ኣውያት ዘይብሉ! ቀባሮ ዘይወዓሉሉ ቀብሪ!
ናይ ኤርትራ ገንዘብ ናብ ዕዳጋ ቅድሚ ምቕራቡ’ሲ፣ ብወገን ኢትዮጵያ ዝንጸባረቕ ዝነበረ ኣመለኻኽታ፣ ክልቴና ተረዳዲእና መዕለቢ ክንገብረሎም ዝግብኣና ጉዳያት ኣለዉና’ሞ፣ ሓደ-ስምምዕ ክሳብ ነጽድቕ፣ ከምዘለናዮ ኣብ ትሕቲ ጽላል-ብር ሓንሳብ እንተንጸንሕ ኣይምሓሰመናን ኔሩ ዝብል ርኢቶ’ዩ ኔሩ። ከም ኣብነት ናይ’ዚ ኣቐዲምካ ባይታ ናይ ስምምዕ ክንጸፈሉ ዝግባእ ጉዳይ ድማ፣
ሀ) ኣብ ኤርትራ ተኣኪቡ ዘሎ ኣረጊት ብር መወዳእትኡ እንታይ ከምዝኸውን ኣቐዲምና እንተንሰማምዓሉ ይሓይሽ ብምባል፣ ናይ’ቲ እኩብ ኣረጊት-ብር መወዳእታ ፍሉይ ጥንቃቐ ከምዝደልዮ ዋዕ ኢሎም ይዛረቡ ኔሮም።
… ብወገን ሰበስልጣን ናይ ኤርትራ ግን እዚ ገንዘብ’ዚ’ኮ ናይ ወደባት-ኣገልግሎትን ካልእ ምህርትን ሸጥና ዝሓፈስናዮ ምህርቲ’ምበር፣ ብልመና ዝተኣከበ ምጽዋት ኣይኮነን። ስለ’ዚ ናብ ዶላር ክቕይሩልና እዮም። ዝብል ናይ ህልኽ መግለጺ እንዳተዋህበ’ዩ እቲ ለውጢ ተኣታትዩ።
ሁ) ከም ካልኣይቲ ነጥቢ ድማ፣ ሰበስልጣን ናይ ኢትዮጵያ፣ ጸብጻብ ክንገብር’ሞ መን ከምዝእውድን ክንደይን ምዃኑ ኣቐዲምና ክንፈልጦ። ከመይን መኣስን ከምዝኽፈል፣ ከምኡ’ውን ኣኸፋፍልኡ ብጥረ ገንዘብ ደዩ ብዓይነት ወይስ ብኣገልግሎት ከመይ ከምዝኸውን ኣቐዲምና እንተተሰማማዕናሉ ይሓይሽ ትብል መግለጺ ይህቡ ኔሮም። ናይ’ዛ መግለጺ’ዚኣ ድምቕቲ ኣብነት ከኣ፣ ደድሕሪ ናጽነት ህዝባዊ ግምባር ብናይ ኢትዮጵያ ውሕስነት ዝተለቅሕዎ ሚልዮናት-ዶላር ከምዝነበረ ኣብ ሽዑ በጺሓ ትለዓል ነበረት።
ዝኾነ ኾይኑ ናይ ሓባር ስምምዕ ከየተነጽፈ ብሸነኽ ኤርትራ ናቕፋ (ባጤራ) ናብ ዕዳጋ ዝኣትወሉ ዕለት ተወሰነ። ኢትዮጵያ ድማ ነዚ ውሳኔ’ዚ ኣይንቃወሞን ኢና። ማዕረ-ማዕረ’ቲ ለውጢ ንኺንጎዓዝ ግን ዘድሊ ምቅርራብ ክንገብር ኢና። ምኽንያቱ ኤርትራውያን ናቶም ገንዘብ ከሕትሙን ናይ ባዕሎም ናይ አኮኖሚ-ፖሊሲ ክሕንጽጹን መሰሎም ኢዩ ብምባል፣ ናይ ገዛእ-ርእሳ ረብሓ ትሕልወሉ መስመር ሓንጸጸት።
ኣብ’ዚ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ጉዳይ ኣሎ። እቲ ዝመጽእ ዘሎ ለውጢ ናቱ ናይ ኣሰራርሓ ባህሊ ሒዙ ክመጽእ’ዩ። ስለ’ዚ ነ’ቲ ክመጽእ ዝኽእል ሓዲሽ ኣገባብ ናይ ኣሰራርሓ ንምእላይ እምበኣርከስ ፍሉይ ምትዕጽጻፍ ከድሊ’ዩ። ብሓጺሩ ምስ’ቲ ሓዲሽ ኩነታት ምንባር-ምኽኣል ከድልየና ኢዩ፣ ክብል መጠንቀቕታ-ሓዘል ምኽሩ ኣቶ መለስ ኣመሓላሊፉ ኔሩ።
ስለ’ዚ ናቕፋ ከም ናይ ኤርትራ ባጤራ ኣብ ኤርትራ፣ ሓዲሽ ብር ናይ ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ተዘሪኦም ናብ ዕዳጋ ምስኣተዉ፣ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ንግድን-ዕዳጋን ናይ ኤርትራ ንዓመታት ክእከብ ዝጸንሐ ኣረጊት-ብር፣ ንስኹም ነቲ ኣብ ገበላኹም ተኣኪቡ ዘሎ ጎሓፍዎ። ንሕና ድማ ነዚ ኣብ ገበላና ተኾሚሩ ዘሎ ኣረጊት ብር ክንጉሕፎ ኢና፣ ብምባል ብሓንቲ ፊርማ’ያ ናብ ሓሙኹሽቲ ቀይራቶ። ሽዑ’ዩ ኣውያት ዘይብሉ! ቀባሮ ዘይወዓልሉ! ቀብሪ ናይ’ቲ ኣብ ኤርትራ ተኣኪቡ ዝነበረ ኣረጊት ብር ዝተፈጸመ።
ምኽንያቱ’ሲ ፈለማ ብሓባር ኢና ካብ ደርጊ ወሪስናዮ ትብል’ሞ ኢትዮጵያ፣ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ድማ በብመዳይና ኢና ክንጥቀመሉ ጸኒሕና። ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ሒዶት ዓመታት ብሓባር ኣብ ተግባር ከምዝረኣናዮ ከኣ፣ ሕልፍኹም ኣይብጽሓናን’ዩ ኔሩ። ካልእስ ይትረፍ ኣብ ምሽራፉ’ኳ ብናይ ኢትዮጵያ ብሔራዊ ባንክ ፖሊሲ ዘይተቐየድኩም። ኣብ ቅድሚ ዓይንና! ኣብ ማእከል ኣዲስ ኣበባ’ኳ ኣይሓደግኩምን፣ ከምድላይኩም ኢኹም ከተሽርፍዎ ጸኒሕኩም ክትብል መርገጺኣ ኣትሪራ ኣነጸረት።
ስለ’ዚ ሃየ ደኣ ኣጆኹም ኣይትሕመቑ! ኣብ ገገበላና ዘሎ መዓልቱ ዘሕለፈ ብር ጉሒፍና ንቕድሚት ንጎዓዝ። ብምባል በቲ ሓደ ወገን ምዕራፍ ናይ ሕንቃቐ ታሪኽ ኮይኑ ከምዝሓለፈ ሓበረት። ንመጻኢ ድማ እግርን ድላይን ዘለዎ ይስዓበኒ፣ ደጊም ካልእ ኣማራጺ የለን፣ ብምባል፣ ብዓል ኣባ ጎብየ ከርክብዋ ዘይክእሉ ፈጣን-ባቡር ኣበገሰት። እዛ ሓዳስ ባቡር ድማ ለግሃር-ድሬዳዋ-ጂቡቲ ክትመላለስ ጀመረት። ቀይሕ ባሕሪ፣ ብዘይካ ብዓሰብን ባጽዕን ንኢትዮጵያ ዝኸውን ካልእ ኣፍደገ ከምዘለዎ ከኣ ንንግድን ዕዳጋን ናይ ኢትዮጵያ ብግብርን ብኣዋጅን ተነግረ።
ኩነታት ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ኮይኑዎም፣ በዓል ኣባ ጎብየ ኣዝዮም ሰንበዱ። ንሕና’ውን’ኮ ባቡር ኣላትና’ያ ንምባል ክሳብ ዝመስል ከኣ፣ ኣበ’ለኹም በዓል ደገ’ዝማቲ፣ ኣለኹምዶ በዓል ፊተውራሪ እንዳበሉ፣ ሲኞር ሙሶሊኒ ጉሒፉዋ ዝኸደ ባቡር ከንቀሳቕሱ ንቤት ገርግሽ ገጾም ክሳብ ፎሮቭያ ከዱ። ካብኡ ብምርኩስ ብኦክያለ ተደጋጊፎም ዝኸዱ ሽማግለታት ኣኻኺቦም፣
ኣሎራ! ኣበ’ላ ዛ’ለተ-ሪና!
እንዳበሉ፣ ነታ ዓቐብ ነፋሲት-እምባትካላስ ይትረፍ! ቁልቁል ዓርበ-ሮቡዕ’ኳ ምህልላ ሓዊስካ፣ ክትወርድ ዘይትኽእል ባቡር ኣንቀሉ’ሞ፣ ጋሕቴላይ በጺሓ ዕንባባ ንጸጉላ። ጊንዳዕ በጺሓ’ላ ኮቦሮ ውቕዑላ ክብሉ መዓንጣ ሰብ ኣሕረሩ። ሓንጎልን ጉልበትን መንእሰያት ኤርትራ ድማ ብጸሓይ ኣቃጸሉ። ኣየ ምዕባለ! ኣቤት ስልጣኔ! እንዳተባህለ ድማ ስእልን ካርቶሊናን ናይ ዝናን ባህታን ናብ ዓለም በተኑ።
ናይ ነገር መወዳእታ ብሸነሕ ኢትዮጵያ ዝቐረበ መዛዘሚ ሓሳብ እምበኣርከስ፣ እቲ ክሳብ ሕጂ ዝጸንሐ ጽቡቕ ዝምድናና ምእንቲ ከይሰናኸል፣ ባጤራኹም ከተሕትሙ ንዝኸፈልኩሞ ዋጋ ከነሕውየኩም ቅሩባት ኢና ይብል። ምናልባት ካብ’ዚ ዝተፈልየ ሓሳብ እንተ’ለኩም ግን፣ ከም’ዚ ናይ ክልቴና ዝመስል ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ዝፈልጡ ሊቃውንቲ ክምድቡልና ንናይ ዓለም ባንክን ናይ ዓለም ናይ ገንዘብ ድርጅትን ንወከስ፣ ዝብል ዘየማትእ ውሳኔ ኣመሓላለፈት። እዛ መዛዘሚት ሓሳብ’ዚኣ ግን ናይ’ቲ ዕግርግር ዓለባ-ልቢ ክትከውን ኣይከኣለትን።
ስለ’ዚ ኣብ’ዛ ምዕራፍ’ዚኣ ክጎሓፍ ዝተፈርደ ሃብቲ ናይ ኤርትራ እምበኣርከስ ቢልዮናት (6) ኢዩ። ናይ ኤርትራ ባጤራ ናብ ዕዳጋ ቅድሚ ምቕራቡ፣
ክሕንጸጽ ዝነበሮ ናይ ፖሊሲ ሕምቀት/ውድቀት ለኪሙዎ’ምበር፣
ንኤርትራ ብኽልተ እግራ ደው ከብላ ይኽእል’ዩ ተባሂሉ ዝፍከረሉ ዝነበረ ሃብቲ’ዩ ኔሩ። ምኽንያቱ እዚ ሓዲሽ ኩነታት ክሳብ ዝፍጠር፣ ኢትዮጵያ ንናይ ወደባት ኣገልግሎት፣ ናይ ጨው ምህርቲ፣ ከምኡ’ውን ናይ ሪፋይኔሪ ኣገልግሎት ብ‘ብር’ያ ካብ ኤርትራ ክትዕድጎም ጸኒሓ።
ኣብ’ዛ ምዕራፍ’ዚኣ’ውን ክዝለላ ዘይብለን ክልተ ነጥብታት ኣለዋ።
ቀዳመይቲ ስለምንታይ ኢትዮጵያ ነዚ ኹሉ ሃብቲ ናይ ኤርትራ ብብር ክትገዝኦ ጸኒሓ። እምነት ናይ ዓርከይ-መሓዛይ ድዩ ወይስ ሕጋዊ-ስምምዕ ነዚ ኹሉ ሃብቲ ከመሓድር ዝጸንሐ?
ካልኣይቲ ድማ ስለምንታይከ ኤርትራ ን‘ብር’ ብናታ ናይ ሸርፊ መጠን፣ ብወግዒ ናብ ዶላር ክትቅይሮ እንከላ፣ (ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከይተረፈ) ኢትዮጵያ ብዕሽሽታ ትሓልፎ ኔራ ትብል ሕቶ ኢያ። እዘን ሕቶታት እዚኣተን እምበኣርከስ ብቐሊሉ ዝምለሳ ኣይኮናን። ነዚ ዝጸንሐ ኣኻይዳ’ዚ እንተተዓዚብና እምበኣርከስ ሰኣን ኣላዝቦ ዝጠፍአ ዕድል እዝግዮ! ዘብል’ዩ።
ካብኡ ሓሊፎም ድማ ኤርትራውያን ሰብ መዚ ናቕፋ ኣብ ዕዳጋ ክሳብ ዝውዕል፣ ንኣገባብ ኣሸራርፋ ናይ ብር ብዝምልከት፣ መጠን ናይ ሸርፊ ብናጻ-ዕዳጋ ክውሰን ኣለዎ ዝብል ምስ ናይ ኢትዮጵያ ፖሊሲ ዘይቃዶ ሚዛን’ዩ ኔሩዎም። ስለ’ዚ ካልእስ ይትረፍ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ማሕበረ ኮም ናይ ኤርትራ’ኳ፣ ካብ ኣመሪካ ይኹን ካብ ካልኦት ሃገራት ዓለም፣ ብኢትዮጵያውያን ናብ ቤተሰቦም ንዘለኣኽ ገንዘብ (ሓዋላ) ብናይ ኤርትራ ናይ ሸርፊ መጠን ቀይሩ፣ ንዝምልከቶ ሰብ ብቸክ ይኸፍል ኔሩ። እቲ ቸክ ድማ ኣብ ባንክታት ናይ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ኔሩዎ። ብኸም’ዚ ዝዓይነቱ ወግዓዊ-ኣገባብ’ዮም እምበኣር ወያነን-ሻዕብያን ሰራውር ዝሰደደ ጸገም ፈጢሮም።
ብዘይጥርጥር ግን እቲ ክዝውተር ዝጸንሐ ኣሰራርሓ፣ ንዝናን-ባህታን ዘይልሙድ ኣልሚዱ ኮንትሮባዲስት ጌሩዎም፣ ንወያኔ ድማ መለበሚ ኮይኑዎም። እወ ብኮንትሮባንድ ናይ ዝናን-ባህታን ሰኪሖም፣ ምሳኹም’ሲ ደጊም ብናይ ዓለም መጽሓፍ ጥራይ ኢና ንዋሳእ፣ ዝሓለፈ ይኣኽለና፣ ክሳብ ዝብሉ ጌሩዎም። በኻ ካብ ፈለማ ብናይ ዓለም መጽሓፍ ተዋሲኦም!!!!!
ዝናን ባህታን ኣብ ንግድን-ዕዳጋን ናይ ኢትዮጵያ ንምጽናሕ ዝወሰድዋ ናይ መወዳእታ ፈተነ ድማ ምምስራት ሆርን ባንክ’ያ ኔራ። እወ ኣብ’ቲ እዋን ሓዞ’ርክቦ! ሆርን ባንክ ዝበሃል ናይ ኤርትራውያን ባንክ ኣ’በስመራ ዘይኮነ’ሲ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቀንዲ ቤትጽሕፈቱ (Head Office) ከፊቱ ክበሃል ተጀመረ’ሞ፣ ዝነበረ ተብተብ! ጉድ’ዩ!!!!!! (ክቕጽል’ዩ።)
ራህዋን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤርትራ።
ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተኽለጊዮርጊስ
Ewandt54@gmail.com