መንግስቲ ኣመሪካ ንፓኪስታን መዲቡዎ ዝነበረ $800 ደው ኣቢሉዎ።

US_Pakistanመንግስቲ ኣመሪካ ‘ፓኪስታን ኣብ መኸተ ግብረሽበራ ቁልፊ መሓዛ ‘ያ’ ብምባል ነታ ሃገር ክህቦ መዲቡዎ ዝነበረ $800 ሚልዮን ዶላር ወተሃደራዊ ሓገዝ ደው ከምዘበሎ ካብ ‘ዋይት ሃውስ’ ዝተዋህበ መግለጺ ብምጥቃስ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዓለም ሓቢረን።

እዚ መጠን ገንዘብ’ዚ ሓደ ሲሶ ናይቲ ኣመሪካ ንፓኪስታን ዓመታዊ እትልግሰላ ወተሃደራዊ ባጀት እዩ።

ሓለቓ ስታፍ ‘ዋይት ሃውስ’ ABC  ንዝተባህለ መደበር ቴለቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ‘ ፓኪስታን ንገለ ካብቲ እንህባ ሓገዝ ደው ከነብል ምኽንያት ዝኾነ ስጉምታት ወሲዳ ‘ላ’ ክብል ተዛሪቡ።

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ፓኪስታን ንነዊሕ ዓመታት ተሓቢኡ ዝጸንሐ ኣዋራ ተደላዪ ግብረሽበራ ብዘይ ኣፍልጦ መንግስቲ ፓኪስታን ስጉምቲ ድሕሪ ምውሳዳ፡ መንግስቲ ፓኪስታን ኣብ  ከቢድ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ወጥሪ ተቐርቂሩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ከም ግብረ መልሲ ኣብታ ሃገር ክነጥፉ ንዝጸንሑ ወተሃደራዊ ኣሰልጠንቲ ኣመሪካ ሰጕጉ።

እዚ ኣመሪካ እትገብሮ ዘላ ምዕጋት ገለ ክፋል ወተሃደራዊ ሓገዝ ድማ ካብዚ ዝተበገሰ እዩ።

New York Times እዚ ኣመሪካ ‘እዚ ኣመሪካ ዝወሰደቶ ሓገዝ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ፡ ወተሃደራዊ ኣሰልጠንታ ብምስጓጎም ንዝተሰመዓ ሕርቃን ንምንጽብራቕ፡ ከምኡ ‘ውን ፓኪስታን ኣንጻር ኣሸበርቲ እተካይዶ ንጥፈታት ክብ ከተብል ጸቕጢ ንምግባርን ምዃኑ ንሰበስልጣን ኣመሪካ ብምጥቃስ የመልክት።


Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>