ኪዳን ምስ መን? (3ይ ክፋል)

ኪዳንኤፍሬም፡- ያ ወዲ መሓመድ ያኣኸ፡ ጸላኢ ሳሕል በጺሑ፡ ንሕና ድማ ኣብ ክንዲ ሻምብቆ ብረት ዝነቐጸ ተኽሊ ሻምብቆ ሒዝና ንሃድም ኣለና። (….ኣብ ጎኑ ዝነበረ ጥማር ሻምብቆ እናጠፍጠፈ።) ምሽ ተጋዳላይ ይሃጅም ምበር ኣይሃድምን ኢኻ ትብለና። (ንድር ኢሉ ይዛረብ)

 7ይ ትርኢት፡


(ተዘክሮኣዊ ትርኢት/ ፍላሽ ባክ)
ጉዕዞ ምዝላቕ (1978)


ኣጋ ምሸት እዩ። ተሪር እምባ ብማዕዶ ይርአ። ምስ ቀጻሊ ግዕዞ ተጓዓዝቲ ጎቦ እናቐረበ እናቐረበ ይመጽእ። ኣብ ፍርቂ ናይቲ ጎቦ፡ ብናእሽቱ ቆልዑ ዝተመርሐ ነዊሕ መስርዕ ፊተውራሪ (ተማሃሮ ቤ/ት ሰውራ) ከም ኣካይዳ ጻጸ ተኽ ኢሉ ይርአ ። ኩሉ ተማሃራይ ገለ ዚንጎ፡ ሻምብቆ፡ ሰደቓ፡ ኮበርታ፡ ሳንጣ፡ ተሰኪሙ ኣሎ። ቀጻሊ ምብርራይ ሰኸም ኣሎ። ዝበዝሑ ካብቶም ተማሃሮ ዝተለጋገበ ብላይ ሳእኒ፡ ገለ ድማ ሓደ እግሮም ጥራይ ሳእኒ ለቢሱ፡ ብርሃጽ ጠልቂዮም፡ ብድኻም ነብሶም እናጎሰሱዎ ይጓዓዙ። ምብርራይ ግን ኣየቋርጽን። ኤፍሬም ሓደ ካብቶም ብሓንቲ ሳእኒ ዝጓዓዙ ዘለዉ እዩ። ንሳ ‘ውን ኣብ ቀረባ ስለዝዝጸንሐት በቃ ኢላ ትተርፍ። ድሕሪኡ ዝነበረት ኣልማዝ ሓደ ሳእና ኣውጺኣ ክትልግሰሉ ትርአ።


ወዲ መሓመድ፡ (ሃንደበት “ኣቡሩክ” ዝብል ትእዛዝ የመሓላልፍ።…..) ኢቲ ቲሰምዒዎ ድምጢ ታንኪታት ናይ ጠላኢ ኢዩ። (ናብ ጥርዚ ናይቲ ጎቦ እናኣመልከተ ድማ) እዚ ጎቦ ከሻፋ ‘ያ። ኣብዚ ሓንሳብ ኪንዓሪፍ ኢና። ኮዪስ። ኩሉ ዋሒድ ዘረባ ይኣቃርጥ፡ ማፊ ከላም።
 
ኤፍሬም፡- (ኣብ ጎኑ ናብ ዝነበረ ተማሃራይ (ኣሕመድ) ቁሊሕ ኢሉ። ክምስ እናበለ) ኣታ ካብ ወዲ መሓመድ ሲ ወላሂ እዘን ጦር ይሕሻ፡ ድምጸን ‘ኳ ኣስሚዐናና። ካላሽን እንተዝህልወናስ ‘ምበር ምቐረብናየን ምበር ኣይምተሓባእናን።


ወዲ መሓመድ፡- ኢፍሬም ዘረባ ኣይቲገዲፍ። ኣዋዓ ያ ወለድ!


ኤፍሬም፡- ያ ወዲ መሓመድ ያኣኸ፡ ጸላኢ ሳሕል በጺሑ፡ ንሕና ድማ ኣብ ክንዲ ሻምብቆ ብረት ዝነቐጸ ተኽሊ ሻምብቆ ሒዝና ንሃድም ኣለና። (….ኣብ ጎኑ ዝነበረ ጥማር ሻምብቆ እናጠፍጠፈ።) ምሽ ተጋዳላይ ይሃጅም ምበር ኣይሃድምን ኢኻ ትብለና። (ንድር ኢሉ ይዛረብ)


ወዲ መሓመድ፡ ዕትብ ኢሉ፡ ያ ወለድ ንሒና ኢድና ኣይኮናን ንሂብ ዘሌና። ኣብ ዚጢዒም ጊዘ ዎ ቦታ ኣምሓራ ሓመድ ኪትኬውን ኢያ። (ከምኡ እናበለ ናብቲ በሪኽ ጎቦ ገጹ ብግስ ይብል)


 


8ይ ትርኢት


ፊተውራሪ፡- ኣብ ትሕቲ ኣግራብ፡ ገለ ኣብ ሑጻ ደቂሶም፡ ገለ ሻሂ ከፍልሑ። ገለ ሳእኒ ክልሕሙ ይርኣዩ። ብጎኖም ድማ ተጋደልቲ ብመካይን ተመራሪሖም፡ ብረቶም ንላዕሊ ክብ ኣቢሎም እናደረፉን እናወጨጩን ይሓልፉ። ገለ ውን ተሰሪዖም ይሓልፉ። ከም ድሕረ ባይታ፡ ብርሑቕ ድምጺ ከቢድ ብረት ይስማዕ። ፊተውራሪ ቀጨውጨው ዝበዝሖ ሃዋህው ኣብ ገጾም የንጸባርቑ። ሕጉሳት ኣይነበሩን።
(ክራር ክወቅዕ ዝጸንሐ ኤፍሬም፡ ብኡ ንብኡ፡ ድምጹ ሓዊሱ፡)
 
መተካእታ ብጻይ ፊተውራሪ ነብሲ
ዶብ እንተሰጊርካ የብልካን መምለሲ
ይወናጨፍ ኣሎ መሰታኻ ረአ
ስደተኛ ኴንካ ሱዳን ከይትርአ፡


…… ኢሉ ሃረርታ ምስ ዘንጸባርቕ ፍሽኽታ ኣሰንዩ ይደርፈሎም።
 
ፊተውራሪ፡-ካብ ድኻምን ቀጨውጨውን ተበራቢሮም፡ ኩሎም ብሓባር የጣቕዑሉ፡ ዓሽ! ዓሽ! ይብሉዎ። ይዓጉዎ ውን። (ከም ስልማት) ፒሮ ኣብ ርእሱ ይሰዅዑሉ። ገለ ፒሮን ወረቐትን፡ ሒዞም ጽሓፋ፡ ጽሓፋ ’ ዛ ደርፊ ከይትጠፍእ ይበሃሃሉ። ገለ ውን ምስኡ ክደርፉ ይጅምሩ።


ወዲ መሓመድ፡- ኣብ ፍንትት ዝበለ ቦታ፡ ኣብቲ ዝውህለል ዝነበረ ኩነታት ከየስተብሃለ፡ “ያላ ኩሉ ዋሕድ ኣብዚ ገረብ ተኣከብ፡” ኢሉ ዓውታ ይጭድር። እቶም ካልኦት ፊተውራሪ ‘ውን ከካብ ዘዕረፉሉ ገረብ ኣብቲ ቦታ ክተኣካኸቡ ይረኣዩ።



9ይ ትርኢት


ብዙሓት ተማሃሮ ኣብ ሓንቲ ጽላል ገረብ ተኣኪቦም ኣለዉ። ወዲ መሓመድ ኣቓልቦኦም ንኽስሕብ ድሙቕ ጣቕዒት ይገብር። ጸጥታ ይሰፍን።


ወዲ መሓመድ፡ ጢባሕ ጉዕዞ ቀጣሊ ዩ። ሕጂ ላኪን ጀጋኑ ሓይሊታትና ዝገበራኡ ዓወታት ኪኣነብብ ‘የ። (ብሕጉስ መንፈስ) ኩሉ ዋሕድ ደረባ ይኣቃርጥ። “……….ጀጋኑ ሓይሊታት ኣብ መፍገርገሊል ኣብ ዚገበሮ ውጊእ ፡ 500 ወተሃደር ጸላኢ ሞይታ። ሽሕ ቆሲላ፡ 5 ታንኪታት ተሓምሺሻ። 2 ተማሪከን። ፊተውራሪ…. መሬት ዓወት ጢራይ ኮይና ላ!……..”


ኣልማዝ፡- ጣቕዒት ትጅምር። ዝስዕባ ስለዘይረኸበት ግን፡ ስሕተት ከምዝፈጸመት ቁሊሕ-ምሊሕ እናበለት ቀስ ኢላ ዝሕጥ ትብል። እቶም ካልኦት ድማ ጌጋ ከምዝገበረት ብመግናሕቲ ቁሊሕ-ቁሊሕ ይብሉዋ።
 
ወዲ መሓመድ፡ (ናይ ሓጎስ ምልክት ብዘይምርኣዩ ደንጽዩዎ) ንድሕሪት ንቕድሚት ቀባሕባሕ ይብል ‘ሞ። ያ ጀማዓ፡ እዚ ዓወታት ኮ ቢደም መጺኣ ምበር ካብ ዲኳን ብሰልዲ ይኮኒ።


ጸጥታ ይሰፍን፡ ወዲ መሓመድ መልሲ ይስእን።


ኤፍሬም፡- ( ቁሩብ ጽንሕ ኢሉ፡ ብጸጋማይ ኢዱ ክራሩ ብትሪ ኣትዒቱ፡ የማናይ ኢዱ ብነድሪ እናወሳወሰ) ወዲ መሓመድ፡ ንሕና ክንደይ ሻዕ ከነጣቕዕ ኢና። ሕጂ ካብ ጣቕዒትና ቶኽስና እንተሰማዕካ ይሓይሽ።


ፊተውራሪ፡- (ብሓባር ድሙቕ ታቕዒት ይገብሩ።) “ዓሽ፡ ዓሽ ኤፍረም” ኢሎም ድማ ኣብ ሓደ ኣረኣእያ ምስማሮም ይገልጹ።


ኤፍሬም፡- (ነድሪ እናወሰኸ) ካላስ ንሕና ገባር ኣይኮናን፡ ኣብ ድሕሪት ኮንና መሳቱና ብዘምጽኡዎ ዓወታት ከነጣቕዕ እንነብር። ንሕና ወፈጸምቲ ሕድሪ ምበር፡ መድነቕቲ ሕድሪ ኣይኮናን፡ ንሜዳ ክንዕቆብ ኣይመጻእናን ።


(ኩሎም ‘ቶም ተማሃሮ ምሉእ ደገፍ ይገብሩሉ፡ ዓሽ ኤፍሬም፡ ተዓወት ይብሉዎ። ኤፍሬም መመሊሱ ይረስን). . “ .ስለምንታይ ተወዚዕና ግቡእና ዘይነወፊ። ትምህርቲ ደኣ ኣብ እምንን ገረብን ዘይኮነ ኣብ ሰድያን ፐላሶን እንዲና ኣብ ኣስመራ ገዲፍናዮ። ንሕና ስደተኛታት መዓስ ኮንና ሱዳን ንኸይድ። ብረት ዝተሰውኡ ብጾት ደኣ ነልዕል ምበር ዶብ ሱዳን ፈጺምና ኣይንሰግርን! ” (ብትሪን ርእሰ ምትእምማንን ናብቶም ካልኦት ብጾቱ እናጠመተ ዘረብኡ ይዛዝም፡ ካልኦት ክስዕቡዎ ብኢዱ ሃየ እናበለ)
 
ኣልማዝ፡- ትማሊ ትማሊ ዝኸተቱ መማህራናን ኣለይትናን ‘ኳ ድሮ ገሊኦም ተወጊኦም በዚ እናተቐንዘዉ ክሓልፉ ርኢናዮም። ክንደይ ድማ ተሰዊኦም ይኾኑ፡ ነዚ እናረኣና ናበይ ኢና ንኸይድ? (ናይ ደገፍ ርኢቶ ትውስኽ)


ኤፍሬም፡- ብናይ ደገፍ ርኢቶኣ እናተሓበነ ኣተኵሩ የስተብህለላ። ዝያዳ ክትዛረብ ዘተባብዓ ዘሎ ክመስል። ኢዱ ዓሚኹ ስኑ ነኺሱ ከኣ ሓበን ወሲኹ ይረአ።
 
ፊተውራሪ፡- ብሓባር ኩሎም “…ካላስ ካላስ ፡ ካላስ ዋጭዋጭታ ብምግባር ናይ ስምረት ርኢቶኦም የንጸባርቑ። ብኡ ንብኡ ኤፍሬም፡ ክራሩ ኣልዒሉ ደርፊ ይቕጽል፡


መተካእታ ብጻይ ፊተውራሪ ነብሲ
ዶብ እንተሓሊፍካ የብልካን መምለሲ
ይወናጨፍ ኣሎ መሰታኻ ረአ
ስደተኛ ኬንካ ሱዳን ከይትርአ!


ኩሎም ሓቢሮም ምስኡ ይደርፉን ይስዕጽዑን፡
 


10ይ ትርኢት


ወዲ መሓመድ ንኤፍሬም ኣብ ጨው ቀትሪ እናቐጽዖ  ከሎ ይርአ። ኣብ’ቲ ዘዘድድ ሑጻ ከም ተመን የንፋሕኾ።


ኣልማዝ፡- ኤፍሬም እናተቐጽዐ ከሎ ንኤፍሬም ብጎቦ ዓይና ብድንጋጸ  ትጥምቶ።


ወዲ መሓመድ፡- ንኤፍሬም ሓፍ በል፡ ተጠንቀቕ ሰጥ በል።


ኤፍሬም፡ ዝተኣዘዞ ይገብር፡ ገጹ ከሰል መሲሉ ብሕርቃን ተሸፊኑ ይርአ።
 
ወዲ መሓመድ፡ ጌጋካ ተረዲኣተካ ዶ?


ኤፍሬም፡- ኣይተረደኣንን።


ወዲ መሓመድ፡ ደሓን ጢባሕ ከማን ዋጅባ ኣላቲካ፡ ሺዓ ትረድኣካ፡ ኪሳብ ቲረድኣካ ኪተቀጻዕ ኢኻ።


ኤፍሬም፡ ሕንክስ እናበለ ናብቲ ኣልማዝ ዘላቶ ገረብ ገጹ ይመጽእ።


ኣልማዝ፡- ኤፍሬም ሃባ ‘ስከ ካምቻኻ ኣብቲ ሩባ ክሓጽበልካ።
 
ኤፍሬም፡- ድኻሙ ከየርኢ ብሓይሊ ክምስ እናበለ፡ ምሕጻብ ሲ ብረሃጽ ተሓጺቡ እዩ።
 
ኣልማዝ፡- ኣንታ መሰንኮር፡ ከምዛ ጌጋይ ተረዲኡኒ ኣይደግምን እየ ክትብል ክትመሻኸን ዘይጸናሕካስ ላግጺ ጀሚርካ እምበኣር።


ኤፍሬም፡ ካምቻኡ ኣብ መንኮቡ ሰቒሉ ጥራይ ዝባኑ ብምዃን፡ ኣበይ ሰሚዕክኒ ኣንቲ ለኽባጥ፡ ኢሉ ንየማን ጸጋም ቁሊሕ እናበለ ኢዳ ክጠዊ ይጅምር።


ኣልማዝ፡- ‘ኢደይ! ኢደይ! ‘ ትብል ባህታን ሰሓቕን ብምሕዋስ ኢዳ ከይክለቃ እናተባብዓቶ።


ኤፍሬም፡- ብብጾቱ ይርአ ከይህሉ ቁሊሕ ምሊሕ ኢሉ እንደገና ከባቢኡ እናተቖጻጸረ፡ ምስ ፍሽኽታ፡ በቲ ሓደ ኢዱ ምዕጉርታ በጻብዕቱ ጠፍ የብላ።


ኣልማዝ፡- ነታ ወስ ዘበለላ ኣጻብዕቱ ብኣፋ ክትነክስ እናተመጣጠረት ብኢደ ወነና ካምችኡ ትወስደሉ (ክልቲኦም ናይ ዓይኒ ቆላሕታ እናተለዋወጡ ፍዝዝ ኢሎም ይጠማመቱ)


                                                                                                                   ይቕጽል……


Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>