Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ትብጻሕ ናብ ዝተፈተኻ ተናፋቒ ክቡር ወላዲየይ

ትብጻሕ ናብ ዝተፈተኻ ተናፋቒ ክቡር ወላዲየይ ካብ እንፈላለ  እንሆ 40 ዓመት ኮይኑ። ኣርብዓ ዓመት ማለት ቀሊል ዕድመ ኣይኮነን።  ፍርቂ ዕድመ ናይ ሓደ ረቢ ዝባረኾ በዓል ጸጋ ዕድመ እዩ። ሎሚ ከምቲ ኩሉ ሳዕ ዝገብሮ ኣብ ኢድካ እትወሃብ ደብዳበ

ትብጻሕ ናብ ዝተፈተኻ ተናፋቒ ክቡር ወላዲየይ

ካብ እንፈላለ  እንሆ 40 ዓመት ኮይኑ። ኣርብዓ ዓመት ማለት ቀሊል ዕድመ ኣይኮነን።  ፍርቂ ዕድመ ናይ ሓደ ረቢ ዝባረኾ በዓል ጸጋ ዕድመ እዩ።

ሎሚ ከምቲ ኩሉ ሳዕ ዝገብሮ ኣብ ኢድካ እትወሃብ ደብዳበ ዘይኮነት፡ ኩሉ ሰብ ዝርእያን ዝሰምዓን ቅልዕቲ ደብዳበ ክልእከልካ’የ ወሲነ።

ከም ቐደመይ  ናይ ብሕትና  ዘይገበርክዋ ምኽንያት፡ ንስኻ ናይ ኩላትና እምበር ናይ ብሕተይ ኣቦ ጥራይ ከምዘይኮንካ ዘዘክር ኩነታት ስለዝረኸብኩ እየ።

ዝኸበርካ ኣቦ፡ ንስኻ ዓንድን ጸግዕን፡ ጽላልን ዋልታን፡ ዓድን ኮምን ናይ ኩልና ኢኻ።  ታሪኽካ ተዘንትዩ ኣይውዳእን እዩ’ሞ፡  ካብቲ መዋእልካ ዝዓቆሮ፡ ንሃገርና

ዘበርከትካዮ ሞያን ዝገበርካዮ ቅያን በቲ ንኡስ ዓቕመይ ኣብዛ ቅልዕቲ ደብዳበ ከስፍሮ ክፍትን እየ።

ዝተፈተኻ ተናፋቒ ኣቦይ፡

ካብቶም ኣብ ቃልሲ ናጽነት ብኹለንትናኻ ዝሓገዝካዮም ደቕኻ ፈጺመ ዘይተጸብኽዎን ዘይጽበዮን ነገር እሰምዕ ኣለኹ። ደብዳበይ ብዝኽረ-ሕልና ድሕሪት መሊሳ ሕሉፍ ከምእተዘኻኽረካ  ይርድኣኒ’ዩ። ኣነ፡ እቲ ናብ ቃልሲ  ቅድሚ ምስላፉ  እትፈልጦ ቆልዓ ውላድካ  ኣይኮንኩን። ምስተፈለኹኻሰ ልቦና ኣግፊሔ ክድህስሰካን ከስተማቕረካን ጀሚረ’የ።

15 ዓመተይ ከይመላእኩ እየ  ክጋደል ኢለ ንበረኻ ወጺአ። ይዝከረካ’ዶ ኣቦ፡ ናብ ጡጥ ፋብሪካና ንገጀረት ሒዝካኒ ክትከይድ? ነቶም መዛኖይ ቖልዑ ብፍቕሪ ከተዛርቦምን ከተታባብዖምን። ሽዑ’የ ደቂ ገጀረት ኣባኻ ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ክብረት ከምዝነበሮም  ፈሊጠ። ኣብ ንእስነተይ ካባኻ ዝተማሃርኩዎን ዝወረስክዎን ምህሮ ብዙሕ እዩ። ኣብ ጉዕዞ ቓልሰይ፡ ምረትን ስቓይን ጸይረ ርእሰይ ከቕንዕ ኣብ መከራ ክትርንዕ ክተብዕ ካብ ዘጽንዓኒ ነገር ውርሻኻ እዩ።

 

ምስ በዓል ኣቦይ ተስፋይ፡ ሻሂ እንዳሰተኹም ጉጅም ክትብሉ እንከለኹም ጽን ኢለ ዝሰምዕ ነይረ። ኩሉ ዘረባኹም  ብዛዕባ መግዛእቲ ሃይለስላሰ እዩ ነይሩ። ንፈዳይን ከመይ ጌርኩም  ከምትሕግዝዎም ተውጽእዎ ዝነበርኩም ስልቲ`ውን እዝከረኒ። ድሓር ንሜዳ ከይደ፡ ብድሕረይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ኣሰረካ ከተሓሳስበንን ክርድኣንን ጀሚሩ።

ሓደ መዓልቲ፡ ዋኒንካ ከተሳልጥ  ቤት ጽሕፈትካ ክሕሉ፡  ገዲፍካኒ ምስ ከድካ፡ ኣቦይ ተስፋይ፡ ንዓኻ ደልዮም መጺኦም፡  ምስ ስኣኑኻ፡ “ንዓ ዝወደይ” ኢሎም ብዛዕባኻ እዚ ዘይብሃል ኣድናቖት ኣዕሊሎምኒ።

 

ከምቲ ዝነገሩኒ፡ ሓደ መዓልቲ፡ ንፈዳይን ክትሕግዝ ክትብል፡ በቲ ናይ ሽዑ ኣበሃህላ ብገዛኢና ‘እጅ ከፍንጅ’ ተታሒዝካ ተኣሲርካ። እቲ ጉዳይካ ናብ ፍርዲ ዘቕረበ ዓቓቢ ሕጊ ኣዝዩ ድኹም ነበረ’ሞ፡ መፍተት ጠበቓኻ ኮነ። ጠበቓኻ ሕጋዊ ብዝኾነ ኣካይዳ ተኸላኺሉልካ ከኣ ነጻ ከምትወጽእ ገበረ። ኢሎምኒ  ኣቦይ  ተስፋይ።

እቲ ዘገርም፡ ሕጂ ብሓገዝን ተወፋይነትን ናትካን ብከማኻን ጀጋኑ ሃገር ናጻ ዘውጽኡ  ደቕኻ፡ ብሕገ-ኣልቦ  ፍርደ ገምድል  ኣብ መቑሕ ከእትውኻ ደንጽዩኑ ኣስደሚሙኒ። ስለዘይሓስቦን ስለዘይሓልሞንሲ ጉድ ኮይኑኒ ኣርሚሙኒ።

እቲ ከተጥቅዖ ሓሊንካስ እጅ ከፍንጅ ዝሓዘካ ባዕዳዊ ገዛኢ እካ መሰልካ ሓልዩ ንፍርዲ ዘቕረበካ’ስ፡ እቶም ንፍትሒ ዝተቓለሱ ደቅኻ  ፍትሒ ክነፍጉኻ ክርእን ክሰምዕን ኣስደሚሙኒ ኣሎ።

ኣነ ጥራይ ኣይኮንኩን ኣቦ፡ ኣብዚ ዘለኽዎ ብጾት ኣለዉኒ፣ ወዲ ኣቦይ ዑስማን ጥቓ እንዳ መሓመድ ብርሃን እንዳ ሻሂ፡ እንዳ ኣቦይ ሓሊ ሕልፍ ኢልካ ዝነበሩ፣ ሳልሕ ከም ቐደም ሕጂውን ፍሉጥ ተጻዋታይ ኩዕሶ እዩ። ምሳይ ኣሎ፡ ልክዕ ከም ንእሽተይ ሓዉ እዩ ዝከናኸነኒ። ትዝክር’ዶ ምስ ሑሴን ሓወይ ቀንዲ ኣዕሩኽ ምዃኖም? ኣብዚ ዘለናዮ ኣነ እየ ቲፎዞኦም ዘፋጽየሎም ዘጠቓዓሎም። ኣይትፈልጦን ድ’ኣ ትኸውን እምበር፡ ቴድሮስ ወዲ ማይ ኣንበሳ፡ ሓንቲ ኣንጎሎ ካብ እንዳ ሽወደን ሕልፍ ኢልካ ጥቓ እንዳ ኡስታዝ በሺር፡ ሕጂ ብቤትትምህርቲ (ቤ/ት) ኣል ዲያእ ዝፍለጥ ምሳና ኣሎ።  ቤ/ት ኣል ዲያእ፡ ሕጂ ምኽንያት መእሰሪኻ ኮይኑ ክሰምዕ  እንከለኹ ሰብነተይ  የንቅጥቀጥ። ይጉሂ ይበሳጮ፡ ይሓዝን፡ የስተንትን ኣቦ።

ዝኾነ ኮይኑ ምስ’ዞም ምሳይ ዘለዉ ዝጀመርኩዎ ምልላይ ክቕጽለልካ፣ ገሊኦም ኣብ ገጀረት ዝፈልጡኻ ዝነበሩ እዮም። ትዝክራ’ዶ ኑራ ጓል ኣቦይ ዓብዱ፡ ሰሎሞን ወደቦይ ካሕሳይ፣ ኩሎም ንዓኻ ኣልዒሎም ኣይጸግቡን እዮም። ዝነበረካ ህርፋን ነጻነት መጠን ዝሓለፎ ከምዝነበረ ኣይርስዑዎን እዮም። ንዓኻ ዘይዝክር ጓል ኮነ ወዲ፡ ውላድ ገጀረት የለን። ገሊኦም ካብ ‘ኣፋኝ-ጓድ’ መንግስቲ ደርጊ ሓቢእካ ዘውጻእካዮም  ተበላሒትካ ዘድሓንካዮም  እዮም። እዚ ዝኣመሰለ ናትካ ተወፋይነት እዩ ሃኒጹኒ። ወረ ኣምጽ’ኦ፡ ዩሱፍ ወዲ ሓሊ፡ ዓንጾ ዓንጾ ተግባር ሓገዝ’ኻ ንፈዳይን፡ ሓደ ዓይኑ ኸፊሉ ስሚዔ እዝከረኒ። ሓደ ጦር ብጠመንጃኡ ግብ ኣቢልዎ ይብሃል። እዚን ወዲ’ዝን ምስ ሰማዕኩ እየ ዕድመይ ከይኣኸለ ንሜዳ ! ዝተሰለፍኩ።

ዘይከምካልኦት፡ዘቕለብኩሉን ንድሕሪት ዝጎተኒ ጸወታ ራሚኖ፡ ጀቶኒ የብለይን። ሓንቲ ምሳይ ሒዘያ ዝኸድኩ ፍትወት ጸወታ ኩዕሶ እያ። ንሳ ከኣ ስጋብ ሕጂ ምሳይ ኣላ።

ኣቦ፡ ንዓኻን ተግባራትካን፡ ንዶባ ዝዓቀበት ነጻ ኤርትራን ንኤርትራውያንን ዝነበረካን ዘለካን ልባዊ ትምኒት ክዝክር ከለኹ ኩርዓት ይስመዓኒ። እዚ’ዩ ከኣ ግደይ ከበርክት ዘጋደለኒን ኣብዛ ዘለኹዋ ቕሳነት ዝመልኣ ማሕበር ስውኣት ዘጸንበረንን።ሎሚ ግና ቅሳነት ስኢነ።

እፈልጥ ንስኻ ንቕድሚት ስለእተማዕዱ  “እዚ ጸገም ክሓልፍ እዩ” ኢልካ ኣቃልቦኻ ካብ ቤት ትምህርቲ ኣል ዲያእ ሰጊሩ ከም ዝርኢ ኣይጠራጠርን እየ።  ኣነ ከም ዝፈልጠካ እዚ ኩነታት መደያይቦ መንገዲ ቅንዕናን ፍትሕን ጌርካ ከምትርእዮ ይርድኣኒ እዩ። ንሜዳ ዝወጻእኹሉ ግዜ ቤት ትምህርትና በቲ ፍትው ስማ እንዳ ኡስታዝ በሺር ተባሂላ እንዳተጸወዐት  እየ ገዲፈያ።

ሕጂ ቅርሲ ኡስታዝ በሺር ናብ ሓዲሽ ትውልዲ ሓሊፉ ዓባይ ተቛም ኮይና ብመድራሳ ኣል ዲያእ ትፍለጥ፡ ብንስኻ ትመርሖ ኮሚቲ ምምሕዳር ከምእትምራሕ ከኣ ፈሊጠ። ትማሊ መንግስቲ ደቅኻ ንታ ቤት ትምህርቲ ክህግራ ምስ ወሰነ፡ እዛ ቤት ትምህርቲ ህዝቢ ስለዘስርሓ ኣይትህገርን እያ ስለዝበልካ  ካብ ምዉቕ ገዛኻ ኣሲሮም ዳጒኖሙኻ። እዚ ምስ ሰማዕኩ ኣብ መቓብረይ ኮይነ ኣስናነይ ሓርቂመ ኣቦ – ጽንዓትካን ትብዓትካን ግን ሕርቃነይ ንኽቆጻጸር ደሪኹኒ።

ሕጂ እውን ከም ቐደም፡ ርኢኹም  ኣቦይ ከም በትሪ ሓቒ ትኽ ዝበለ እዩ እናበልኩ ንብጾተይ አዘንትዎሎም ኣለኹ። ብጊዜ ሃይለስላሰን ደርግን  ዝገበርካዮ፣ከይአኽለካ፡ ሕጂ’ውን ድምብርጽ ከይበለካ ንዝተጋገዩ ደቀይ ኣይምብርከኽን’የ ብምባል፡ ደው ከምትብል የዕልሎም ኣለኹ። መናድቕ መቓብረይ ከኣ  መትከላት ዕላማና መታነ ክተግብር ኣቦኻስ ዕድመ ይሃቦ እሞ ኣብኡ ይጽናሕ ይብሉኒ  ኣለዉ።

ቀደም እንከይተፈጠርኩ ዝጀመርካዮ ቃልሲ ክሳብ ሕጂ ትቕጽሎ ኣሎኻ። ቀጽሎ ደኣ ኣቦየ ዓይነ ብርኪ ጠሊሙ ኣካል እንተደኸመ ዘይደክም ዘይክማህ ሕልናን አእሙሮን ኣለካ። ኣነን ብጾተይን ንሃገርና እዚ ኩሉ ተቓሊስናላን ተሰዊእናላን ከነብቅዕ፡ ዕላማና ተጨውዩ፡ ኣብዚ ከምዚ ወዲቓ ክንርእያ ንሓዝን። ግን በቲ ሓደ ወገን ክኣ ከምዚ ከማኻ ንሓቂን ንፍትሕን ዝቖመ፡ ንድልየት ሕብረተሰቡ ኣሕሊፉ ዘይህብ ጽኑዕ ኣቦ ክንርኢ ከሎና ንጸናናዕ። መርገጺኻ ኣጸቢቐ  ስለዝፈልጦ ስጉምትኻ የኹርዓኒ’ዩ።

ኣብዚ ኣደራሽ ክብሪ ማሚቝና ዘሎና ኩልና ስውኣት፡  እቶም ኣብኡ ዘለዉ ምሁራትን ፈላጣትን ዓበይቲን ናእሽቱን ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡  ንኣኻን ከምዚ ከማኻን ኣኽቢሮምን ኣኽቢቦምን ታሪኽን ልምድን ዓድና ክምሃሩን ኣብ ጽሑፍ ከስፍሩን ኢና ንጽበ።  ዘረባኻ ቅርሲ፡ እምቢታኻ ሰንደቕ እዩ። መደረኻ መደረ ሓቂ ሕልናኻ ሕልና ዕርቂ እዩ።

ኣቦ… ናይ ዘለናዮ ወረ  ከዕልለካ። እቲ  ጥዑም ዕላሉ፡ ዓም ጠሃ ብስሓቕ ንብዓት ንንብዓት ገርይሩና ውዒሉ ብዛዕባኻ፣ “ሓጂ ሙሳ ነዚ’ኣ ንኽገብር እዩ ክሳብ ሕጂ ብህይወት ጸኒሑ ዘሎ” እናበለ ከብድና ኣቑሲሉና።  ኣብ ባሕቲ  መስከረም  እዩ ኣኪቡና ውዒሉ። ንሕናውን ነታ ዕለት ብቕምና ከምእነኽብራ ትዝንግዕ ኣይመስለንን።

ኣብኡ ዘይርኣኽዎ ሰብ የለን። በዓል ኣቦይ ወልድኣብ፡ ኣያ ዓብዱልቃድር፡ ኢብራሂም ዓፋ፡ ጀማል ዓብዱናስር፡ ዮውሃንስ ፡ ኣብርሃ ፡ ናስር፡ ኣኽበረት፡ ኣድሓነት፡ ኣስቴር፡ ናስራ፡ ዛህራ፡ ፍረወይኒ፡ ኑራ፡ …. ኮታስ ዝተረፈ የለን፣ ደቂ ሳሕል፡ ደቂ ዓፋር፡ ባርካ፡ ሰምሃር፡ ደቂ’ከለ፡ ደቂ’ሓማ፡ ሰራየ፡ ደቂ’ሎጎ ደቂ ታሕቲ መረብ-ተከዘ፡ ካብ ኩሉሸነኽ ተኣኪብና ውዒልና።

እተን ሓየት ኣሕዋትና ጎንናን ኣካልና ንቲ በዓልና ሕብሪ ወሲኸናሉ ውዒለን።

እቲ ወረ ዘይሓልፎ ሓው ጣሃ፡ ኣብ ሓደ መመረቕታ ንሓደ ንሳዋ ልዕሊ ስማን ዓቕማን ዘቆናጅዋ ዝነበረ በዓል ስልጣን፡ “ ክላ ስቕ በል እትብሎ ካልእ ደቅና ዝብልዎ ካልእ እዩ። መደብ ሳዋ ክጅመር እንከሎ ንህንጸት ሃገረ እዩ ስለዝበልና ብኹለንትናና ደጊፍናዮ፡ ከምቲ መርቕና ንሜዳ ዘፋነናኩም ነቶም ናእሽቲ ደቅና ከኣ ኪዲ መሬት ስውእትኩም ህንጹ ኢልና ኢና ኣፋኒናዮም። ንስኻትኩም ግን ነወዳትና ገላዩ፡ ነዋልድና ከኣ ከዳሞ ጌርኩመን ኣለኹም። ዝመጽአ ከይመጽአ ደኣ መኺርኩም አዐርዩ” ኢልካ ኣፉ ከምዘትሓዝካዮ ነጊሩና።

ኣየ ኣቦየ፡ናፊቐካ።  ውዒሉ ሓዲሩ ምርኻብና ኣይተርፍን እዩ። ግን  ክሳብ ንራኸብ ምስቲ ኣዝየ ዝናፍቖም ዓደይን ህዝበይን ጽናሕ።  ጽንዓትካን ትርኻን የድልዮም’ዩ።

ኣብ ጉዕዞ ቃልሰይ፡ ንኹሉ ሩባን እምባን ሃገረይ ደይበዮ። ሩባታትናን ወሓይዝናን  ተሓጺበሉ ሓምቢሰሉ፡ ጎላጉልን በረኻን ዓደይ  ሰጒመሉ፡ ርሃጸይ ንብዓተይን ደመይን  ኣብ ፈቐድኡ ፈሲሱ፡ ገሊኡ ኣብ ምድሪ ተሰትዩ ክፋሉ ብጸሓይ ሃፊፉ ኣብ ህዋ ኣብ ጠፈር ተበቲኑ። ምድሪ ዓደይ  በዕጽምተይ ተሓጺሩ እዩ። ኣካልና ምስቲ እተፈጥርናሉ ምድርና ተሓዋዊሱ። ምስ መሬት መሬት መሲልና ተሓዋዊሰና።  ሓንቲ ኮንና፣ ሕጂ እሞ መን’ዩ ዝፈላልየና? ኣብ ፈቐድኡ ሰናጭሮ  ብሜትሮ ዓለባ ተገኒዝና ብጸሎተ ዓወት ንሓፋሽ ተደቢና።

ሕልፈትና ሓፋሽ ክርህዎን ክሓልፈሉን ሰብና ክቐስንን ክኸብርን እዩ ነይሩ። ሕልፈትና ከምዚ ከማኻ ሰብ ሓቦን ሕልናን ሃገራውያን ክትከብሩን ክትክበሩን እምበር ክትሓስሩን ክትዋረዱን ኣይኮነን።  ዋላ እውን ብህይወት እንተተፈለና ብመንፈስ ግን ወትሩ ምሳኹም ኣሎና።

ሕጂ’ውን ንርኢ፡ ንጥምት፡ ንዕዘብ፡ ኩሉ እትገብርዎ፡ ሕማቐ ኮነ ጽቡቐ ንከታተሎ ኢና።

ኣታ መኹርዒ ህዝቡን ሃገሩን ክቡር ወላዲየይ፡

ገበርቲ እከይ ውዒሎም ሓዲሮም ብተገባራቶም ክፍደዩ እዮም።  ዝገብርዎ ክንሰምዕ ከለና ንሓልፎ ርእስና ነቕኒቕና ። ሓደ ኤርትራዊተበዲሉ ክንሰምዕ ከልና ኣብዚ ንሓዝን ዘለና። ኣብዛ ንቕመጠላ ቤትና፡ ዘለኣለማውያን ኩኑናት ንኹን እምበር ሰላምዝሰፈነና ሕጉሳት ኢና። ኣቦ ካባኻ ምውላደይ ምስልኻ ሒዘ ምውጽአይ ብዙሕ እዩ ዝሕጉሰኒ። ንስኻ ዝጀመርካዮ ንፍትሒ ደው ዝበልካሉን፡ ኤርትራና ናብ ጽቡቕ ከምዝመርሓኣይጠራጠርን’የ። ኣቦ፣ ኣብ ጸሎትና ኣይንርስዓኩምን ኢና፡ ኣብ ጽርሎትካ ኣይትረስዓና።

ስውእ ውድኻ

ሳላሕ’ዲን ሙሳ መሓመድ ኑር

ሰላም ምሳና ምሳኻ ምሳኻትኩም ምስኩላትና ይኹን

ብ በያን ነጋሽ

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • k.tewolde November 20, 2017

    Forever young! that is how you are going to be remembered,that’s how the Eritrean nation and Eritrean national consciousness was molded and that is what young boys and girls like me and you and thousands more overwhelmed the armed resistance in 1975,yes you the martyr.I might be alive and walking but I bear your wounds and scars and memories,My life journey was not cut short heroically like yours,however I am not better off than you,I continue to bleed slowly from the wounds I sustained with you and dredge along this agonizing life knowing someday I will join you. We will have so much to talk about my hero. Thanks Beyan for this powerful posthumous excerpt from the ones who gave us everything they got.

    • Beyan Negash November 20, 2017

      Selam K.Tewolde,

      Knowing the evil nature of the regime, each effort to speak truth-to-power has ostensibly been met with an onsalught of maligning, blackmailing, and disproportionate force; I tried to do my utmost in giving Aboy Musa what every Eritrean deserves: Some dimensions, the veracities of which that nobody could negate. The man paid his dues for his country as a young-man while living in Asmara as a business man. Later his son (Selaheddin) paid the ultimate price for his country. As someone who grew up in Akhriay, I knew Aboy Musa as upstanding pillar of the community and his son was my age when he left for ghedli while I chose sddet – barely 15 years of age, he was mature enough to know about the plight of Eritreans deserved that some sacrificed their life for it. This speaks to Aboy Musa’s life experience that Selaheddin inevitably embodied. Eritrea is replete with some such stories, and they will be told with pride and fortitude once this menace at home is removed from the helm of power.

      • k.tewolde November 22, 2017

        Inshaa allah ya akuya, the young blood that was spilled in Tesenei,Agurdat,Mendefera,Barentu,Tamarat,Adeibara,Tio,Beilul,in the hills of Dutta and Serrarat……..will never go in vain.I was there picking up body parts of my comrades.Those images remain seared in our consciousness, it hard to shake it off. Redemption is inevitable.

  • Beyan Negash November 23, 2017

    Indeed, “Redemption is inevitable”. The hope is that it comes sooner than later, because. those who are perishing in the high seas to run away from the homemade indentured servitude are doubly harmed when are caught in the slave trade of the tribes from eons ago who seem to be thriving now at the expense of our kids. Those who paid the ultimate price, some of whose skulls and bones that you made sure received some sort of due respect and buried them in the landscape throughout Eritrea, for which they were martyred, will absolutely not “go in vain”. Who could speak on their behalf than someone who had seen it firsthand. Their soul will not rest in peace until we do our part in making sure Eritreans the world over would once again have that chance to build their nation and those inside will be freed from the endless miseries they are experience in the hands of the brute force.

    BN

POST A COMMENT