Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ድምጻዊ ኪሮስ ኣስፋሃ ናብ ስደት ካብ ዝወጽእ ኣትሒዙ ናይ ቃልሲ ማለት ንሓርነትን ምድሓን ህዝብን ሃገርን ዝጽዉዑ ደርፍታት ክሰርሕ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ትማሊ ሰንበት 1 ግንቦት ኣብ ሃገረ እስራኤል ከተማ ተልኣቪቭ ድማ ዓቢ ለይታዊ ትልሂት ብምድላው ዕዉት ናይ ሙዚቃ ምርኢት ኣካይዱ። ኣብ’ቲ ኣስታት 6000 ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ

READ MORE

ፖሊስን ሓይልታት ጸጥታን ሱዳን፣ ካብ ኤርትራን ንሱዳን፣ ካብ ሱዳን ድማ ናብ ኤርትራ ብፖስፖርት ብሕጋዊ መንግዲ ብኣውቶቡሳት ንዝወጽኡን ዝኣትዉን ኤርትራውያን፣ ብፍላይ ኣብቲ ካብ ከሰላ ክሳብ ካርቱም ኣብ ዘሎ ኣብ ኬላታት እናውረዱ ሳንጥኦም ምፍታሽ ገንዘቦም ብዘይንሕስያ ይዘምቱዎም ከምዘለዉ ምንጭታት ካብ ሱዳን ሓቢሮም። እቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ሽፍትነታዊ ዘመተ ነቶም

READ MORE

ብዓርቢ 29 ሚያዝያ 2016 ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ዓበይቲ (ዲኮርሶ) ቅድድም ብሽግለታ ኤርትራዊ ስደተኛ ዳኒኤል ተኽላይ (እማደርሆ) 1ይ ደረጃ ሒዙ ተዓዊቱ። እታ 4ተ ተቐዳደምቲ ሒዛ ዝተሳተፈት ጋንታ ኤርትራውያን ብናይ ዳኒኤል ዓወት ዘዐግብ ውጽኢት ረኺባ’ላ። ዳኒኤል ተኽላይ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተፈላለያ ከም ኣስፔኮን

READ MORE

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ብጸቕጥን ምፍርራሕን ካብ ስደተኛ ህዝቢ ዝኣከቦ ፌርማታት ተጠቒሙ ነቲ ብመርማሪት ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝቐረበ ገበነኛ ምዃኑ ዘቃልዕ ጸብጻብን፣ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ፈጺሙ ክኸውን ከምዝኽእል ንዝበዝሖ መደምደምታ ንምጥላል ዝቕጽሎ ዘሎ ምስርሕን ብምቍንጻብ ንጹህ ተመሲሉ ንማሕበረሰብ ዓለም ከታልል ካብ

READ MORE

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ፣ ቀትሪ ምድሪ ቶኽሲ ከፊቱ ኣብ ልዕሊ 11 ንጹሃት መንእሰያት ጃምላዊ ቅትለት ዝፈጸመ ህድግለነዘይብለኡ ፋሽሽታዊ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣  ኣብ መላእ ስዑዲ ዓረብያ፣ ማለት ጀዳ፣ ርያድ፣ ደማም፣ ጣይስ፣ የንቡዕ፣ መካ፣ ጀዛን፣ ገዛ ገዛ እናኣተወ ነቶም ናብ ቤትጽሕፈቱ ምምልላስ ዝተሓሰሙ

READ MORE

  ታደሰ ኪዳነ         በርሚንግሃም           30/04/2016 ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይ 2012 ዓ.ም “ብህይወት መኣዛ መን`ዩ ተሓታቲ?” ዝብል ሓደ ዓንቀጽ ጽሒፈ ነይረ። መኣዛ ሓንቲ ካብቶም ኣብ ማሙቕ ገዝኦም ማይ ፍልጠት ክሰትዩ ዘይተዓደሉ፡ ብኣንጻሩ እታ ናይ ካልኣይ ደረጃ መወዳእታ ዓመተ- ትምህርቶም፡ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ወታደራዊ ሓለዋ ክመሃርዋ ዝትፈርዱ ጨላቕዕ  መንእሰያት

READ MORE

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መንጎ ስርዓት ህግደፍን ህዝቢ ኤርትራን ዘሎ ዝምድና፡ ካብ ዝኾነ ወቅቲ ንላዕሊ ዝሓርፈፈን ከብድን ሕቆን ኮይኑ ዝነብር ዘሎን’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ግን ብህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ተኻዒቡን ተፈንፊኑን ከምዘሎ እናፈለጠ፡ “ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ግዳማዊ ተጻብኦታት መኪቶምን መስመሮም ከይስሓቱን ሃገር ንምህናጽን ሰላምን ምርግጋእን ዞባን ንምርግጋጽን

READ MORE

ወድና ኢርሚያስ መስፍን ሃብተዝጊ ሕድሩ ብዝወረዶ ሃንደበታዊ ሕማም ኣብ ደርቫሊ ሆስፒታ ኣብ ፍኒክስ ኣሪዞና ክእለ ድሕሪ ምጽናሑ ሚያዝያ 27, 2016 ናይ ዘልኣለም ዕረፍቲ ዓረፈ። ንስድራቤት ኢርሚያስ ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልእኽቲ ክትሰዱ ምስትደልዩ ናብዚ ዝስዕብ ወብ ሳይቲ ልኣኹ። www.almoore-grimshaw.comthen then press Ermias Mesfin. ስድራቤት [gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2016/05/Ernias-announcement.pdf"]

READ MORE

መስከረም ”ኻሕ” በለት ንግንባት ወለደት ሴኔ እውን ግደኣ ኣሸሓት ኣጉባዝ ወሰደት ናጽነት ረኺብና ተደቢስና ክንብል ከሪምና ግን ኸፊእና ካብ-ንብለሲ ዓመታት አቑጽርና እቲ ካልእ ሴኔ ምስ ሰወደት ምሰ ሰነነት ምሰ ስስዓ ጥልመት ሽርኽነት ገጠመት አሻሓት ወሲዱ ገና ከይካሓነት ክጻውንቲ ደለየት ምንም ከይናሓፈት ደም ገንሸል ግንባት ገና ከይዘፈፈ ገዛ ዝአተወ ገና ከየዕረፈ ንኩናት ደአ ሰደድኽዮ ሰኸሙ ከየራገፈ ይአኽሎ

READ MORE

ኣስተንትኖት ንኹልና ኣመንቲ ክርስትናን እስልምናን ፥ ከምኡውን ኩልና ደቂ ሃገር።   እዚ ሰሙን እዚ ኣብ ኣመንቲ ክርስትና ሃገርና ፡ ሕማማት ተባሂሉ ይጽዋዕ። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኹሉ ሕማማትን ድኻማትን ደቂሰባት ከምናቱ ገይሩ ዝጾረሉ ሳምንቲ

READ MORE

ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት መምህር ዘርኡ ገብረየሱስ ዝጽሓፋ፡ “መመዘክርና እንተ ንግንጽል” ትብል መጽሓፍ ረኺበ ኣንቢበያ። ንመምህር ዘርኡ ኣብ ናይ ቃልሲ ግዜ እፈልጦ ስለ ዝኾንኩ ነታ መጽሓፍ ዓዲገ ቀልጢፈ ኣንቢበያ። ኣብ ትሕዝቶኣ ገለ ርእይቶይ ክህበሉ ዘድሊ ነገራት ስለ ዝረኽብኩ ድማ ነዛ ትስዕብ ጽሕፍቲ እልእኽ ኣለኹ። ዕላማይ ብዛዕባ

READ MORE

         ክንደይ ግዜ ተገሪምና ስቅ ክንብል እሞ ንፈልጦን ንከታተሎን ዝነበርና ጉዳይ ካብ ሚላኖ ፖርታ ቨነዝያ ትዕዝብትና ከነካፍለኩም፣፣ መጀመርታ ወድዑቅባልደት ሉና ፎን ዝሰንተር ክትከፍት ከለኻ ዝነበረ ኩነታት ከዘኻኽረካ ፣ እቲ ዝገረመኒ ነቶም ዝአኽለካ ገንዘብ ሂቦም ክትብገስ ዝገበሩኻ ፓድረ ማሪናዮ ሎሚ ብሂወት እኳ እንተዘይሃለዉ

READ MORE

ዝለዓለት ኢጣልያዊት ሞዴል ቢያንካ ባልቲ፣ ኣቐዲማ ንላዕለዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብገንዘብ ንምሕጋዝ ብዝኣተወቶ ምብጽዓ መሰረት ንዝሓለፈ  11 ዓመት በብግዚኡ ኣብ መድረኽ ጽባቐ ንዝተረእየትሉ ተኸዚኑ ዝነበረ ኩሉ ኣልባሳ ናብ መሸጣ ብምውራድ ስደተኛታት ንምሕጋዝ ከምዘውዓለቶ Forbes ሓቢሩ። እታ ጓል 32 ዓመት ሞዴል ‘ንእሽቶ ክፋለይ ንስደተኛታት” ብዝብል

READ MORE

ግንቦት፡ ብዕልልታ ተቀቢልናኪ ኣእዳውና ዘርጊሕና ናይ ልብና ሂብናኪ ዋልታ ድርዒ ክትኮንና ይኹን እምበር ኣብ ክንዲ ክብረት ውርደት ተቀቢልና ኣብ ገዛእ ሃገርና ጓኖት ኮይንና ዘኽቲምና ናብራ መሪሩና። እንቲ ግንቦት፡ ኣበይ ኣለዉ ኣይትብልን ዲኺ ዝጥፍኡ ደቅኺ ስለ ንጹሃት ወገናትኪ ኣይትጣበቅን ዲኺ ካን ኣስቂጥኪ ኣውያቶም እናሰማዕኪ እዚ ድዩ ነይሩ ናይ ትማሊ መብጽዓኺ? ግንቦት ስም ሒዝኪ ተሪፍኪ

READ MORE

04/17/2016   ህዝቢ ኤርትራ፡ ሰፍ ዘይብል መስዋእትን ረዚን ዋጋን ከፊሉ ኣብ 1991 ነጻነት (ልኡላውነት) ኤርትራ ከረጋግጽ ከሎ ዝነበሮ ባህግን ተስፋን: ሃገርና ፍትሕን ርትዕን፡ ንህዝብና ከኣ መስተርሆት ረኺቡ: ሰባት ብሰላም ክነብሩን ሰሪሖም መነባብሮኦም ከመሓይሹን ዝድርኽ ሓድሽ ባይታ ክፈጥር ኢዩ ዝብል እምነት’ዩ ነይሩ። እንተኾነ ግን፡ ነዊሕ ርሕቀት ከይተጎዓዝና፡ ሃገር

READ MORE

ትማሊ 25 ሚያዝያ 2016 ናይ ፕሮፖጋንዳን ምልዕዓልን ጀጋኑ ኣሃዱታት  ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/ ኣብ ልዕሊ ናይ ጸላኢ ናይ ስለያ ኣሃዱ በርቃዊ መጥቃዕቲ ብምፍናው ዕዉት ወታሃደራዊ ስርሒት ኣካይዶም። እዚ ኣብ ከባቢ መስሓል ኣኽራን ኣብ ሞንጎ ዓዲ ሽሁን እንጎበይቶን ፍሉይ ስሙ ማይ በለሳ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ናይ

READ MORE

ኣንደርስ በህሪንግ ብረቪክ ንመንግስቲ ኖርወይ ከሲሱ:: ንሱ ዘቕረቦ ክሲታት ምስ እሱራት ከይራኸብ ተኸልኪለ: ደብዳቤታተይ: ርክባት ተለፎን: በጻሕተይ ተሪር ምቁጽጻር ይግበረሎም: ኣብ ቀጽሪ ቤት ማእሰርቲ ተናፊሰ ናብ ክፍለይ ኣብ ዝምለሰሉ ክዳውንተይ ኣውጺኦም ይፍትሹኒ: ለይቲ ካብ ድቃሰይ የተንስኡኒ ዝብል ኢዩ::ብዘይካዚ ብረቪክ ዝወሃበኒ ቡን ዝሑል ኮይኑ መግቢ ኣብ

READ MORE