Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣይትንብዒ ሃገረይ

                                                  ኣይትንብዒ ሃገረይ ሃገረይ፡ ዘለኽዮ ቦታ ርሒቁኒ ወንጭፍ ዘየርክቦ ዳርባ እምኒ ስግር ባሕሪ ሰፊርኪ ምርኣይኪ ኣጊሙኒ ኣእዳውኪ ስደድለይ መደያይቦ ክኾነኒ፡   ክምለስ’የ ሃገረይ ምሳኺ ክነብር ኣብ ባይቶ ዓደቦ ቃልኪዳን ክኣስር ስድራቤት ክምስርት ክወልድ ክዝምድ  ንብዓትኪ ክደርዞ ጓሂኺ ክእብድ፡   ሃገረይ ኣይትንብዒ ክምለስ’የ ዕላልኪ ኣይመነኹን ካባኺ ክፍለ ኣይመረጽኩን

                                                  ኣይትንብዒ ሃገረይ

ሃገረይ፡ ዘለኽዮ ቦታ ርሒቁኒ

ወንጭፍ ዘየርክቦ ዳርባ እምኒ

ስግር ባሕሪ ሰፊርኪ ምርኣይኪ ኣጊሙኒ

ኣእዳውኪ ስደድለይ መደያይቦ ክኾነኒ፡

 

ክምለስ’የ ሃገረይ ምሳኺ ክነብር

ኣብ ባይቶ ዓደቦ ቃልኪዳን ክኣስር

ስድራቤት ክምስርት ክወልድ ክዝምድ

 ንብዓትኪ ክደርዞ ጓሂኺ ክእብድ፡

 

ሃገረይ ኣይትንብዒ ክምለስ’የ ዕላልኪ ኣይመነኹን

ካባኺ ክፍለ ኣይመረጽኩን ኣይፈተኹን

ብጽምዋ ተወሪስኪ ወላድ መኻን ክትኮኒ ኣይጨከንኩን

ብዘይካ ንዓኺ ካልእ ኣየፍቀርኩን፡

 

ሃገረይ፡ ጸልማት ጋሪዱኒ መሬት ብብርሃኑ

ኣእምሮይ ደንቑሩ ምምማይ ስኢኑ

ብስእነት ናትኪ ሰውነተይ ማሲኑ

ልብና ዝመቀሉ ኢዶም ኣይስኣኑ፡

 

ሃገረይ ኣይትንብዒ ክምለስ’የ ማዕጾ ኣርሕውዮ

ቤትና ሰልምዮ ሰቲ ነስንስዮ

ኣብ ሕቑፍኺ ክኣቱ ኣእዳውኪ  ዘርግሕዮ

ጸልማት ክቅንጠጥ ፋኑስ ኣብርህዮ፡

 

ክምለስ’የ ሃገረይ ፍቅሪ ማዕጾ በርቲዑኒ

ካባኺ ምፍልላይ ዓጽመ-ስጋይ ኣሕቂቁኒ

ብስእነት ናትኪ ሰለሎ ኣትዩኒ

ዓለም ብገፍሓ መስተርሆት ሓሪሙኒ፡

 

ሃገረይ ጸሎት ግበርለይ ብሰላም ናባኺ ክምለስ 

                                         ሓይሊን ልቦናን  ሃብኒ ንኣባይኪ ክቃለስ

                                        ንግርማኺ ክከላኸል ብሰማእታት ክምጎስ

                                        ብኩርዓት ክትነብሪ መጻኢኺ ከይውረስ፡

 

                                           ሃገረይ፡ ኤርትራዊ ተሪፉ ስመይ ስደተኛ ይብሉኒ

    ህይወት ብዘይ ሃገር ዕረ ጥዒሙኒ

ጽግዕተኛ ኮይነ  ክብረተይ ተቀንጢጡ

ኩሉ ይጥምተኒ ኣዒንቱ ኣፍጢጡ፡

 

ሃገረይ፡ ኣነ፡ ኣነ’የ ክኸውን ዝደሊ

ዘይጽዓት ኤርትራዊ ስሙር ሓይሊ

 ንድሕነት ሃገሩ  ቀዳምነታቱ ዘለሊ

ንሱ’ዩ ለባም ኤርትራዊ ፍልልያቱ ብውሕልነት ዘተ ዝኣሊ።

 

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (19 ጥቅምቲ 2015)

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • ወዲ ኣይተ November 13, 2015

    Dear ጽላል፡
    ናይ ልበይ ናይ ቀልበይ
    ኩር ኢዝነይ ቑዋሕ ዓይነይ
    ገጢመ ዘይ-ፈልጥ ክንሰይ፡
    ኣነው’ን ይልቃሕ ጥበብ ኣገጣጥማ
    ክገልጽ ናይ ሃገረይ ከም ኣደ ጻማ
    ጽላል! ነጊርክኒ!ናይ ሃገረይ ተማ።
    ኢንዳበልኩ ንዓመታ ኣብ ዓድና የራኽበና።

  • k.tewolde November 13, 2015

    This poem resonates every Eritrean wish and dream in diaspora except those who have carte blanche. Hopefully, we will hug each other soon in HGDEF free Eritrea.

  • berie haqi November 15, 2015

    ብዛዕባ ጽላል እነኮይንኩም
    እወ እታ ወርቃዊት ጽላል
    ብዋናታታ ንክትማሙቕ እትምእከል
    ጀጋኑ ተቐሊባ ሂወት ትዕድል
    ንዘኽበራ ዓጸባ እተኽብር :
    እታ ጽላል ምኣስ’ሞ ኮይና ንዋያ
    ንኽበናጥሱዋ ዘበሉ ሳቦያ
    ብትኳቦ ዕሱባት ንስርዓት ኣስጦብያ
    ንመሕብኢ ዝወደዩ ጋኒናዊ መጠምጠምያ
    ነዛ ወርቃት ጽላል ኣበይ ኮይኖም ክደልዩዋ :
    ጽላለይ እታ መኽበሪተይ
    ጽላለይ መግለጺት መንነተይ
    ንክዕቅባ መኸተ’ዩ ዕትብተይ :

  • ወዲ ኣይተ November 16, 2015

    ህጂው’ውን ሩፍታ! ብዘይ ማይ ቡርኩታ፡
    ናይ መሰል ናይ ክብሪ ፊሕ-ፍሕ-ታ!
    ኣብ ቆላ ይኹን ኣብ ቆላ አሪትራ ።
    ኩሉ ብማዕረ ዘመን ክትዓራረ
    ብዘይ ዐረ ኢንትርፊ መዓረ…።

POST A COMMENT