ዝናን-ባህታን ናጽነትን-ሱቕታን! (4ይ ክፋል)

ለ) ምብታኽ ዝምድና ኤሪስታስ (ኤርታራ) ምስ ማሪታይም (ኢትዮጵያ)።

ንግድና ልማት የካቲት 1989 ብግእዝ።

ንግድና ልማት ዝተባህለት ጋዜጣ – ቤት ምኽሪ ነጋዶ ኣዲስ ኣበባ (ቻምበር ) ሕታም የካቲት 1989 (ብግእዝ) ከምዝገለጸቶ፣ ብናይ ቻምበር ጻዕሪ፣ ሓለፍቲ ወደባት ዓሰብን ባጽዕን ዝነበሩ ሰበስልጣን-ኤርትራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምዕዳም ምስ ኣባላቱ፣


ማለት ኢትዮጵያውያን ነጋዶ (ኣምጻእትን ለኣኽትን) ፊት-ንፊት ኣራኺቡ ኣብ መንጎኦም እንዳሓርፈፈ ክመጽእ ዝጸንሐ ናይ ስራሕ ዘይምጥዕዓም ብዘተ ንምፍታሕ ዝገበሮ ጻዕሪ ዝሕብር ኣኼባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ ኔሩ።

ኣብ’ቲ ኣኼባ ኢትዮጵያውያን ነጋዶ ዝሓተትዎ ሕቶ፣

ሀ) ዋጋ ኽራይ ናይ መኻዚኖ —————- ከቢሩ።

ሁ) ናይ መኻዚኖ ኣገልግሎት-ብዘይክፍሊት (ግረይስ ፒርየድ)……ሓጺሩ።

ሂ) ኣብ ወደባት ንዝጠፍእ ንብረት ——– ውሕስነት ግበሩልና።

ሃ) ናይ ስራሕ ሰዓታት ———————— ኣመሓዩሽልና።

ሄ) ኣብ ገለ ቤትጽሕፈታትኩም ናይ ቋንቋ ጸገም የጋጥመና’ሎ ——— ሓግዙና።

ህ) ናይ ወረቓቕቲ መስርሕ ማለት “ተጸበ-ተመለስ” ———–ኣመሓይሹልና።

ዝብሉን ዝኣመሰሉን ተራ ናይ ንግድን-ዕዳጋን ጠለባት’ዮም ኔሮም።

ጋዜጣ “ንግድና ልማት” እቶም ናይ ወደባት ሓለፍቲ ዝሃብዎ ሓጺር-መልሲ ምስ ስእሎምን ስሞምን ናብ ኣንበብቲ ኣቕሪባቶ ኔራ። ብሓፈሽኡ ግን በቶም ኤርትራውያን ሓለፍቲ ዝተዋህበ መልሲ፣

“….ኣብ ጎረባብትና ካብ ዝርከቡ ተመሳሰልቲ ናይ ወደባት ኣገልግሎት እቲ ዝሓሸ ናትና ኢዩ….” ዝብል ናይ ዝናን-ባህታን ነጸብራቕ’ዩ ኔሩ፣

ብዘይምግናን ድማ ነቲ ዝቐረበ ናይ ንግድን-ዕዳጋን ሕቶታት ኣብ ግምት ዘእቱ መልሲ ኣይነበሮን። ሽሕ’ኳ ብኣካል ስለዘይተሳተፍኩዎ ናይ ዓይኒ ምስክርነት ኣይሃልወኒ’ምበር፣ እቲ ኣኼባ ምዱብ ሰዓቱ ክሳብ ዝወዳእ ኣይቀጸለን። ምርድዳእ ስኢኖም’ሲ ቀልጢፉ’ዩ ተበቲኑ ዝብል ዘረባ’ውን ኔሩ።

ዝኾነ ኾይኑ ብድሕሪኡ ዝሰዓበ ኩነታት፣ እቲ ናይ ስራሕ-ዝምድና ናይ ምምሕያሽ ኣንፈት ኣየርኣየን። ብኣንጻሩ’ኳደኣ ብሸነኽ ኢትዮጵያ፣

ናይ ደረቕ ወደብ ኣገልግሎት ክጅመር’ዩ ዝብል ሓዲሽ መመላእታ/ኣማራጺ ተላዕለ። እዚ ሓዲሽ ብሂል ዘበገሶ ሜላ፣ ኢትዮጵያ ካብ ወጻኢ እተምጽኦ እስቤዛ፣ መሬት ኤርትራ ከይተንከፈ ብቐጥታ ካብ ዝባን መርከብ ናብ ዝባን ናይ ጽዕነት መኻይን ክራገፍ። እተን መኻይን ድማ፣ ካብ መሬት ኤርትራ ብሸነኽ ቡሬ ዶብ ስግር ኢለን ኣብ ናይ ኢትዮጵያ መሬት ጽዕነተን ኣራጊፈን ናብ ዓሰብ ክምለሳ’ሞ፣ ካብኡ ነቲ ካብ መርከብ ጽዕነት ናይ ምቕባል ዝጀመረኦ መስርሕ ክደጋግመኦ።

ከምኡ’ውን እቲ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ወጻኢ ዝለኣኽ ንብረት ኣብ ማእከል ሃገር ኣብ ፍሉይ ቦታ ክእከብ። ንኣብነት ኣብ ብሎኮ ናይ ኣዲስ ኣበባ ብሸነኽ ጽርግያ ደብረዘይት-ናዝሬት-ዓሰብ ዝርከብ ኣቃቂ/ቃሊቲ ዝበሃል ቦታ፣ ከም ሓደ ጫፍ ናይ’ቲ ዝተሓስበ ደርቅ-ወደብ ኮይኑ ከም መበገስን መራገፍን ከገልግል ከምዝኽእል፣ ዓቢ ዛዕባ ኮይኑ ተላዕለ።

ከም ኣበጋግሳ ናይ’ዚ ሓዲሽ መደብ’ዚ እምበኣርከስ፣ ብዝተኻእለ መጠን እቲ ዝግበር ምንቅስቓስ ፈለማ ካብ’ቲ ኣብ ማእከል ሃገር ዝርከብ ሓደ ጫፍ ናይ ደረቕ ወደብ ናብ’ቲ ኣብ ገምገም ዶብ ኤርትራን-ኢትዮጵያን ዝምስረት ካልእ ጫፍ ናይ ደረቕ ወደብ ክኸውን፣ ካብ’ኡ ድማ ብናይ መኻይን ሰንሰለት ተተሓሒዙ ናብ’ተን ኣብ ባሕሪ ዝጽበያ መራኽብ ክጸዓን ማለት’ዩ።

ንሱ እንተዘይተኻእለ ግን ኣብ መኻዚኖ ናይ ኤርትራ ተዓቚሩ ዝጽበየሉ ግዜ ብዝተኻእለ መጠን ከምዝሓጽር ንምግባር ዝዓለመ ሜላ’ዩ ኔሩ። ከምትጽቢቱ እንተሰሚሩ ድማ ንኣገልግሎት ወደባት ኤርትራ እቲ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ እንዳኾነ ዝምዕብል ዝነበረ ጻዕቂ ስራሕ ምእንቲክቃለሉ ብወገን ኢትዮጵያ ዝተፈተነ ሜላ ኢዩ።

ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ስራሕ ተረኺቡስ ዝሰርሖ ስኢኑ ማለት ድ’ዩ።

እዚ ጉዳይ’ዚ ብቐሊሉ ዝሕለፍ ኣይኮነን።

ስለምንታይ ኢትዮጵያ ናብ’ዚ “ደረቕ ወደብ” የድሊ’ሎ ዝብል ሓሳብ በጺሓ??

ትጉህ ሰራሕተኛ ድዩ ተሳኢኑ?

ወደባት ዓሰብን ባጽዕን ድዮም ጸቢቦም?

እንታይ’ዩ ኔሩ እቲ ጸገም?

ዝኾነ ኾይኑ እቲ ጉዳይ ማ’ጨሎት ዝነጽገሉ ሽማግለ ኣይረኸበን። በብቑሩብ እኳደኣ ፈኸም ክብሉ ዝጸንሑ ካልኦት ተኣፈፍቲ ጉዳያት’ውን ተደራሪቦሞ ተሳዊሩ-ተሳዊሩስ ከም እሳት ተባርዐ። ምርሕሓቕን ምትህልላኽን ሳዕረሩ። ናይ ነገር መወዳእታ ድማ ማሪታይም ናቱ ስጉምቲ ወሲዱ፣ ካብ ወደባት ናይ ኤርትራ ናብ ጂቡቲ ገዓዘ።

እዚ ግዒዙ ዝበሃል ዘሎ ሃብትን ናይ ስራሕ ዕድልን እምበኣርከስ ንግዜኡ ምግማቱ! ንሓዋሩ ድማ ምጽንዑን ምምርማሩን ንኢሳያስን-ህግደፍን ዝግደፍ ዛዕባ ኣይኮነን። እስኪ እዛ ትስዕብ ቀላል ኣብነት ክሕውስ።

ናብ ወደባት ዝኣትዋን ዝወጽኣን መኻይን ዝኸፍልኦ ናይ ርግጫ ክፍሊት ንምግማት፣ ምናልባት ኣብ መዓልቲ 200 መኻይን ዝግልገላ እንተኔረን፣ እሞ ምናልባት ሓንቲ መኪና ድማ ሓምሳ ብር ትኸፍል እንተኔራ፣ 200* 50*30*365*13 = ቢልዮናት (3) ክበጽሕ’ዩ። እዚ ድማ እቲ ናብ ካዝና-መንግስቲ ዝኣቱ ሃብቲ ጥራይ ዝጽብጽብ’ዩ። ምስኡ ተተሓሒዙ ናብ ሆቴላትን ቤትብልዕታትን ከምኡ ድማ ካልኦት ትካላት ናይ ውልቀ ሰባት ክኣቱ ዝግብኦ ዝነበረ ናይ ንግድን ዕዳጋን ምህርቲ ከይሓወስካ’ዩ።

ስለ’ዚ ስራሕናን መጻኢ ዕድልናን’ዩ ግዒዙ ማለት’ዩ።

ብኻልእ ኣዘራርባ ድማ “ንሳቶም ንቕድሚት ንሕና ድማ ንድሕሪት ንኸይድ ኣለና” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጽሑፍ፣…… “ጽቡሕ ምኣዲ ብምሕሳምና፡ እንጉዳእ ንሕና እዞም ናይ ሕጂ ወለዶ ኤርትራውያን ጥራይውን ኣይኮናን። ጻሕሊ መጻኢ ወለዶታት ኤርትራ ንሰብሮ ከምዘለናውን ክንዝንግዕ ኣይግባእን። ባህርያዊ ብልጫታትና፡ ማለት ቅርበት ወደባትና ናብ ኢትዮጵያ፡ ባህላውን ታሪኻውን ምትእስሳርን ርክብን ህዝብታትና፡ ንሕና ሕጂ እንተዘይተጠቒምናሉ፡ ጽባሕ ዝስዕቡ ወለዶታት ኤርትራ ንሓዋሩ ክስእኑዎ እዮም። ነባሪ ብልጫ ዝብሃል ከምዘየልቦ ከኣ ክንዝንግዕ የብልናን።” ……. ይብል ኣማኑኤል ኢያሱ።

http://www.assenna.com/index.php/2011-03-12-15-29-42/2984–2-.html

“ጽቡሕ መኣዲ” ድዩ ዝበለ ኣማኑኤል፣ ጽቡሕ መኣዲ ይዓድሎ። ንኣይ ዝገርመኒ ኣማኑኤል’ሲ ከምመብዛሕትና ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ዩኒቨርሲቲ ኣይተማህረን። ብጻዕሩን ብድኻሙን ኣብ ሓጺር እዋን ዘጥረዮ ልቦና ግን ኣብ’ዚ ጽሑፍ’ዚ ሰፊሩ’ሎ። ተስፋናን መጻኢ ዕድልናን ድማ ብከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣማኑኤላት ከምዝቕየስ እነሆ እዚ ጽሑፍ’ዚ መረጋገጺ ኢዩ። ዓይኒ ሓሳድ ይድፈነልና።

ዝኾነ ኾይኑ ማሪታይም ናይ ኤርትራ ወደባት ገዲፉ ናብ ጂቡቲ ግዒዘ’ለኹ ኢሉ ምስኣወጀ እምበኣርከስ ኢትዩጵያውያንን ኤርትራውያንን ተዓዘብቲ ጥራይ ዘይኮኑ፣ ኤሪስታስ ከይተረፈ’ዩ ሰንቢዱ። ናይ ስናባድኡ ምልክት ድማ ቀልጢፉ ዓይኒ’ብለይ-ስኒ’ብለይ! ዝዓይነቱ መግለጺ ኣውጽአ። ፈለማ’ኳ ኣብ’ቲ ናይ ህልኽ ጎደና ረጊጹ፣ ስምምዕና ናይ ክልተ መንግስታት ውዕል ስለዝኾነ ማሪታይም ብገዛእ ፍቓዱ ከፍርሶ ኣይክእልን’ዩ፣ ዝብል ክርክር ከልዕል’ዩ ፈቲኑ። ደሓር ግን ነገራት ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ከምዝኸዱ ምስተገንዘበ፣ ነቲ ኣቐዲሞም ነጋዶ ዝሓተትዎ ሕቶታት ጥራይ ዘይኮነ ወላ ምስ’ቲ ብሃንደበት ዝተቐልቀለ ሓዲሽ ናይ ደረቕ-ወደብ ሜላ’ውን ተዓጻጺፉ ክሰርሕ ምዃኑ ኣወጀ። ዝርዝር ትሕዝቶ ናይ’ቲ ብአሪስታስ ዝወጽአ ሓዲሽ መምርሒ ከኣ ኣብ ጋዜጣታት ሓዳስ ኤርትራን፣ ኤርትራን ፕሮፋይልን ተሓቲሙ ናብ ኣንበብቲ ቀሪቡ ኔሩ። ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ስለዝነበረ ግን ብወገን ኢትዮጵያ ሰማዒ እዝኒ ኣይረኸበን።

ሐ) ዕዳጋ ናይ ጨው፣

ኩሉ ሰብ ከምዝፈልጦ ድሕሪ ነጻነት፣ ናይ ኤርትራ ጨው ብዘይመወዳድርቲ’ዩ ናብ ኢትዮጵያ ዝቐርብ ዝነበረ። ዋግኡ’ውን ምስ ርሕቀቱን ምስ ዓይነቱን ዝመጣጠን ኣይነበረን። ማለት’ሲ ርሕቅቱ እንተተራእዩ ኣዝዩ ቀረባ፣ ብዓይነቱ እንተተራእዩ ድማ ኣዮዲን ዘይተሓወሶ ናይ ባሕሪ ጨው’ዩ ኔሩ። እዚ ሓቂ’ዚ ኣብ ቦትኡ እንዳሃለወ ግን ብሸነኽ ኢትዮጵያ ፍሉይ ሓለፋ ተዋሂቡዎ፣ መወዳድርቲ ዘይብሉ ናብ ምሉእ ኢትዮጵያ ይዝርጋሕ ኔሩ። እቲ መስርሕ ድማ ብኢትዮጵያውያን ወይ ኤርትራውያን ነጋዶ ዘይኮነ’ሲ ብባዶ-ትሽዓተ ተባሒቱ ይካየድ ከምዝነበረ መዘከርታ ዝደሊ ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን። እዚ ኣኻይዳ’ዚ ዘይተዋሕጠሎም ኢትዮጵያውያን፣ ካብ ተራ ሰብ ክሳብ በዓል ስልጣን ከኣ ብዙሓት’ዮም ኔሮም።

ንኣብነት ኣቶ ታምራት ላይነ ቀዳማይ ሚኒስተር እንከሎ፣ ናይ ጨው ዕዳጋ ብንጽጽር ዘንጸባርቕ መጽናዕቲ ካብ I.D.A ናብ ቤት-ጽሕፈቱ ቀሪቡ ኔሩ። ትሕዝቶ ናይ’ቲ መጽናዕቲ ብዜና ምስተቓለሐ ድማ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኣቶ ታምራት ላይነ ክንደይ ላዕልን-ታሕትን ፈጢሩ። ምኽንያቱ እቲ መጽናዕቲ ካብ ናይ ኤርትራ ጨው ዝሓሰረን ዝበለጸን ኣብ ካልእ ዕዳጋ ከምዝርከብ ዝሕብር መጽናዕቲ’ዩ ኔሩ።

ዝኾነ ኾይኑ ካብ ባሕሪ ሓፊስካ ብኾናትል መሊእካ ዝሽየጥ ጨው፣ ዝነበሮ እቶት፣ ቀሊል ኣይነበረን። ስለ’ዚ ድማ ካልእስ ይትረፍ 80 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ዕለታዊ ምግቡ ንዝጥቀመሉ ዘይነጽፍ “ፈልፋሊ-ዕዳጋ” ንፋስ ምእንቲ ከይኣትዎ ጥራይ፣ ኲናት ገዲፍካ መንገዲ ሰላም ክምረጽ ምተገብአ ኔሩ። ኣይተገብረን’ምበር፣ ምእንቲ’ዛ ዕዳጋ ናይ ጨው ዕዳጋ ጥራይ መዳፍዕ-ኤርትራ ካብ መኻዚኖ ክወጽኡ ኣይነበሮምን።

ኩሉ ሰብ ከምዝፈልጦ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ መኻይን ንዝተራገፈ ጨው ክከታተሉን፣ ካብ ዓደግቲ ገንዘብ ክቕበሉን ተመዲቦም ዝነበሩ “እሙናት” ኣብ ሓጺር እዋን፣ ዝኾነ ተዓዛቢ ዝኽዕቦ ናይ ሚልዮናት ንብረት ኣጥርዮም ክረኣዩ ጀሚሮም ኔሮም። ዕለታዊ ናብርኦም ድማ ኣዝዩ ሕንቁቕ’ዩ ኔሩ። ካልእስ ይትረፍ ምስኦም ናይ ምምሳይ ዕድል ዝረኸበ ሰብ ሕቱም ጥርሙስ ዊስኪ’ዩ ዝኽፈተሉ ክሳብ ምባል ተበጺሑ ኔሩ። ካብ ተኸፊቱ ዝጸንሐ ጥርሙስ ኣይቅድሓሉን’ዩ ኔሩ!!

እዚ ናይ ጨው ዕዳጋ እምበኣርከስ ሓደ ኣካል ናይ’ቲ ምስሕሓብ ወይ ድማ ናይ ኣሰራርሓ ዘይምጥዕዓም ስለዝነበረ፣ ቀቅድሚ ምብራዕ ኲናት ዋግኡ ጥራይ ዘይኮነ ዓይነቱ’ውን ዳግመ-ግምት ተጌሩሉ፣ ብሸነኽ ኢትዮጵያ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ክውሰድ ተወዲኡ ኔሩ። እወ ኲናት ፋሕ-ብትን ኣቢሉዎ’ምበር ብሓገዝ ዩኒሰፍ-ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዓሰብ፣ ኣዮዲን ምስ ጨው ዝሕውስ ተክኖሎጂ ክትከል ተሓሲቡ ኔሩ።

ካብኡ ንደሓር ብሸነኽ ኤርትራ፣ እቲ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ሓዲሽ ቋንቋ፣ ማለት ብዛዕባ ዓበይቲ ቀላያት ድዩ ወይስ ዕዳጋታት ኮንጎን ሩዋንዳን …… ክዝረብ ተጀሚሩ። ተፈቲኑ ድማ። ስለ’ዚ ናይ ኤርትራ ጨው ብኤነ-ትረስ ደሓን ብኣድግን ብገመልን ተጻዒኑ መረብ ስግር ኢሉ ናብ ጻዕዳ ጣፍ ዝልወጠሉ ዕዳጋ ኣጥፊኡ። መተካእታ ወይ ድማ ኣማራጺ እንተተረኽበ ክሳብ ኮንጎ ምስበጽሐ ከኣ፣ ክላ ወደይ ንስኻስ ኣዮዲን’ኳ ስለዘይብልካ፣ ንመወዳድርትኻ መሲልካ ምጻእ ዝብል ማዕዳ ተጻሒፉዎ ንገዝኡ ተመሊሱ፣ ክሳብ ሎሚ ድማ ዘልዕሎ ስኢኑ ኣብ ቅርዓት ተሰጢሑ ይጽበ’ሎ። እዚ ናይ ጨው-ዕዳጋ ክሳራ ኣብ 13 ዓመታት እንተተደሚሩ ድማ ናይ ቢልዮናት(4) ክሳራ ከመዝግብ’ዩ።

ናይ ሎሚ ጽሕፍቲ ቅድሚ ምድምዳመይ እዛ ሓጻር ትዕዝብቲ ከዘንትወልኩም።ኣነስ ኣይበትከለይን’ዩ!! ትብል ኔራ ዓባያይ፣ ዘይሓሰበቶ ነገር እንከጋጥማ። ኣነ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሓንቲ ጥዕምቲ ጉዳይ፣ ምስገሽኩ ዘጋጠመትኒ ሓጻር ዕላል’ያ። ጠጥዑሙ ይዓድልኩም!

ኣብ ዝወዓል ውዒልና ኣማስያና ኣብ ዳስ ተኣከብና’ሞ፣ ዕላል ተጀመረ። ካብ ርሑቕን-ቀረባን ኢና መጺእና። መብዛሕትና ድማ ዳርጋ ኣብኡ ኢና ተላሊና። ካብኡ ወያ ዕላል ኣይደንጎየትን ቀልጢፋ’ያ ኤርትራዊት ኮይና። ስለ’ዚ ቅልጥፍ ኢሉ ሓደ ካብቶም ኣጋይሽ

“ኣብ ሰሜን ኣመሪካን ኣብ ሓንቲ ሃገር ናይ ኣፍሪቃን ናይ ንግዲ ሰንሰለት ከምዘለዎ ሓበረ’ሞ፣ ሰሙነይ ጌረ ካብ ዓዲ ካብ ዝመጽእ ወሰኸሉ። ቀጺሉ ድማ ዓዲ ጽቡቕ ይመሓየሽ ኣሎ። እኽሊ መሊኡ’ዩ። መንግስቲ ድማ ብዙሕ ጽቡቕ ነገር ይገብር ኣሎ። ንኣብነት ብዛዕባ ኣንጻር ሕማም አይድስ ዝገብሮ ዘሎ ጎስጓስ ኣዝዩ ዝድነቕ’ዩ። ከምኡ ጌሩ ሳላ ዝጸዓረ ድማ አይድስ ኣብ ኤርትራ ዳርጋ የለን ናብ ዝበሃለሉ ደርጃ በጺሑ’ሎ። ማዕረ-ማዕረ ናይ’ቲ ኣንጻር አይድስ ዝግበር ጎስጓስ ድማ ኮንዶም ኣብ ሆቴላት ብናጻ’ዩ ዝዕደል፣ በለ።

ብተወሳኺ ድማ መከላኸሊ ናይ ጣንጡ (ላምስያ) ንዝደለየ ሰብ መንግስቲ ብናጻ ይዕድል ኣሎ። ኣነ ድማ ተስፋ ዘለዎ ኩነታት ስለዝተዓዘብኩ፣ ሊቸንሳ ናይ ኢምፖርት/አክስፖርት ኣውጺአ ተመሊሰ” በለና። እታ ሊቸንሳ ናይ ምውጻእ መስርሕ ኣብ ካልእ ሃገር ናይ ኣፍሪቃ (ስም ብምጥቃስ) ሳልስቲ ከምዝወሰደትሉ፣ ኣብ ኤርትራ ግን ካብ ወርሒ ዝያዳ ከምዝወሰደትሉ’ውን ኣይሓብአን።

ዝኾነ ኾይኑ ካብቶም ኣብ ጥቕኡ ዝነበርና ሓደ ሰማዒ ፍልይ ብዝበለ ርኢቶ፣ ማለት ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዝነበረን ሕጂ ዘሎን ኩነታት ናይ ንግድን-ዕዳጋን፣ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሕማም አይድስ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኣነጻጺሩ ተዛረበ’ሞ፣ ወዮ ነጋዳይ ነቲ ኣቐዲሙ ዝበሎ ክደግሞ ፈተነ። ሽዑ ወዮ ክምልስ ዝፈተነ ሰብኣይ ብድድ ኢሉ ተንሲኡ ቦታ ብምቕያር ካብ’ቲ ዕላል ረሓቐ። እቶም ዝተረፍና ግን ስዋን ሜስን ተሓዊሱዎ ግዲ ኾይኑስ ኣይሃደምናን። ዝገደፍና’ውን የብልናን። ዝተረፈ እንተሎ ድማ ንኣኹም እገድፎ። ……. ክገርመኩም ግን ኣይተዃረናን። ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ነጋዳይ ከም’ዚ ዝበለ ናይ ዘተ መኣዲ ምጅማሩ ዝነኣድ’ዩ። ብወገነይ ብዓይነይ ዝረኣኹዎ ክደግም እንተኾይነ ግን ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ማሕረስ ከይተረፈ ተዋፊሮም ጽቡቕ ምዕባለ የርእዩ’ለዉ። በለና። ኣነስ ኣይበትከለይን’ዩ ትብል ኔራ ዓባየይ ዘበለኒ ምኽንያት ድማ እዚ ዘረባ’ዚ ኢዩ።

ዝኾነ ኾይኑ ይቕረታ ዘረባ ኣብዚሐ!! ናብ’ቲ ቀንዲ ዛዕባ ክምለስ’ሞ ነዛ ናይ ሎሚ ጽሕፍቲ መደምደምታ ክገብረላ። ኣብ ጽሑፈይ ሓደ-ክልተ ዝብል ምልክት እንዳገበርኩ ናይ ቢልዮናት ክሳራ ክእምት ደጋጊመ ፈቲነ’ለኹ። እዚ ድማ ኤርትራ ብዘይካ ኢትዮጵያ ከም ሃገር ክትቀውም ኣይትኽእልን’ያ ናብ ዝብል ቄናን መንገዲ ክጉተት የብሉን። ኣነ ክብሎ ዝደሊ ዘሎኹ፣ ኣብ ዓዲ ኣብ ማእከል መጋርያ ዘሎ ሞሶብ-ምሉእ “ጽቡሕ መኣዲ” ገዲፋካ፣ ፈቐዶ ባሕርን በረኻን፣ ጨዓን-ዓላን ቆጥቂጥካ፣ ጸጊእካ-ኣይምካ-ዘሪእካ፣ ማይ ክሃርም እዝግዮ እንዳበልካ ቀውዒ ምጽባይ! ካልእስ ይትረፍ ስንቅኻን ዘርእኻን ኣወዲኡ ኣደዳ ሕማምን ስደትን ክዳርገካ ይኽእል’ዩ። ክብል’የ ዝፍትን ዘለኹ። ብሓጺሩ’ሲ ኢትዮጵያ ንናይ ዓሰብን ባጽዕን (ንመጻኢ ድማ ጢዖ!) ዝመስል ኣገልግሎት ካብ ጎረባብትና ሃሰስ ክትብል ዘገደዳ ምኽንያት ናትና ናይ ኤርትራውያን ድኻምነት’ዩ። ዝሓለፈ ከይኣክል ድማ፣ ነዚ ድኽመት’ዚ ንምሽፋን ምእንቲ መንግስቲ ምእንቲ ሃገር ወይ ድማ ምእንቲ ገድልን ምግዳልን፣ ንልኡላውነት ዝጸሉ ህዉጽ-ኣርእስቲ እንዳፈጠርካ፣ ብቐጻሊ ናይ ንግድን-ዕዳጋን ሃዋህው ምህዋጽ ብታሪኽ ዘሕትት ተግባር’ዩ።

ኣብ ዝቕጽል ብዛዕባ ምስጓግ ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያን ምጅማር ገንዘብ/ባጤራ ናይ ኤርትራን ክጽሕፍ ክፍትን’የ። ደሓን ቀንዩ!

ራህዋን ሰላምን ንህዝቢ ኤርትራ።

ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተኸለጊዮርጊስ።

Ewandt54@gmail.com

VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0.0/5 (0 votes cast)
VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0 (from 0 votes)

What do you think?

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>