ዝናን-ባህታን ናጽነትን-ሱቕታን። (5ይ ክፋል)

 

ዕዳጋ-ብልፍንቲ!

ናይ ሓንቲ ሃገር ገንዘብ ኣብ ማእከል ዓዱ፣ ግራቱ ብሒቱን፣ ደረቱ ሓጺሩን፣ ክገላበጥ እንተተደልዩ፣ መን’ኻ ዝብሎ የብሉን። ዶብ ክሰግር እንተተሓሲቡሉ ግን ዓማዊሉ ከምዝበልዎ’ዩ ዕድሉ ዝውሰን።

ኩሉ ሰብ ከምዝፈልጦ ናይ ኤርትራ ገንዘብ/ባጤራ ክሕተም’ከሎ፣ ናይ አኮኖሚ ኣማኸርቲ/ሓንጸጽቲ ዝነበሩ ሊቃውንቲ ሓደ እማመ ኣቕሪቦም ኔሮም። እዚ እማመ’ዚ ናይ ክልቲአን ሃገራት ባጤራታት ኣብ ክልቲኡ ዕዳጋ ማዕረ-ማዕረ ተላፊኖም ምእንቲ ክሰርሑ ሃየ’ስኪ ንመያየጠሉ ዝብል፣ ንቕድሚት ዝኣንፈተ፣ ኣዝዩ ንኡድ ሜላ’ዩ ኔሩ።

 

ዝናን-ባህታን ግን ነቲ ሓዲሽ ናይ ዕዳጋ ቋንቋ፣ ማለት ናይ ኤርትራ ባጤራ፣ ናቕፋ ዝብል ናይ ፖለቲካ ስም ኣሰኪሞም፣ ዶብ ክሰግር ከምዘይክእል ቅፍድፍድ ኣቢሎም ኣሳሲሮም’ዮም ከበግስዎ ፈቲኖም። ናይ አኮኖሚ ሊቃውንቲ ዝበልዎ ካልእ ዝናን-ባህታን ዝበልዎ ካልእ። ዝናን-ባህታን እምበኣርከስ ነዚ ካብ ውሻጠ’ኳ ክወጽእ ዘይነበሮ ናይ ሓድሕድ-ዘይምትእምማን ሒዞም’ዮም ናብ ዕዳጋ ቀሪቦም። እዚ ድማ ነቶም ብንፋስ ህቦቡላ ክህወጹ ዝጸንሑ ብዙሓት ናይ ሓባር-ረቛሕቲ፣ ከም ሓደ ዓቢ ተወሳኺ ማዕበል ኮይኑ ብዝገደደ’ዩ ኣናዊጽዎም፣ ንምባል ደኣ’ምበር ናይ ኤርትራ ባጤራ ካልእ ስም እንተዝወሃቦስ ኲናት ባድመ ምተረፈ ኔሩ ንምባል ኣይኮነን ዕላማ ናይ’ዚ ጽሑፍ’ዚ።

ዝኾነ ኾይኑ ኢትዮጵያ ግን፣ ክሉደቀይ እዚ ትብልዎ ዘለኹም ዕዳጋ-ብልፍንቲ’ሲ ዘዛርብ ኣይኮነን፣ ሃየ ደኣ ገግራትና ንሕጸር’ሞ፣ ካብኡ ቀጺልና በቲ ልሙድ ኣሰራርሓ፣ ማለት በቲ ምስ ካልኦት ሃገራት ዓለም ንዋስኣሉ ሜላ ክንራኸብ ይሕሸና። ዝብል ዘየማትእ ቆራጽ-መርገጺ’ያ ወሲዳ። እዛ ስጉምቲ’ዚኣ ኣዝያ ተራር’ያ ኔራ። ምትራራ ብዘየገድስ ግን፣ ኢትዮጵያ ባህ ዝበላ ሜላ ክትክተል መሰላ ኢዩ። ከምኡ’ውን ኤርትራ።

ኣብ’ታ ሰዓት’ቲኣ ግን ፍቕሪ ቀደሞም ዝዕቅብ ሜላ ኣይተመርጸን።

ስለ’ዚ እዛ ተራር ስጉምቲ’ዚኣ ኣብ ርእሲ’ቲ ክሳብ ሕጂ ክጽብጽቦ ዝፈተንኩ ምብጥጣስ መትኒታት-አኮኖሚ ናይ ሓባር-ዕዳጋ ተወሲኻ፣ ከም በላሕ ገዞሞ ኮይና ነታ ብድሕሪ ነጻነት’ሲ ኣብ ቅልጽም ናይ ኢትዮጵያ አኮኖሚ ተንጠልጢላ ክትቅጽል ተረሲዓ ዝጸንሐት ናይ ኤርትራ አኮኖሚ፣ ካብ መንጠልጠሊኣ ብጥስ ኣቢላ’ያ ናብ ባይታ ደርብይታ። ሽዑ ድማ’ዮም ዝናን-ባህታን ዝባህረሩ። ዓለም ክሳብ ዝገርሞ ድማ ዘዕገርገሩ።

ክሳብ ሽዑ ዝናን-ባህታን ዋዕ-ኢሎም ዝደርፍዎ ዝነበሩ ዝርሳዕ ኣይኮነን። ከይሓፈሩ ንወያኔ ንሕና ኢና ኣብ’ዚ በጺሖሞ ዘለዉ ደረጃ ዘብጻሕናዮም። ሕጂ ድማ እንተደሊና፣ ዝሰራሕናዮ ህንጻ ምፋርስ ኣይክጽግመናን’ዩ። ወያኔ ከኣ ነዛ ኢድና ይፈልጡዋ እዮም። ንሕና እንተዘይሓጊዝናዮም ኣብ ኣዲስኣበባ ውዒሎም፣ ምሕዳሮም መቐለ ከምትኸውን ይፈልጡዋ’ዮም፣ እንዳበሉ ኣብ ናይ ወያኔ ሳሎን ጎቦ ኾይኖም፣ ቡን ምስዕጣኑን ሽጋራ ምስ ትምባኾን ከይኣክል፣ ኣብ ዓዲግራት ዝተሰርሐ ኣረቂ እንዳሰተዩ፣ ኣብ ናይ ዓድዋ ጨርቃ-ጨርቅ ፋብሪካ ዝተኣልመ ፒጃማ ለቢሶም፣ ምናልባት ኣረቂ በዚሑ ርእሶም እንከሕምሞም ድማ ኣብ ናይ ዓዲግራት ፋብሪካ-መድሓኒት ዝተቓመመ ፓናዶል እንዳወሓጡ፣ ቪድዮን ተለቪዥንን ክርእዩ መሬት ዓሪቡዎም፣ ዕድሎምን ግዜኦምን ስለዘጥፍኡ፣ ነዛ ውሳኔ’ዚኣ ምስሰምዑ ካን! ሰማይን-መሬትን’ዩ ተላጊቡዎም። እዚ ናይ እርጋን ሕንቃቐ’ዚ’ዩ እምበኣርከስ ነገር ዝጸየቐ።

ደሓርከ! እንተበልኩም፣ ደሓር’ሲ ዓይኖም ሕውዝውዝ እንዳበሎም ድለ-በል ኩስቶ ተጀሚሩ። ቦምባ-ኣቶሚካ ኣብ ኢዶም እንቋዕ ኣይጸንሐት! እወ ካብ ሳሎን እንዳማቶም ተሰጒጎም፣ ኣምሳይኡ ካልእ መዓይሞ ሃሰስ ክብሉ ምስጀመሩ፣ ኩሉ ነገር ፋሕ-ብትን ኢሉ’ዩ ጸኒሑዎም። ዘሕዝን’ዩ። እንታይ? ኣበይ? ከምዘቐመጥዎ ኣይፈልጡን’ዮም ኔሮም።

ኣብ ኣፉን-ዕርበቱን ተብ-ተብ ክብሉ ምስጀምሩ ድማ፣ ሓኽልን-ምሳርን፣ ሴፍን-ዋልታንስ ይትረፍ፣ ስረን-ቁልፍን! ሳእንን-ካልስን! ብርዕን-ወረቐትን’ኳ! ብሓንሳብ ኣይጸንሕዎምን። መን ምስ ቀረቦም ብሓንሳብ ክጸንሑ። ዝናን-ባህታን’ኮ ኣብ’ዛ ዓለም-ዕዳጋ ኣብ ስራሕ ኣይጸንሑን። ካልእስ ይትረፍ ካብ ኣስመራ ናብ ዓሰብ ዝነበረ ናይ ተለፎን ኣገልግሎት’ኳ ብኢትዮጵያ’ዩ ዝሓልፍ ዝነበረ። ንሳ’ውን ከም ብጾታ ተበጠሰት ደኣ።

ኣየውርድ’ዩ! ወያ ካብ ሳሎን እንዳማታ ዝተሰጎጎት ነብሲ እምበኣርከስ ሸበጥ-ባጽዕ ጌራ፣ ህሮሩማ-ጸሓይ ቅርቅርቲ-ርእሳ እንዳተብተባ፣ ናበይ ገጻ ከምትኸይድ ከይፈለጠት ሑጻ-ሑጻ ሻሕ-ተኾሻሕ ክትብል ጀመረት። ጸሓይ ምስመረረታ ድማ፣ ዝሑል ማይ ዘቐብል ኣይረኸበትን። ሽዓ ምስተሃወጸት ከኣ እነሆ ክሳብ ሎሚ ትንፋስ ኣይመለሰትን።

ሽዑ’ዩ’ምበኣር ናብ ናይ ገድልን-ምግዳልን መጽሓፍ ዝተመልሰ። ሽዑ’ዩ ዑና-ሙና ናይ ደርጊ ዝተፈተሸ። ሽዑ’ዩ “… ተመሃሮ’ዮም ኔሮም ክሳብ ሸዋ…” ዝተደርፈ። ሽዑ’ዩ ካብ ደርጊ ዝተማረኻ ወይ ድማ ደርጊ ገዲፉወን ዝኸደ ታንክታት ኣብ ጋራዥ ናይ ቃኘው ኣኻኺብካ፣ ብናይ መደበር ታኒካ-ማኒካ ወታቲፋካ በል ውጩ ትገብር ግበር። ነዛ መራር ጸሓይ’ዚኣስ ንሳቶም’ውን ክስሕኑዋ ኣለዎም። ዝብል ቀጢን ትእዛዝ ዝተመሓላለፈ። ዝል ኢልካ ድማ ኣዕራብ ኢና’ሞ፣ ነዚ ነናኽሶ ዘለና ሓዊ ኣማዕዲኹም መርቑልና ንምባል ዝመስል ጉዕዞ ናብ ስዑድያ ዝተኸደ።

ዝኣኽለን ጥሒነን’ሲ በኣለ-ማርያም ይብላ።(ምስላ) ድዩዝበሃል! ንሱ ከይኣክል ድማ፣ ናብ ስዑድያ ገይሸ ቀንየስ፣ ካብ መገሻይ ተመሊሰ፣ ሻወር ወሲደ! ቁሩብ ከዕርፍ ጎቦ ኮንኩ’ሞ፣ ድቃስ ወሲዳትኒ ቀም ከብል ምስጀመርኩ፣ በዓልቲቤተይ ኣሞረ! ናይ ኢትዮጵያ ተለቪዥን ትብሎ ዘላ’ባ ንዓ ስማዕ ክትብል ኣተንሲኣትኒ። ኣነ ድማ ሰንቢደ ካብ ድቃሰይ ብድድ ኢለ ኣዒንተይ እንዳሓሰኹ ምስ ፒጃማይ፣ ናይ ኢትዮጵያ ተለቭዥን ትብሎ ዝነበረት ወረ ክሰምዕ ኣብ ሳሎነይ ኮፍ በልኩ። ሽዑ እቲ ዝበሃል ዝነበረ ምስሰማዕኩ ኣዝዩ ደንጽዩኒ። ብቕጽበት ድማ ንመለስ ተለፎን ደዊለሉ። ዝገርመኩም’ዩ መለስ ሽዓ መዓልቲ ዝበለኒ’ሲ ክደግማ’ኳ ኣይደልን’የ። ዝብል ዘረባ ተዳሕድሐ።

ቅንይ ኢልካ ድማ ኣሚንናዮም’ሲ ጠሊሞሙና ዝብል ንፋስ ተናፈሰ። መን’ዩ እሙን መን’ዩ ጠላሚ ንተዓዛቢ ዝግደፍ’ኳ እንተኾነ፣ እምነት’ሲ ኣብ ፖለቲካ እንዳ ሻዕብያ ትርጉማ’ያ ቐይራ። ተጋጊና ወይ ድማ ሓሚቕና ክንዲዝብሉ’ሞ ካብ ጌግኦም ተኣሪሞም ዘውዶምን ህዝቦምን ክንዲ ዘድሕኑ፣ ንሕና ደቂ ገርሂ-ልባ ኣሚንናዮም፣ ንሳ’ቶም ግን ጎራሓት ስለዝኾኑ ጠሊሞሙና ክብሉ ኣይሓፈሩን በዓል ዝናን-ባህታን። ንሓድሕዶም ናይ ምትእምማን ፖለቲካዊ-ባህሊ ዘይብሎምስ ኣብ ሽዓ በጺሖም እምነት ጉድ ጌራትና ክብሉ ተሰሚዖም። ወይ’ዙ ዓሻ ከዐሽወኒ ጣፍ ነቒዙ’ብለኒ። (ምስላ)

ናይ ቀደም ከይኣክል ድማ እዛ እምነት ክሳብ ሎሚ ኣብ ናይ ኤርትራ ፖለቲካ መንደዓት ኮይና ምቕጻላ’ዩ እቲ ዝገርም። ካብ ክሳራን ካብ ተሓታትነትን ተናግፎም ግዲ መሲሉዎም፣ ሎሚ’ውን እዚ ቁሩሕ ኢሳያስ ኣሚንናዮስ ጠሊሙና እንዳበሉ ንዝሓለፈ ተግባሮም ናይ እምነት-ኩታ ኣወንዚፎም ክወራዘዩ ዝፍትኑ ናይ ቀደም ተኻፈልቲ-መኣዱ ዝነበሩ ውሑዳት ኣይኮኑን። ወይ እምነት ትረኽቦ ጉድ!

ንሱ ከይኣክል ድማ፣ እስኪ ነዛ ሓደ ግዱስ ኣንባቢ ዝለኣኸለይ ደባዳቤ ብሓባር ነንብባ። ካልእ ዘይኮነስ እዛ እምነት ትብል ናይ ፖለቲካ-መንደዓት ክጠቅስ ክብል’የ ነዛ መልእኽቲ ስም ጸሓፊኣ ኣትሪፈ ኣቕሪበያ።

Dearbrother,

Please don’t let the people confused. Ethiopians are our neighbors we respect them and love them but we don’t trust them. We have been heard them saying Eritrea is not viable economically and can not stand by it self. If we can not stand by our selves why do they need us. But they know how to deceive Eritreans like Raesi Weldenkiel and buy some cheap Eritreans like Asfeha Weldemichael, Tela Bayru, Lerenzo taezaz and people like you. Those fore fathers i don’t blame them because of luck of info but people like you are rubbish because you can not even read the history how we used Weyane 20 years back to make them sign for our referendum against the will of their people and their national interest. Today also they want to undo history by recruiting people like you. You better stop to say Ethiopia Ethiopia etc i know Ethiopians more than any one else because my mother is from Gonder. If you want what the Ethiopians think ask them if they prefer to be our neighbors and cooperate or be part of them. they will definitely say we want to be together. they claim to be one people one culture etc. How come the people of Tigre and Beniamer look like Ethiopians. I agree is they want to live in peace and cooperation as neighbours. But not Unity……………………………….

ዝኾነ ኾይኑ ናብ’ቲ ቐንዲ ዛዕባ ክምለስ’ሞ፣ ናይ ኤርትራ ንጉስ’ሲ፣ ንሶም ድዮም በዓልቲ ቤቶም ናይ ኢትዮጵያ ተለቭዥን ምክትታትል ዝፈትዉ ዝነበሩ ክሳብ ዝረጋገጽ፣ በ’ዛ ዘረባ’ዚኣ ዝተፈድሐት ምስጢር እንተል’ያ፣ ህዝቦም ብቲቪ-ኤረ ብዛዕባ ኢትዮጵያ እንዳተደናገረስ! ንሶም ኣብ ውሻጠ ኮይኖም ናይ ኢትዮጵያ ተለቭዥን ትህቦ ወረ ይሰምዑ ኔሮም ማለት’ዩ።

ሕጂ ድማ ስለምንታይ ኢትዮጵያ ነዚ ናይ ኤርትራ እማመ ነጺጋቶ ኣይኮነን ዘዛርበኒ ዘሎ። እቲ ቐንዲ ነጥቢ፣ ምስጢር ናይ’ቲ ውግእ እንታይ ኢዩ ኔሩ ዝብል መስመር ሒዘ፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ነዚ ኹሉ ክሳራን ጥፍኣትን ዘውረደ ኲናት ብቑዕ-ምኽንያት እንተተረኽቦ ሃሰስ ንምባል’ዩ። ብኡ’ቢልካ ድማ ካብ’ቲ ኣእዳውናን-ኣእጋርናን ከይኣክል ኣተሓሳስባና’ውን ቀዪዱ ፍሕት ምባል ከሊኡና ዘሎ፣ ናይ ዶብ ኲናት’ዩ ኣዋዲኡና፣ ስለ’ዚ ዶብና ከይተሓንጸጸ ሰላም ኣይርከብን’ዩ ዝብል ናይ ዝናን-ባህታን ቤት-ማሕቡስ መዋጽኦ እንተተረኽበ ሃሰስ ንምባል’ዩ።

ብርግጽ ግን እቲ ጉዳይ ናይ ዶብ ኲናት’ዩ ኔሩ ዝብል መርገጺ ሒዞም ክሳብ ሕጂ ከይተሓለሉ ርኢቶኦም ዝገልጹ ዓበይትን ናእሽቱን ኣለዉ። ንሳቶም ዝብልዎ’ውን ኣቓልቦ ይግብኦ’ዩ። ዘይሩ ዘይሩ ኩሉ ታሪኽ’ንድ’ዩ ክግለጽን ክምዘንን ኣለዎ።

ኣብ’ዛ ኩርናዕ’ዚኣ ክደግማ ዝደሊ ነጥቢ ግን፣ ኤርትራ ብወተሃደራዊ ስጉምቲ ንባድመ ምስተቖጻጸረታ፣

ናትና ኣይንህብን ዘይናትና ኣይንደልን ክትብል’ከላ

ኢትዮጵያ ግን ብዘይ ገለ ቅድመ-ኩነት ምምሕዳርና ይመለሰልና ብምባል’ዩ ….

ፖለቲካ ናይ ባድመ……ዝተጀመረ።

ስለ’ዚ እቲ ቐንዲ ጉዳይ ባድመ ናይ መን’ያ ዘይኮነ’ስ ፖለቲካ ናይ ባድመ እንታይ ትሕዝቶ’ለዎ ኢዩ።

ምናልባት ባድመ ናይ መን’ያ ዝብል ሕቶ ንምምላስ እንተ’ድልዩ ከኣ ኣቐዲማካ፣

1. ዘውዳዊ ስርዓት ንጉስ ሃይለስላሰ ከም ኣካል ናይ ኤርትራ ጠቅላይ-ግዛት ዝመዝገባ፣

2. ደርጊ ከም ኣካል ክፍለ ሃገር ኤርትራ ዝፈልጣ ዝነበረ፣

3. ጀብሃ ምስ ወያኔ ዝተዋደቑላ፣

4. ሻዕብያ ኣብ ትሕቲ ወያኔ ክትመሓደር ዝገደፍዋ መሬት ምዃና ምዝካር ከድሊ’ዩ።

5. ልዕሊ ኹሉ ድማ ምስክርነት ናይ’ቶም ሰኣልቲ-ካርታ ወሳኒ ኢዩ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ናይ ጣልያን ኤምባሲ’ሲ ዓዲ ብዂናት ምስተናወጸት …… ማማምያ! ባድመ ናይ መን’ያ ክትብሉስ እዚ ኹሉ ጉያ፣ ክሉ ደቀይ በስመ’ኣብ! በሉ፣ ንሱ እንተኾይኑ ዘዛርበኩም ዘሎ፣ ንግዜኡ ምሳና ዘሎ ዶኩመንት ከነርእየኩም። ንሱ እንተዘይኣኸለ ድማ ኣብ ሮማ ዘሎ ዶኩመንት ክንውከስ ንኽእል ኢና። ዝብል ጽቡቕ ድልየቶም ብምግላጽ ክሽምግሉ ተጓይዮም ኔሮም።

በዚ መሰርት’ዚ እምበኣርከስ ኣብ ንግድን-ዕዳጋን ናይ ኢትዮጵያ (ዕዳጋ ብልፍንቲ) ክዋሳእ ትጽቢት ዝተገብረሉ ናይ ኤርትራ ባጤራ’ሲ ስለምንታይ ኮንይኸውን ናቕፋ ዝብል ፖለቲካዊ-ስም ተመሪጹሉ ዝብል ሕቶ’ዩ ዘዛርበኒ ዘሎ።

ብዘይቃልዓለም ንኤርትራዊ ይኹን ንኢትዮጵያዊ ናይ ኤርትራ ገንዘብ ናብ ዕዳጋ ምእታው ሃንደበት ኣይነበረን። ኩሉ ሰብ ዝጽበዮ ዝነበረ፣ ናይ ልኡላውነት መሰል’ዩ ኔሩ። እዚ ናይ ፖለቲካ መልክዕ’ዚ ግን ከም ናይ ሓጋይ በርቂ’ዩ ብሃንደበት ምስ’ቲ ዝተጸበናዮ ባጤራ ተቐልቂሉ። ስለዝኾነ ድማ ነቲ ብንፋስ ዘራጊቶ ሰንከልከል ዝብል ዝነበረ ናይ ሓባር-ዕዳጋ ከም ማዕበል’ዩ ሃዊጹዎ። ምኽንያቱ’ሲ ናቕፋ ማለት ንኤርትራዊ፣

ናይ ፖለቲካ ጽንዓት

ናይ ናጽነት ተስፋ

ናይ ዓወት ባና ….

ትእምርቲ ዘለዎ ታሪኻውን ፖለቲካውን ስም እንኪኸውን፣ ንኢትዮጵያዊ ግን ከምኡ ኣይኮነን። ብዘይ ምግናን ናቕፋ ዝብል ስም ንኢትዮጵያዊ፣

ሞትን-ስንክልናን ከምኡ’ውን መቓብር መንእሰያት ደቁ ዘዘኻኽር

ንፋለጥ ኢና’ኮ! ዝዓይነቱ፣ ናይ ዝሓለፈ-ውግእ ፈኸራ ዝሓዘለ

ብቂምን ቅርሕንትን ዘቀራርድ ፖለቲካዊ መልክዕ ዘለዎ ቃል’ዩ።

ስለ’ዚ እዚ ፖለቲካዊ መልክዕ’ዚ ስለምንታይ ኣብ’ቲ ‘ዕዳጋ-ብልፍንቲ’ ዝብል ንቕድሚት ዝኣንፈተ እማመ ክሰርጽን ክንጸባረቕን ተደልዩ፣ ንታሪኽ ዝግደፍ ዛዕባ’ኳ እንተኾነ፣ ኣብ’ቲ ዝጅመር ዝነበረ መስርሕ ናይ ህንጸት ሃገር፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ጉዕዞ ዕርቅን-ሰላምን፣ ከምኡ’ውን ዕዳጋ-ብልፍንትን፣ ምኹስኳስ መጻኢ ዕድልን ዘሕደሮ ጽልዋ ቀሊል ኣይነበረን። ክብል’የ ዝፍትን ዘለኹ።

እዚ ድማ ርኢቶይ ኢዩ።

እወ እቲ ዛዕባ ባጤራ ወይ ድማ ብኻልእ ኣበሃህላ ናይ ንግድን ዕዳጋን ቋንቋ እንተኾይኑ፣ ቅርሺ! ዥኔ! ሽልን! ፈረንካ! ታዕሪፋ! ሕርካም! ቅጣቃጥ! ሰልዲ! ….. ዝብሉ ህዝቢ ዝለመዶም ኣስማት ምሓሹ ኔሮም ማለተይ ኣይኮንኩን። ብቐሊሉ ዓይኒ-ዕዳጋ ዘይደፍን ካልእ ኣማራጺ (ሓዲሽ-ስም) ኣይምተሳእነን ኔሩ ክብል’የ ዝፍትን ዘለኹ። ብፍላይ ዕዳጋ-ብልፍንቲ ኣብ ዝብል ንቕድሚት ዝኣንፈተ እማመ ድማ፣ ንመላፍንትኻ ባህ ክብሎ ዝኽእል ኣቐራርባ ምምራጽ ናይ ወራዙት’ዩ። ክሳራ ድማ’ብሉን። ናቕፋ ዝብል ስም ግን ኣብ ናይ ኤርትራ ዕዳጋ ደኣ’ምበር ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ዕዳጋ ቦታ’ብሉን። (ክቕጽል’ዩ።)

ራህዋን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤርትራ።

ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተኸለጊዮርጊስ

Ewandt54@gmail.com

 


Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>