ኢራን ካብ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ዝተኻረየተን ሰለስተ ደሴታት ንተቓወምቲ ኣልሑቲ ወተሃደራዊ ታዕሊም ክትህቦም ከምዝጸንሐት ሓደ ውሩይ ኣረባዊ ጋዜጠኛ ጠቒሱ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ካብ እኩባት ደሴታት ዳህላክ ሰልስተ ዴሴታት ንኢራን ኣካርዩዋ ከምዘሎ ኢራን ከኣ መዐለሚ ናይቶም ኣል-ሑቲ ዝብሃሉ ሽዓውያን ተቓወምቲ ትጥቀመለን ከምዘላ ዶክተር ዓብደላ ዝተባህለ ውሩይ ጋዜጠኛን ተንታኒ ፖለቲካን ምስ ሓንቲ ናይ ዓረብ ቴለቭዥን ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠየቕ ሓቢሩ ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ 126 ካብ ዝኾና እኩባት ደሴታት ዳህላክ ሰልስተ ዴሴታት ንኢራን ኣካርዩዋ ከምዘሎ፣ ኢራን ከኣ መዐለሚ ናይቶም ኣል-ሑቲ ዝብሃሉ ሽዓውያን ተቓወምቲ ትጥቀመለን ከምዘላ ዶክተር ዓብደላ ዝተባህለ ውሩይ ጋዜጠኛን ተንታኒ ፖለቲካን ምስ ሓንቲ ናይ ዓረብ ቴለቭዥን ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠየቕ ሓቢሩ ።

ብመሰረት ሓበሬታ ዶር ዓብደላ፣ እቶም ኢፓብሊካን ጋርድ ዝዓለሞም ሽዓውያን ምልሻ ታዕሊሞም ምስ ወድኡ ካብተን ናይ ኤርትራ ደሴታት መዲ ብዝተባህለት ናይ የመን ወደብ ናብ የመን ከምዝሰግሩ ኣረዲኡ።

እቲ ብኢራን ዝወሃብ ታዕሊም ዝተፈላለየ ወተሃደራዊ ሞያታት ዘጠቓለለ ኮይኑ ካብ 2-6 ወርሒ ከምዝውድእ ዶር ዓብደላ የገንዝብ።

መዲ ካብ ሑዴዳ 40 ኪሎሜትር ኣቢላ ኣብ ጥቓ ዶብ ስዑዲ ዓረብ እትርከብ ወደብ እያ።

ሽዓውያን ተቓወምቲ ኣል-ሑቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንዋና ከተማ ሰንዓ ብሓይሊ ድሕሪ ምቍጽጻሮም፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ ሰበስልጣን ናይቲ ዝወደቐ ስርዓት ብምዝታይ ልፍንታዊ መንግስቲ ኣብ ምቛም ከምዝርከቡ ይፍለጥ። ቀንዲ መበገሲ ተቓውሞ ናይቶም ሽዓውያን ተቓወምቲ በቶም ዝቐደሙ መንግስታ የመን ፖለቲካዊ ምንጻልን ምግላልን ምዃኑ እዩ ዝሕበር።

VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 2.9/5 (21 votes cast)
VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0 (from 16 votes)

Eritrea rents 3 islands to Iran says Dr. Abdallah, a famous journalist and political analyst in a local TV Interview – Watch the intv on the TV clip

eritrea12

Eritrea has rented 3 of its 126 islands to Iran says Dr. Abdallah, a famous journalist and political analyst in an interview with a local TV Station.

 

According to Dr. Abdallah, Iran’s Republican Guard are training the Yemeni-Shiite armed rebel group Al-Houthis in three of the rented Islands. The trained militia are then transferred from the Eritrean islands to Saada via the port of Medi.

 

Medi Port is a small Yemeni port between the Port of Selif 40 killometers outside Hodeidah and the border of Saudi Arabia.

 

The training which encompass different military fields lasts from 2-6 months.

VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 5.0/5 (3 votes cast)
VN:F [1.9.22_1171]
Rating: +5 (from 7 votes)

ጥፍኣትና ነብሰ ቕትለት እዩ (ቅድሚ ዓመት ህልቂት ላምፐዱዛ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2012 ኣሰናዳኢ ኣሰና ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኢያሱ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ተኸታታሊ ዘተ፣ መቐጸልታ ሲናይ ኣብ ሊብያ መጻወድያ ሞት ተዳልዩሎም ከምዘሎ ኣቐዲሙ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዝሃቦ መጠንቀቕታ – Zemen 2020 ካብ ቪድዮታት ኣሰና ቆንጪሉ ዘዳለዎ youtube ቪድዮ)

 

ነቲ ብጥቅምቲ 2012 ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተኸታተሉዎ ሰሚናርን ዘተን ብምሉኡ ንምስማዕ ኣብዚ ቀጺሉ ዘሎ ሊንክ ጠውቑ

 

VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 4.1/5 (18 votes cast)
VN:F [1.9.22_1171]
Rating: +7 (from 11 votes)