Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

24 ዓመት ትምህርቲ ንዓበይቲ

ኣብ ሰላሳታት ዕድመ ዝርከብ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን  ዑደት ኣብ ዝፍጽመሉ መዛኑ ኣቦኡ ዝሸምገሉ ሰብ ጽሩራ የሰንይዎ:: እቶም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ነፍስወከፎም ወረቐትን ብርዕን ሒዞም ደድሕሪኡ ዞኽዞኽ እናበሉ ይምዝግቡ:: እንታይ ከም ዝምዝግቡ ዝግለጽ

ኣብ ሰላሳታት ዕድመ ዝርከብ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን  ዑደት ኣብ ዝፍጽመሉ መዛኑ ኣቦኡ ዝሸምገሉ ሰብ ጽሩራ የሰንይዎ:: እቶም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ነፍስወከፎም ወረቐትን ብርዕን ሒዞም ደድሕሪኡ ዞኽዞኽ እናበሉ ይምዝግቡ:: እንታይ ከም ዝምዝግቡ ዝግለጽ የልቦን:: ካብቲ ምንቅስቓስ ኣካላቶም  ኣዒንቶም  ዝሰዶ መልእኽቲ ግን ነቲ ነቦኡ ተኪኡ ነታ ሃገር ዝገዝእ ዘሎ መንእሰይ ንምድሳትን ብስርሑ ዕጉባትን ነምልኸካ ኢና ዝብል  ይመስል:: ምስዚ ናይ ሰሜን ኮርያ ዝመሳሰል ኣብ ኤርትራ እውን ኣሎ::እቲ ቦታን ኣገባብን ይፈላለ እምበር እቲ ጸወታ ሓደ ኢዩ::

ኢሳያስ ዊን ኣብ ዝበሎ ዝጽውዖ ኣኼባ ዝሳተፉ 70ታት ዝረገጹ መነጽር ዓይኒ ወድዮም ዝምዝግቡ  ሓደ ጉጅለ ናይ ሰባት ኣለው::”ካቢነ ሚነስተራት”:: ኣብ ክቢ ጠረጰዛ ተቐሚጦም ነቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝምድር ዓይኒ ዓይኑ ምጥማት ፈሪሖም ደኒኖም ክጽሕፉ ኣብ ተለቪጅን ንዝተዓዘበ ሰብ ትምህርቲ ንዓበይቲ ዝከታተሉ ዘለው እምበር ብዛዕባ ሃገር ይመያየጡ ከምዘየለው ንምፍላጥ ኣየጸግሞን:: ኢሳያስን እቶም ካቢነ ዝተሰምዩን ዘለዎም ዝምድና  ከም ናይ መምህርን ተመሃራይን ዝምድና ከምዘለዎም ዝመስል ኣብ ስእሊ ክረኣዩ ከለው ኢዩ:: ንሱ ኣብ ማእከል ተቐሚጡ ይምድር ንሳቶም ከቢቦም የዳምጹ:: ኣብ ትሕዝቶ እንተመጺእና ግን ርክቦም ርክብ ተመሃራይን መምህርን ኣይኮነን::  ተመሃራይ መብርሂ ንመምህሩ ይሓትት: ይካታዓ  ነቲ ዝተላዕለ ኣርእስቲ የብስሎ::ኢሳያስን ካቢነኡን ግን ናይ ኣዛዝን ተኣዛዝን ናይ ወሃብን ተቐባልን ዝምድና ዘለዎምን ምሕታትን ምምላስን ዘየፍቅድ ኢዩ::ኩሉ እቲ ብኢሳያስ ዝተገብረን ዝግበርን ኣኼባታትን ቃለመጠይቕን ብትሕዝቶ ይኹን መልእኽቱ ፍልልይ ዘይብሉን ንምድንጋርን ንምህውታትን ዝካየድ ኢዩ::

ናይ ቅድሚ ሳልስቲ ኣኼባ ካቢነ ብዝምልከት ዝቐረባ ዜና ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ::

”ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ ዘስመዖ መደረ: እቶታውነት መሬትን ክዘና ማይን ንምስሳን ጽላት ሕርሻ ናብ ዘበናዊ ንጥፈት ንምስግጋር ማይን ሓመድን ብምዕቃብ መልክዕ መሬት ናብ ንቡር ንምምላስ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕሪ ብዝለዓለ ውዳበ ንምቕጻል ዝወጸ መደብ ከም ኣካል ናይዚ ዕማምዚ ድማ ኣብ ምምዕባል መስኖኣዊ ሕርሻ ኣብዚ ዓመት እዚ ዝትግበር መደባት ብዝምልከት መብርሂ ሂቡ::”

መብርሂ ዲዩ ሂቡ መጸልመቲ ካብቲ ቀሪቡ ዘሎ መደረ ንምፍላይ ዝከኣልዩ:: እቶታውነት መሬትን ክዘና ማይን ብኸመይ ኣገባብ ተፈጺሙ ዝብል ሕቶ ኣይተመለሰን::ማይን ሓመድን ብምዕቃብ መልክዕ መሬት ናብ ንቡር ንምምላስ ዝተኻየደ ጻዕሪ ኸ ኣበይ ኣሎ:: ሰራዊት ኣብ ዝበዝሖ ከባቢ ጋሽ ባርካ ኣግራብ ንረብሓ ኣዘዝቲ ሰራዊት ተበቲኹ ኣብ ዕዳጋ ኣስመራ እናወዓለ ማይን ሓመድን ተዓቂቡ ኢሉ ክምድር ዝሰምዑስ ኣይሓትዎን ዲዮም::

ፕረዚደንት ኢሳያስ  ኣብ መግለጺኡ

” ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ መግለጺኡ ኣብ ሰለስቲኡ ናይ ልምዓት ዞባታት ምዕራብ:ምብራቕን ከበሳን ብመንግስቲ ክትግበሩ ዝጸንሑ ፕሮጀክትታት ዘበናዊ ሕርሻ ክማላኣሎም ዘለዎ ትሕተ ቅርጻውን ልዕለ ቅርጻውን ስርሓት ከምኡ እውን ኣብ ምድንፋዕ መፍረ ኣእካል ኣሕምልትን ፍረታትን ምስሳን ሃብቲ እንስሳን ውጽኢቱን ክህልዎ ብዝግባእ እጃም ብምንጻር ኣበርክቶኦም ኣብ ጃምላ ሃገራዊ እቶት ንምዕባይ ኣብ 2015 ክኔኡን ዝትግበሩ መደባት ኣስፊሑ ገሊጹ::”

ኤርትራ ሰለስተ ናይ ልምዓት ዞባታት ከምዘለዋ ይነግረና ኣሎ:: እቲ ናይ ልምዓት ዞባ ዝብለና ዘሎ ካብተን ዞባታት ዝብልወን ዝተፈልየ ዲዩ: ስለምንታይ ከ ኣብ ሰለስተ ተኸፊሉ: ብዘይካ ኢሳያስ ጉጅለኡን እቲ ካቢነ ኸ ተኻቲዑሉ ዶ::ብዛዕባ ዘበናዊ ሕርሻ: ትሕተ ቅርጺ:ልዕለ ቅርጺ መዲሩልና:: ረሳዕቲ ኢዮም ብምባልን ንዕቀት ሓዊሱን እምበር ትማሊ ዶ ኣይኮነን ኢሳያስ ኣብዚ ሃገር ዝተኻየደ ናይ ልምዓት መደብ የልቦን ክብል ዝተዛረበ::ልዕለ ቅርጺ እቲ ዘንበቦ እውን ትርጉሙ ዝፈልጦ ኣይመስለንን::

ኢሳያስ ኣስተምህሮኡ ኣይወደአን ከምዚ ብምባል ድማ ቀጺሉ እቲ መጉልሒ

”ምስ እዚ ኣተኣሳሲሩ ኣብ ኣጠቓቕማ መሰረታውያን ጸጋታት ማለት ነዳዲ:ማሽነሪ:ዘርኢ:ድኹዒ:ጸረ-ባልዕ:ጉልበት መጎዓዝያን ዝተፈላለየ ካልእ መሳለጥያን ከምኡ እውን ምሕደራ ፕሮጀክት ንምምዕባል ክፍጸሙ ዘለዎም ምምሕዳራዊ ዕማማት ብዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ::”

ነዳዲን ማሽነሪን:ድኹዕን ጸረ-ባልዕን መሰረታዊ ጸጋታት ተጠሚቖም:: እቲ ህያብ ፈጣሪ ዝኾነ ማይ ዝኸልከለ ጉጅለ: ብዛዕባ ኣቲ ብጻዕሪ ዝርከብ ንወዲ ሰብ ዘድሊ መሰረታዊ ነገራት ክህውትት ከሎስ እቶም ቀለም ዝቐሰሙን ብዕድመ ዝበሰሉን ርእሶም ኣይሓኩን ዲዮም:: ንሱ ስ ሓደስቲ ዝመስሉ ቃላት ካብ መዝገበ ቃላት በጥቁሉ ብምውጻእ ንሰብ ምህውታት ዝላደየሉ ሜላ ኢዩ::

ኣብቲ ኣኼባ ላቔባ መደረ ኢሳያስ ኮይኑ ዝቐረበ መግለጺ ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር ድማ ከምዚ ዝስዕብዩ:: ኣቕራቢኡ ሚኒስተር ኣይተገልጸን::

”ብድሕሪ መግለጺ ፕረዚደንት ኢሳያስ ብሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር ዝቐረበ መደባት ሕርሻዊ ልምዓት 2015 ኩለን ምምሕዳር ዞባታት ዘነጽር ወረቐት ተመልኪቱ::ብሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር ዝቐረበ ወረቐት ከምዝሕብሮ ኣብ ክራማት 2015 ብዘበናውን ያታውን ኣገባብ ልዕሊ 565 ሽሕ ሄክታር መሬት ክሕረስ ተወጢኑ ኣሎ:: ምስ ናይ 2014 ብምንጽጻር ክረአ ከሎ ናይ ኣስታት 10%

ወሰኽ ኣለዎ:: እቲ ወረቐት ብተወሳኺ ኣብ ነፍስወከፍ ዞባ ዝሕረስ ስፍሓት መሬት: ብዓይነት ዘራእቲ ማለት ኣእካል ጥረታት ናይ ቅብኣ ኣዝርእቲ: መግቢ እንስሳ:ኣሕምልትን ፍረታትን ከፋፊሉ ብምቕራብ ኣብዚ ንጥፈታት እዚ ዝዋፈር ማሽነሪን ዛጊት ዝተገብረ ምድላዋትን ምስ ዚ ሕርሻዊ ትርዚ ተኣሳሲሩ ዝትግበር መደባት ምስሳን ሃብቲ እንስሳን ውጽኢቱን ከምኡ እውን ብመግቢ ንስራሕን ካልእን ዝዕመም ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን ዝገልጽ ኢዩ”::

ኢሳያስ ንኤርትራ ኣብ ሰለስት ናይ ልምዓት ዞባታት ምብራቕ: ምዕራብን ከበሳን ከፊሉ ኣቕሪቡልና:: ሰዓት ኣብ ዘይመልእ ጊዜን ኣብቲ ኣኼባን ድማ ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር ዘይኮነስ ወረቐት ናይቲ ሚኒስትሪ ኣብ ነፍስወከፍ ዞባ:ክሕረስ ዝተወጠነ መሬት ዘርዚሩ::ኣብ መንጎ ዞባታትን ናይ ልምዓት ዞባታትን ዘሎ ፍልልይ እንታይ ኢዩ: ንጥፈታት ሕርሻ ኸ በቲ ስማዊ እውንእንተኾነ ብሚኒስተር ሕርሻ ዶ ኸ ይኮነ ክቐርብ ዝግብኦ:: ኢሳያስ ክጎስዮ ንዝደለዮ ሰብ ዝጥቀመሉ ሕሱር ሜላ ድማ:እቲ ዝሸሞ ሰብ ወጅሁ ደስ እንተዘይኢልዎ ጸብጻብ ናይቲ ዝምልከቶ ሚኒስትሪ ብኻልእ ሰብ ከምዝቐርብ ምግባር ኢዩ::ካብ ማይ ቀውዒስ ኣንበጣ ቀውዒ ብምባል ሓረስቶት ምህርቶም ከይእክቡ ደቂ ስሳ ሰብዓ ንታዓሊም ክወርዱ ዝኣዘዘ ጉጅለ ብዛዕባ ዘበናውን ያታውን ሕርሻ ክዛረብ ኣብ ቁስሊ ሰብ ኣቺዶ ምኽዓው ዶ ኣይኮነን::

እቲ ወረ ቀጺሉ

”ካቢነ ሚንስተራት ኣብ መቓን ናይዚ መደብ ዝናብ ኣዝመራን ክራማትን ብስፍሓት ኣብ ጥቕሚ ንምውዓል ክግበር ዘለዎ ቅድመ ምቅርራባት ከምኡ እውን ኣብ ምሕደራ ማሽነሪታትን ጉዳይ ባጀትን ምቕረሐኡን ብመንጽር ቀዳምነታት ኣስፊሑ ተመያይጡሉ:: ንኣሳልጦ ናይዚ ዝተጠቕሰ ልምዓታዊ መደባትን ካልኦት ተዛመድቲ ጉዳያትን ዝሕግዝ ኣገደስቲ መምርሒታት ስራሕ ድማ ኣሕሊፉ::”

መቓን:ምቕረሐ:ቀዳምነታት:መምርሒታት ዝብላ ቃላት ኢሳያስ ከም ብዕሪር ዝሕይኸን ግን ከኣ ዘይጭበጣ ኢየን:: ንባጀት ዝምልከት ብዘይካ ኢሳያስ ካብ ካዝንኡ ዘንቀሳቕሶ ብንጹር ዝቐረበ ገንዘባዊ ኣሃዝ ይኹን ምቕረሐ ተሰሚዑ ኣይፈልጥን::ጠንቂ ምብራር  ሚኒስተር ፋይናንስ ዝነበረ ብርሃነ ኣብርሀ  ብዛዕባ ባጀትን ገንዘባዊ ኣጠቓቕማ ምንባሩ ኣይረሳዕናዮን:: ኤርትራ ንጹር ባጀትን ግሉጽነትን ስለዘይብላ ምስተን ብብልሽውና ቀዳሞት ዝተሰርዓ ሃገር ኢያ::

ኢሳያስ ኣብ ባይታ ዘየልቦ መደባት ልምዓት ተዛሪቡ ከይክወል  ብመጉልሒ ገይሩ ከምዚ ብምባል ተፋንዩና ” ኣብ መወዳእታ ካቢነ ሚኒስተራት ኣብ ህልዊ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ዞባናን ዓለምን ብመንጽሩ መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎ ፖሊሲን ኣስፊሑ ድሕሪ ምልዛብ ንፍርቂ መዓልቲ ዘካየዶ ኣኼባ ዛዚሙ”::

ዓመተ 2015 ኣርባዕተ ወርሒ ተላዒልዎ ኢሳያስ  ብዛዕባ መደባት ልምዓት 2015 መዲሩ:: መዐደኒ ወርቂ ቢሻን መኽዘን ኣጽዋር ማይ ዕዳጋን ተወቒዑ ካብ ዝበሃል ወርሒ ኣሕሊፉ ብጩቕ ኣይበለን::  ብዛዕባ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ዞባን ዓለምን እንታይ ኮን ኢዩ ክዛረብ: ብዛዕባ የመን:ተቓወምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ምርጫ ኢትዮጵያን: ፈለግ ኒል:: ክንግምት ጥራሕ ኢና ንኽእል::ኣብ ፍርቂ መዓልቲ ርጡብ ስራሕ ክዕመም ከምዘይከኣል ንፈልጥ ኢና:: ኣንተኾነ ንኤርትራውያን ዘገድሰና :እቲ ብኣሽሕት ዝስደድ ዘሎ መንእሰይን ዝረኸቦ ዘሎ መከራን ኢዩ:: እቲ ብረሃጹን ብገንዘቡን ዝሃነጾ ቤቱ ዝፈረሶን ኣብ ፈቐድኦ ተበቲኑ ዘሎ ቆልዓ ሰበይትን ስድራ ስውእን ኢዩ::ካቢነ ኢሳያስ ብዛዕባዚ ከይሓትት ኣፉ ተለጉሙ:: መሬት ምስ ወግሐ ኩላትና ብደረጃ ሒዝናዮ ዘሎና ማሕበራዊ:ቁጠባዊን ፖለቲካውን መሳርዕ ብሕጊ: ብሞራል: ብታሪኽ ክንሕተት ኢና::

”ካቢነ ሚኒስተራት ” 24 ዓመት ትምህርቲ ንዓበይቲ ተኸታቲሉ ክሓትትን ክምጉትን ካብ ዘይከኣለ ወዲቑ ኢዩ ::ከምቲ ዓይነ ስውርቲን ጸማምን ውሩይቲ ደራሲት ፖለቲካዊ ተንቀሳቓሲትን  ኣሜሪካዊት ሀለን ከለር ዝበለቶ ”ካብ ዑረት ዝኸፍአ: ብርሃን ዓይኒ ተዓዲሉካ ራእይ ዘይምህላው ኢዩ”::

ደጎል ድራር

——————————-

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
25 COMMENTS
  • Santim April 18, 2015

    Thank you mr. temelso for exposing the criminal Ali Abdu and the people who are doing everything as if he was an angel Higdef’s Eritrea:
    “For almost two and a half years, Awate provided its readers with the latest news on Eritrea. I later came to know that Ali Abdu, the then Minister of Information and propaganda machine of the regime, became so furious that he suspected members of the ministry of sending information to Awate. I felt very sad when I heard later that he forced several employees to give him their email passwords so that he could uncover their secret correspondence. Some were imprisoned and some fled. It is unfortunate Paulos Kidane (a journalist and actor) died when he tried to cross the border to Sudan, although some say he was killed by the regime’s soldiers—as usual no official version was given of his whereabouts. Such is the price of being a secret correspondent in Eritrea. It could be me or you, but it is critically dangerous.
    ….

    Now, after almost ten years, I read Ali Abdu’s article where he claimed that he was the correspondent of Awate and the architect of The Belly of the Beast. He also said that he paid a heavy price for it and that was the basic reason for his conflict with Afwerki. Needless to say, the truth is opposite. Ali Abdu was the arch enemy of free press and the right hand man of the dictator. Maybe he thought that Lieutenant Tesfu Kidane was dead and there was no one to challenge him. Free press in Eritrea became a victim of Ali Abdu, who acted as a loyal footman of Afwerki by imprisoning countless journalists, some of them simply because they were straight forward people who did not kowtow to him.”

  • oromay April 19, 2015

    Hey

  • oromay April 19, 2015

    What made me wonder is that Assenna didnot broadcast the tragic violence in South Africa. It is hot global news. Is it not a newsworthy?

  • Semhar April 19, 2015

    What is this Article then.. are you saying ministers should not take notes?

POST A COMMENT