ዘይወግሕ መሲልዋስ ኣብ ቡኽራ ትሸይን፡ ዘበን ውራ ውራ ነብስኻ ኣይትዕብራ ‘ዩ ነገሩ

ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራውያን፣ ሰላም ንኣኹምን ንወገንኩምን። እወ ነዛ ሰላም ተተምኒና፣ ደቅና ሓንጊጥና፣ ጎቦን ባሕርን ሰጊርና ኣብ እዚ ሃገር በጺሕና ኣምላኽ ይመስገን ድማ ንሕናን ደቅናን ኣብ ማእከል ፍትሕን ሰላምን ንነብር ኣሎና። … more

መልእኽቲ ጽንዓት

ወ/ሮ ራሄል ብዓልቲ ቤቱ ንተስፋልደት መሓረና ኣካያዲ መርበብ ሓበሬታ ኣስማሪኖ ዳት ኮም ብሕማም ምኽንያት ምዕራፋ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ንተስፋልደት መሓረና፡ ደቁን ቤተሰቡን ጽንዓት ይሃብኩም ንብል።  ኣሰና.ኮም መልእኽቲ ጽንዓት ንምትሕልላፍ ኣብዚ ጠውቑ   … more

ድምጻዊ ዳዊት ራዛ ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሑ።

ኩላትና ከም እንዝክሮ፡ ዓመት መጸ ኣብዚ ወርሓት’ዚ ስርዓት ህግደፍ ብጉልባብ ፌስቲቫላት ኣመኽንዩ ኤርትራውያን ኣብ ዝርከቡለን ሃገራት ዓለም እናተንቀሳቐሰ ናይ ዝምታ ወፈራ ዘካይደለን ምዃነን ርዱእ ኮይኑ፡ ነዚ ንምትግባር ክኣ ካብ ኤርትራ ብዝተላእኩ ስነ-ጥበባውያን ጌሩ ነቲ ጸረ ህዝቢ ተግባራቱ ከም ዘሰላስሎ ዝፍለጥ’ዩ። … more

ቅትለት መሓመድ ሳልሕ መሓመድ ሓጎስ ንጭካነ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ የቃልዕ

ዋላ ‘ኳ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኾይኑ ብርዒ ስም ተጠቒመ ክጽሕፎ እንተተገደድኩ፡ ነዚ ናይ ዝፈትዎ ዓርከይ መዘከር ምጽሓፍ ሕልናዊ ዕዳ ስለዘቃለለይ ቁሩብ እረክእ። ኣነን መሓመድን ኣዚና ጥቡቓት ኣዕሩኽ ብምንባርና፡ ብሓንሳብ ብዙሕ ግዜ ነሕልፍ ነበርና። ነንሕድሕድና ኣጸቢቕና ስለእንተኣማመን ከኣ ነጻ ኴንና ነዕልል። ኣብ መንጎ ክልቴና ምስጢራዊ ጉዳይ ዝብሃል ኣይነበረን ክብል እደፍር። … more

መሳርሒ ህግደፍ ዝኾነ ሃማድኤ ጨንፈር ኤውሮጳ ኣብ ለንደን ከካይዶ መዲቡዎ ዝነበረ ኣኼባ ተሰሪዙ።

በቲ መሳርሒ ህግደፍ ዝኾነ ሃማደኤ ጨንፈር ኤውሮጳ ተዳሊዩ ኣብ ከተማ ለንደን ኣብ ኣይሪሽ-ሰንተር ንቐዳም 27 መስከረም 2008 ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ኣኼባ እቲ ንውልቀመላኺ ስርዓት ናይ ምግባርን ምግልጋልን እኩይ ዕላምኡ ምስቲ ንምዕንባብ ሰላምን ዲሞክራስን ዘአንግድ መትከላት ኣይሪሽ-ሰንተር ስለዘይቃዶ ነቲ ማእከል ከይጥቀመሉ ፍቓድ ተኸሊኡ። … more

ኤርትራውያን ግዳያት ግፍዕታት ህግደፍ 18 መስከረም ንምዝካርን ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ብምቅዋምን ኣብ ብራስለስ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ብራስለስ ዝተኣካኸቡ ኣስታት 300 ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ግዱሳት ውልቀሰባትን፡ ግዳያት ግፍዕታት ህግደፍ 18 መስከረም ንምዝካርን ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ብምቅዋምን ኣብ ብራስለስ (በልጁም) ኣብ ፊት ቀንዲ ቤትጽሕፈት ኢውሮጳዊ ሕብረት ውዕዉዕ ናይ ቃልሲ መንፈስ ዝመልኦ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። … more

ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝጠለቡ ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ፍትሓውን ህዝባውን ሕቶ ህዝቢ ሒዞም ኣብ ቤትማእሰርቲ ይሓቁ ከምዘለዉ ተጋ መሓመድ ብርሃን ብላታ ኣገንዚቡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ከካይድ ክታሞም ዝተነብሮ መወዋዕታ ኣቕሪቦም ካብ ዝነበሩ ብ ጉጅለ 15 ዝፍለጡ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ነበር ሓደ ዝነበረ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሽወደን ተሰዲዱ ዝነብር ገዲም ተጋዳላይ መሓመድ ብርሃን ብላታ፡ እቶም ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝጠለቡ ሓርበኛታት፡ ፍትሓውን ህዝባውን ሕቶ ህዝቢ ሒዞም፡ በቲ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ጸላም ቤትማእሰርቲ … more

ኣብ ዓባይ-ብሪጣንያ ዝመደበሮም ተቓወምቲ ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ብዓይነቱ ዝተፈልየ ዕዉት ፈስቲቫል ኣካይዶም።

ኣብ ዓባይ-ብሪጣንያ ዝመደበሮም ተቓወምቲ ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን፡ ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ሓርነታዊ ቓልሲ ኤርትራ (ባሕቲ መስከረም) ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ዝወደቡዎ “ፈስቲቫል ሰላም”፡ ንሃገራዊ ናይ ቃልስን ሓርነትን መንፈስ ብዘለዓዕል ፍሉይን ምዕሩግን ኣገባብ ትማሊ 23 ነሓሰ ኣብ ለንደን ብዓወት ተኻይዱ። … more