ቁጽሪ ናይቶም ብስርዓት ህግደፍ ብሰንሰለት ተኣሲሮም ናብ ሳዋ እናተጓዕዙ ኣብ መንገዲ ከረን ዝሃለቑ መንእሰያት 60 ምዃኑ ተረጋጊጹ።

ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ቅንያት 20 ሰነ ካብ ኣስመራ ተለቒሞም ድሕሪ ምእሳሮም፡ ብስርዓት ህግደፍ ብምቑሕ ሰንሰለት ነንሕድሕዶም ተኣሲሮም ብናይ ጽዕነት መኪና ናብ ሳዋ እናተጓዕዙ ኣብ መንገዲ ከረን፡ ልቢ ትግራይ ጸዲፎም ዝሃለቑ፡ ብ25 ሰነ ኣብ ዜና ኣሰና ካብ 25-30 ተባሂሎም ዝተጠቕሱ መንእሰያት ኤርትራ፡ 60 ምዃኑ ደንጕዩ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

 

እቶም ምንጭታት፡ ነታ ከምዝጸደፈት ዝንገረላ ናይ ጽዕነት መኪና መሪሑዋ ዝነበረ ኣውቲስታ ከምዝደሓነ ‘ውን ኣረጋጊጾም።

እቲ ዘስካሕክሕ ፍጻሜ ልዕሊ ወርሒ ኳኣሕሊፉ እንተሎ፡ ቤተሰብ ናይቶም ግዳያት ኣብዚ ቕንያት’ዚ ክፈልጡ ከምዝጀመሩ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ የረድኡ።


Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>