Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

25 ዓመት ጊዜ ምጽብጻብን ፍርዲን ኣይኣኸለን ዶ?

ህግደፍን መሳርሒታት ሰልፉን መንእሰያት ህግደፍ (Ypfdj)ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዕንወትን ሰሃሮን ኣውሪዱ::ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰብን ገንዘብን: ከምኡ እውን ወተሃደራዊ ኣገልግሎት መርኣያ ዘመናዊ ጊላነት መንእሰያት ኢዮም::ጽዑቕ ግፋ መንእሰያት ኣብ ከተማን ገጠርን መዓልታዊ ስራሕ እቲ ስርዓት ኢዩ::ማዕረ ማዕረ እዚ

ህግደፍን መሳርሒታት ሰልፉን መንእሰያት ህግደፍ (Ypfdj)ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዕንወትን ሰሃሮን ኣውሪዱ::ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰብን ገንዘብን: ከምኡ እውን ወተሃደራዊ ኣገልግሎት መርኣያ ዘመናዊ ጊላነት መንእሰያት ኢዮም::ጽዑቕ ግፋ መንእሰያት ኣብ ከተማን ገጠርን መዓልታዊ ስራሕ እቲ ስርዓት ኢዩ::ማዕረ ማዕረ እዚ ድማ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ መንእሰያት ኣብ በዓላት ኢዮበልዩ ኣብ ዝግበር ዳንኬራ ክስዕስዑ ይዕደሙ::ሃገርናን ቤተሰብናን ገዲፍና እነሆ ሰንፈላል 25 ዓመት ኣብ ተሚምና::ቀይሕ ባሕሪ: ማእከላይ ባሕሪን ምድረ በዳ ሰሜን ኣፍሪቃን ንኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ኣይሓገዘን:: መብዛሕትኦም ባሕሪ ክስንጥቑ ዝፈተኑ ሓደጋ የጋጥሞም::ቁጽሪ ዝሞቱን ዝደሓኑን ዳርጋ ሚዛናዊ ኢዩ::

ድሕሪ 25 ዓመት እዚ ዝተነፍሐ ህግደፍ ስውር ስራሕ ማፍያ ብምክያድ ንውሑድ ሃብቲ ኤርትራ ይመጽዮ ኣሎ:: ኣብ መሸጣ ኣጽዋር ሃነፍነፍ ክብልን ምስ ሃብታማት ሃገራት ዓረብን ወልቀ ሰባት ኣሚራትን ብምምሽጣር ንቀይሕ ባሕሪ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምቁጽጻርን  ግብረ ሽበራውያን ንምስልጣንን የሳልጥ ኣሎ:: መን ይፈልጥ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ( ሃገራት መቕረብ) እውን ተመሳሳሊ ስራሕ የካይድ ይኸውን::ህግደፍ ንማዕከናት ዜን ብምዕምጣርን ገንዘብ ብምብሓትን ስልጣኑ ይነፍሕ ኣሎ::

ብርግጽ ህግደፍ ውሽጣውን ግዳማውን ተቓውሞ ክጻወር ዝኽእል ዱልዱል መሰረት የብሉን:: ነዚ ጉጅለ ማፍያ ናይ ኤርትራ: ዘይዲሞክራስያዊ ምንቅስቓሱ ከስፍሕን: ንተቓውሞ ህዝቢ ክጻወርን ንጊዚኡ ማዕድናዊ ሃብቲ ኤርትራ ጠቒምዎ ኣሎ::

ኤርትራ ኣብ ቀራና መንገዲ ኢያ:: ብሰንኪ ህግደፍ: ህዝብና ኣብ ደረጃ ድንግርግርን ኣንፈት ምስሓትን በጺሑ:: ንሕና ኤርትራውያን ቀዳምነታትናን ስትራተጂታትናን ብምስራዕ ሃገርና ንምድሓን ዘድሊ መፍትሒ ከነናዲ ኣሎና::

ብዋጋ እዛ 6 ሚልዮን ዝህዝባ ሃገር: ህግደፍ ኣካል ናይቲ ሓዲሽ ስርዓት ዓለም (new world order) ኢዩ::

ንሓደገኛ ኩነታትን ተኩስካ ቅተል ፖሊሲ ህግደፍ ፈንጢሶም ልዕሊ 2 ሚልዮን ካብ ህዝብና ዶብ ሰጊሮም::ህግደፍ ህዝቢ ንምቁጽጻር ራዕድን ብከብዲ ምሓዝን ኣካል ናይ ፖሊሲኡ ኢዩ::እዚ ጥራይ ግን ኣይኮነን:: ምሉእ ብምሉእ ንህዝቢ ብምግላልን ብምጽናትን ንህዝቢ ኤርትራ ብተቓወምቲ ጉጅለታት ኢትዮጵያ ደምህት ይትክኦ ኣሎ::                                        ስርዓተ ዓለም(world order) ብኣምርን ዕላማን ከምኡ እውን ስትራተጂ ሓዲሽ ኣይኮነን::ጆርጅ ቡሽ ኣቦ እቲ ኣተሓሳስባ ሓዲሽ ስርዓተ ዓለም ኣይኮነን::እንተኾነ ደጋፊን ኣብቲ ኣገዳሲ ጊዜን ስልጣንን ነቲ ኣምር ኣብ ምትግባርን ደፋእታዊ ምዕባለ ኣብ ምምጻእን ርኡይ ግደ ነበሮ::እዚ ብጆርጅ ቡሽ ዝተኣታተወ ሓዲሽ ስርዓተ ዓለም ድሕሪ ዝሑል ኩናት ሳልሳይ ፈተነ ናይዚ ዘመንዚ ክውሰድ ይከኣል:: እዚ ብዝእመን”credible” ኣድማሳዊ ስልጣን ዓለማዊ ስርዓተ ሕጊ(”rule of law”):ብሓባር ጸጥታዊን ናይ ፖሊስን ስጉምቲ ሰላም ምዕቃብ ይከኣል ዝብል ኢዩ::እቲ ኣምር ዓለማዊ ስርዓት ብተዛማዲ ኣብዚ ዘመንዚ ኣይተቐየረን:: እንተኾነ ነቲ ኣምር ንምትግባር ዝቕየስ ስትራተጂ ብሰፊሕ ተፈላልዩ:: ጥርዚ ናይዚ ፍጻመታት ኣብዚ ዘመንዚ ድማ ቀዳማይ ኩናት ዓለም:ካልኣይ ኩናት ዓለምን: ዝሑል ኩናትን ንሓዲሽ ስርዓተ ዓለም መቀላጠፊ(catalyst)ኮይኑ::እቲ ክልተ ፈተነ ኣብ ማሕበር ሃገራት ዓለም(league of nations): ውድብ ሕቡራት ሃገራት: ተጋሂዱ:: እቲ ሳልሳይ ሓዲሽ ስርዓተ ዓለም ዝያዳ እተሓላለኸን ተቓያይርን ንምልላዩ ኣጸጋሚን ኢዩ::

ጆርጅ ቡሽ ” ስርሒት ማዕበል ምድረ በዳ ( operation desert storm)ኣበጊሱ:: ካብ ዋይት ሃውስ ናብ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ መደረ 16 ጥሪ 1991:: ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ 21 ጥሪ 1991 ዝዘርግሖ::

” ኩሎም ህዝብታት ንጹህ ዕላማ የብሎምን:: ኣህጉራዊ ” ሰላም ምዕቃብ” ኩሉ ጊዜ ብልግሲ ዝፍጸም ኣይኮነን:: ቅድሚ ኣማኢት ዓመታት ኣብ ብሉይ ኪዳን ነብዩ ዳኒኤል ብከምዚ ተነበየ::” ነቲ ጨካን ንጉስ ዝተቐበለ…. ክትንስእ ኢዩ….. ብሰላም ድማ ብዙሓት ከዓንው ኢዮም” 19

እዋናዊ ኣካይዳ ንትግባረ ናይቲ ጆርጅ ቡሽ ዝጣበቐሉ ሓዲሽ ስርዓተ ዓለም ዝድግፍ ኢዩ:: እንተኾነ ዓወት ኣብ ምንቅስቓስ ፖለቲካ ዓለም ዝተሞርከሰ ኢዩ:: ዓወት ሓዲሽ ስርዓተ ዓለም ክረጋገጽ ኣዝዮም ብዙሓት ረቓሒታትን ዘይተፈልጡ ነገራትን ኣለው:: እንተኾነ ናብቲ ኣንፈት ዝቐንዐ ግስጋሰ ዘይተርፍ ይመስል:: ዳግም እቲ መረጋገጺ ቅኑዕነት ሰላምን ብልጽግናን ንኩሉ ወዲ ሰብ ኢዩ::እቲ ናይ መፈጸምታ ውጽኢት ግን እንታይ ክኸውን ኢዩ? ዝተጋነነ ቢሮክራሲ? ውሱን ናጽነትን ኣህጉራዊ ዕዳን?

ኣብ ዓለም ኩናት ዘብቅዕ ሓዲሽ ስርዓተ ዓለም ብምፍጣርን ማለት ብዓለማዊ ስልጣንን ሓባራዊ ጸጥታን ኢዩ ብምባል ብዙሓት ኣህጉራውነታውያን ይምጉቱ::እቲ ምስ ሓዲሽ ስርዓተ ዓለም ዝመጽእ ጸገም ብረብሓ ሰላምን ብልጽግናን ይዕብለል:: እቲ ጸገም ግን ኩለን ውልቀ መንግስታት ብህዝቢ ኢየን ዝመሓደራ::

ኣብ ጉዳይ ሃገርና ንመለስ:- ዝተፋላለዩ ጉጅለታትን ተበግሶታትን ኣብ ሓደ ዱልዱል ማሕበር ጠርኒፍና ሓሳባትን ማልን ጠሚርና ኣንጻር እዚ ስርዓትን መራሒኡን ብሕጊን ጎነጽን ንቕትለት ኣብ ዶባት ብምዕጋት ኣብ ህዝብና እምነት ከነሕድር ንሓድነት ኩሎም ሓይልታትን ክንጉስጉስ ሓደ ማሕበራዊ ምህዞ ከም ዘበገስና ንገምት::

ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ናይ ኩሎም ሓይልታት ብፍላይ ስቪካዊ ማሕበራት ደገፍ ነይርዎ:: እንተኾነ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ እቶም ጉጅለታት ፖለቲካ ንሲቪካዊ ማሕበራት ብዓይኒ ጠርጠራ ብምርኣይ ክሳብ መወዳእታ ኣይኣመንዎምን::

ምህናጽ እምነትን ርእሰ-ምትእምማንን ኣብ ኩለን ውድባትን ማሕበራትን ኤርትራ

መን ንመን ክኣምን?

ኣድላይነት እምነት ምስ ካልኦት ብዘሎና ሓድሕድ ምርኮሳ ይስረት:: ዝበዝሕ እዋን ንውጽኢት ናይቲ ንቃለሰሉ ዕላማ ከነዕውት ወይ ብውሑዱ ከይሰናኸል ንክሕግዙና ኣብ ካልኦት ሰባት ንምርኮስ:: ንሳቶም እውን ከምኡ ኣባና ይምርኮሱ:: ረብሓና ምስ ካልኦት ዝተጠናነገ ስለ ዝኾነ: እቲ እንደልዮ ምትሕብባር ክንረክብ ከነስገድድ ከምዘይንኽእል ምግንዛብ ኣገዳሲ ኢዩ:: ኣብ ምፍታሕ ግርጭት እንተላይ ዘተን መንጎኝነትን እምነት ቀንዲ ባእታ ከምዝኾነ ተለልይ ኢዩ:: እምነት ምስ ዕዙዝ ምትሕብባር: ምልውዋጥ ሓበሬታን ምፍታሕ ጸገምን ከምዝተኣሳሰር ምፍላጥ ዘገርም ኣይኮነን::

ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ምትእምማን ምህናጽ

1.ንሕና ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ዘሎና: ብዛዕባ ስሙር ስጉምቲን ዳግመ ውደባ መሰረታትን ብዙሕ መዲርና:: እንተኾነ ብሰንኪ ሕሉፍ ኣሉታዊ ተሞክሮ ዝሰዓበ ምጥርጣር ኣወጊድና: ኣብ መንጎ እተፋላለየ ጉጅለ ምትእምማን ከነስፍን ኣሎና:: ብድሕሪኡ ዳግመ ውደባ ንቕጽል:: ናይ ሓባር ዕላማ ኣሎና:: ስለዚ ድማ ነዚ ናይ ሓባር ዕላማ ንምዕዋት ምትእምማን ምፍጣር ዘይከኣል ኣይኮነን::

  1. ንጥፈታት ምህናጽ ምትእምማን.- ንሰባት ሓባራዊ ምክብባር ከማዕብሉ ይሕግዝ: ግሁድ ክፉት ምርድዳእን ሓልዮትን ከምኡ እውን ብቕዓት ሓባራዊ ዓቕምን ርክባትን ንምምዕባል ይድግፍ::
  2. ምህናጽ እምነት ኣብ ዝምድና ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል:: ሰባት ብኸመይ ከምዝትግበር ዝፈልጡ ይመስሎም ይኸውን:: እንተኾነ ምስ ገለ ሰባት እቲ ኣገባብ ኣይሰርሕን ኢዩ:: ምህናጽ እምነት ኣገዳሲ ክፋል ናይ ዝምድና ኢዩ:: ብዘይካኡ ድማ ዝምድና ኣጸጋሚ ኢዩ:: ብኸመይ ኣብ ዝምድና እምነት ትሃንጽ?
  3. ንጥፈታት ምህናጽ እምነት:- ምምስራሕ: ምንጽብራቕ: ብዛዕባ ኣብ ምህናጽ እምነት ዘሎ ተመክሮ ምዝታይ: ነቶም ተዋሳእቲ ስምዒታቶምን መልሰ ተግባር ክርድኡን ኣብቲ ዕማም ንዝሳተፉ እምነት ንምህናጽን ዝምድና ክማዕብሉን ይሕግዝ::
  4. እምነት ሰላም ኣብ ምስፋን ከይተወሰነ ኣብ ዝምድና ኣገዳሲ ተራ ይጻወት::” እምነት ንሰባት ካብ ምቅርራብ ዝመጽእ ሓደጋ ካብ ምሕሳብ የድሕኖም:: ብኣወንታ ከም ዝጠማመቱ ይገብር” ይብል ሉቺስ:: ውጽኢቱ ዝያዳ ውሑስ ኢዩ::

ሃገራዊ ዕርቂ:-

ሎሚ ኣብ ኣኼባ ኤርትራውያን ምህናጽ እምነትን ዋዕላ ንሃገራዊ ዕርቕን  ኣገዳሲ ሕቶታትን እዋናዊ ጭርሖታትን ኢዮም::ብሃገራዊ ዋዕላታትን ሃገራዊ ሓባራዊ ስምምዕን ናብ ሃገራዊ ዕርቂ ምናልባት እውን ናብ ሃገራዊ ሓድነት ክብጻሕ ይከኣል:: እቲ ኣገዳስን እዋናውን ርሱን ሕቶን ንትራጂካዊ ኩነታት ኤርትራ ዝወሃብ መልሲ ኢዩ:: ብርግጽ እቲ ካብ ፈለማ ዕለታት ናጽነት ዝጀመረ ትራጀዲ ዛጊት ኣይተገትአን:: ኣብ ወጻኢ ዝቕመጥ ነፍስወከፍ ኤርትራዊ በዚ ኩነታት ተነኺኡ ኢዩ:: ካብኡ ዘምልጥ የልቦን:: ተመሳሳሊ መጸዋዕታ ዕርቒን ስምረት ሓይልታትን ክግበር ናይ ፈለማ ከምዘይኮነ ሓቂ ኢዩ:: ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ሓያሎ ኣኼባታትን ፎረምን ተኻይዶም:: ኣብ ወብሳይታት ብገለ ጸለውቲ ጸሓፍቲ ብቐጻሊን ብብዝሕን ሰፊሮም:: ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ: ህልው ክብርታትን ፍልልያትናን ኣኽቢርና ንህዝብና ኣስሚርና ብዕቱብ ክንሰርሕ ኣሎና::

ክንዕወት ኢና

ብተ. ይትባረኽ: ትርጉም ዳኘው ኣስፍሃ ኦስሎ

 

                                                                  

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Sol May 24, 2016

    25 ዓመት ጊዜ ምጽብጻብን ፍርዲን ኣይኣኸለን ዶ?

    The answer came from the predator on his speech ….

    እቲ ርጉም ፍጥረት ኣብ መበል ሓምሳ ዓመት የራኽበና ኢሉ መስደመሙ ዓጽዩ።

  • death in vain May 24, 2016

    I am impressed someone viewed Eritrean issue in a glbal sense (which is)…and yes the new world order is here to stay.

    Bravo author and interpreter,I am impressed.

  • k.tewolde May 24, 2016

    You picked up on that Sol.Yep, he is sharpening his claws and licking his chops to devour this little nation and looking forward for the next 25 years and taking it for granted,declaring himself as the undisputed champion of the Eritrean political arena with 25 knockouts and 0 losses. Abunezebesemayat!!

POST A COMMENT