Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኩሉ ወዲ ሃገር ብዛዕባ ጕዳያቱ ኣብ ዓዱ ንኽዛተ፡ ጠላም ስርዓት ህግደፍ ምእላይ ይኹን ቀዳማይ ጠመተ።

ስርዓት ጉጅለ ህግደፍ ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣጥምዩን ኣድኪዩን ብራዕዲ እንዳገዝኤ ንኸጥፈኦን ክበታትኖን፡ ብስልቲ ካብ ዝሰርሓሉ ዓመታት ከምዘቝጸረ ካብ ኤርትራውያን ዝተኸወለ ኣይኮነን። ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዝገብሮ ሽበራን፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን፡ ብማሕበረ ሰብ ዓለም ኣቓልቦ ከይረክብ ዝጥቀመሉ

ስርዓት ጉጅለ ህግደፍ ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣጥምዩን ኣድኪዩን ብራዕዲ እንዳገዝኤ ንኸጥፈኦን ክበታትኖን፡ ብስልቲ ካብ ዝሰርሓሉ ዓመታት ከምዘቝጸረ ካብ ኤርትራውያን ዝተኸወለ ኣይኮነን። ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዝገብሮ ሽበራን፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን፡ ብማሕበረ ሰብ ዓለም ኣቓልቦ ከይረክብ ዝጥቀመሉ ሜላ፡ ምስ ገረባብቲ ሃገራት ኩናት ብምጽሕታርን ንግብረሽበራውያን ብምሕጋዝን ፡ሃገራት ብዛዕብኡ ክዛረባን ክኸሳን ክነብራ ምግባር ኢዩ።  እንተኾነ ግን ህግደፍ ከም ዝሓሰቦ ዘይኮነ፡ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘረባን ክስን ጥራይ ምንባር ዘይኮነ: ግብራዊ ዝኾነ ኣብቲ ጕጅለ ዘነጻጸረ ናይ ማዕቀብ ወይ እገዳ ውሳኔ በይነናሉ ኢየን። ቀጺለን ከኣ ነቲ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ባሕሪታትን ምድረበደታትን ብኣሽሓት እንዳመቱ ክንሶም፡ ዝረኸበ ይርከበና ኢሎም ናብ ስደት ሃጽ ኢሎም ዝጠፍእሉ ዘሎዉ ደራኺ ምኽንያት ስለምንታይ ምዃኑ : ኡይ! ንዝበሉን፡ ንዝጠርዑን ፡ ኤርትራውያን ፡ ሓቅነቱ ንምፍላጥ ሕቡራት ሃገራት መግስታት ዓለም ፡ ብስርዓት ህግደፍ ዝግበር ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት እተጽንዕ ኮሚሽን ኣቖመት። ስለዚ ሰነ 26 / 2015 ፍልይቲ መዓልቲ ዝገብራ፡ ቀዳማይ እቲ ብ ስርዓት ህግደፍ ኣብልዕሊ ኤሪትራውያ ክካየድ ዝጸንሐን ዝካየድ ዘሎን ኢ-ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ፡ መርማሪት ኮሚሽን ዓው ኢላ ዝመስከረትሉን ንማሕበረ ሰብ ዓለም ዝገለጸትሉን ብምዃኑ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ነገር ከኣ ኣብ ስደት ዘሎ ደላይ ፍትሒ ህዝብና ብፍላይ ከኣ እቲ ግዳይ ዝኾነ መንእሰይ ተራእዩ ብዘይ ፈልጥ ብዝሕን፡ ስኒትን : ኣብ ጄነቭ ተረኺቡ፡ ነዚ መርማሪት ኮሚሽን ዝሃበቶ ጸብጻብ፡ ሓቂ ከምዝኾነ፡እዚ ከማን ካብ ባሕሪ ብማንካ ኢዩ ፡ ብምባል ንጠላም ስርዓት ህግደፍ ዘቃላዓሉ ዕለት ኢዩ። ብተወሳኺ ኣብ ኢትዮጵያን ኢስራኤልን ዘለዉ ስደተኛታት መንእሰያት ኤሪትራ፡ ነዚ ገበናት ህግደፍ ዘቃልዕ፡  ውዕውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም ኢዮም። ብሓፈሽኡ ኣብዚ ቅንያት’ዚ ወንን ተስፋን ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ሓኒኑ ይርከብ። ዝቕጽል ሕቶ እምበኣር ፡ ካብዚ’ኸ ናበይ ዝብል ኢዩ። እቲ ሽቶ ደለይቲ ፍትሒ ኤሪትራውያን፡ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣሊኻ ፡ ብግዝኣተ ሕጊ ። እትመሓደር ደሞክራስያዊት ኤርትራ ምትካል ካብ ኮነ፡ ነዚ ዘሎ ሃዋሁ ብምቕጻል ኣብ ሽቶኻ ንኽትበጽሕ እንታይ ክትገብር ከምዘለካ ኣለሊኻ ክትሰርሓሉ ይግባእ። ዝሓለፉ ዕዉታት ሰላማዊ ሰልፍታት፡ ብፍላይ ከኣ ሰለማዊ ሰልፊ ጄነቫ ናይ  ሰነ 26/2015 ዕዉት ክኸውን ዝኸኣለ ምኽንያት፡ ናይ ስራሕ መደብ ውጺኡ፡ ነቲ መደብ እተዋሃህድ ሽማግለ ቆይማ፡ ነቲ መደብ ንምክያድ ከኣ ብሕብረት ፡ ንዋታውን ኣካላውን ተሳትፎ ክህልዎ ጎስጓሳት ተኻይድሉ፡ ዕዉት ከኣ ክኸውን ኪኢሉ። ስለዚ  ሕጂ’ውን እንተኾነ ሰርዓት ህግደፍ ምልጋስ ወዓል ሕደር ዘየብል ጕዳይ ምዃኑ ተኣሚኑሉ፡ ንምትግባሩ መደባት ዝሰርዑ ኮሚቴታትን መራሕትን ምምራጽ። ብመደባቱ መሰረት ከኣ ብንዋትን ብኣካልን ህዝቢ ክሳተፎ ጐስጓሳት ምክያድ።

እቲ መደባት ኣብ ክልተ መዳያት ዘተኰረ ክኸውን ይኽእል ። 1ይ. ኣብ ወጻኢ ክግበሩ ዘሎዎም ዕማማት ። 2ይ. ከኣ ማዕረማዕርኡ ካብ ድንበራትን ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ዝካየዱ ዕማማት ይኾኑ ማለት ኢዩ።

1ይ. እቲ ኣብ ወጻኢ ዝግበር መደባት፡ ብኣጣቓላሊ ፡ ን ስርዓት ጉጅለ ህግደፍ ምንጪ እትዋቱ ምድራቕን፡ እከያት ተግባራቱ ብምቅላዕ ካብ ሕብረተሰብ ዓለም ካብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ይኹን፡ ካብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ብድፕሎማሲ ምንጻልን ኮይኑ ፡ ኣብትሕቲ’ዚ ፡ ዝተፍላለዩ መደባት ወይ ፕሮጀክትታት ይህሉዉ ማለት ኢዩ። ንኣብነት፡ 1) መቐጸልታ ናይዚ ተጀሚሩ ዘሎ ብሕቡራት መንግስታት ኣጻራይት ኮሚሽን ዝካየድ ምጽራያት ብዘሎን፡ ተውሳኺ መርትዖታት ብምቕራብን፡ ጠላማት ሓለፍቲ ህግደፍ ኣብዝለዓለ ናይ ዓለም መጋባእያ ቤት-ፍርዲ ክቐርቡ ምግባር፡ 2) ካብ ኤርትራውያን ዝእክቦ 2% ንምቅራጽ ኮነ፡ ብደረፍታት ሳዕሳዒት እንዳዳለወ ንህዝብና መጨፍለቒ ዘኻዕብቶ እቶት ደው ምባል ። ከማኡ እውን ኣብልዕሊ ህዝብና ብዝወርድ ግፎዕታት፡ ምኽንያት ተጠቒሞም  ዑቝባ ተዋሂቡዎም ከብቅዑ ፡ ጣዕሳ ብምሕታት ኮነ ብዘይ ምሕታት ምስቲ ኣሲሩና፡ ገሪፉና፡ ዝበልዎ ስርዓት ፡ መጋበርያቱ ንዝኾኑን ኣንጻር ደለይቲ ፍትሒ ደው ንዝበሉ፡ መጠንቀቕታ ምሃብን ፡ ኣብ ሕጊ ምቕራብ ።  ናይ ወጺ ካምፓንታት ከም ናይ በዓል ካናዳ ወርቂ ቢሻ ዘውጸኣ ካምፓኒታት ምስ ህግደፍ ተማሻጢረን ኤርትራውያን ብነጻ ጉልበት  እንዳስረሓ ዝገብረኦ ባርነታዊ ምዝመዛ ኣብ ኣህጉራተን ምቅላዕን ደው ከብለኦ ምጽዓርን ፡ ዝኽሰሳሉ መገዲ እንተሎ እውን ምድህሳስ። ካልኦት ነዚኦም ዛመሰሉ ብመደብ ምስራሕ ኣድማዕቲ ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም።

2ይ. ካብ ድንበራትን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝግበር መደባት፤ እዚ መዳይ’ዚ እቲ ኣውራ ንውድቀት ህግደፍ ዘቃላጥፍ ኢዩ። ስለዚ ቀዳማይ ዕላማኦም ምድሓን ህዝቢ ፡ ማልት ምልጋስ ህግደፍ ዝገበሩ ፡ ኣብ ዶባት ኤሪትራ ዘሎዉ፡ ሂወቶም ዝወፈዩ ፡ናይ ደለይቲ ፍትሒ ሰራዊት ስራሕ ፡ ኣድማዒ ንክኸውን፡ ማለት ከም ናብ ውሽጢ ሃገር ኣቲኻ ህዝቢ ምንቕቓሕ ፡ ምስ ብህግደፍ ጅሆ ተታሒዞም ዘሎው ሰራዊት ደቂ ህዝቢ መርበባት ምምስራት፡ ናይ ነብስኻ ምክልኻል ዓቕሚ ክብ ንምባል፡ ዝኣመሰሉ ብጽፉፍ ከተግብሮም ዝወጠንዎ ክገብሩ ክኽእሉ ምእንቲ ፡ ህዝቢ ዝተሳተፎ  ሞራላውን ንዋታውን ምኽርን ዝወሃበሉ መንገድታት ምግባር ኣዚዩ ኣድላዪ ኢዩ።

ስለዚ ቀጺለ ክብሎ ዝደሊ፡ እቲ ንሓያሎይ ዓመታት ክበሃልን፡ ክእወየሉን ዝጸንሐ ግን’ከ ሰማዒ ዘይረኸበ ጻዋዒት ኢየ ክደግም። ህዝብና ይበታተን ኣሎ፡ ሃገር ናብዘይምህላው ተምርሕ ኣላ፡ እዚ ከኣ ብመደብ ብድያብሎስ ብስርዓት ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ ኢዩ፡ ስለዚ እዚ ጕዳይ ወዓል ሕደር ዘይብል ኢዩ፡ እሞ ንዑ’ባ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ  ሓቢርኩም ነዚ መንድዓት ህዝቢ፡ዘራጊቶ ጸረ ሰላም፡ ዝኾነ ስርዓት ኣሊኹም፡ ህዝቢ ድኻ ይኹን ሃብታም ኣብ ዓዱ ደቁን ንብረቱን ወኒኑ፡ ምዩቕ ከይበለ ብሰላም ዝነብረላ ሃገር ንግበራ። ዜጋታትና ኣብ ክንዲ ብሽበራን ብዊንታ ውልቀሰባት ዝምራሕ፡ ብፍትሕን ብ ግዝኣተ ሕግን ንኽናበር ብተግባር ንቃለስ። ጥሙር ድልየት እንተዝህሉ ነይሩ፡ እዚ ንምግባር ከቢድ ኣይኮነን ፡ ምኽንያቱ ዝሓለፈ 10 ዓመት ህግደፍ ብዝገብሮ ዕንደራን ግብረሽበራን ብዓለም ተፈንፊኑን ተነጺሉን ኢዩ ነይሩ፡ እንተኾነ ግን ፡ እቲ ዋና በዓል ጕዳይ ዝኾነ ደምበ ተቛውሞ ፡ እክብ ኢሉ ኣብ ምልጋስ ህግደፍ ፡ ሓደነገር ዘይምግባሩ፡ ማሕበረ ሰብ ዓለም  ከየስደምሞ ኣይተረፈን። ንኣብነት እቲ ብቡዙሓት ተስፋ ተነቢሩሉ ዝነበረ ፡ ብ 11/2011 ኣብ ኣዋሳ ዝተመስረተ “ሃገራዊ ጉባኤ ን ለውጢ፡” ወይ ባይቶ ዝበሃል፡ ኣብዚ 3 ዓመትን ፈረቓን ዕድምኡ ፡ እንታይ ኣፍርዩ፡ ምስዝበሃል፡ መልሱ ዋላ ሓንቲ ኢዩ። ከምዝፍለጥ፡ ባይቶ ካብ ዝተፈላለያ ውድባትን፡ ህዝባዊ ማሕበራትን ብኮታ ዝቖመ ኢዩ። ናብ ባይቶ ተመሪጾም ዝኣተዉ ኣካላት ክገብርዎ ዝግበኦም ከኣ ፡ ውድባዊ ኮነ ጉጅላዊ ሕሳባት ኣብውድቦም ገዲፎም፡ ብጥሙር ሓሳብ ከም ሓደ ማሕበር ወይ ትካልወይ ትካል ብስኒት ኢድን ጓንትን ኮይኖም ፡ ስርዓት ህግደፍ ምእላይ ብቀደምትነት ሰሪዖም፡ ብድገን ብውሽጥን ብዅሉ ዓይነት ቃልሲ ፡ ህዝብና ኣብ ምልዕዓልን ምብርባርን ፡ከምኡ ከኣ ካብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም  ሞራላዊ፡ ፖለቲካዊ ፡ንዋታዊ ሓገዛት ኣብ ምርካብ ብትግሃት ክዋፈሩ ምተገበኤ ። ክምኡ ተገይሩ ነይሩ እንተዝኽውን፡ ህዝብና ድሮ እፎይታ ረኺቡ ምሃለወ። ሕጂ እውን እንተኾነ፡ ባይቶ ህግደፍ ንምእላይ ቅድሚያ ሰሪዑ ከም ሓደ ኣካል ክሰርሕ እንተዘይተብጊሱ ፋይዳ የብሉን ፡ ኣብ ጋም፡ ማን እዩ ክነብር። ብርግጽ ምስ ምውዳቕ ስርዓት ህግደፍ ማዕረ ማዕረ ክሕሰበለን ዘለወን ክልተ ኣገደስቲ ነገራት ፡ ኣብ ጽባሕ ምውዳቕ ጉጅለ ህግደፍ፡ ሃጓፍ ከይፍጠር ፡ ንግዝይኡ ጸጥታ ብከመይ ይሕሎ ዝብልን ፡ ን ዓመት ድዩ፡ ን 6 ወርሒ ዘገልግል ከኣ፡ መስጋግሪ ኮሚሽን ንበሎ፡ መንግስቲ ንበሎ፡ ሽሙ ብዘየገድስ ናብ ቍዋም ዘነድፍን ፡ ዘጸድቕን ዝግዝያዊ መንግስቲ ዘብጽሕ ኣካል ምቕ-ራብ ኣድላዪ ኢዩ። እዚ ኵሉ ኣይተሰርሓሉን ደኣእምበር ፡ ኣብቲ መሪሕ ሓሳብ ወይ ሮድ ማፕ ዝበሃል ናይ ኤሪትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ብሰፊሑ ተጠቒሱ ዘሎ ይመስለኒ። እቲ ሕጂ ፡ ሕጂ ፡ ዝድለ ዘሎ ፡ ኵሉ ፍትሓውያን ብሓባር ዝሰማምዕሉ፡ እቲ ዘይቅየር፡ መሰረታውን ፡ ኣድማሳውን ዝኾነ ፡ መሰል ወዲ-ሰብ ዝሕሉ፡ ስርዓት ደሞክራሲ ምትካል ኢዩ። ንሱ ከኣ ፣ ናይ ምጽሓፍን ምዝራብ ነጻነት፡ ናይ እምነት ነጻነት፡ ኵሉ ሰብ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ምዃኑ፡ ዘይምእኩል ምሕደራ ፡ ማለት ሰባት ከባቢኦም ባዕሎም ከማሓድሩ ምግባር ፡ ኣብዘሓ ፓርትን ፡ሕውስዋስ ወይ ርእሰማላዊ ኣገባብ ቍጠባ ምኽታል፡ ሃይማኖትን መንግስትን ኢድ ዘይምትእትታው ዝኣመሰሉ ኢዮም። ካልእ ንነፍሲወከፍና ዘገድስ ብዙሕ ዛዕባታት፡ እንዛተየሎም ፡ ህዝብና ኣረጋጊእካ፡ ሃገርን ቍዋምን ምስወነና ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል ። እንተዘይሎ ከም ብዝሒ ውድባትን ህዝባዊ ማሕበራትን ፡ ጠለባትና እውን ብዙሕን፡ ዝተፈላለየን ስለ ዝኾነ፡ ሕጂ ኣብ ወጻኢ ኰንኳ ፡ ኣብ ኵሉ መዳያት ክትሰማማዕ፡ ሎሚ ኣይከኣል፡ ድሕሪ 10 ዓመት እውን ኣይከኣልን ኢዩ። እዚ ከኣ ኣብ ደውታ ምንባር ስለዝኾነ፡ ህዝቢ እናጠፍኤ ፡ ኣብ ኢድና ዘሎ ዘይምግባርና ገበን ኢዩ። ዝበልናዮ እንተዘይተቐቢልኩምን ፡ እንተዘይተሰማሚዕኩምን፡ ህግደፍ ኣብምውዳቕ ኣይንህወኽን፡ ኣይንጓየን ቅድምያ እንህቦ ጉዳይ እውን ኣይኮነን ዝብሉ ኣካላት እንተሊዮም፡ ምጥፋእ መንእሰያትና  ዘየሕሞም፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝረኤ ዘሎ፡ ናይ ህዝብና ምብትታንን ፡ ምድኻምን ፡ ከኣ ከም ፖለቲካዊ መኽሰብ ገይሮም ዝቖጽርዎ ኢዮም ክበሃል ይከኣል። እዚ ከኣ ተተሓሒዝካ ምጥፋእ ስለዘስዕብ ፡ ዓገብ ክበሃሉ ይግባእ።

ጠላም ስርዓት ጕጅለ ህግደፍ ንምእላይ ፡ ካብ ሎሚ ዓሚ ይቐልል ነይሩ፡ ካብ ዓሚ፡ ቅድሚ ዓሚ ይቐልል ነይሩ፡ ካብ ቅድሚ-ዓሚ ከኣ ቅድሚ 3 ወይ 4 ዓመት ይቐልል ነይሩ። ብሓጺሩ ህግደፍ ንምእላይ ግዜ ብዝበልዐ መጠን፡ ዝድለ ለውጢ ንምምጻእ ዝኽበደ ኢዩ ዝኸውን።  ምኽንያቱ ከምዝረኤ ዘሎ ብተግባራት ብስርዓት ህግደፍ ዝግበር ምብስባስ ህዝቢ ተገዲዱ፡ ቆልዓ ሽማግለ  ካብ ዓዲ ብምጥፋእ ኣደዳ ሞትን ስደትን እንዳኾነ ኢዩ። ወለዲ ጠዋሪ ብምስኣን ብሕማምን ብጥሜትን ይሓልፉ ኣለዉ። ገዛውቲ ይዕጾ እንዳታት ከኣ ይጸንታ ኣለዋ። ህዝብና ይጠፍእ ፡ ናይ ህግደፍ ደለልትን ሸየጥቲ ሰብን፡ ከኣ ብደም ህዝብና ሃብቲ የኻዕብቱ ኣለዉ። ሃገር መርሲነርን ደምሒትን ተዘሪኦማ ኣለዉ፡ ስለዚ ህግደፍ ብባዕሉ ቡኽባኼ ዋላ ፍርክሽክሽ ኢሉ እንተወደቐ ፡ ኣብ ዝተዳኸመን ዝተበታተነን ህዝቢ  ዘለዋ ሃገር ፡ እቲ እንደልዮ ጥምርትን ፡ ግዝኣተ ሕግን ዝነገሳ ደሞክራስያዊት ሃገር ምምስራት ከቢድ ኢዩ። ስለዚ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ብዝደንጐናሉ መጠን፡ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብና ብእኡ መጠን ናብ ዝገደደ ምብትታን ይሳጣሕ ኣሎ።

ስለዚ ሕጂውን እቲ ዝሐሸን እንኮን ኣማራጺ፡ ነዚ ተረኺቡ ዘሎ ፍናን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ መዕለቢኡ ንምብጻሕ፡ ኵለን ማሕበራት፡ ውድባት፡ ነናይ ውልቀን ኣጀንዳ ኣወንዚፈን፡ ዓቕመን ኣተሓባቢረን ቀዳማይን  ህጹጽን ዕላመኤን ስርዓት ህግደፍ ምእላይ ክኸውን ኣለዎ። ሎሚ ብቝልጡፍ ሓደ መፍተሐ እንተዘይገርና ድሕሪ ቅሩብ ዓመታት ህዝቢ ጨሪሹ ኣብዝተባታተነሉ ግዜ፡ ህዝብን ሃገርን ነበረ፡ ነበረ፡ ምስኮነ፡ ብዛዕባ ዝኾነ ኣርእስቲ ንዛረብ ትብለሉ ምኽንያት ኣይክህሉን ኢዩ። ስለዚ ሕጂ ኣብ ህላወ ህዝቢ ክንጓየ ይግባእ። ህዝቢ ምስ ዝህሉ ፡ዝተኸብረት ኤርትራ ትህሉ፡ ስለዝኾነ ከኣ ውድቀት ህግደፍ ይቀላጠፍ ፡ ደሞክራስያዊ ስርዓት እግሪ ይትከል።

ጨፍላቒ ስርዓት ህግደፍ ይፍረስ፡ ፍትሕን ደሞክራስን ይንገስ

 

ዘርእማርያም ሃ. ክፍለ     ሕ.ሃ.ኣ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Aida July 16, 2015

    well done, this is the salution

  • merhawit July 16, 2015

    Nice analysis. If even a fraction of Geneva could be brought home to Eritrea, the pfdj grouping would vanish the next day from the face of the earth. It is now long since the eritrean people, and especially those at home, view the pfdj as a cruel align occupation force. Now is, therefore, the time to churn Geneva – chart an all-out strategy in order to expedite the grouping’s final demise. Then,and only then, in all peace with ourselves and with the world, we can bring forth our political and socio-economic programs and compete for elections convened in an atmosphere of freedom and democratic fair play among ourselves, as would be clearly stipulated in the laws of the country. Before that, however, let’s UNITE NOW our energies and bring an expeditious end to the madness and terror suffocating our country.

  • Ibrahim Mohammed July 16, 2015

    Dear Zermariam H. Kifle. Thank you so much for your clear analysis and best way to get rid off the dictatorship.We have missed a number of opportunities in the past and we should not repeat the same mistakes now.We should now use the people’s spirit, emotions and high morals of the Geneva demonstration for immediate action. To do that let us get united in each country of our residence locally and expand it globally under a strong Eritrean people’s movement lead by highly dedicated people with political skills.This movement of course shall link its activities with the people inside the country.
    The struggle shall continue
    Together we are better !!

POST A COMMENT