Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ሰላማዊ ቃልሲ: ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ብረታዊ ቃልሲ ጀሚሩ።  ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ጣልያን ኣብ 1890 ከም ሃገር ካብ ዝቖመትሉ ጀሚሩ  ህዝብና ብዝተፈላለየ መልክዕን ደረጃን ኣንጻር መግዛእቲ ተቓሊሱ ኢዩ። እዚ ብውሑዳት ሓርበኛታት ዝጀምረ ብረታዊ ተጋድሎ ኣብ መስርሕ ብተሳትፎ

READ MORE

ብባሕቲ መስከረም 1961 ብመሪሕ ጅግና ሓምድ እድሪስ ዓወተ ዝተጀመረ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ 2015 ንመበል 54 ዓመት’ዩ ዝበዓል ዘሎ። መሰረታዊ ዕላማታት ባሕቲ መስከረም ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ካብ መላእ ኤርትራ ምጽራግን ሃገራዊ ነጻነት ምርግጋጽን’ዩ ነይሩ። ኪኖኡ’ውን ንህዝቢ ኤርትራ ሰናይ ፖሎቲካዊ ምሕደራ ብምርግጋጽ፡ ዘላቒ ሰላም፡ ቀጻልነት

READ MORE

  ጀጋኑ  ተቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራ! ህዝብታት ኤርትራ ከምዚ ሎሚ ባሕቲ መስከረም ቅድሚ 54 ዓመታት ነቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ ደርብታት ኢትዮጵያ ንፍትሓዊ ነጻነታዊ ሕቶኦም፡ ብሕጋውን ሰላማውን መንገዲ ንምፍትሑ ዝገበርዎ ተጋድሎ ረጊጾም ብዓመጽ ናብ ምጉባጡ ምስ ተሰጋገሩ ፡እቲ እንኮ ዝተረፎም ናይ መጨረሽታ ኣማራጺ፡ ንደመኛ ጸላኢኦም ብዝተናወሐ ብረታዊ ተጋድሎ ክጸርግዎን፡ ንሰብኣዊ

READ MORE

ገዲም  ተጋዳላይ  ጸጋይ  ተኽለ (ጠቓሚየይ)  ኣብ  1954 ሓምለ 4 ኣብ  ኣስመራ  ገዛባንዳ  ጥልያን ወይ  ከ ኣዲስ  ኣለም  ተወሊዱ። ኣብ  ኣዲስ ኣበባ  ብዕንጨይቲ  ጽርበት ማላት ፈለኛሞ  ክስ ርሕ  ድሕሪ  ምጽናሕ  ኣብ  1975 ናብ  ኤርትራ ብምምጻእ  ምስ  ተጋድሎ  ሓርነት ኤርትራ  ተሰሊፉ፡ ቅድም  ኣብ ማሕበር  ሰራሕተኛታት ተመዲቡ ኣብ  ሰሓርቲ

READ MORE

ጽምብል ባሕቲ መስከረም ኣብ ከተማ ማንቸስተር፣ ዓዲ እንግሊዝ ዕድመ ንኩሎም ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ሓድነት መንእሰያት ኤርትራዉያን ንዲሞክራስያዊ ለዉጢ ዓባይ ማንቸስተር  (ሓ.መ.ኤ.ደ.ለ) መበል 54 ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ  ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ‘ዕላማታት ባሕቲ መስከረም ይተግበሩ’ ብዝብል ቴማ ብኽብ ዝበለ ማዕረግ ንምብዓል ተዳልዩ ስለዘሎ ኩሉኹም ደለይቲ ፍትሒ ኣብዚ

READ MORE

ኣብዚ ዘለናዮ መዋእል፡ ንግዲ ደቂ ሰባት ሓደ ካብ ዝዓበየ ምንጪ እቶት ኮይኑ’ሎ። ሰባት ስለምንታይ ቀዋሚ ናብሮኦምን ዓዶምን  ገዲፎም ይስደዱ፡ መንገዲ ጥፍኣት ይመርጹን መፍቶ ሕልና ዘይብሎም ነጋዶ ሰባት ይኾኑ ኣለዉን ባዕሎም’ኳ ዝምልስዎ እንተኾኑ፡ እቲ ቀንዲ ጠንቂ፡ ድኽነት፡ ካብ ኩናት፡ ጭቆናን ሞትን ውልቀ መለኽቲ ንምንጋፍን ሰላም ንምርካብን’ዩ

READ MORE

ትምህርቲ ንሂወትን መጻእን ህዝቢ ንምቕያር ክግበር ዝግበኦ ሓደ ካብ ኣገደስቲ ሃገራዊ ወፍርታት’ዩ:: ብዘይ እተወሃሃደ ስርዓተ- ትምህርቲ መሰረታዊ ሕብረተሰባዊ ለውጢ ክምዝገብ ኣይክእልን’ዩ:: በዚ መንጽር ደረጃ ላዕለዋይ ትምህርቲ ሃገር የንቆልቁል ኣሎ:: ኤርትራ ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ብስነፍልጠትን ተክኖሎጂን ክትስጉም ዘሎ ተኽእሎ ጸቢብ’ዩ:: መብዛሕትኦም እቶም ብሉጻት ተመሃሮ ኣብ ትሑት ደረጃ

READ MORE

መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ፣ ቁጽሪ ስደተኛታት ንምውሓድ ዘዋደዶ ታርጌት ንምውቃዕ ክብል ብሰንኪ ‘ቲ ብገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ዝኽሰስ ዘሎ ውልቀመላኺ ስርዓት ሃገሮም ገዲፎም ንዝስደዱ ዘለዉ ኤርትራውያን ዑቕባ ይነፍጎም ምህላዉ ይውቀስ ከምዘሎ ጋዜጣ ዘ ኢንደፐንደንት ኣብ ገጻቱ ኣስፊሩ። በዚ ምኽንያት፣ ኣብ ፈለማ ርብዒ ናይዚ ዓመት’ዚ 73 ሚእታዊት ኣንውታዊ ምላሽ

READ MORE

ኣማኑኤል ሳህለ ኣብ ስሳታት እዩ መስለኒ: ኣልኣሚን: ዓባይ ኣባሻውል ሎሚ ክደርፈላ: ፈጺማ ብኹላ ከይፈረሰት ከላ: እትብል ደርፊ ደሪፉ። ሓቁ እዩ: ከመይሲ ኣባሻውል ማለት ኣስመራ ማለት እዩ ነይሩ። ምፍራስ ኣባሻውል ድማ ከም ምፍራስ ኣሰመራ እዩ ዚቝጸር ነይሩ። ኮምብሽታቶ ክኔኡን ሕዛእቲ ጣልያን ኪኸውን ከሎ: ወዲዓዲ ግን ኣብ ኣባሻውል

READ MORE

መስከረም ዘይሓልፈላ ጭሩ መስከረም ትዓውር ነፊራ ድራራ ከይትምእርር ኣብ ዕምባባታት መሮር በሪራ ከይተስምዕ መዝሙር ዘይሓልፈላ ጭሩ መስከረም ትዓውር:: ጭሩስ ፈጣሪ ኣሚና ሰፈራ ሰሪሓ ጨቓዊታ ተማሙቕ ኣኽናፋ ዘርጊሓ ለመምታ ከይኣትዋ ትጥምት ነቒሓ:: ዘይሓልፈላስ ኤርትራ መስከረም ዓዊራ ብመስፈ ጋኔን ኣዒንታ ሓቢላ ነቑራ:: ተውሳኻ መስከረም ትርገም ብ61 ዝቐደደት ጸላም: በርቂ ኣሰንያ ዘውረደት ዝናም ውሕዝ ኣውሪዳ ናይ ሰማእታት ደም ግንቦት ወሊዳስ ስማ ክድወን:: ዓቕሊ ኣጽቢበ

READ MORE

ሶሶና:ኮሉኩ: ፎደ: ቢምቢልና:ከርከሻ: ተሎጋምጃን ካልኦት ዓድታትን ከተማ ባረንቱን ተዘዋዊረ ፈለማ ዘጽናዕክዋ ማይ ዶካ ኣትብል ቃል’ያ:: ምስ’ዛ ቃል ለጊባ ትመጽእ ድማ ማይዳ ኢያ:: ብኩናማ ማይዶካ ከመይ ኣሎኻ ክኸውን ከሎ ማይዳ ድማ ጽቡቕ ወይ እግዚኣብሄር እመስገን ከም ማለት’ዩ:: ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህግደፍ 14 ዓመት ዝተሳቐየ ብሂወት እንተሎ

READ MORE

ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ክሰግራ ዝፈተና ክልተ ጀላቡ ብምጥሓለን: ኣማኢት ሰባት ክሞቱ ከምዝኽእሉ ቢ.ቢ.ሲ. ሓቢሩ:: ካብ’ተን ትማሊ  27 ነሓሰ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓላ ጀላቡ እታ ቀዳመይቲ 50 ሰባት: ድሕሪኣ ዝሰዓበት ደማ 400 ሰባት ኣሳፊረን ምንባረን ተፈሊጡ:: ኣብ ምዕራብ ትሪፖሊ ዙዋር ኣብ ዝተባህለት ከተማ ዝርከብ ሆስፒታል 100

READ MORE

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ከተማ ግዝያዊ መዕቆቢ ዝተዋህቦም 250 ስደተኛታት ናብቲ ቦታ ኣብ ዝበጽሑሉ ኣጋጣሚ፣ ሕሉፋት የማናውያን ድሕሪ ዘልዓሉዎ ናዕቢ ምስ ፖሊስ ምትፍናን ከምዝተኸስተን 30 ኣቢሎም ዝኾኑ ፖሊስ ከምዝተጎድኡን ይፍለጥ። ቻንሰለር ጀርመን ኣንጀላ መርኸል ግን፣ ብደገፍቲ ናይቶም ሕሉፋት የማናውያን ዘጋጠማ ምሽባብን ምድሃልን ግዲ

READ MORE

እቲ ፈለማ ኣብ ዝተመስረተሉ እዋን፣ ምስ ናይ ኩባ ዩኒቨርሲቲን ናይ ኣመሪካ ጆርጅ ዋሺንግተን ዩኒቨርሲቲን ብዝፈጠሮ ሞያዊ ምትእስሳር፣ ብመንገዲ ‘ቶም ፍሉጣት ኣህጉራውያን ማእከላት ፍልጠት ብቑዕ ኣካዳምያዊ ደረጃ ተጎናጺፉ፣ ነቶም ኣብተን ብቕዓት ዘይብለን ካልኦት ኮለጃት ክምሃሩ ተገዳስነት ዘይብሎም ብዙሓት ብሉጻት ኤርትራውያን ተማሃሮ ካብቲ ዘሎ ዝሓሸ ኣማራጺ ኮይኑዎም

READ MORE

ኣማኑኤል ሳህለ ኩሉ ፍጡር: ህይወት ዘለዎ ይኹን ዘይብሉ: ተለዋዋጥን ሓላፍን እዩ። ኩነታትውን ከምኡ። ዓወት ብስዕረት ይትካእ። ክብረት ብሕስራን ይድምደም። ሃብታም ይደኪ: ድኻ ይህብትም። ዳንደ ዝነግሰሉ: ለባም ድማ ከም ባርያ ዝሳቐየሉ እዋናት ኣሎ። እቲ ዝደልደለ ህንጻ ንዘልኣለም ደው ኢሉ ኣይነብርን። ቀስ ኢሉ ናብ ዑና ይልወጥ: መጻወቲ ጠበቕን

READ MORE

ብዳዊት  ክፍለዝጊ ዋና ዝሳአነት፡ላሕሚ ትሙኻእ  ትደሚ፡ ከይትሻናዳሕ፡ ዪለን ዓቕሚ፡ መሊሹ  ከፊእዋ ካብ  ዓሚ፡ እቲ ሓደ ብጭራአ፡ንድሕሪት ይውጥጥ፡ ዓመጸኛ ብኽሳዳ፡ ንታሕቲ  ይሰቅጥ፡ ሱሱዕ   ባዓል፡ ጓጉድ  ጉሊአ  ይመጥጥ፡ ዑሱብ  ጓሳ  ግርማአ፡ ዝቕንጥጥ፡ ሓምራ ላምና በዚሕዋ  ዋጢጥ፡ ብሓቂ ብልክዕ  ልግዔ ዬለ  ጸባ ፡ ዋና ዬለን ብጉቡእ  ዝሓልባ፡ ሳዕሪ፡የለን  ትበልዖ፡ቀለባ፡ ብራሕ ዬለ  ዝስተ፡ማይጨባ ማሕረስ ዬለን፡ ዝብል፡ ናዓ  ሃባ፡ እኖሆዶ! ንሪኦ  ብቐረባ፡ እዛ  ሓራስ

READ MORE

ኣንጻር ጕጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ. ብብዝሒ ተኣኪብና ማለት‘ዶ፡ ዓወት ንመሰል ህዝቢ ኤርትራ የጸውዖ፧ ካብዚ ሕቶ‘ዚ ብምብጋስ ገለ ትዕዝብተይ ክብል፥ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ ተኻፊለ፡ ኣብ ናይ ፍራክፈርትን ካስልን ዝተገብሩ ፈስቲቫላት ውን ተኻፊለ፥ ነቶም ዝነበሩ ፕሮግራማትን ሃዋህውን ውን፡ ብዓቕመይ ብግቡእ ክከታተሎ ፈቲነ። ነቲ ኣብ ጀነቭ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ፡ እቲ መብዛሕትኡ ኣብኡ

READ MORE

ብኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ ኣብ ሰማይ ዘሎ ደበና ንኹሉ ርጉጽ ዘይኮነ ትጽቢት ዝወሃብ ምስላ`ዩ። ኣብ ሰማይ ዘሎ ደበና ረጊጹካ ዝሓልፍ፤ ወይ ጠቃሚ ዝኾነ ውሱን ዓቀን ኣዝኒቡ ደው ዝብል፤ ወይ ከኣ ለኻኺሙ ዝኸይድ፤ ወይ ኣብ ዘይተደላዪ ወቅቲ ዘኒቡ ዘራእቲ ዘባላሹ ክኸውን ይኽእል። ደበና UN ነቲ ድሕሪ ምብቃዕ 2ይ ውግእ ዓለም

READ MORE

ኣብ ዝሓለፈ ቐዳም፣ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ ብዘይውሑሳት ጀላቡ ካብ ሊብያ ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢሎም ናብ ዓዲ ጥልያን ክሰግሩ ዝፈተኑ ሶርያውያን፣ ኤርትራውያን ሶማላውያንን ዝርከቡዎም ኣስታት 4400 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ሊብያ ብሓለዋ ባሕሪ ዓዲ ጥልያን ከምዝደሓኑ ቢቢሲ ሓቢሩ። ሓለዋ ባሕሪ ዓዲ ጥልያን ነዚ ብምዝልከት ኣብ

READ MORE

ሓንቲ ለተዝጊ እዝራ ዝተባህለት፣ ካብ ኤርትራ ናብ ሱዳን ዝተሰደደት ኤርትራዊት ኣደ ቖልዓ፣ ኣብ ሱዳን ብዝወረዳ ብስጭት ዓቕላ ጸቢቡዋ ብበንዚን ነብሳ ድሕሪ ምቅጻላ፣ ኣብ ሕክምና ከሰላ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ከምእትርከብ ምንጭታት ኣሰና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም። ብመሰረት ‘ቲ ነታ ግዳይ ብምዝርራብ ዝተላእከልና ሓበሬታ፣ እታ ኤርትራዊት ስደተኛ፣ 6 ኣዋርሕ

READ MORE

 ኤርትራውያን ኣብ ገዛእ ቤትና እሱራት ኢና ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለምን እንርከብ ኤርትራውያን፡ ክሳብ ሎሚ ጸገምና ንምፍታሕ ጥምረትን ራእይን የብልናን፡፡ ብፍላይ ኣብ ስደት ዘሎና ዜጋታት፡ ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽ ናጽነት ስለዘሎና፡ ንስርዓት ህግደፍ ዝነቅፍ ወይ ዝውድስ ርእይቶታት ምቅራብን ብቅሉዕ ምቅዋምን ይርአ። ንኣብነት ካብ

READ MORE