Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

24 ጉንበት ኣብ ስያትልን ከባቢኣን ብኽብሪ ተዘኪሩ ።

መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ 24 ጉንበት ኣብ ጉዳይ ሃገርና ዓሚቅ ዘተ ብምከያድ ኣገባብ ቃልስና ብምግምጋምን ሽምዓ ናጽነት ብምብራህን ተኸቢሩ ። ኣብቲ ዕለተ ዝኽሪ ዝተረኽበ ዕዱም ተጋ/ የማነ ተኽለገርጊስ ተመኩሮታት ገድሊ ንተሳተፍቲ ብምክፋል ኤርትራዊ ሃገራውነት ከነቀድም ጸዊዑ ። ተሳተፍቲ

መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ 24 ጉንበት ኣብ ጉዳይ ሃገርና ዓሚቅ ዘተ ብምከያድ ኣገባብ ቃልስና ብምግምጋምን ሽምዓ ናጽነት ብምብራህን ተኸቢሩ ።

ኣብቲ ዕለተ ዝኽሪ ዝተረኽበ ዕዱም ተጋ/ የማነ ተኽለገርጊስ ተመኩሮታት ገድሊ ንተሳተፍቲ ብምክፋል ኤርትራዊ ሃገራውነት ከነቀድም ጸዊዑ ።

ተሳተፍቲ ብወገኖም ኣብቲ ንኹሉ ክፉት ዝነበረ መድረኽ ተጠቂሞም ርእይትኦምን ሕቶታቶም ኣወሒዞም ። ኣብቲ ዕለት እቲ ተደጋጊሞም ካብ ዝቀረቡ ሕቶታትን ርእይቶታትን ጉዳይ ምትእኽኻብታት ብሺም ዓሌት ወገን  ሃይማኖት ኣውራጃን ካልኦትን ይረከብዎም ። ተጋ. የማነ ካብ ዝሃቦ ውልቃዊ ርእይቶን ትዕዝብቲን ክኣ ንዓና ንኤርትራውያን ንቃልስናን ከምዘየርብሕን ብጭቡጥ ኣብነታት ብምስናይ ኣብሪሁ ። እቲ ኣውራጃዊ ምትእኽኻብ ብፍላይ ከምተርእዮ ካብ ዝቀላቀል ንቃልሲና ከምዝሃሰዮ ብምትሕስሳብ ክን’ነቅሓሉ ንተኣከብቲ ኣዘኻኺሩ ።

ኣብ መግለጺኡ እቲ ተወለድቲ ሓደ ክፋል ናይ ሕብረተሰብና ከም ደጋፊ እቲ ስርዓት ፣ ተወለድቲ እቲ ሓደ ክልእ ክፋል ናይ ሕብረተሰብና ድማ ከም ተቃዋሚ ዘድምጽ ርድኢታትን ስምዒታትን ሓቅነት ከምዘይብሉን ብጭብጥታት ቀደምን ህልውን ብምብራህ ብውልቁ ከምዘይድገፎን ገሊጹ ። ኣዝዩ ብዙሕ ቁጽሪ ተሳተፍቲ እውን ብመንነትካ ምሕባን ብምድጋፍ ምትእኽኻብ ግን ከምዘይድግፍዎን ከምዘርብሓናን ገሊጾም ።  ተጋ. የማነ ኣብ መጨረሽታ ብወገኑ ጽላእቲ ደገን ውሻጢን ንኤርትራዊ ሃገራውነት ንምጥፋእ ለይትን መዓልትን ይሰርሕሉ ስለዘለዉ ብሓላፍነትን ብጥንቃቀን ክንርእዮ ጸዊዑ ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT