ተሰካም ብረት ንህዝብኻ ዝረ!! – እምቢ ንምልኪ!! (8 ክፋል) ብ ወልደየሱስ ዓንደማርያም

ወርሒ ምድማቕ ኣብያ

መሬት ኤርትራ ጸልሚቱ፡

ጥዑይ ድዩ ምዉት

ንምፍላጡ ኣሸጊሩ።

 

ኩሉ ናትና ውራይ

ዘይንቡር ዘይንቡር’ዩ፡

ሬሳ ንሬሳ ክትሓጻጸን

ኣብ ክሳድና ከሪሙ ሓግዩ።

ሰራዊት ብሰራዊቱ

ተኣምር ክውለድ ተጸብዩ።

 

ምህሮ ህ.ግ.ደ.ፍ

ኣብ እግሩ ዝልቡ፡

ራእይ 20 ዓመት

ሬሳ ኣብ ሞንኮቡ፡

ሃሰስ እንተበለ

ስኢንዋ ቀልቡ።

ብጸጋሙ ከቢድዎ

ብየማኑ ከብሪ

ኣብኡ ጽናሕ ኢልዎ

ክሳብ ኣርብዓታት ጥሪ

ጥዑይ ምዃኑ ምዉት

ሓደ ተሳኢኑ ሓባሪ።

 

ዘየለሊ ኾይኑ

ንሰቡ ይኹን ንጥሪቱ፡

እንስሳ ዘቤት’ኳ ሓርቢትዎ ኣሎ

ነገራቱ።

ኣብቲ ጎላጉላ ባርካ

እቲ ገመል ሬሳ ተሰኪሙ፡

ብወገን መራጒዝ ሃዘሞ

ፈረስ ምስ ሬስኡ ጋሊቡ።

በቲ ምድሪ ከበሳ

ኣድገ-በቕሊ ዝሽሙ፡

ሬሳ ኣወጢሑ

ደበኽ ናብ ሃዳሙ።

 

ገመል ሳሕል ባርካ ንዓባ!

ፍንጭራዕ ትኽእሎ እንዲኻ፡

ፈረስ ከበሳ ንቡር ግበር

ኣይትረስዕ ናይ ኣቦኻ።

እተን መጽዓኛ ዓደይ

መዋእለን ሬሳ ክስከማ፡

ዝነግረን ዶ ተሳእነ

መሲልወን ኣሎ ሃመማ።

 

ኣንታ እቲ ኣርባዕተ እግሩስ

ጽዕነት’ዩ ልማዱ፡

እቲ ክልተ ዝእግሩ ኸ

ምስ ጥይቱ ምስ ባሩዱ፡

ስራሕ መጽዓኛ እምበር

ኣብ ሃገረይ ሰዊዱ።

 

ርሓቕ! ርሓቕ!

ሬሳ ሬሳ ጨኒኻ፡

ናትካ ግዳ ዘይትገብር

ኮሮኔል በረኻ።

ጠልን ሂወትን

ዝተሓረሞ ታሪኽካ።

ሰንደቕ ሬሳ ትሸክል

ኣብ ዝኸደቶ እግርኻ።

 

ሬሳ ባዕሉ ክወርደልካ

ዕድሜኻ ካብ ትቖጽር፡

በል እስከ መጽዓኛ ዓደይ

ክግንጽሎ እቲ ደባትር፡

ምሳኻ ጥራይ ይለክሞ

ኣብቶም ገለግል ከይነጥር።

 

ወዮ እቲ ዕድመ ሬሳሲ

ነዊሕ! ነዊሕ’ዩ፡

በዚ እምበር መጺኡና

ጭርኡ ጠውዩ!!

ጭራስ መወዳእታ’ዩ

ነይከውን መጀመርታ፡

ንወርሒ ኤርትራ

መን’ዩ ከይትደምቕ ዝዓገታ?

ወይለ! እቲ ሬሳ እምበር ባዕሉ ተዳህዩ፡

ይብል ኣሎ ቱታ ቱታ

“ኣነ እየ! ኣነ!! ብጀካይ መን ኣሎ!!

ጠፊእኩም ዶ ኣታ!!”

 

ንየማን እንተበልኩ

መንገዲ ምድረበዳ ነይቐንዐ፡

ንጸጋም እንተጠመትኩ

ማዕበል ንብኣዳማ ዝበልዐ፡

ቕድሚቱ ድሕሪቱ ኮይኑኒ

ንጥፍኣት ዘቕንዐ፡

ቐቢጸ ኣትየዮ

ኣዒንተይ እንዳነብዐ።

እንታይ ጌረካ እየ ፈጣሪ

ዘሪእካለይ ኣምዐ።

 

ንኣምላኽካ ኣይተማርር

ይብለኒ ቑጥዓ ሰማይ፡

በትሪ ኣብ ኢድካ ኸሎ

ምዓስ እሞ ዓሚዂካ ማይ፡

ክፉእ ኣይተርእየኒ

ኣይትኹን መይማይ፡

ክትብኪ መሪጽካ

ብረትካ ንምጥልቃይ፡

ወረ! መሊሹ ክገድድ እዩ

ወስ እንተዘይበልካሉ ንዳሕራይ።

 

ንባዕልኻ እሱር

ሓላው እሱራት ኮንካ፡

ኣብ ምድረበዳታት ኤርትራ

ዓሰርተታት ዓድታት እሱራት ደኲንካ።

ኣውያቶምን ስቅያቶምን

ብእዝንኻ እንዳሰማዕካ፡

ዓይንኻ ትጠዊ

ከተዐሹ ንቐልብኻ።

ኩሉ ገዲፍካ

ምንባር ከምሕረልካ

ሎሚ ኣውጃ ነታ ነጻነትካ።

 

ህዝብኻ በሪሱ

ጠፊኡካ ኣይኮነን ብልሓቱ፡

ንመን ከተሳብብ

ባዕልኻ ዘንጸፍካዮ ሰረቱ።

ነጻነት ድዩ ባርነት

ኮይንዎ ዕስራ ዓመቱ፡

ሞትን ብርሰትን ክጽብጽብ

ክወጽእ ክኣቱ።

ስኣን ብግስ ምባል

ፍሉጥ ክነሱ ስጉምቱ፡

ስቅቕታን ሓዘንን

ፈሪድካሉ ንሕልፈቱ።

 

ሰራዊት ሃገራት ስሜን

ነንህዝቦም ዘርዮምሉ ሰሚዕካ፡

ኣባኻ በጺሑ

እንታይ እዩ ዓዚሙካ።

ኣርባዕተ ዓበይቲ ዓዲታት

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጠሊቐን እንዳበሉኻ፡

ተልዓል ተሰካሚ ብረት

ኣይተጽቅጥ! ዝረ ንህዝብኻ።

 

ንመዋእል መዋእልካ

ብረት ተሓንጊጥካ፡

ወረ! ንመዓስ እዩ ክኾነካ?

ካን ኮይኑካ!

ብፍርሒ ተኣሲርካ።

ጠፊኡካ ኣይኮነን

ኣብ ኣፍልብኻ ከምዘቕንዓልካ።

ይኣክል ሓዘን!! ይኣክል ፍርሒ!!

ቀድሞ ከይቀደምካ።

 

እቲ ማዕበል ኮይንዎ ክሰራሰር

ንታሪኽ እኳ

ዘይገድፈልካ ኣሰር።

እቲ ምድረበዳስ

መዓስ ዘይብሉ ኾይኑ ኣበር፡

ን20 ዓመታት

ኣጓብዝ ኤርትራ ኣንዲዱ ከም ሓሰር።

 

ኣንታ!! ዘክሮሞ

ሓደ ጅግና ዶ ኸይኮነ

ጥይት ዝተኮሰ፡

ሓንቲ መስርዕ መሪሑ

ሰውራ ዘበገሰ።

ኣሰሩ ከተጥፍእሲ

ሓጹር ክትጓስሰ።

 

እቲ ድምጺ ውጹዕ

ይብል ኣሎ ማሰ ማሰ፡

መን እዩ ሞይቱ ዝብለኒ

ሕልና ከዐርፍ እንተደቀሰ፡

መዓልቲ እዩ ዝጽብጽብ ዘሎ

ክትርእይዎ ኢኹም ምስ ተመልሰ።

 

ቀልጥፍ ተቓላጠፍ!

ንጭቆና ከምዘይነበረ ግበሮ፡

ነባሪ ታሪኽ ብሕጂ ጀምሮ፡

ነዝስ ብልሓት’ኳ ዘየድልዮ

ዋላ እውን ጭንቀት ኣእምሮ።

 

ሓደራ!! ንበዓል ነጻነት

ትጸሉ ከይትህሉ ከበሮ?

ሕጂ ድማ ክትዕንድር ክትዘልል

ክትሰክር ኣብ ዜሮ።

ሓዘን ዘምጽአልካ በዓል

ኣብ ገዛኻ ኣኽብሮ።

 

እምቢ ንምልኪ!!

 

ወልደየሱስ ዓንደማርያም                                                                                                                                                                      ሳንፍራንሲስኮ ካሊፎርንያ

04.12.11

 


Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>