ኣምባሳደራትን ቆንስላትን ሓለፍቲ ህግደፍን ኤርትራ ናብ ኤርትራ ክኣትዉ ይእዘዙ። ስርዓት ህግደፍ 5 ዜጋታት ይርሽን።

ኩሎም ኣምባሳደራትን ቆንስላትን ኤርትራ ከምኡ ‘ውን ኣብ ጎኒ ኤምባሲታት ኮይኖም ዝዓዩ ሓለፍቲ ህግደፍ ን10 ጥሪ ኣስመራ ክኣትዉ ብ’ፕረዚደንት’ ኢሳይያስ ቀጥታዊ ትእዛዝ ከምዝተዋህቦም መርበብ ሓበሬታ ኤሪትርያ ዎች ኣቐዲማ ንዘውጽኣቶ ሓበሬታ ኣሰና ኣረጋጊጻቶ።



ቀንዲ ምኽንያት መጸውዒኦም፡ ነቲ ብተቓወምቲ ብፍላይ ከኣ ብኤርትራውያን መርበባት ኢንተርነት ዝዝርጋሕ ዘሎ እዋናዊ ሓበሬታ ንምክልኻልን ዘመተ ንምክያድን፡ ኣብ ኣሰራርሓ ኤምባሲታት ስርርዕ ንምግባርን ምዃኑ ምንጭታት ኣብሪሆም።


ብዘይ’ካ እዚ ንጉዳይ ሶማል ኣመልኪቱ ኢሳይያስ  ክምድረሎም ምዃኑ ‘ውን ተፈሊጡ ኣሎ። 


ብኻልእ ወገን ናብ ሱዳን ክወጽኡ ዝፈተኑ ካብ 18-26 ዝዕድሚኦም 4 መንእሰያትን ሓደ ወዲ 45 ዓመት ተቐማጣይ ከባቢ ግርማይካን፡ ብ 9 ታሕሳስ 2008 ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ከባቢ ግርማይካ ክራእየት ኣብ ዝተባህለ ቦታ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ብተመልከተለይ ከምዝተረሸኑ መርበብ ሓበሬታ ኤሪትርያ ዎች ዝርዝር ኣስማት ግዳያት ብምቕራብ ኣፍሊጣ።


እቲ ኣነዋሪ ተግባራት ክፍጸም ከሎ ዘይተዋሕጠሎም ገለ ኣባላት ስለያ ተቓውሞኦም ድሕሪ ምግላጾም፡ ናይ ሕድሕድ ቶኽሲ ብምኽፋቱ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት (ቀተልትን ተቓወምትን) ሰለስተ ወተሃደራት ከምዝተቐትሉ ‘ውን እታ መርበብ ሓበሬታ ብተወሳኺ ትጠቅስ።

VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0.0/5 (0 votes cast)
VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0 (from 0 votes)

What do you think?

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>