ኣቶ ተስፋንኪኤል ገራህቱ ኣምባሳዶር ኣብ ዓዲ እንግሊዝ። ኣቶ ተስፋማርያም ተኸስተ/ወዲ ባሻይ/ ኣምባሳዶር ኣብ እስራአል። ኣቶ ግርማ ኣስመሮም ኣምባሳዶር ኣብ ኤውሮጳዊ-ሕብረት፡ ጽቡቕኩም ሕማቕኩም ታሪኽኩም ክንገልጽ ሰዓቱ ስለዝኣኸለ ኣይትቀየሙና። 

ኣምባሳደር ህግደፍ ወዲ ገራህቱ ‘ ከምዚ ዓይነት ሕቶ ከም ትሓትት ፈሊጠ እየ ካብ መጀመርታ ዕድል ክህበካ ዘይክኣልኩ’ ብምባል ከኣ ነቲ ናይ ልቡ ከይተረድኦ በጨቕ ኣቢልዎ።


ቀዳም ዕለት 30/01/2010 ኣብ ከተማ በርሚንግሃም ዓዲ እንግሊዝ ካብ ስዓት 2.00 ስጋብ ስዓት 6.10 ድቀ ኣብ ቤት መግቢ ሳቫና ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ብኣምባ ሳደር ህግደፍ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ወዲ ገራህቱ ተኻይዱ.

አብዚ ዝሓለፈ ቅንያት፡ድሕሪ’ቲ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕ/ሃ፡አብዚ ሒዝናዮ ዘለና ሐድሽ ዓመት፡ ኢሳያስ አፈወርቂ ዝሃቦ ቃለመጠይቅን መደረን: አሰልካይን ራኢን ሐቅነትን ዝጎደሎ፡ ከምኡ’ውን ንእዋናዊ ሕሱም መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ፈጺሙ ዘየንጽባርቅ ኮይኑ ረኪበዮ።

ስርዓት  ህግደፍ : “ኣብ ሶማልያ ወተሃደራዊ  ምትእትታው  የብለይን” ኢሉ ብተደጋጋሚ ኣብ ዝኽሕደሉ ዘሎ እዋን ፡ ክልተ ወተሃደራውያን ኣማኸርቱ ኣብ ሶማልያ ተሸሪቦም ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም።


እዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብውሳኔ ብይን ተመሓላሊፉ ዘሎ እገባ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰነድ መጽውዒ ውሳኔ ብይን 1907/2009/፡ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብተግባራቶም ፋሕቲሮም ዘምጽእዎ ዘይኮነስ፡ እቲ ኣብ ልዕልን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብሓይሊ ጠበንጃ ኣስገዲዱ ዝገዝእ ዘሎ መሪሕነት ህዝባዊ ግምባር ንደሞክራስን ፍትሕን ‘’ንስውአን ብጡጠን” ገይሩ፡ ብሰሪ ጻሕታሪ ተግባራቱ ዝሸመቶ ጽዕንቶ እከይ ውጺኢት ባርባራዊ ሽቕለቱ ኢዩ።

ኣብ ስዊስ ፖሎቲካዊ ዑቕባ ዝሓተቱን ነበርትን ኤርትራውያን።

ህዝቢ ኤርትራ ብህግደፍ ኣብ ዝጭቆነሉ፣ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘይከብረሉ፣ መንእስያትና ግዳያት ናይ ምድረበዳን፣ ቀለብ ዓሳ ባሕሪን ዝኾንሉ፣ ብሰንኪ ጉጉይ ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ ሃገርና ትባድመሉ ዘላ ግዜ ፣ ብሑቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ህግደፍ እገዳ ስለ ዝተወሰነ፣ ነዚ እገዳ ዘይፍትሓዊ ኣምሲልካ፣ ንገርሂ ህዝብና ንምድንጋር ድማ አብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝተወሰነ ጌርካ ንዝግበር ዘሎ ሸፈጥን፣ ፋኸራን፣ ህግዳፋውያን ንምልከቶ አሎና። ንሓልዮት ህዝቢ ድማ ኣይኮነን። ነቲ ብሓይሊ ወተሃደር ስልጣን ህዝቢ መንዚዑ ዘሎ መራሒኦም ዕድሜ ስልጣኑ ንኸናውሑ፣ ዝግበርዎ ዘለዉ ኮንቱ ፈተነ ኢዩ።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ርእሲ ስርዓት ኤርትራ ውሕሉል ማዕቀብ ካብ ዝወሰነሉ እዋን ጀሚሩ፡ እቲ ካብ ዓለም ዝተነጸለን ብኡ መጠን ዝተኾነነን መሪሕነት ስርዓት ኤርትራ ከይሓነኸ፡ ባይቶ ጸጥታ ዘይሕጋዊ ብይን ከምዝገበረሉ ከምስል ብናህርን ዲፕሎማሲ ብዝጎደሎን ኣገባብ ይጓየ ኣሎ።

Eritrean Detainees express their appreciation and thank all Eritrean civic originations, Media outlets, political parties, Eritrean individuals , international NGO’s, Governments and friends of Eritrea for working tirelessly to halt the planned Eritrean immigrant deportation from Libya.

Eritrean Detainees express their appreciation and thank all Eritrean civic originations, Media outlets, political parties, Eritrean individuals , international NGO’s, Governments and friends of Eritrea for working tirelessly to halt the planned Eritrean immigrant deportation from Libya.

ኣቱም ሰባትኮይኑና ድዩ ትም መሪጽናጀጋኑ ኣፋኒናዕሸላት ኣንሳፊፎም  ኣብ ባሕሪ እናሰማዕና።ከመይ ‘ድዩ ኮይኑ’ዚ ግዜዘዝጎበዘ    እናገዓዘ።ወይለይ ኤርትራዊሓውኻ ዝረድኦ ሲኢኑ የእዊሓንጊድካ መሪጽካ ስቅታከይቃላሕ ብዓውታ።በል ስማዕነብሲ ሓውካፈቲኻ ጸሊእካይብላዕ ኣሎ ብዓሳንቡር ኣብ ዘይርከቦ ሬሳ።ኣንታ ንስኻ ኾንካ ሓዉከይትሰምዖ ድሃዩስቅ መሪጽካ ኪሒድካዮምስ ባሕሪ ጓኒኻዮምስ ህግደፍውያን  ዘሪኻዮኣብ ፈስቲቫል ትዘልል ረሲዕካዮ። ኣንቲ ሓብተይንስኺ’ኸ ንምንታይ

READ MORE

ንብዙሕ ዓመታት ተደፊኑ ኣእሙረይ ዝምዕዱ ከይሰምዕ ንቕጽ ስኣን ሕራይ ደረቐኛ ኮይነ ከምቲ ሓሳዊ መራሕየይ ንህግደፍ ኣሚነ ንኾንቱ ዓሪቡ ሕልናይ ምኽሪሕዋት ዘይምስማዕ ሳዕቤኑ ጉድኣት እንሆ ብቀረባ ንዕዘቦ ናይ ህግደፍ ጥፍኣት እናረአዩ ዝሰጥሙ ዘለዉ ናብ ሲኦለ መዓት ብባዕሎም ዝኣጎዱዎ ናይ መሬት ግሃነ እሳት ብሓቂ ተማሒርካ ካብ ህግደፍ ዝለቐቕካ

READ MORE

ህዝቢ ኤርትራ ንነዊሕ ዓመታት መሪር ቃልሲ አሕሊፉ ደም ምሩጻት ደቁ ከፊሉ ኢዩ ነጻነቱ ዘውሐሰ፤ ህዝብና ቐሲኑ አብ ትሕቲ ግዝአት ሃገራዊ ቅዋም ብሕግን ፍትሕን ተመሐዲሩ ብሰላም ክነብር፤ ሃገርና ድማ ምስ ጎረባብታን ካልኦት አብ ርሑቅ ክፍሊ ዓለምና ዝርከባ ሃገራት መሰረታዊ ክልተአዊ ዝምድናታት መስሪታ ብቐሰታ ናብ መገዲ ምዕባለ ንኽትምርሽ ኢዩ፡፡

ሰደት ወዲ ሰብ ጥራይ ዘይኮነስ እንስሳ’ውን ከይተረፈ ብዘይ ወለንትኡ ዝገብሮ ጉዕዞ ሂወት ኢዩ። እዚ ማለት ነቲ መሰረትካን ምበቆልካን ዝዓበኻሉን ከባቢ ራሕሪሕካ፡ ብዝይ ፍቶትካ ተገዲድካ ትኣትዎ ድኣምበር ምርጫ ኣይኮነንን። መጽናዕታዊ ጽሑፋት ሰነ ሰብ ከምዝሕብርዎ ጠንቂ ሰደት ደቂ ኣዳም ኣብ ክልተ ዓበይቲ ምክንያታት ከፊሎም ይርእይዎ።

ርጉም ዉላድ ኣይወለድ ፡ እንተተወልደኸ ማይ ይለድ።ሓደ እዋን ደርሆ ያኢ ከምቲ ኩሉ ፍጡር እግዝኣብሄር ዝሰርዓላ ቛርፍ ወይ(ዕለታዊ ምግባ) እናማእረረት ሰላማዊ ናብራአ ትሕልፈሉ ኣብ ዝነበረት ጊዜ ወደይ ኢላ ትንየተሉ ዝነበረት በቲ ሰላማዊ ናብራአ ዘይታሓጎሰ ዉላዳ፡ሰላማዊ ናብራአ ንምዝራግን ንምኹላፍን መጺኡ እተን ኣምላኽ ዝዓደላ መናፍራ ነጽዩ ቆርበታ መሊጡ ሰደዳ። ወያ ዶርሆ እዚ ኩሉ መግፋዕትን ጭካነን ኣብ ነብሳ ወሪድዋ ክንሳ ዝዉር ኢላ እንደገና ናብኡ ተመልሰት።

ማሕበር ጥርናፈ ኤርትራውያን ንዲሞክራስን ፍትሕን ኣብ ቅዋሙ ንዘስፈሮ መደብ መሰረት ብምግባር ሎሚ ዕለት 24/1/2010 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ከተማ የተቦሪ ኩሎም ግዱሳት ኤርትራውያን ኣባላቱ ኣብ ዝተኣከቡሉ ኣዳራሽ ቀዳማይ መስራቲ ጉባኤኡ ኣካይዱ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኢሳይያስ ነቶም ብወገን ፖለቲካ ጽግም ክብሎ ኸሎ መልጎም ጠዊቑ ከም መብረ ዓሻክሩ ዝጥቀመሎም ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ሃገር፡ ነቶም ሓንቲ ቃሉ ከይርስዑ ወይ ከይመልኡ ፈጥፈጥ እናበሉ ዘንብቡ ኣምባሳደራት ከኣ ኣብ ወጻኢ ኣዋፊሩ፡ ነቲ ብባይቶ ጸጥታ ዝተበየነ ኣብ ሓለፍቲ ህግደፍ ዘነጻጸረ እገዳ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዝቐንዐ ምዃኑ ንምእማን “ ናይ ርድኡና ርድኡና” ዘይተኣደነ ሰሚናራት ከካይዱ ኣዚዙዎም ቀንዩ።



ገብረኣብ ትኳቦ፡ ካሕሳይ በኺት፡ ፍረወይኒ ከምኡ ‘ውን ሃብተገርግሽ ዝብሃል ኣብ ኡጋንዳ መሻርኽቲ ንብረት ህግደፍ ዝኾነ ግለሰብ ዘቖሙዋ መጋበርያ ስርዓት ህግደፍ ዝኾነት ጉጅለ፡ ትማሊ ሰንበት 24 ጥሪ፡ ኣብ ቅድስተማርያም ስቶክሆልም (ሽወደን) ፖለቲካ ህግደፍ ክትነዝሕ ‘ኳ እንተፈተንት፡ ብሳላ ተባዕ ተቓውሞ ኤርትራውያን ፕሮፖጋንዳዊ መደባ ከምዝፈሸለ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

ገብረኣብ ትኳቦ፡ ካሕሳይ በኺት፡ ፍረወይኒ ከምኡ ‘ውን ሃብተገርግሽ ዝብሃል ኣብ ኡጋንዳ መሻርኽቲ ንብረት ህግደፍ ዝኾነ ግለሰብ ዘቖሙዋ መጋበርያ ስርዓት ህግደፍ ዝኾነት ጉጅለ፡ ትማሊ ሰንበት 24 ጥሪ፡ ኣብ ቅድስተማርያም ስቶክሆልም (ሽወደን) ፖለቲካ ህግደፍ ክትነዝሕ ‘ኳ እንተፈተንት፡ ብሳላ ተባዕ ተቓውሞ ኤርትራውያን ፕሮፖጋንዳዊ መደባ ከምዝፈሸለ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።