ዒስራን ሰለስተን (23) ኣባላት ኮማንዶ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኢዶም ከምዝሃቡ ተሓቢሩ።

 

ዒስራን ሰለስተን (23) ኣባላት ኮማንዶ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ብ21 ሓምለ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኢዶም ከምዝሃቡ ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ሓቢሩ።

እቲ ብሓያል ቁጠባ ሃገርን ብሓገዛት ብዙሓት ሃገራትን ዝተሃንጸ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ይፈርስ ከምዘሎ ዘመላኽት ተርእዮታት አብዚ እዋን›ዚ ይከታተሉ አለዉ፡፡ ብዕለት 21 ሓምሌ 2011ዓ.ም አብ ኢስራኤል ሰልጠና ዝቐሰሙ ፉሉያት አባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ 23 ዝኾኑ አባላት ኮማንዶ ዓባይ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ሓንቢቦም አብ ሞንጎ ጀዛንን የመንን አብ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ጉንፉዳ እትበሃለት ከተማ አትዮም፡፡ እዞም አባላት ኮማንዶ ሓይሊ ባሕሪ መብዛሕቶኦም ተወለድቲ ብሄረ ትግርኛ ኾይኖም፡ ካብ ኢራንን ካብ ራሻን ዝተወሃቡ ማኅደረ ስልጠናታት ሓይሊ ባሕሪ ንኽኸዱ ካብ ቤተ-ሰቦም ናይ ገንዘብ ትሕጃ ክሳብ 200 ሺሕ ናቕፋ ዝበጽሕ ሰለዝተሓተቱን ካልእ ጸጥታዊ ኩነታት ከይኮነ ከምዘይተርፍ ካብ ውሽጢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡ ብተመሳሳሊ ዜና ብዕለት 16 ሓምሌ 43 ዝኾኑ ደቂ አንስትዮ ዝርከበኦም ተወለድቲ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ካብ ከባቢ ቦርን ዳህላክን ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ናብ የመን ከምዝአተዉ ካብ የመን ዝበጻሓና ዜና የረድእ፡ እቶም ናብራ ስርዓት ሻዕብያ ዝሓሰሞም ብገዛ ዓዶምን ባሕሮምን ናብ ዳህላክን ከባቢኣን ከይንቀሳቐሱ ዝተአገዱ ተወለድቲ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ነቲ ስርዓት ራሕሪሖም አብ ቂድሚኦም ዝጸነሖም ጀላቡ አልዒሎም ናብ የመንን ካልኦት ከባቢታትን ዝሃድሙ ዘለው፡፡ ብኻልእ ወገን ካብ ጢዖን ዕድን ዓሰብን አባላት ሓይሊ ባሕሪ ዝርከብዎ አስታት 60 ዝኾኑ ተወለድቲ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ብዕት 18-19-ሓምሌ 2011 ናብ የመን ከምዝአተዉ ካብቲ ቦታ ዝበጻሓና ዜና ሓቢሩ፡ አብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ጥራይ ብጠቕላላ ልዕሊ 170 ተወለድቲ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን አባላት ሓይሊ ባሕርን ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ናብ የመንን ሱዑድያን አትዮም አለው፡፡ ብጠቕላላ ልዕሊ 7 ዝኾና ፈጣናት ጀላቡን 1 መርከብን ካብ ትካል ሓይሊ ባሕሪ ጎዲለን ይርከባ፡፡ ስርዓት ህግደፍ ዘርኢ ናይ ምጽናት ፖሊሲኡ ብሓያል ዓቕሙ ይሰርሓሉ ከምዘሎ ዘመላኽት ኢዩ፡፡ በዚ አጋጣሚ አብ ውሽጥን አብ ደገን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ህዝቢ እንዳጽነተን ሃገር እንዳአዕነወን ዝኸይድ ዘሎ ስርዓት ትም ኢልካ ምርኣይ ናብ ዲቕ ዝበለ ጸላምን ሓደጋን ከእትወና ምኻኑን ሉኡላውነት ሃገርን ህዝቢ ናብ ምልክት ሕቶ ከሰጋግሮ ከምዝኽእል ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ የጠንቕቕ፡፡

 

ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ

22 ሓምለ 2011

 


Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>