ኣብ ህይስተን ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ኣብ ሃገሮም ዘለዎም መብጽዓ ኣሐዲሶም

USA-Houston

ኣብ ህይስተን ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ኣብ ሃገሮም ዘለዎም መብጽዓ ኣሐዲሶም ኣብ ህይስተን ዝርከቡ ኤርትራውያን ብ ቀዳም 23 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኣኽቢሮም። ከምኡውን ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ሊብያን ካለኦት ቦታት ዝሃልቁ ዘለዉ ወገናቶም ብጸሎትን ሽምዓ ብምብራህን ዘኪሮሞም። ኣብ’ቲ ብማሕበር ኤርትራውያን ኣሜሪካውያን ኮሚኒቲ፡ ኣብ በርነት ፓርክ ዝተዳለወ ጽንብል፡ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝበርከተ … more

24 ግንቦት፡ ኤርትራ ብጓይላ፤ ኢትዮጵያ ብምርጫ

Adhanomf1

ክቡራት ኣንበብቲ ገለ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ ይኸውን በዚ ኣርእስቲ፣ዚ ሓደ ጽሑፍ ኣብ ኢንተርነት ኣውጺኤ ነይረ። ሕጂ’ውን እቲ ኩነታት ስለ ዘይተቐየረ እንተ ደገምኩዎ ሕማቕ ኣይመስለንን። ሓደ ሕብረተ-ሰብ ናይ ሓደ ሃገር ሓደ ሰውራ ከካይድ’ከሎ፡ ዓላማኡ ኣብቲ ሕብረተ-ሰብ ሓደ መሰረታዊ ለውጢ ንምምጻእ ኢዩ። እዚ መሰረታዊ ለውጢ’ዚ ድማ  ከይዱ ከይዱ ናይቲ ሕብረተ-ሰብ መነባብሮ ንምምሕያሽ … more

መበል 24 ዓመት ናጽነት ኤርትራ አብ ዓዲ-እንግሊዝ ከተማ ኖቲንግሃም ብደለይቲ ፍትሒ ደሚቑ ውዒሉ።

Nothingham_2015

26/05/2015 እቲ መደብ ብስምረት  ምንቅስቕስ  ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር  ዝተዳለወ ኮይኑ ብደለይቲ ፍትሕን ዲሞክራስን ደሚቑ አምስዩ። እዚ መበል 24 ዓመት ናጽነት ፍሉይ ዝገብሮ አብ ዘተ፡ አስተምህሮን ግጥምን ዝተመርኮሰ ምዃኑንን ደቀንስትዮ ዘሳተፈ ምንባሩን እዩ። ኣብ ልዕሊኡውን አብ ክንዲ ብጓይላን ዳንኬራን ብሽምዓ ተዘኪሩ ኣምስዩ።  መጀመርታ ካብ 1940ታት ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ንናጽነት ዝተኸፍለ ዋጋ … more

ኣባላት ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ግንቦት 23 ኣብ ከተማ ፖርትላንድ ኦረጎን፡

Portland

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ግንቦት 23 2015 ነበርቲ ከተማ ፖርትላንድ ኦረጎንን ከባቢኣን ንመበል 24 ዓመት ነጻነት ነፍቅራ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ክንዲ ብከበሮን ዳንኬራ ምስ ሕልናና ብኣስተንትኖ ኩነታት ህዝብናን ህገርናን ክንዝትን ክንዛረብን መሪጽና፡ ነዚ ወሪዱና ዘሎ ተፈታታኒ ዝኾነ አዋን ብዝኽረ ስዉኣ ብምኽፋት ንተዘክሮታት ግንቦት 24 1991 ነብሲወከፍ ዝነኣሰን ዝዓበየን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ … more

ምትእስሳር ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለወጢ ከተማ ዮተቦርግን ከባቢኣን ኣብ ሃገር ሽወደን ንክብርቲ መዓልቲ ነጻነት 2015 ብሽምዓ ምዉላዕን ኣስተምህሮን ሕድሕድ ልዝብን ኣኽቢሮምዋ ኣምስዮም።

2015 ነጻነት sweden2

ኣብዚ ታሪኻዊ ናይ ዝኽሪ ምሸት ልዕሊ ክልተ ሚእቲ መንእሰያትን ዓበይትትን ዝተሳተፍዎ ናይ ከተማ ዮተቦርግ ናይ ዉህደት ፖሊስ ኢንስፐክተር ኣቶ ኡሉፍ ቦስትሩምን ናይ ከተማ ዮተቦርግ ናይ ውህደት ማእከል ኣማእካሊ ኣቶ ቶማስ ማግንሶን ተሳቲፎም።   … more

ብምኽንያት 24 ግንቦት ኣብ በርገን ፡ ኖርወይ ዝተኻየደ ሰሚናር።

Bergen_24

24 ግንቦት ንምጽንባል ደለይቲ ፍትሒ ተቐማጦ በርገንን ከባቢኣን ብሓባር ዉዒሎም።እቲ ብዓንተቡኡ ብጋይላ ክጽንበል ተሓሲቡ ዝነበረ ዕለት፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዘጋጥም ዘሎ ተደጋጋሚ ህልቂት ናብ ናይ ሰሚናርን ዘተን መኣዲ ክቕየር`ዩ ትጌሩ። በዚ ምኽንያት ድማ ንሓዉና ካልድ ዓብዱ ካብ ሃገረ ሸወደን ብምዕዳም ኣብ ጉዳይ ትርጉምን መረዳእታን ናጽነት ዘትዩ። እቲ «ፈላልዩ … more

The deadly dozen – comparing Eritrea and North Korea

Focus_NL_1

Wednesday 20 May 2015 The deadly dozen – comparing Eritrea and North Korea How valid is the comparison between Eritrea and North Korea – sometimes described as among the most dictatorial regimes and closed societies in the world? This comparison is frequently and freely made. The New York Times reported … more

ሓደ ካብ ማእሰርቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣምሊጡ ሱዳን ዝኣተወ መንእሰይ ብሰንኪ ዝወረዶ ጽኑዕ ማእሰርቲ ኢዱ ናይ ምቝራጽ ሓደጋ ኣንጸላልዩዎ ከምዘሎ ጠፈሊጡ።

Biniam_K_1

ኣብ ተሰነይ ካብ ዝርከብ ቤትማእሰርቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብዚ ሳልስቲ ኣምሊጡ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ቢንያም ገብራይ ናይዝጊ ዝተባህለ ወዲ 19 ዓመት ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ብሰንኪ ‘ቲ ኣብ ማሕዩር ዘጋጠሞ ምቑሕ ሰንሰለትን ግፍዕን ሓንቲ ኢዱ ክትቍረጽ ምዃና ሱዳናውያን ሓካይም ስለዝሓበሩዎ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ከምዝርከብ ምንጭታት ኣሰና ካብ ከሰላ ሓቢሮም። እቲ መንእሰይ፣ ካብ … more

ኣብ ላስቬጋስ መበል ዕስራን ዓርባዕተን(24) መዓልቲ ነጽነት ብኽብሪ ተባዒሉ

Las_vegas_24

መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ነጽነት ኣብ ላስቬጋስ ብድምቐት ተጸንቢሉ። እቲ መደብ መጀመርታ ብዝኽረ ሰማእታትን ሃገራዊ መዝሙርን እዩ ተጀሚሩ፡ቐጺሉ  ኣቶ ኣምባሳጀር ብትግርኛ ኣቶ ከራር ድማ ብዓረብ መልእኽቲ መዓልቲ ነጻነት ኣመሓላሊፎም።ኣብቲ መልእኽቲ መጀመርታ እንቛዕ ናብ መበል 24 መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብጻሓኹም ኢሎም ብምጅማር ቐጺሎም ነቶም ካብ መግዛእቲ ሓራ ኽንከውን ህይወቶም ዘወፈዩልና ጀጋኑ … more

ብምኽንያት በዓል ናጽነትን ዝኽሪ ናይ ኩሎም ኣብ መንገዲ ስደት ዝሃለቑን! ብወልድኣብ ፍስሓጽየን ዝቐረበ ቃል ነጻ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ኦስሎን ከባቢኣን

weldeab

ብምኽንያት በዓል ናጽነትን ዝኽሪ ናይ ኩሎም ኣብ መንገዲ ስደት ዝሃለቑን! ብወልድኣብ ፍስሓጽየን ዝቐረበ ቃል ነጻ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ኦስሎን ከባቢኣን ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን፡ ኣቐዲመ ብስም ኣዳላዊት ሽማግለ ኣብ`ዚ ኣገዳሲ መዓልቲ`ዚ እንቛዕ ብስላም ኣራኸበና ክብለኩም እፈቱ። ካብዚ ብምቕጻል ከኣ ንሎሚ ኣብዚ ሓቢርና ንኸነምሲ ብዝገበርዎ ጻዕሪ ንሽማግለ ነጻ ማሕበረ-ሰብ ኤርትራውያን ኦስሎን ከባቢኡን ከምኡ`ውን ንኣዳላዊት … more

ሓባራዊ ቃል ጽላል ስ ዊደናዊ -ኤርትራዊ ንደሞክራስያዊ ለውጢ በኣጋጣሚ ዝኽሪ መበል 24 ዓመት

Stockholm_Flag

  Svensk-eritreansk Samarbetsorganisation för demokratiutveckling     ሓባራዊ ቃል ጽላል ስ ዊደናዊ -ኤርትራዊ ንደሞክራስያዊ ለውጢ በኣጋጣሚ ዝኽሪ መበል 24 ዓመት 2015-05-23 በዓል ናጽነት ኤርትራ     ዝኸበርኩም ሓይሊ ዕማም መኣዲ ዘተ ኤርትራውያን! ዝኸበርኩም ስነጥበባውያን! ዝኸበርኩም ኣባላት ፖሊቲካውን በርጌሳውን ማሕበራት! ዝኸበርኩም አሕዋትን አሓትን! ዝኸበርኩም ካብ ርሑቅን ቀረባን ዝመጻእኩም ዕዱማት ኣጋይሽ!   … more

“እቲ ናይ ቅድሚ ናጽነት ሓድነትኩም፡ ነዚ ናይ ድሕሪ ናጽነት ጉዕዞኹም ውሕስነት ኣይከውንን ኢዩ” ቃል ናይ ሓደ ምሁር፡ ኣብ ጽባሕ ናጽነት

Tadesse

“እቲ ናይ ቅድሚ ናጽነት ሓድነትኩም፡ ነዚ ናይ ድሕሪ ናጽነት ጉዕዞኹም ውሕስነት ኣይከውንን ኢዩ” ቃል ናይ ሓደ ምሁር፡ ኣብ ጽባሕ ናጽነት ታደሰ ኪዳነ እዚ ከም ኣርእስቲ ናይ ጽሑፈይ ተጠቂመሉ ዘለኹ ጥቕሲ፡ ነቲ ኣብዚ ዝሓለፈ 24 ናይ ናጽነት ዓመታት፡ ብዛዕባ`ቲ ድሕሪ ናጽነት ንሓልፎ ዘለና ኣሰቃቒ ኩነተ-ህላወ ክሓስብ ከለኹ፡ ኩሉ ግዜ ዝመላለሰኒ ቃላት … more

ሃገረይ! ኣጆኺ ዶ ክብለኪ በጃኺ!?

eritrean_praes

  ይበነልኪ ደኾን ‘ቲ ቐታሊ ስሚ ብንፋስ ሓርነት ይዕዘር ጠላሚ ይሕሸኪ ደኾን ሎሚ ካብ’ቲ ዓሚ እንተተጸበኹ ብተስፋ ምስ ሕልሚ ሃገረይ፣ እንትርፎ ቀታሊ ስኢንኪ ሓካሚ ቁስልኺ ይረክስ ኣሎ ልብኺ ይደሚ፣   ኣጆኺ ዶ በጃኺ ኢዋኣኺ ዶ ወይልኺ፣ ኣየኒኡ ከምዝብሃል ጠፊኡኒ ደጊም ከበሮን ብኽያትን ሓደ ኾይኑ ዳሶም።   ንምዃኑ ይሰምዕ ዶ ‘ሎ … more

ርብዒ ዘመን ኮይኑ!

Eritrea_3

ርብዒ ዘመን ኮይኑ!   ናጽነት ፍረኺ ከየስተማቐርና ብዘይሕግን ፍርድን እናተቐየድና ብኩፖን ክንቅለብ ሪጋ ተሰሪዕና ናብ ቦጣት ክንጎዪ ፊስቶ ተሰኪምና መላኽን ሰዓብቱን እናኣሳቐዩና ልደትኪ ክንጽንብል ስምኪ እናዘመርና ርብዒ ዘመን ኮይኑ ሰለም ከየበልና!   *ናህያ እንከለኺ ኣብ ሽግር ክንነብር            *ራህዋ *ጸዳል እንከለኽስ ኣብ ጸላም ክንሰፍር        *ብርሃን ምስ ዕቚር ሃብትና ጾምና ካብ ንሓድር … more

ኣሓ ምስ ሓራዲአን፡ ማይ ይሰትያ!

Ato H

ኣሓ  ምስ  ሓራዲአን፡ ማይ  ይሰትያ! ሃብተማርያም ኣብራሃ ለንደን-ዓዲ እንግሊዝ 21 ግንቦት 2015 ሰላም ዝኸበርኩም ኣሕዋተይ፡ ኣሓተይን ደቀይን። ኣብ ከምዚ ዘለናዮ ሕሱም ግዜ፡ ዝስመዓኒ ሃገራዊ ሓዘንን ጓሂን ምስ ናይ ዕድመ ተመኩሮይ ከካፍለኩም እንከለኹ፣ ደስ ይብለኒ። ‘ኣሓስ ምስ ሓራዲአን ማይ ይሰትያ’ ዝተባህለ፡ ብትኽክል ከምዚ ሎሚ ንርእዮ ዘለና ኣከያይዳ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ ዝመስል። … more

መራኽብ ሞት !

Ship_Immg

ተወሳኺ ስግኣት ብ ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ ኣብ ሃገሮም ካብ ዘሎ ጥምየት፡ቅልውላው፡ ዘይምቅሳን፡ኣድልዎ፡ ግፍዒ …………. ንምህዳም ነተን ብዓይነተን ዘይብቁዓት፤ ብሕግን ሰነ-ፍልጠትን ዘይምራሓ መራኽብ ተወጢሕካ ንኣውሮጳ ገጽካ ምጉዓዝ ናይ ቅብጸት ጉዕዞ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፤ እቶም ተሳፈርቲ ካብ ክሳብ ክንደይ ኣሰቃቂ ዝኾነ ናብራ ይሃድሙ ከም ዘለዉ ዘርኢ እዩ። እታ ብቁጽሪ ህዝባ ምስተን ዝነኣሳ ሃገራት … more

ወዳጀ ልምዓት ብጽንዓት!

Mike_emba

ሎሚ ኣብ ድሮ እቲ መዳርግቲ ኣልቦ መስዋእቲ ከፊልና ትእምርቲ ዝሰራሕናሉ፡ 24 ግንቦት መዓልቲ ሓበንን ክብረትን ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነት፡ ክብርትን ፍልይትን ዕለት ናጽነት ኢና ንርከብ ዘለና፡፡ መበል ዕስራን ኣርባዕተን ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ 2015፡፡ ኣብዚ ሕጽር ዝበለ ትሕዝቶ ዝሓዘ ንእዋናዊ ጉዳያት ኣጉሊሑ ዘርእይ ጽሑፈይ፡ ትርጉም ናጽነትን ንናጽነት ዝኸፈልናዮ ኩቡር ናይ ህይወት … more

ኣብ ግዜ ሓዘን ጓይላ: ዓገብ!

emdhr11

ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተፈልጠ ኣማኢት ኤርትራውያን ኣብ ሜዲተራንያን ከምዝሃለቁ ኣብ ማዕከናት ዜና ተኸታቲልናዮ ኣሎና። እዚ ኣስቃቂ ተረኽቦ እዚ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ መንግስቲ ድማ ብፍላይ ንስድራ መወቲ ብግቡእ ክርድኡ፡ ደበስ ክድበሱ፡ ሬሳ ደቆም ንቡር ቀብሪ ክረክብ: ሃገራዊ መዓልታት ሓዘን ክእውጅ ሓላፍነት ኣለዎ። ናይ ኤርትራ ግና በንጻሩ እዩ። ሬድዮን … more

ብምኽንያት በዓል ነጻነት ግንቦት24/2015 ናብ ህዝቢ ቦስቶን ዝተዘርገሔ መልእኽቲ

eritrea_at_24_1

ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናይ 50 ዓመት ፖለቲካዊ፡ ናይ 30 ዓመት ከኣ ብረታዊ ቃልሲ፡ ሰፍ ዘይብል መስዋእትን ረዚን ዋጋን ከፊሉ ኣብ ግንቦት 24, 1991 ነጻነት (ልኡላውነት) ኤርትራ ኣረጋጊጹ። አዚ ነጥበ-መቐይሮ’ዚ፡ ንኤርትራ ሃገርና ፍትሕን ርትዕን፡ ንህዝብና ከኣ መስተርሆት ፈጢሩ: ሰባት ብሰላም ክነብሩን ሰሪሖም መነባብሮኦም ከመሓይሹን ዝድርኽ ሓድሽ ባይታ ክፈጥር ኢዩ ዝብል እምነት … more

ንመጀመርያ ግዜ ብጃላቡ ካብ ኤርትራ ንሱዳን ዝኣተዉ 32 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ከባቢ ሰዋኪን ብኣባላት ኤሚግሬሽን ሱዳን ድሕሪ ምትሓዞም ናብ ኤርትራ ‘ክጥረዙ’ ስለዝተወሰነሎም ኣብ ከቢድ ስግኣት ከምዝርከቡ ምንጭታት ኣሰና ሓቢሮም።

Boat_Sewa

ንመጀመርያ ግዜ ብጃላቡ ካብ ኤርትራ ተበጊሶም ዝሓለፈ ሰሙን ምብራቕ ሱዳን ዝኣተዉ፣ ሓደ ወዲ 6 ዓመት ቆልዓን 9 ደቀንስትዮን ዝርከባኦም 32 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብኤሚግሬሽን ሱዳን ተታሒዞም ኣብ ሰዋኪን ኣብ ዝርከብ ቤትፍርዲ ድሕሪ ምቕራቦም ናብ ኤርትራ ‘ክጥረዙ’ ስለዝተወሰነሎም ኣብ ከቢድ ስግኣት ከምዝርከቡ ምንጭታት ኣሰና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ፣ እቲ … more

ከመይ ቀኒኺ ሃገረይ – ሕልምና ተኻሒዱ ስግኣትና ተጋሂዱ!

Amanuel_Eyasu_Hagerey

ከመይ ቀኒኺ ሃገረይ! ሃገረይ፣ እዚ መበል 24 ዓመቱ ክጽምብል ክልተ ሰሙን ተሪፉዎ ዘሎ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝተገላገልክሉ 24 ግንቦት፣ ምስቲ ኣብ ኤውሮጳ ቅድሚ 70 ዓመታት ብዓወት ሓይልታት ኪዳን ዝተዛዝመ ካልኣይ ኵናት ዓለም ኣብ ሓደ ወርሒ እዩ ዝዝከር ዘሎ። እዞም ክልተ ፍጻሜታት ምዝዛም ኵናት ብመጠን ተሳተፍቶምን ዝጸለዉዎ ብዝሒ ህዝብን ኣዝዮም ዝፈላለዩ … more

ህየሳዊ ኣተሓሳስባ (critical thinking)

Amanuel_Sahle_Asena_FL

ኣማኑኤል ሳህለ ኣብ ግዜ ነጻነት፡ ተጋደልቲ ኣብ ኣስመራ ኪኣትዉ ኸለዉ፡ ህዝቢ ነቲ ጎደና ብኽልተ ወገኑ ብምምዕራግ፡ ሰብኡት የጣቕዑ፡ ኣንስቲ ድማ እልል ይብላ ነበራ። ይኹንምበር፡ ገለ ሰባት ብድሕረና ኾይኖም “ሕጂ ትስሕቃ ኣሎኽን፡ ደሓር ግን ክትበኽያ ኢኽን” ብምባል ትንቢታዊ ምኽሪ ኪልግሱልና ከለዉ ይዝከረኒ። ጀብሃ ዝነበሩ እዮም ዝኾኑ ብምባል ግን ግዲ ኣይገበርናሎምን። እንተኾነ፡ … more