እቲ ዒብ ዘይብሉ ነውራም ስርዓት ህግደፍ፡ መብዛሕትኦም ድርብ ደቆም ንዝተሰውኡዎም 57 ገባሮ ማዕረባ ኣምሳያ ‘ቶም ካብ ስርዓቱ ዘመለጡ ደቆምን ደቂ ደቆምን 50 ሽሕ ናቕፋ ክኸፍሉ የገድዶም ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።
ብመሰረት ‘ቲ ሓበሬታ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ክንዲ ውላዱ 50 ሽሕ ናቕፋ ዘይከፈለ ገባራይ፡ መሰል ግብሪ (መሬት) ከምዘይብሉ፡ እቲ ስርዓት ብኩቦን ካብ ዝሸጦ ሽኮርን ዘይትን ካልእ ኣስቤዛን ‘ውን ክእገድ ምዃኑ ነቶም መሳኪን ስድራቤታት ኣጠንቂቑዎም ኣሎ።
ገለ ካብቶም ስርዓት ህግደፍ ብግዲ 50 ሽሕ ናቕፋ ክኸፍሉ ወጠጥ ዘብሎም ዘሎ፡ ኣብ ኣብ ክልቲኡ ኵናት መብዛኽትኦም ክልተ ሰለስተ ደቆም ዝተሰውኡዎም 57 ወለዲ ማዕረባ እዞም ዝስዕቡ እዮም።
ኣቦይ ዘርኣይ ገብረሃንስ
ኣቦይ ገብሩ ገብረኪዳን
ኣቦይ ተኽለገርግስ ነጋሲ
ኣቦይ ተኽላይ ቀሺ ተኽለማርያም
ኣቦይ ተስፋሃንስ ናይዝጊ
ኣቦይ ስባህቱ ገሬሱስ
ኣቦይ ዓንደብርሃን ህብትዝጊ
ቀሺ ኸሰተ ሕድሩ
ኣቦይ ተስፋይ ገብረትንሳኤል
ኣቦይ ገረስላሰ ቀሺ ተኽለማርያም እዮም።
ስርዓት ህግደፍ ነቲ ንግዚኡ ሸለል ኢሉዎ ዝጸንሐ መቕጻዕቲ 50 ሽሕ ናቕፋ ንወለዲ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ ከተግብሮ ከምዝቐነየ ጠቒስና ኔርና። ግዳያት ናይዚ ዘመተ ኮይኖም ዘለዉ መሳኪን ስድራቤታት፡ “እቲ ‘መንግስቲ’ ደቅና ካብ ኢዱ ኣምሊጦም ክንሶም፡ ንሕና ብሓላፍነት ኣብ ክንዲ ንሓቶ፡ ተገልቢጡ ኣምሳያ እኹላት ደቅና ጋርነብሲ የኽፍለና ‘ሎ። ኣብ መንገዲ ስደት ደቅና ንሶምን ገንዘቦምን ብሸፋቱ-በረኻ ይዝመቱ፡ ኣብ ኤርትራ ኸኣ ንሕና ብሽፍታ-ዓዲ ንዝመት ኣልና” ክብሉ ምረቶም ይገልጹ ከምዘለዉ ‘ውን ኣብ ኣሰና ተሓቢሩ እዩ።