Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ፣

Ykuno Bahta, March 05, 2012 8 መጋቢት ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ኻብ 1910 ጀሚሩ ኻሳብ ሕጂ ማለት 2012 ንመበል 102 ዓመታት ይበዓል ኣሎ። ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂኣንስትዮ ንክብርታትን፡ መሰልን፡ ፍትሕን፡ ጸቕጥን ደቂንስትዮ ንምሕላው ተመስሪቱ። ኣብ መልእ ዓለም እካ

Ykuno Bahta, March 05, 2012

8 መጋቢት ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ኻብ 1910 ጀሚሩ ኻሳብ ሕጂ ማለት 2012 ንመበል 102 ዓመታት ይበዓል ኣሎ። ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂኣንስትዮ ንክብርታትን፡ መሰልን፡ ፍትሕን፡ ጸቕጥን ደቂንስትዮ ንምሕላው ተመስሪቱ።

ኣብ መልእ ዓለም እካ እንተዘይበልና ደቂኣንስትዮ ኣብ ብዙሓት ሃገራት መሰለንን ኽብረንን ረኪበን እየን። ብፍላይ ኣብ ሃገራት ምዕራብን፡ ኤውሮጳን  መሰለን ረኪበን ጥራሕ ዘይኾናስ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ዓውዲ ተሳታፍነተን ዓብዩን ዓዚዙን ይርኸብ።ኣብ ኩሉ መዳይ ኣብ ኣብያተ ቤትፍርዲ፡ ቤትጽሕፈት፡ ኽሳብ ዝለዓሉ ናይ ክብሪ ቦታታትን ስነ-ምርምርን ብቕዓተን የመስክራ ኣለዋ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ኣብ ትምህርቲ ምርምር ናጽነትን ግሉጽነትን ሙሉእ ሓርነት ስለዝረከባ እየን።

8 መጋቢት ኣብ ሃገርና እውን ንልዕሊ ዕስራ ዓመት ስማዊ ኮይኑ ተባዒሉ ጸኒሑ ኣሎ። ጭንቀት ደቂኣንስትዮ ሃገርና ጾታውን ደርባውን ባህላውን ጭቖናን ኣድልዎን ንምጥፋእ ሓያልን መሪርን ስቃይ የሕሊፈን እየን። ኣብ ጎኒ ደቂ ተባዕትዮ የሕዋተን ደው ብምባል ኣብቲ ዓመታት ዝወሰደ ብረታዊ ቓልሲ ብኩሉ መዳይ ብምስታፍ ጅግንነተን ኣርእየን። ነቲ ዘይስገር ዝመስል ዝነበረ ሓያል ቓልሲ ንኩሉ ተፎጥራኣዊ ጸገማተን ጸይረን ተቓሊሰን።

ነቲ ኣብ ልዕሊ’አን ዝነበረ ተባዕታኣዊ ንዕቀት ብቅልጽመን ኣልየን። ዓወት ተጎናጺፈን እየን። ደቀንስትዮ ኣብዚ ሕጂ እዋን ደርባውን ብሄራውን ጸቅጥታት ሰፊንሉ ኣብዘሎ መድረኽ 8 መጋቢት የብዕላ ኣለዋ።ቐዳሞት ጀጋኑ ደቀንስትዮ የሕዋትና ኣብ ኩሉ መዳያት ቓልሲ ብምስታፍ መሰለን ከረጋግጻ  ጀሚረን ነይረን እየን። ናይዚ መርኣያ ድማ ከም ተራ ተዋጋእቲ ጥራሕ ዘይኮናስ ኽሳብ ብደረጃ ሕላፍነት ዝበጽሓ ሓያላት ደቐንስትዮ ከምዝነበራ ናይ ትማሊ ተዘኽሮ እዩ። ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ሓራ ድሕሪ ምውጻአ’ከ ከመይ ቐጺሉ ንዝብል ሕቶ ኣዚዩ ደኪሙ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እቲ ጨቓኒ ስርዓት ንዕብየት ደቐንስትዮ ሙሉእ ብሙሉእ ኣዳኪምዎ እዩ። ደቐንስትዮ ሃገርና 30% ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ብምስታፍ ኽሳብ ሚንስትርነት ዝበጽሓ ደቐንስትዮ ከምዘለዋ ሩዱእ ኾይኑ፡ ድሕሪ ናጽነት ግን ስርዓት ህግደፍ ብስም ሃገራዊ ኣጎልጉሎት ንዝኸዳ ደቐንስትዮ የሕዋትና፡ ተመራመርትን ተጣብቅቲ መሰልንን ኣብ ኽንዲ ዝኾና ከም ዝፈርሃን ዝደሃላን ብምግባር ኣደዳ ጉዱድ ዓመጽን መጻወቲ ሰበ-ስልጣን ህግደፍን ኾይነን ተሪፈን ኣለዋ። ነተን ብዕድመ እውን ዘይበሰላ ደቐንስትዮ መጋቦ ጀነራላትን ከደምትን ኾይነን ካብ ውላድ ተሪፈን ኣደዳ መኸራን ስቓይን ይኾና ከምዘለዋ ኩሉ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ገላአን ድማ ኣይ መርዓ ኣይ ደርዓ ኾይነን ካብ ሰብ ሓዳር ኮሎኔላት ደቒለን ህይወተን ተበላሽዩ ይርከብ። ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ኣብ ሃገራዊ ኣጎልጉሎት  ይኹን ኻላኦት መዳያት ተማሂረን ዋላውን ኣብቲ ዝተሓተ ተዋጋኢ ሰራዊት ብደራጃ ሓላፍነት ዝበጽሐትን ትሰርሕ ዘላን ጋል ኣንስተይቲ ትከሰስ እያ። እዚ ድማ ደቀንስትዮ ሃገርና  ነቲ ኣምጺአናኦ ዝነበራ ዕብየት ብሰንኪ እቲ ስርዓት ብ ንድሕሪት ንዓመታት ተጎቲቱ ይርከብ።

ኣናብስ ደቀንስትዮ ሃገርና ጥይት ብምትካስ ጥራይ ኣይኮናን ናጽነት ኣውሐሰን ኣብ ትሕቲ ጸላኢ ብምእታው ኩሉ ኽብርታተን ብምውፋይ ስርዓት ደርጊ ከምዝዳከም ገይረን። ኣብ ደገ ዝቅመጣ ኣደታት ድማ ሸሜንቶ ወልዊለን ዘምጸኣኦ ንብረተንን ኣዋርቐንን ንሃገር ብምውፋይ መስተንክር ሰሪሐን። ሕጂ’ከ ተራ ደቀንስትዮ ሃገርና እንታይ ኽከውን ይግብኦ፤ ኣደ ኣደ እያ፡ ንደቓ ብማዕረ እትርኢ ራህራህ ወላዲት እያ፡ውላዳ በሊዑ ዝጸግብ ዘይመስላ  ብዝረኣየቶ ሕማቅ ነገራት ንብዓት ዝቅድማ፡ ውላድ ደቓን ደቂ ደቓን ክትርኢ እትብህግ፡ ንዝተብእሱ ደቃ ወይ ንዝበደሉ ኽፋል ኣከላታ ብንብዓታ እትሽምግል፡ እዚአ እያ እታ ለዋህ አደ።

ክንዲ ዝኾነ ድማ ደቓ ብህይወቶም እንከለዉ ኩሊቶም እንዳተወስደ ስቕያት ኻብ ከርሳ ዝወጹ ኽፋል ኣከላታ እንዳረኣየት፡ ንሃገርንን መሰለንን ሙሉእ ዕድሜአንን ኩሉ ድልየታተንን ወረ ገሊአንስ ኽፈርያሉ ዝግበአን  ማህጸነን ዝከፈላ ጀጋኑ ደቀንስትዮ ኣብ እሱርቤት እንዳበልያ ስቅ ኢለን’ዶ ኽርእያ ይግበአን ነይሩ፤ ኣይግበአንን ዓገብ ዝባን ስወኣት ዝባን ወላዲት ዝባን እዛ ንዓኩም ዘፍረየት ማህጸን ኽብላ  እባ ይግበአን ነይሩ። መርያም ሓጎስ፡ ኣስቴር ፍሳሃጽየን፡ ኣስቴር ዮውሃንስ፡ ሰናይት ደበሳይ ኣበይ ኣለዋ እዘን ጀጋኑ የሕዋትና፡ ኽብላ’ባ ይግበአን ነይሩ።

ሕጂው’ን ደቀንስትዮ ሃገርና ኣብ ጋይላ ጥራሕ ኬድካ ምጥቓዕን ኣዋርቅ ተሸሊምካ ሸነን ምባልን ዋጋ የብሉን እሞ ከምቲ ጀጋኑ የሕዋትና ደመን ኣፍሲሰን ደሓን ኩኒ ውሻጠ ዝበላን፡ ብቕልጽመን ክብረን ዝሓለዋን፡ ነቲ ዘምጸኣኦ ማናን ክብርን ዓገብ ብምባልን ኣብ ሓቂ ብምጽናዕን ክብርታት 8 መጋቢት ኽትሕልዋ ይግባኣክን።

ይኩኖ ባህታ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Kiflom March 7, 2012

    Eriterian women are part of the women of the world. However, they have been used as tools to the totalitarian dictatorship at the expense of their husbands, children, comrades and compatriots. To celebrate March 8 is an international political issue which concerns all women of the world. I wouldn’t advise those who disagree on this issue. Despite this, since the day is a day which concerns the political, social and cultural rights & freedoms of women with equivalent duties, it would be appropriate and correct to celebrate it being FREE FROM THE IMPOSITION & SHACKLE OF THE TOTALITARIAN REGIME. Women of Eriteria are expected to be part and parcel of the struggle in order to found a peaceful and democratic Eriteria in the HORN. Those who agree with this are backed and those who want to go on supporting a totalitarian regime led by Isaias Afeworki & his lieutenants would be advised & seriously warned to consider their stance. This is the time to do it. Stand against totalitarianism. Stand against fascism. Stand against terror & terrorism,. Stand against piracy. This is the right path of our contemporary world. Free Eriterian Women Associations all over the world! We forces for democracy and peace are backing you!!! Go on following the right path to get your people & country respected in the world. Go on struggling to get the remaining prisoners to be free with demise of the totalitarian regime!! Advise and mobilize all those who are on the wrong side!!! Bless you all!!

    • Ahmed saleh March 7, 2012

      Kiflom hawey
      You said it all , brother. Our sisters are our pride.

POST A COMMENT