ኤርትራ ንኤርትራውያን
ንጎደና ሓርነት ኣስመራ ንምግላጽ ክብል ኣብ 3ይ ክፋል ዘቕረብክዎ ጽሑፍ፡ ነቲ መንእሰይን ጎበዝን ኤርትራዊ ዜጋ ንምንእኣስ ኣይኮነን። ሓይሊ መንእሰያት ከነኣእስ እንተድኣ ኾይነ ብቐሊሉ ክርታዕ ይኽእል።
ቅድሚ ወርሒ ጥሪ፡ ኣብ ከተማ ቱኒስን ካይሮን ዝርከብ ጎደና ሓርነት፡ እንታይ ይመስል ነይሩ ዝብል ሕቶ ጥራይ ምስ ቀረበኒ፡ እኹል መርትዖ እዩ። ካብ ጎደና ሓርነት ኣስመራ ዝፈልዮ ነገር ኣይነበሮን።
ብፍላይ ኣብ ጎደናታት ከተማ ቱኒስ ዝተስአ ማዕበል፡ ንህዝቢ ዓለም ኣዘንጊዑ፡ ዘይተጸበናዮ መስተንክር ዝኾነ ተኣምራት ክፈጥር ሪኢና። በዚ ምኽንያት እዚ፡ “ዕቑር ሓይሊ መንእሰያት ከም ማዕበል ውቅያኖስ፡ መዓስ ከም ዝትስእ፡ በየን ከምዝብገስ፡ ኣበይ ከምዝዓርፍ ንምፍላጡ ኣሸጋሪ እዩ፡” ብማለት ተሞክሮ መንእሰያት ሰሜን ኣፍሪቃ፡ ክልተ መልሓስ ከየዛርበካ፡ “ተጠንቀቕ!” ይብለኒ።
ስለዚ፡ “መንእሰይ ኤርትራ ካብ ተምበርኺኽዎ ዘሎ ኩነታት ሓፍ ኢሉ “እምቢ ንምልኪ!!” ክብል፡ ተራኡ ክመጾ እዩ፡” ኣብ ዝብል መደምደምታ በጺሐ ኣለኹ። ተራኡ ምስ በጽሐት ድማ፡ ንዓለም ከዛርባ ከምዝኾነ እኣምን። እቲ ተቓሊሱ ክምልሶ ዝድለ ሕቶ፡ ውጽኢቱ ንጎደና ሓርነት ናይ ብሓቂ ጎደና ሓርነት ንምግባራ’ዩ። ሸይጣና ከባርረላ። ንጎደና ሓርነት ከም ሜዳ ሓርነት ካይሮ ንምሕራራ። ኣብ መጻኢ፡ ብምልኡ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ፡ ተቓዋሚ ይኹን ደጋፊ ከይተባህለ፡ ኣንዳዕዲዑ ዝዛወረላ ጎደና ክገብራ። ንኩለን ጎደና ከተማታት ኤርትራ፡ ንኩለን ዓድታትን ቁሽታትን ደምበታትን ሃገርና፡ ሓርነተን ዘስተንፍሳሉ ሃዋሁው ንኽፈጥረለን ክቃለስ ዘይተርፎ እዩ።
ነዚ ውሽጣዊ መግዛእቲ ካብ ሱሩ ንኽምሑ ኣብ ቃልሲ ዝኣትወሉ ግዜ፡ ውሕጅ ገድሊ ተሸኪሙ ዘራገፈሉ ገፈጥ-መፈጥ ተሰኪሙ ክጉዓዝ ዘይኮነስ፡ ኣጻርዩ ክጉሕፎ ግድነት ስለዝኾኖ፡ ኣብቲ ንሰውራ ዘበገሰ ቅኑዕ ጭርሖ ሓምሳታት ክምለስ እላበዎ። እዚ ኹሉ ጒሓፍን ገስረጥን ከምዘለዎ ጸይሩ ዘንተ-ዕለት ክመጸኒ፡ እዚ ሰውራ ህዝቢ “ኣበይ እዩ ተዓንቂፉ? እንታይ ረኸቦ? እቲ ውሕጅ ከ ኣይዛርይን ዲዩ? ከምኡ ኢሉ ድዩ ጎሓፍን ገፈጥን ጸይሩ ክመጽእ? እዚ ዘይውዳኣ ጎሓፍ ከ፡ ካበይ’ዩ ዝረኽቦ ዘሎ?” ዝብሉ ሕቶታት መሊሹን መፍትሒኦም ኣለልዩን ክብገስ፡ ነቲ ዝሓለፈ ኣሉታዊ ተሞክሮታት ኣቦታቱ፡ ብጥንቃቐ ከቃልበሉ ኣለዎ እብል።
ኣብዚ ግዜ እዚ ድማ፡ ብዓቢኡ ብሰንኪ እቲ ባዕሉ ዝስሕኖ ዘሎ ኩነታትን፡ ብተቓወምቲ ወትሩ ዝቐርብ ምቅላዕ እዚ ስርዓትን፡ መንእሰይ ነቲ ጠንቅታት ሽግር ህዝብና ኣለልይዎ ክኸውን ተስፋ እገብር። እወ!! ንዘሕምሞ የሕምሞ ብዘየገድስ፡ ሕጂ እውን “ኤርትራ፡ ንኤርትራውያን ብኤርትራውያን!!”። እዚ ጭርሖ ሓምሳታት እዚ ብሓቂ ስለዘይተሰርሓሉ እዩ ህዝቢ ኤርትራ ድከቱ ዝበልዕ ዘሎ። ሳዕቤኑ ከኣ፡ ኤርትራ ንኤርትራውያን ክትከውን ኣይከኣለት። ብኤርትራውያን ክትመሓደር ኣይከኣለት። ኤርትራዊ ወለዶ ክነብረላ ዘይክእል ሃገር ኮይና ኸኣ ኣላ። እዚ ጭርሖ እዚ፡ ንኡስ ወለዶ እምነ-ኩርናዕ ቃልሱ ክገብሮ ዘለዎ ኣርእስቲ እዩ፡ ኢለ ከስምረሉ እደሊ። ብዝተረፈ ንጌጋታት ኣቦታቱ ክደጋግም ክነብር እዩ።
ካብ ርብዒ ህዝብና ንላዕሊ ዝኸውን ቁጽሪ ስደተኛ ዜጋ፡ መሰል ዜግነቱ ተገፊፉ፡ ኤርትራ ዓደይ እያ ኢሉ ክረግጻ ዘይትኽእል፡ ሓዳስ ኤርትራ እያ ተፈጢራ ዘላ። እዚ ዓቐን እዚ ካብ ዓመት ናብ ዓመት፡ ምስቲ ከየይቛረጸ ዝውሕዝ ስደት እንዳበዝሐ ዝቕጽል ዘሎ እዩ። እንዳታት በሪሰን። ጎደናታትና ሰላምን ቅሳነትን ተሓሪምወን። ድሕሪ ደጊም እዛ ሃገር ንኤርታራውያን ኣይክትከውንን እያ ንማለት፡ ሓዲሽ መግዛእቲ ንሃገርና፡ ሓዳስ ኤርትራ ሰምይዎ። ሓዳስ ኤርትራ ዋንነት ሓደስቲ ተቐማጦ ኮይና፡ ንንኡስ ወለዶ ኣብ ባርነት ሸሚማ።
ተቓወምቲ ስደተኛታት ይኹኑ፡ ነዚ ስርዓት እዚ ምቅብጣር ዝተሓስሙን ዝረብረቡን ተዓዘብቲ ዜጋታት፡ መሬት ዓዶም ከይረግጹ፡ ሃገረ ኤርትራ ሓጹር ተገይርላ። ተቓዋሚ ዜጋ ገበን ዝብሃል የብሉን። እንታይ ድኣ? መባእታዊ መሰልን ክብርን ዜጋ ይከበር ስለዝበለ፡ ሕቶኡ ከም ገበን ተቖጺሩ። ተቓውምቲ ውድባት ይኹና ሰልፍታት እውን ካብኡ ሓሊፈን እንታይ ዝበልኦ ኣለወን? ኣቲ ንጹህ ዜጋ፡ ይኹን ብሓፈሽኡ እቲ ህዝቢ ኸ እንታይ ግዲ ኢሉ እዩ?
“ድሓን!! ገድሊ ዘምጽኣካ ንጉስና ከምዝኾንካ ንኣምነልካ። ንግዜኡ ኸኣ ኣይክትኸፍኣናን ኢኻ። እንተኾነ ግና ቅዋምን ሕግን ጌርካ ኣምሓድር። ዓዲ ኣቲኻ ክነስኻ፡ ኣብ ጎደና ሓርነት ኣስመራ ኮንካ ኣይትሸፍት። መሓውር መንግስቲ ትኸል። ልዕሊ ቅዋምን ሕግን እየ ኣይትበለና። ዘመን ንግስነትን ውርሻ ንግስነትን ስለዘይኮነ ዕድመ ስልጣንካ ይፈለጥ። ከይንዛረብ ኣፍና ኣይትዕበሰና። ደቅና ክጽሕፉ ግደፎም…” ብምባሉ፡ ነቲ እዚ ጉጅለ እዚ ኣብ ስልጣን ክመጽእ እንከሎ፡ ባዕሉ ዝኣተዎ መብጽዓታት ብምዝኽኻሩ ድዩ ተቓዉሞ ተሓሲቡ?
እቲ ጉዳይና ስንጊጢር ኮይኑ። ነዚ ጉጅለ እዚ ስራሕካ ግበር፡ ሓላፍነትካን ግቡእካን ፈጽም፡ ዝተማባጻዕክዮ ኣይትጥለም ኣይትሓሱ ዝበለ ኩሉ ወደባት ዜጋ፡ ተቓዊምካ ወይ ኣየቃባጠርካን ተባሂሉ፡ እዛ ሓዳስ ኤርትራ ናትካ ኣይኮነትን፡ ኣታ ከዳዕ!! ወያነ!! ትግራዋይ!! ዓጋመ!! ዓድኻ ድለ፡ ኣብ ስደት ብለ፡ ዝብል ፍርዲ ተዋሂብዎ መሬት ዓዱ ከይረግጽ ተወጊዱ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ከኣ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኑ።
እቲ ንሕስያን ሕፍረትን ከይብሉንን ዘይብሉ ፖለቲካዊ ቁሩቁስ፡ ኣቦታትና ዘየጽንሑልና ባህርያት ስለዝኾነ፡ ኤርትራውያን ክንለማመዶን ክንሰርሓሉን የሕፍረና። እዞም ጉጅለ እዚኦም ግና፡ ከም ፍሉይ መሰሎምን መሳርሒኦምን ወሲደሞ ከምዘይሓልፍ ተጠቒሞምሉ። ካብ ቀደም ኣትሒዞም ከምድልየቶም ክጥቀምሉ ምግዳፍና ከአ የትሓሳስበኒ። ክሳብ ዕለት ሎሚ ከኣ ይሰርሕሉ ኣለዉ።
ቃልስና ፖለቲካዊ ክነሱ፡ ሃገራውያን ኤርትራውያን ዘይክወኖ ናይ ፖለቲካ ጻድቓት ንኽንከውን ክንብል፡ ብቀልዓለማውን ከይብሉንን ዝብል ስክፍታታት ደዊና። ስለዝኾነ ከኣ፡ ኣብቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ንምጭባጥ ዝግበር ቁሩቁስ ቃልሲ፡ ከምቶም ጉጅለ ዓዋሉ ከነድምዕ ኣይከኣልናን። ጎዲኡና ከኣ። ምኽንያቱ፡ ካብ ዜግነትና ምውሳን ንላዕሊ ብምንታይ እዮም ክመጹና? ንሳቶም ንልጓም ስልጣን ክሕዙ ብመበቆሎም እንዳተጫናነዉ ተማሻጢሮም ንደቀባት ከጥፍኡ ብጋህዲ እንዳረኣናዮም፡ ንሕና ኸ ብጋህዲ ብዜግነቶምን መበቆሎምን ዘይመጻእናዮም ምኽንያት፡ እንታይ ከምዝዓገተና ኣይርድኣንን።
ስለዝኾነ ከኣ፡ ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ጠንቂ ሽግር ህዝብና ኮይኑ ዘሎ፡ ፖለቲካዊ ስልጣን ኣብ ኤርትራ ብመንነቶምን እንታይነቶምን ቅልውላው ዝማሰኑ ጉጅለ ምዕብላሉ እንዳፈለጥናዮ ኾለና፡ ተቓዉሞና ኣብ ትሒም ትሒም ጥራይ ተደሪቱ። ነቲ ብልሒ ቃልስና ኣጒዲምዎ። ከምኡ ከም ዝኾነ ብዙሕ ግዜ ብጎቦ ጎቦ፡ ሓደ-ሓደ ግዜ ከኣ ብግህዶ ተጻሒፍዎን ተዘሪብሉን እዩ። እንተኾነ ግና፡ ቃልስና ዓው ኢሉ፡ እዚ እዩ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ጠንቂ ጸገማትና፡ ክፍታሕ እንተኾይኑ ድማ ብጋህዲ ኣብ ፖለቲካዊ ክትዓትና ኣኼባታትናን ክልዓል ኣለዎ፡ ክብል ኣይከኣለን።
ኣብ ቃልስና ኣግሂድና፡ ሃገራዊ ሰውራና “ኤርትራ ንኤርትራውያን ብኤርትራውያን!!” እንዳበለ እዩ ተበጊሱ። ኣቱም ጉጅለ!! ፈጢርኩም ዘለኹም፡ ካብ ጉዳይና ውጹልና!! ጉዳይና ኣይምልከተኩምን እዩ!! ኣልግሱልና!! ኣብ ዓድኹም ኬድኩም ተቓለሱ፡” እንዳበልና እንተንጭርሕ ኔርናስ፡ ወገናውያን ዓሌታውያን ዲና ክንብሃል፡ ዋላስ ካልእ ሽም እዩ ክወጸና? እቲ ጭርሖና ኸ ሓሶት ድዩ ክብሃል?
እቲ ንሳቶም ዝጥቀምሉ ረሳሕ ፖለቲካ፡ ሓሶትን ጸለመን ዘይኮነስ፡ እቲ ናትና ሓቂ፡ ከም ጸለመን ሓሶትን ክቑጸር፡ ኣግሂድና ስለዘይተቓለሰናሉን ዓው ኢልና ሰለዘይጨራሕናሉን ጥራይ እዩ። ምስ ኮነ እሞ፡ “አይ!!” ምባል እንታይ ክዓብስ። ንድሕሪ ሕጂ ግና፡ ኣቦታት ዝሓለፈ ጌጋና ኣሚንና፡ ነቲ ንኡስ ወለዶ ክንምህረሉን ከነጉርሓሉን ዘሎና ተሞክሮ እዩ።
መንእሰይ ወለዶ!! ኣቦታትካ፡ ካብ መጀመርትኡ ነቲ ንመሰልካን ክብርኻን ዘውሕስ ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ኣትሪርና ኣይሓዝናዮን። እጽንሓልና ኢልና፡ ንጎድኒ ገዲፍናዮ ኣቲና። ኣብ መወዳእትኡ ከኣ ተበላሹይና፡ ኢድና ሂብና። ግዕዘይ ታሪኽ ይንበበና ኣሎ። ሃገር ምድሓን ኣባኻ እዩ። ዓው ኢልካ “ኤርትራ ንኤርትራውያን”፡ ዝብል ድምጺ ሓምሳታት ከም እንደገና ኣስምዕ።
ሓደ መንነቱ ዘይፍለጥ ጉጅለ፡ ኣብ መሬትካን መሬት ዓዶ-ኣቦኻን ረጊጹ፡ ንስኻ ኤርትራዊ ኣይኮንካን፡ ኣነ እየ ኤርትራዊ ክብለካ ኸሎ፡ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ሓዂሩ መጻኢ ህዝብኻን ሃገርካን ካብ ምውሳን ሓሊፉ፡ ወሃባይን ከልኣይን ዜግነት ኮይኑ ንስኻ እቶ ንስኻ ውጻእ ዝብል ጉጅለ፡ እዋእ! ንስኻ ድኣ ከመይ ኢልካ ኤርትራዊ ኾንካ? መን ኣውጽኣይ መን ኣእታዋይ ከ ገይሩካ? ንስኻ ድኣ ከምዚ እንዲኻ፡ ተባሂሉ እቲ ሓቂ እንተወጸ፡ ሓሶት ብጋህዲ ተቓሊዑ፡ ጉዳይካ ኣይኮነን!! ውጸልና!! “ኤርትራ ንኤርትራውያን!!” እያ፡ ኢልካ ጭርሖ ምልዓል፡ እንታይ’ዩ እቲ ስክፍታኡ? እቲ ኣባታዊ ዒብ ድዩ ቀይድና? እዚ ሓደ ካብቲ ክሳብ ሕጂ ዘይርድኣኒ ሸነኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ኤርትራ ንኤርትራውያን ትኹን ኢሉ ከቃልሕ ዝተበገሰ ጭርሖ ሓምሳታት ግና፡ ዝረኣዮ ነገር ነይርዎ እዩ፡ ብማለት ንመንእሰይ ኤርትራ ካብ ጌጋታት ኣቦታትካ ተምሃር እብሎ። ሃገርና ጽቡቕ ኣይረኸበትን። ኩነታትና ክንመዝን፡ ናይቶም ፍሩያት ጀጋኑ ሃገር ስቅያት ጥራይ ንዝክር ንኸውን።
እንተኾነ ግና፡ ምሕደራን ጉዳይን ህዝብና ይበላሾ ኣሎ፡ ክእረም ኣለዎ ኢሎም ዝተቓወሙ ኣሽሓት ሓርበኛታትን ንጹሃት ዜጋታትን፡ እዚ ጉጅለ እዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዳጒኑ የሳቕዮም ኣሎ። ብሓጺሩ ደቂ ሃገር ትሕቲ ምድሪ ሰፊሮም፡ እርይራያት ልዕሊ ምድሪ ኣኳጢጦም ንህዝብና ይረግጽዎ ኣለዉ። ነቶም ንፈንቅል መሪሖም ዘዐወቱ ጀጋኑ፡ በዓል ዑቕበ ኣብርሃ፡ በዓል ብርሃነ ገ-ሔር፡ በዓል ጴጥሮስ ሰሎሙን ምስ ኣንስቶምን ደቆምን ትሕቲ ምድሪ ኣእትዩ ይሕቅቖም ኣሎ።
እቶም ድምጺ ጥይት ሰሚዖም ዘይፈልጡ ተጋሩ፡ በዓል ሓጎስ ገብሪሂወትን ተምሳላቶምን፡ ዓመተ-ዓመት ኣብ በዓል ስርሒት ፈንቅል፡ ኣብ በዓል ነጻነት ከም ዝወዓሉዎን ዘዐወትዎን ጀጋኑ ተቖጺሮም ናይ ክብሪ ስፍራ ሒዞም ክርኣዩ፡ ንልብኻ ዝበልዕ እዩ። ኮይኑ ግና። እንሆልኩም! ከኣ፡ ዓዱ ኣይፍሉጥ ዓውዱ፡ ካበይ መጺኡ ዘይትብሎ ህበይ፡ ክሻ ተሸኪሙ ንጎደና ሓርነት ኣስመራ ሸነን ይብለላ ኣሎ። ደቀባት ኤርትራውያን ድማ፡ ኣብ ጎደጒድ ይሓቁ ኣለዉ።
ካብዚ ንላዕሊ ኣባጅጎ፡ እቲ እዚ ኣዕናዊ ጉጅለ እዚ ዝጥቀምሉ ኣገባብን ሽርሒን ብምንታይ እዩ ከርእየና? ናይዚ ጉጅለ እዚ እንታይነት፡ በየናይ መንገዲ እዩ እሞ ከረድኣና? ክቡራት ኣሕዋት “ኤርትራ ንኤርትራውያን” ንበል። ንሱ ዶ ኸይኮነ ትርጉም ሃገር? ሃገር፡ ንውላዳ እንተድኣ ዘይኮይና ኸ፡ ንመን እያ ክትከውን? እዚ ጉጅለ እዚ፡ ከመዚኣቶም ዝኣመሰሉ ተነቀፍትን ተኣፈፍትን ዝኾኑ ሕቶታት ከይፈቶና ከምነልዕል ጌሩና ኣሎ። ብሓቂ ድማ እቲ ቃልስና ተቖጽዩ ድኣ እምበር፡ ካብ ቀደሙ ነዚ ንምዕዋት እዩ ነይሩ። ኤርትራ ንኤርትራውያን ክገብራ። ኤርትራ ብኤርትራውያን ከምሓድራ።
ኣብ መጨረሽታ ግና፡ ነቲ ዘየናሕስን ከይብሉኒ ዘይብልን ፖለቲካዊ ቃልሲ ወሰነ ወሰን ምባል ገዲፍና፡ ከይፈተና ክንኣትዎ ኢና። ምኽንያቱ፡ ነቲ ግርህነት ዝባህርያቱ ኤርትራዊ ልቢ፡ ንዒቖሞ ከም ኣቕሓ ስለዝተጻወትሉ፡ ግርህነትና ክጎርሕ ግድነት ሰለዝኾነ። ምስ ጎርሐ ከኣ ኣይክከኣልን እዩ። ጭሕምን ጸሊእክን ሰብኣይን ደሊኽን ከም ዝብልዎ ኣቦታት፡ ከምቲ ናይ ሰሜን ኣፍሪቃ ማዕበል ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጥምጥም ቃልሲ ምስ ኣተወ፡ እቲ ቀልዓለማዊ ቃልሲ ከም ቆርበት ተመን ተገፊፉ ካብ ሕቖና ከልግስ እዩ። መን እንታዋይ ከም ምዃኑ እንጻረየሉ፡ ኤርትራ ንኤርትራውያን እትኾነሉ ዓመታት እንዳቐረበ እዩ ዝምጽእ ዘሎ።
ክሳብ ሽዑ ግና፡ በዚ ስርዓት እዚ እቲ ኤርትራዊ ዜጋ ዝብሃል ስደተኛ መን እዩ? እቲ ዓዱ ንኽበጽሕ በዞም ጉጅለ እዚኦም ፍቓድ ዝተዋህቦ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዓዶም ንኸይርእዩ ተኸልኪሎም ከምዘለዉ እንዳፈለጠ፡ ዘየሕምሞን ዋላ ሓንቲ ዘይስምዖን፡ ሕልና-ኣልቦን ፈታው ነብሱን ዝኾነ ዜጋ ጥራይ ከም ምኻኑ ኣይጠፍኣናን።
ከምዚ ኾይኑ ታሪኽ ዜግነትና፡ ወደባት ኤርትራዊ ብገዛእ ዓደ-ኣቦኡ፡ “ኤርትራዊ ኣይኮንካን፡” ዝብሉ ብመንነቶም ዘይፍለጥ ዓዋሉ፡ ሕጊ-ኣልቦ ዝኾነ ሽፍታዊ ስርዓት ተተኺሉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ድፋጭኡ ስሒኑ ኣሎ። ንስደታኛታት ኤርትራውያን ዜጋታት ድማ፡ መሬት ዓዶም ከይረግጹ ሓጹር ተኺለምሉ ኣለዉ። እዚ ሓጹር እዚ ግና ንተቓወምቲ ጥራይ ኣይኮነን። እቲ ዝዓበየን ዝደልደለን ሓጹርሲ ኣብ ካልእ ሸነኽ እዩ ተሸኺሉ ዘሎ። ንሱ ድማ ነቲ ዝበዝሐ ስደተኛ ህዝቢ ዝምልከት እዩ። እዚ ህዝቢ እዚ፡ ንኤርትራ መሬት ዓደ ኣቦይ’ያ ኢሉ ኮሪዑ ንኸይበጽሕ፡ ንምዕባሌኣ ከበርክት ኣሎኒ ኢሉ ከይነጥፍ፡ እቲ ህዝብና ኣትይዎ ዘሎ መግለጺ ዘይብሉ ኣስካሕካሒ ኩነታትን ምሕደራኡን ዓቢ ሓጹር ኮይንዎ ኣሎ።
ብወገኑ እውን፡ ብዛዕባ ሃገሩ ዝርኣዮን ዝሰምዖን ዝተዓዘቦን፡ ኣዋህሊሉ ክመምዮ እንከሎ፡ ዓደ-ኣብኡ ተመሊሹ ንኸይርኢ፡ ኣብ ዓደ-ኣብኡ ንኸይነጥፍን ንኸይነብርን ዝዓግት ዓቢ ሓጹር ተገይርሉ ከምዘሎ ዘይኣምነሉን ዘይዛረበሉን ኣይኮነን። ነዛ ኣብ መሬት ድኽነትን ሕሰምን ድንቁርናን፡ መሬት ግፍዕን ዓመጽን፡ መሬት ሓሶትን ጥልመትን፡ መሬት ጉቦን ስርቅን ሽፍትነትን ተቐይራ ዘላ ሃገረ ኤርትራ፡ ክበጽሓን ክነብረላን ኢሉ ዝኸደ፡ ክሰርሓላን ከማዕብላን ዝፈተነ ዜጋ፡ ሓዊ ከምዝመሽለጦ፡ ዋይ!! ዋይ!! እንዳበለ ጨርቁ ደርብዩ ዝምለስ እመበር፡ ተሓጒሸ፡ ተዛናጊዐ፡ ሓጊዘ፡ ገይረ፡ ኣድሚዐ፡ መጺአ ዝብል ወደባት ኤርትራዊ ስደተኛ ኣሎ ተባሂሉ፡ ክሳብ ሕጂ ኣይተሰምዐን። እዚ ድማ እዩ፡ እቲ ዘየእቱን ዓድኻ ዘየብልን ዱልዱል ሓጹር፡ ሸኺሎምሉ ዘለዉ። ቃልሲ መንእሰይ፡ ነዚ ሓጹር እዚ ንኸፍርስ፡ ትጽቢት ይግበረሉ። ህዝባዊ ሰውራ ሰሜን ኣፍሪቃ ከኣ፡ መንእሰያትና ነዚ ሓጹር እዚ ከምሕዉዎ ከምዝኽእሉ ኣረጋጊጹልና እዩ።
እቲ ዝበዝሐ ስደተኛ ህዝቢ ግና፡ ነዚ ኹሉ ርእዩን ተዓዚቡን፡ “እምቢ ንምልኪ!!” ክሳብ ዘይበለ፡ እንዳፈለጠ ነዚ ሓጹር እዚ ንኽድልድል ከምዘለዎ ዝገድፎ ዘሎ ዜጋ እዩ። ምኽንያቱ፡ ስቕታ!! ዓመጽን ግፍዕን እንዳረኣኻን እንዳሰማዕካን ክነስኻ፡ እንታይ ገደሰኒ ዝኾነ ይኹን ብማለት፡ ኢድካን እግርኻን ኣጣሚርካ ምዕዛብ፡ ከም ንተኽሊ ምልኪ ደኲዕካን ኮስኲስካን ማይ ምስታያ ክቑጸር ይክኣል። ብሓጺሩ ተሓባባራይ ግፍዒ ምዃን እዩ። ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ካብዚ ስቕታ እዚ ወጺእና ንመንእሰይ ሃገርና፡ ኣጆኻ!! ዓው ኢልካ ኤርትራ ንኤርትራውያን በል!! ንበሎ።
እምቢ ንምልኪ!!
ኤርትራ፡ ንኤርትራውያን ብኤርትራውያን!!
ወልደየሱስ ዓንደማርያም