Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሆም ኦፊስ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ቁጽሪ ስደተኛታት ንምውሓድ ንስደተኛታት ኤርትራ ዝምልከት መርምርሒ ሰነዱ ከምዘፍኮሶ ዘ ጋርድያን ሓቢሩ።

‘ሆም ኦፊስ’ (ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ)፣ ቁጽሪ ስደተኛታት ንምውሓድ ካብ ዘለዎ መደብ ተበጊሱ፣ ሓደ ካብ ዝኸፍኡ ውለቀመለኽቲ ዓለም ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ንዝፍጽሞ ዘሎ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣነኣኢሱ ብምቕራብ፣ ንስደተኛታት ኤርትራ ዝምልከት መርምርሒ ሰነዱ ከምዘፍኮሶ

‘ሆም ኦፊስ’ (ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ)፣ ቁጽሪ ስደተኛታት ንምውሓድ ካብ ዘለዎ መደብ ተበጊሱ፣ ሓደ ካብ ዝኸፍኡ ውለቀመለኽቲ ዓለም ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ንዝፍጽሞ ዘሎ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣነኣኢሱ ብምቕራብ፣ ንስደተኛታት ኤርትራ ዝምልከት መርምርሒ ሰነዱ ከምዘፍኮሶ ዘ ጋርድያን ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ፕሮጀክት ህዝባዊ ሕጊ (Public Law Project) ዝተባህለ ኣካል ዝረኸቦም ሰነዳት፣ ሰበስልጣን ዓባይ ብሪጣንያ፣ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ናይታ ዜጋታታ ንደረት ዘይብሉ እዋን ዝእሰሩላ፣ ብዘፍርዲ ዝርሸኑላ፣ ከምልጡ ዝፍትኑ ኣብ ዝተሓዙሉ ግዜ ‘ውን ብትሕዞ ዝቕተሉላ ኤርትራ ብዝተመሓየሸ መልክዕ ዘርኢ ኣገላልጻ ንምርካብ ህርድግ ከምዝበሉ ዘርኢ ምኻኑ ይጥቀስ።

እቶም ሰነዳት፣ ጀምስ ሻርፕ ዝተባህለ ዳይረተር ኢሚግሬሽን ኣብ ሆም ኦፊስ ዝመርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ኣስመራ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኤርትራ ብዛዕባ ዘካየዶ ርክብ ከምዘጠቓልሉ ‘ውን እቲ ዘጋርድያን ዝዘርግሖ ዜና የቃልዕ።

ኣብቲ እዋን’ቲ ኣምባሳደር ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ደቪድ ዎርድ፣ እቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምጕዳል፣ ንሰብኣዊ መሰላት ዝምልክት ጭብጢ ብምርካብ ነቲ ንኤርትራ ዝምልክት ሃገራዊ መምርሒ ስደተኛታት ምቕያር ዘድሊ ምዃኑን ዘይምዃኑን ንምግምጋም ዝዓለመ ምንባሩ ‘ውን እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ የረድእ።

እቶም ሰበስልጣን ኤሚግሪሽን ዓባይ ብሪጣንያ ዝገበሩዎ ዝርርብ፣ እቲ ንኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ዝወሃብ 85 ሚእታዊት ኣውንታዊ ውሳኔ መስሕብ ካልኦት ኤርትራውያን ከይከውን ካብ ዘለዎም ሻቕሎት ዝተበገሰ ምዃኑ ዘጋርድያን የመልክት። ሰበስልጣን ኤርትራ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ገለ ምምሕያሻት እንተደኣ ገይሮም ከም መባድልቲ ዓባይ ብሪጣንያ ረዲኤት ክትህብ ከምእተሰማምዑ ‘ውን የገንዝብ።

ይኹን’ምበር ሰበስልጣን ዓባይ ብሪጣንያ ብዛዕባ ምምሕያሽ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ምጥርጣራት ከምዝነበሮም ውሽጣዊ ሰነዶም ዘንጸባርቕ ክንሱ፣ “ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ከምቲ ዝፍርሖ ዘኽፍእ ኣይኮነን” ክብሉ ኣብ 2015 ሓድሽ መምርሒ መጽሓፍ ከምዘውጽኡ ኣብቲ ዜናዊ ጸብጻብ ይግለጽ።

ከም ውጽኢት ናይቲ ሓድሽ መምርሒ ኣውንታዊ ውሳኔ ሓተቲ ዑቕባ ኤርትራውያን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ካ 85 ናብ 60 ሚእታዊት ኳ እንተወረደ፣ ካብቶም ጉዳዮም ዝተነጽገ ኤርትራውያን 87 ሚእታዊት ዘቕረቡዎ ይግባይ ብፈራዶ ተቐባልነት ከምዝረኸበ ኸኣ ተፈሊጡ።

ኣብ መወዳእታ፣ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኤሚግሪሽን እቲ ሆም ኦፊስ ዘውጽኦ ንኤርትራ ዝምልከት መምርሒ ቅኑዕ ከምዘይኮነ ድሕሪ ዘሕለፎ ውሳኔ፣ ሆም ኦፊስ ንገዛእ ርእሱ ብዛዕባ ኣሉውታዊ ክዉንነት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ተኣሚኑ፣ ነቲ ሓድሽ መምርሒ ክስሕቦ ከምዝተገደደ ኣረዲኡ።

ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ክምርምር ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ኮምሽን፣ ስርዓት ህግደፍ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዝፈጸመ ብምውሳን፣ ኣብ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ቀሪቡ ክሕተት ለበዋ ከምዘቕረበ ይፍልጥ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT