Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝኸበርኩም አሕዋት ዜጋታት ኤርትራ፡ ህዝብና፡ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ብግዕዙይ ምሕደራ፡ ብድኽነትን ስእነትን፡ ብጭንቅን ሕሰምን ይሳቐ ከምዘሎ ካባኻትኩም እውን ዝተኸወለ ኣይኮነን።  ብሰንኪ ብልሹው ምሕደራ ዜጋታትና ከም ኣቕሓ ብይጽንሓለይ ይእሰሩን፡ ብዘይ ንቡር መስርሕ ፍርዲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይበልዩን ኣለው። ብሰንኪ ደረት ኣልቦ ግዱድ ዕስክርናን ዕዮን፡ መንእሰያትና፡

READ MORE

ተለቪዥን ኖርወይ ኣናርኮ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንኤርትራ ብዝምልከት ፍርሕን ናጽነትን ብዝብል መደብ ዘርጊሑ:: ጋዜጠኛታት ኣናርኮ ናብ ኤርትራ ብምኻድ ንኣፈኛ ህግደፍ የማነ ገብረመስቀል: ኣብ ልዕሊ እሱራት ዝፍጸም ግፍዒ ብደረቕ ስእሊ ኣሰንዮም ኣብ ዘቕረቡሉ ሕቶ: እቲ ኣፈኛ ኣብ ታሪኽና ዝፈጸምናዮ ግፍዒ የልቦን: ነቶም ኣብ ኤርትራ ዝተማረኹ 100ሽሕ

READ MORE

መድረኽ፣ እንቛዕ ናብ መቃለሲ ቦታኹም ብደሓን መለሰኩም! (መድረኽ ፖለቲካዊ ውድብ’ዶ ወይስ ሲቪካዊ ማሕበር?) ብመጀመርያ፣ ነቲ መድረኽ ንኢትዮጵያ ምምላስን ትፋእኻ ምልማጽን ማዕረ ጌርካ ክኸይድ ዝቐነየ ናይ ድሕረ ናይሮቢ ደዓያት፣ ናብ ሓደ ወገን ሓዲግና፡ መድረኽ ንኢትዮጵያን፣ ኣዲስ ኣበባን ተመሊሶም ክሰርሑ ዘርኣይዎ ተባዕነትን ተዓጻጻፍነትን ብጣዕሚ ክምጎስ ዝግቦኦ ዑደት’ዩ። ኣነ እውን

READ MORE

ገለ ሰባት "ንሰብ ከይሞተ ኣይትእመኖ" ክብሉ  ሰሚዔ ኣሎኹ። ከምኡ መበሊኦም ምኽንያት ሰባት ብህይወት ክሳዕ ዘለዉ መርገጺኦምን ኣተሓሳስበኦም ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክቀያየር ስለ ዝኽእል ኢዩ። ዝኾነ ሰብ ኣተሓሳስብኡ ክቕይር ወይ ኣብታ ዝበላ ነቒጹ ክጸንዕ መሰሉ ኢዩ፥ ይኹን እምበር፥ ኣብ ሓጺር እዋን 360 ዲግሪ ተቐይሩ ናብቲ

READ MORE

መንእሰያት፣ ነባራት ተቓለስቲ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝሓቍፍ ህዝባዊ ማሕበር ሚላኖ ብ16 ጥሪ 2016 ንህሉው ኩነታት ሃገርና ኤርትራ ዝምልከት ኣኼብኡ ኣሳላሲሉ። እቲ ኣኼባ ነዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ብሰፊሑ ዘትዩሎም። 1 - ህልው ኩነታት ኤርትራ ሲርዓት ኢሳይይስ ምቕያር ባጤራ ናቕፋ ኣመኽንዩ ገንዘብ ህዝቢ  ብምዝማት ህዝቢ ኤርትራ ብገዛእ ገንዘቡ ኣብ ጥምየትን ሕሰም

READ MORE

እቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ገማግም ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ብዝነብሩ ዕለታዊ መነባብሮኦም ኣብ ፍርያት ባሕሪ ዝምርኮስ ህዝቢ ዓፋር እናተኣርየ ናብ ሚኒስትሪ ሃብቲ ዓሳ ተሽይጡ ድራር ዕለት ብዙሓት ስድራቤታት ዝሽፍን ዝነበረ ጽፍሪ ባሕሪ፡ ኣዘዝቲ ሓይሊ ባሕሪ ነቶም ድኻታት ኣረይቲ ጽፍሪ ባሕሪ ዜጋታት ብምህዳን እናኣሰሩ ነቲ ዝኣረዩዎ ጽፍሪ

READ MORE

ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ እስራኤል፣ ብፍላይ ድማ ኣባላት ምደፍኤን ምጥርናፍ ህዝባዊ ማዕበልን፣ ትማሊ 22 ጥሪ፣ ናይ ሙዚቃ ባንድ ኣኸቲሎም ካብ ቴልኣቪቭ ንኽልተ ሰዓታት ናብቶም ኣብ ሆሎት ዝብሃል ክፉት ቤትማእሰርቲ ዝርከቡ ልዕሊ 3 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብምብጻሕ ናይ ምንዝጋዕን ኣስተምህሮን መደባት ኣቕሪቦም። ኣሰናዳእቲ ናይቶ መደብ ነቲ ኣጋጣሚ

READ MORE

ቀዳማይ ክፋል ኤርትራ  ኣብ  ቅልውላው   - ህጹጽ  ብድሆን ስሙር  ተግባራትናን ድምጽና                                                           መጻኢና   ኣብ   ኢድና! መእተዊ ውርሻታትና፣ ዲሞክራሲን ኤርትራዊ ተመኩሮን ቀንዲ ሽግራትና፣ ኢሳያስ አፈወርቂን ዘውዳዊ ትውልዱን ጸይቀ-እምነቱን ኣብ ኣስመራ ንዘሎ ገበነይና በላዕሰብ ካብ ሱሩን ጉንዱን ምእላይ ምልክነት ሓጺርካ ንምድምሳስ ዘድሊ ሰፊሕ ስምረት ኣድላይነት ዕጡቕ ክንፊ ካበይ ንበገስ፣ ብኸመይከ ንስራሕ ኣገባባት ውደባ ሰፊሕ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ንፖለቲካዊ

READ MORE

ጥሪ 18, 2016, መግለጺ መሪር ሓዘን ብምኽንያት ሞት ኣቦና ቀሺ ሓይልኣብ ቀሺ ካሕሳይ ፣ ክቡር ኣቦና ቀሺ ሓይልኣብ ብዕለት 14 ጥሪ, 2016 ብዘጋጠሞም ናይ መኪና ሓደጋ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮሙና።  ብሃንደበታዊ ሞት ናይ ቀሺ ሓይልኣብ ኣዝዩ ከቢድ ስንባደን መሪር ሓዘንን ተሰሚዑና፤ ሞት ናይ ኣቦና ቀሺ ሓይልኣብ ብዝያዳ ነቶም

READ MORE

ህይወት ንባዕላ ብተፈጥሮ መስተንክር ኢያ። ካብ ተፈጥሮ ወጻኢ ግዳማኢ ጻዕኒ ክውሰኻ ከሎ ከአ ክትጽብኽን ክትከፍእን ናይ ግድን’ዩ። ናይ ባዕላ ዝኾነ መምርሒ ሕጊ ኡኳ እንተሃለዋ፣ ኩሉ ጊዜ ግን በቲ ህይወት ኮይናቶ ዘላ ኣካል እትምራሕ እምበር ባዕላ መሪጻ ነቲ ኣካል ክትመርሕ ኣይትበቅዕን። ምክንያቱ ኩሉ ህይወት ዝተሰከመ (ዘለዎ)

READ MORE

ጭፍራ ህግደፍ ንሃገር በቲ ግቡእ መልክዑ ከመሓድር ዘይክእል ናይ ጐሓላሉ ጕጅለ ምዃኑ ካብ ዘረጋግጽ ነዊሕ ግዜ ሓሊፉ ኣሎ። መስኪናይ ህዝቢ ግን ስለ ዘይቀብጽ ዓመት መጽአ፡ መሰረታዊ ለውጢ’ኳ እንተ ዘይኮነ ገለ ለውጢ ይጽበ ነይሩን ኣሎን። ካብ ማይ ዘይተረኽበስ ካብ ማይጨባ ከም ዝብሃል ግን ካብ ህግደፍ ንክፍኣት

READ MORE

መራሕ ሰውራ ሊብያ ሓው ሙዓመር ጋዳፊ ክልተ ጊዜ ብ2005ን ብ2009 ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝበጽሓሉ ብጻይ ኢሳያስ ብክብ ዝበለ ስነስርዓት ተቐቢልዎ:: ኣማኢት ቃፍላይ ሓለዋ ደቀንስትዮ ኣሰንዩ ጥይት ዘይበስዖ ውቁብ ተንዳ ተኺሉ ካብ ዓሰብ ናብ ባጽዕ እናተዘናግዐ ኣስመራ ኣትዩ:: ኣብቲ ቀዳማይ እግሩ ኣብ ጎልጎል ዳንካልያ ጋዳፊ”ኣብ ከፋት

READ MORE

ጥሪ 20,2016, ቃል ሓዘን ብምኽንያት ሃንደበታዊ ሞት ኣቦና ቀሺ ሓይልኣብ ፤ ሞት ግናይ ዘየብላ ዉዕል ቃሕ ኣብ ዝበላ መጺኣ ትምንጥል ኣድማሳዊ ሕጊ ኩሉ ተደላድል መጨረሽታ ሂወት ፍጹም ዘይትስገር፣ ዘይትተርፍ ዕጫ ዕድሎት ፈጣሪ ውዒላ ሓዲራ ምምጽኣ ዘይቀሪ መልክዓ ዘይፍለጥ ዘየብላ ሕብሪ ኣየ’ዛ ሞት ግናይ ዘይትፈልጥ ነውሪ ሃንደበት መጺኣ ኣእቲያትልና ቍሪ ኣሕጽር ኣቢላቶ ናይ ኣቦና ዕምሪ፣ ሕማም ከይፈለጥና ሞትኩም ተረዲእና ምርዳእ

READ MORE

መልቀስ ወየ!!!!!ወየ!!!!ወየ!!!!!   ጃኪ!! እልካ ዝጽዋዕ ኣብ ጅዳ ያዓቆብ ዮሃንስ መንበሪኡ ጅዳ ተቐባል ኣጋይሽ ንዑምራ፡ኮነ! ሕጃ ኣዳራሹ ገዚፍ ብዓል ድርብ መጋርጃ ብንእሱ ዝለበመ ኣብ ኩሉ ወረጃ ዓንዲ ማእከል ኢኻ ብዓል ግምጃ።   ማይ ጻዕዳ  ዓድኻ ኣብ ሰሞሞ ተኸላ መራጉዝ ምስ እያሞ ኣከለ ጉዛይ ትውለድ ምስ ሃዘሞ ሓማሰን ትዉለድ እዞም ሰብ ህድሞ ትግራይ እንተኸድካ ናብ ሰብ ዳሞ ጎጃም ቤገምድር ምስ ለማልሞ ወሎ

READ MORE

ወዲ ዓሊ ዝቐልዓ ኩዑሶ ናባና ሕምብሊል ትብል ኣላ ዕሰሊ! ዕሰሊ! ዝብላ ስኢና   ሕምብሊል ትብል ኣላ ልዕል ኢላ ካባና አርክብ ሕዝ ዘበልናያ ይመስለና ንነጥር ትርሕቐና ለዓለት ተሓተት ንብል ንወድቕ ንትስእ ንዘልል ተስፋ ከይቆረጽና ሕድሪ ወዲ ዓሊ ከቢዱና ስግኣት ከኣ ኣለና ድምጻ ዝሰምዑ ብጽላሎታ ዝሰምበዱ ከም ኣራዊት ሰብ ዝሃድኑ ዝጨውዩ ዝቐዝፉ ምሳና ሕውስ ኢሎም ዕድልና ከየጸልሙትዎ ከይቅድሙና ዓይንና ተኺልና ናብኣ እናጠመትና ከለና ነቲ

READ MORE

ህግደፍ ብጉልባብ ምቕያር ባጤራ ናቕፋ ገንዘብ ህዝቢ ዘሚቱ ንሃገር ኣብ ከቢድ ቅልውላው ኣውዲቕዋ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም:: እቶም ኣብ ባንካታት ገንዘብ ዘቐመጡ ካብ ሓሙሽተ ሽሕ ናቕፋ ንላዕሊ ከይውጽኡ ስለ ዝተኸልከሉ: መኽፈሊ ክራይ ገዛን ካልእ ንመነባብሮኦም ዘድሊ መባእታዊ ሃለኽቲ ነገራት ንምግዛእ ተጸጊሞም ከምዘለው ተፈሊጡ::ሰብ መዚ

READ MORE

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ንኣካረይትን ተኻረይትን ናብ ቤትጽሕፈት ብምጽዋዕ ውዕል ክራዮም መዝጊቡ፣ 40 ሚእታዊት ቀረጹ ኣትሪፉ  ንኣካረይቲ ብጽሒቶም ምሃብ ከምዝጀመረ ምንጭታት ሓቢሮም። እቲ ሽፍታዊ ስርዓት በቲ ሓደ ወገን ከምቲ ናቕፋ ኣብ ምቕያር ዝገበሮ ኣታዊታት ህዝቢ ንምፍላጥን ንምቍጽጻርን ብቐንዱ ድማ ገንዘብ ንምግሓጥ ይገብሮ ምህላዉ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።  

READ MORE

ካብ 2001 ኣትሒዙ ምስ ካልኦት ሓያለ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ኣብ ማሕዩር ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ን ልዕሊ 14 ዓመታት ሃለዋቱ ጠፊኡ ዘሎ ኤርትራዊ ገጣማይን ኣሰናዳኢ ብሕታዊት ጋዜጣ ዘመን ነበርን ኣማኑኤል ኣስራት ብ ፔን ዝብሃል ናጽነት ጸሓፍቲ ዘተባብዕ ኣህጉራዊ ማሕበር ዝመሓደር ፔን/ኦክስፋም ናይ ዝተባህለ ሽልማት 2015 ተዓዋቲ ከምዝኾነ

READ MORE

"ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፣ እቲ ጕያ ወዲኤ፣ ነታ እምነት ሓልየ" (2ጢሞ 4፣7)። ኣቦና ቀሺ ሓይለኣብ ካሕሳይ፣ ብዘጋጠሞም ናይ ማኪና ሓደጋ ሓሙስ 14 ጥሪ 2016 ብሞተ ስጋ ካብዛ ዓለም ተፈልዮም። ኣቦና ቀሺ ሓይለኣብ ካሕሳይ ኣብ ካናዳ ከተማ ፎርት-ማክመሪ ክፍለ ግዝኣት ኣልበርታ ዝርከብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ቅድስት ማርያምን ቅዱስ ዮሃንስን ኣገልጋሊ ዝነበሩ ኣቦ እዮም። ናይ ኣቦና

READ MORE