣ ብመሰረት ናይቶም ኣብ ወድሰብ ኣብ ግዜ ውድድር ዚረኣዩ መሰረታውያን ባህርያት ኪህሉ ዘለዎ ንቡር ተርእዮ እዩ። ኣብዚ ኲናትዚ እቲ ክኢላን ተባላሓትን ጥራይ እዩ ስዒሩ ኣብ ላዕሊ ኪድይብ ዚኽእል።

ስለዚ ኣብቲ ውድብ ወይ ምንቅስቓስ ክልተ ኲናት ይካየድ ኣሎ ማለት እዩ። ብብረትን ብፕሮፓጋንዳን ዚካየድ ናይ ሓርነት ቃልሲ፡ ብጎንጽን ተንኮልን ዚካየድ ውሽጣዊ ቃልሲ። ጸኒሑ ግን፡ እቲ ብውሽጢ ዚካየድ ናይ ተንኮልን ጎንጽን ባህርያት ኣብቲ ብደገ ዝካየድ ናይ ሓርነት ቃልሲ መስርሕ እውን ይዝርጋሕ እዩ። ብሓጺሩ፡ እቲ ኣብቲ ውሽጣዊ ቃልሱ ጎንጽን ተንኮልን ቅትለትን ብምፍጻም ስልጣኑ ንኺዕቅብ ስኽፍ ዘይብሎ መሪሕነት ወይ መራሒ፡ ነቲ ህዝባዊ ቃልሲ ዚብሎ ናይ ደገ ኲናት ከካይድ ከሎውን ነቲ ባህርያቱ ኪዓግቶ ዚኽእል ኣይኮነን።

እቲ መሪሕነት ብኸምዚ መገዲ ስልጣኑ ምስ ኣቖመ፡ ነቲ ባህርያቱ ኣብ ልዕልቲ ናጻ ከውጽኣካ እየ ዚብሎን ጸኒሑ ናጻ ዘውጸኦን ህዝቢ ንኸንጸባርቖ ኣይድንጕን።

ኣብዚ እተሓላለኸ ውድባዊ ናይ ስልጣን ቍርቁስ፡ መን ናብ ላዕሊ ከም ዚወጽእ፡ መን ኣብ ታሕቲ ከም ዚተርፍ ንዚረአ ውጽኢት፡ ናይቲ ህዝቢ ማሕበራውን ፖለቲካውን ታሪኻውን ድሕረባይታ  ቀጥታዊ ዘይኮነ ኣበርክቶ ኣለዎ። እቲ ውድብ ካብቲ ህዝቢ ዝወጸ ብምዃኑ፡ ናይቲ ህዝቢ ባህርያት ኣብቲ ውድብ ብገለ ኣንፈቱ ከንጸባርቕ ባህርያዊ እዩ።

እቲ ናብ ላዕሊ ዝወጽእ ውልቀሰብ ወይ መራሒ፡ ናይቶም ኣብ ታሕቲ ዝተረፉ ባእታታት ድኽመት እናተጠቕመ እዩ ኪዕወት ዚኽእል። ስለዚ እቲ ውልቀመላኺ ውጽኢት ድኽመታት ናይቶም ስልጣን ንኺሕዝ ዘሕለፉዎ ሰባት እዩ። ብተዛዋሪ መገዲ ኸኣ ንሱ ውጽኢት ድኽመታት ህዝቢ እዩ።

ስለዚ ዘይሩ ዘይሩስ እቲ ውልቀመላኺ ብትሕተ-ኣእምሮኣዊ (subconscious mind )  ኣመለኻኽታ ምስ ዚረአ በቲ ህዝቢ እተመርጸ እዩ ክንብሎ ንኽእል ኢና። ትሕተ-ኣእምሮ ማለት እቲ ክንቆጻጸሮ ዘይንኽእልን ንድሌትናን ፍርህናን ወጊኑን ደጒሉን ዚጸንሕ ክፍሊ ኣእምሮና እዩ። በዝን ክንድዝን ደኾን ይኸውን ወድሰብ ነቲ ላሕ ዘብሎ መራሒ ባዕሉ እዩ ኣብቲ ቦታኡ ዝሰቕሎ፡ ወይ ከኣ ወድሰብ ነቲ መራሒኡ ባዕሉ እዩ ዝፈጥሮ ዚብሃል?

ከምዚ ኢሉ እቲ ውልቀመላኺ ኣብ መሪሕነት ምስ መጸ፡ ኣብ ውሽጡ ዚካየድ ሳልሳይ ኲናትውን ኣሎ። እዚ ኸኣ ናይ ሕልና ቃልሲ ክንብሎ ንኽእል። ግን ኩሉ ሰብ ከኣ ማዕረ ሕልና ኣይተዓደሎን። እቲ ውልቀመላኺ፡ ብተመክሮን ትምህርትን ከምኡውን ካብ ወለዱ ብምውራስ ዘማዕበሎ ሕማቕን ጽቡቕን ባህርያት ኣለዎ። ንኣየናዩ ከም ዚጥቀም ግን ኣብ ሕልናኡን ኣብ ርእሰ-ተኣማንነቱን እተመርኮሰ እዩ። ኣብ ልዕልዚ፡ ናይ ስልጣን ሕማም (megalomania) ዚብሃል ከኣ ኣሎ። እዚ ሕማምዚ ነቶም ደረት ዘይብሉ ስልጣን ዝደለቡ መራሕቲ ዝመጾም ሕማም እዩ። እዚ ሕማምዚ ናብ ጽላለ ከብጽሕ እውን ይኽእል እዩ።

ከምዚ ዓይነት ሕማም ካብ ዝነበሮም ነገስታት መንግስቲ ሮማ፡ ካሊጉላ ዚብሃል ቄሳር ትዝ ይብለኒ። ንሱ ካብ ምሒር ናይ ስልጣን ሕማምን ሕንቃቐን እተላዕለ፡ ነቲ ፈረሱ ኣብ ባይቶ ከም ዚምረጽ ገይሩዎ። ኣባላት ባይቶ ግን ካብ ምጥቓዕ ሓሊፎም ገለ ኪገብሩ ኣይከኣሉን።

እሞ ከመይ ደኣዩ ሓርነት ኢልካ ጀሚርካስ ብጭቆና ድማ ትድምድሞ? መልሱ ቀሊል እዩ። እቲ ንህዝቢ ሓራ ከውጽእ ኢሉ እተላዕለ ውድብ፡ ነቲ ጨቋኒ ደኣምበር ንጭቆናስ ፈጺሙ ኪድምስሶ ኣይክእልን፡ ከመይሲ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ፡ እቲ መውጽእ ሓራ ባዕሉውን ኣብቲ ኣመጻጽኣኡ ናይ ጭቆና ኣገባብ ተኸቲሉ (ማለት ንደሞክራስያዊ ኣገባባት ብወትሃደራዊ ኣገባባት ብምትካእ) እዩ ነቲ ውድብን ነቲ ቃልስን ከም ዝዕወት ዝገብሮ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ መብዛሕትኡ ናጻ ኣውጻኢ ውድብ፡ ካብዚ ድኽመትዚ ወይ ሓጥያትዚ ናጻ ኪኸውን ኣይክእልን።

ዝኾነ ኾይኑ፡ በዚ ይምጻእ በቲ፡ እቲ ሕቶ ከመይ ጌርካ ንኸምዚ ዝበለ ሽቶኡ ዝሰሓተ መውጽእ ሓራ ተልግሶ ዚብል እዩ? ከምዚ ሕቶ ኪለዓል ከሎ፡ ተሎ ኢሉ ኣብ ኣእምሮ ሰብ ዚመጽእ ስእሊ ተቓወምትን ተራኦምን እዩ።

መብዛሕትኡ ግዜ ተቓወምቲ ካብቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ዝፈልዮም ነጥቢ እንተሎ ኣዚዩ ንእሽቶ እዩ። እቲ ተቓውሞ ኣጋጢሙዎ ወይ ተወዲቡሉ ዘሎ ስርዓትውን እኮ፡ ሓደ እዋንስ ባዕሉ ተቓዋማይ እዩ ነይሩ። እቲ ፍልልይስ ኣብ ተመክሮ እተመስረተ እዩ። ተቓወምቲ ማሕበራት ብተመክሮ ዘኻዕበትዎ ኣማራጺታት ንምፍጣርን ንምትግባርን ኪኽእሉ ኣለዎም። ነቲ ናይቲ ስርዓት ጌጋታት ንኸይድገም ኪጽዕሩ ኣለዎም። እንተ ዘይኮይኑ፡ እቲ ናይቶም ቀዳሞት ሕማም ኪድግሶም ስለ ዚኽእልን፡ እቲ ዚህቡዎ ፈውሲ ድማ ነቲ ናይቲ ህዝቢ ስቓይ ከግድዶ ስለ ዚኽእልን፡ ኣብዚ ጉዳይዚ ትጉሃትን ንቑሓትን ኪኾኑ ይግባእ።

ነዚ ኣብ ላዕሊ እተባህለ ኩሉ ከም ሓሳብ ክንጸምቆ እንተ ዄንና፡ ሓርነት ካብ ጭቆና ብዙሕ ከም ዘይርሕቕ ክንግንዘብ ንኽእል። ማለት እቲ ኣብ መንጎ ሓርነትን ጭቆናን ዘሎ መንደቕ ኣዚዩ ተነቃፋይ እዩ። ግን ኣብ መንጎ ክልቲኡ ዘሎ ፍልልይ ከኣ ሰማይን ምድርን እዩ።

ዝኾነ ዓይነት መንግስቲ ብባህርያቱ ናይ ምጭቋን ኣሰራት ኣለዎ። ብሓቂ ክንዛረብ እንተ ዄንና መንግስቲ ማለት እኮ ኣብ መንጎ ህዝብን መሪሕነትን ዚትከል ማሕበረሰብኣዊ ውዕል ማለት እዩ። እቲ ውዕል ከምዚ እዩ፤ እቲ ኣብቲ ፋሉልነት ዝመልኦን ቅሳነት ዘይብሉን ናይ ሃድንን በዓትን ህይወት ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ፡ ነቲ ፋሉላዊ ናጽነቱ ጠርኒፉ ነቲ መሪሕነት የረክቦ፡ እቲ መሪሕነት ድማ ነቲ ህዝቢ የመሓድሮን ይሕልዎን፡ ግብሪ የኽፍሎን፡ የዐስክሮን፡ ሕጊ ይሰርዓሉን፡ ይዳንዮን።

እዚ ውዕልዚ፡ ሕብረተሰብኣዊ ውዕል ወይ ኩንትራት(social contract) ይብሃል። ስለዚ ወድሰብ ነቲ ፋሉላዊ ናይ ጫካ ናጽነት ንመንግስቲ ኣስተሊሙ ነጊዱን ሓሪሱን ዝነብረሉ ሰላም ኪጽበ ኸሎ፡ ብምሉኡ ደኣ ኣይኹን እምበር፡ ከፊል ናጽነቱ የረክብ ከም ዘሎ ኪርሳዕ ኣይግባእን።

ናጽነትካ ብኸፊሉ ከተርክብ ከሎኻ ግን፡ እቲ ናጽነትካ ኣረኪብካ ሰላም እትሓቶ ዘሎኻ መሪሕነት ወይ መንግስቲ፡ ነቲ ኩንትራት ኣፍሪሱ ኩሉ ናጽነትካ ኪግብቶ ደመነፍሳዊ ድሌት ከም ዘለዎ ኣይትረስዕ።

ናይ ተቓወምቲ ወይ መውጻእቲ ሓራ ኣበርክቶ ኣብዚ እዩ ዚመጽእ። እቲ ስርዓት ነቲ ኩንትራት ኣፍሪሱ ናጽነትካ ምስ ዚግብቶ፡ ተቓውሞ ኪለዓል ግድን እዩ። ስሙርን ውዱብን ተቓውሞ ነቲ ስርዓት ከልግሶ ክእለት ኣለዎ። ግን ኣብቲ ህዝቢ ዓቢ እምነት ከሕድር ከኣ ኣለዎ፡ ከመይሲ እቲ ህዝቢ ብተመክሮ ይኹን ወይ ብናይ ተፈጥሮ ድርኺት፡ ኩሉ መንግስቲ ብተዛማዲ መገዲ ጨቋኒ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • Rezene Michael June 19, 2015

    Nebelbal7@gmail.com I like ur comments.

  • Exudos June 25, 2015

    ብርግጽ ሓቂ ዝተኸድነ ዘረባ። ኣማኒኤል ሳህለ ብሱል ሰብ። እዚ ምክሪ ነተን ሕጂ ውን ተቃውሞ ዘስማዓ ዘለወን ውድባት ዝምልከት ኢዩ።

POST A COMMENT