Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እቶም ትማሊ ሰንበት 25 መስከረም ንመላኺ ኢሳይያስ ክውድሱ ኒውዮርክ ተኣኪቦም ዝነበሩ 3 ሽሕ ኤርትራውያን: ‘ዘማች’ ምዃኖምስ ኣረጋጊጽና ኣለና። ‘ቀባሮ’ ድዮም ‘ኮማሮ’ ንምጽራይ ግን ገለ ሕጡበ-ጽሑፋት ከድልየና እዩ። ‘ዘማች’ በቲ ንቡር ትርጉሙ፡ ‘ወፋሪ’ ማለት ስለዝኾነ ዘጕሂ ኣይኮነን። ጥቁው ወፍሪ ‘ሎ እኩይ ወፍሪ ሎ። ‘ዘማች’ በቲ ናይ ሳሕል

READ MORE

ጎብየ ወዳጀ ጎብየ መብጽዓ ኣትይለይ ክዕገስ ክጽመም ዋላ ተዛሓለ እንተበለ ለመም ቃሉ ከምዘይዓጽፍ ካብ ዝበሎ ቀደም ሕድሪ ስዉኣት ፍጹም ከምዘይጠልም ኣነ ዉን እምብዛ ኣሚነዮ ሕሉፈይ ንጹፈይ ኣሕሊፈ ሂበዮ። መሲልኒ ኔሩ ዝገምታ ጉዕዝኡ ሰረት ዘንጽፈለይ፣ ኩርካሓት መድሚዱ ሰላም ዘስፍነለይ ዕግርግር ኣህዲኡ። ግና፣ ግና ንሱ እቲ መታለሊ ንዝህመል ገብየ መሳሊ ካብ ዕብየት ንጥፍኣት ዝሓሪ ዉርደት እምበር ኣይምተገብኦን ክብሪ። ህድኣት ርግኣት ብልሃት ምርድዳእ

READ MORE

ንሰንበት ዕለት 2 ጥቅምቲ 2011 ኣንጻር‘ቲ ሕሱም ዲክታቶርያዊ ጉጅለ ህግደፍ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ፊት ኤክስፖ (መሰ Messe Giessen) ከተማ ጊሰን ሰዓት 4 ድ.ቀ. (16) ክጀምር ምዃኑ ንኵሎም ግዱሳት ኣሕትን ኣሕዋትን ደጊምና ብኽብሪ ነፍልጥ። ቆጸራና ኣብ መቐመጥ መኻይን ናይ ሽላኽትሆፍ ስትራሰ Schlachthofstraße ኣውቶቡሳት ንኣሽቱ መኻይን መቐመጢ ኣብ Schlachthofstraße(ብነጻ) ኩነታት

READ MORE

ኣብ ጀርመን እንርከብ ኤርትራውያን ተቓወምቲ፡  ሲቪካውያን ማሕበራትን ግዱሳትን ንዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ብምዅናን፡ ኣብ ክንዲ ‘ቲ ብዓመጽ ህግደፍ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ድምጽና ንምስማዕ ን 2 ጥቅምቲ 2011 ኣብ ጊሰን፡  ሜሰ ሃለ፡ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ከነካይድ መዲብና ስለዘለና፡  ኣብ ጀርመንን መላእ ሃገራት ኤውሮጳን እትርከቡ ደለይቲ ለውጢ ምሳና

READ MORE

ክቡር ኣቶ መልስ ዜናዊ ቀዳማይ መኒስተር ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ረፓብሊክ ኢትዮጵያ ዝዓዘዘ ሰላምታ ድሕሪ ምቕዳም፡ ብምኽንያት መስዋእቲ ኣባላት ጉጅለ ባህሊ ፖሊስ ኦርክስትራ ትግራይ ኣብ መንግዲ ቆቦ - ሆርሞት ብዝጋጠማ ሃንደበታዊ ሓደጋ ምግልባጥ መኪና ብስም ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብሓፈሻ ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ፡ ንህዝቢ ትግራይን ዝተሰመዓና መሪር ሓዝና ንገልጽ። እዞም

READ MORE

ኣብ ሃገርዊ ጉባኤ ዝሳተፉ ሕጹያት ንምምራጽ ኣብ በርምንግሃም ህዝባዊ ኣኼባ ክካየድ ኢዩ ተሓጋጋዚት ሽማግለ በርሚንግሃምን ሚድላንድስን ንሃገራዊ ኮሚሽን ንኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ዝሳተፉ ሕጹያት ንምምራጽ ናይ ምድላው ስርሓ ኣብዚ እዋን እዚ ብምዝዛም ህዝባዊ ኣኼባ ትጽውዕ። ንኩሎም ወከልቲ ናይ ኩለን ደገፍቲ መስርሕ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ከም ተዓዘብቲ፣ ንጡፋት ምዝጉባት

READ MORE

ኣብ ሱዳን ድንጎላ ኣብ ዝባሃል ቦታ ሕጹጽ ሓገዝ ድሕነትን ዝጽበዩ ኣስታት ቅድሚ ሰሙን ኣቢሉ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ሸገራይብ ብምህዳም ኣብ ኢድ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣብ መሸጣ ንግዲ ደቂ ሰባት ዝተዋፈሩ ተወላዶ ብሔረ ራሻ-ይዳ ዝወደቑ 94 ደቂኣንስትዮን ሓንቲ ነፍሰጾርን 10 ቆልዑኡ ዝርከብዎም 365 ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ

READ MORE

እቲ፡ ዳርጋ፡ ልቢ ኩሉ ኤርትራዊ ዘረስረሰ ሰላማዊ ሰልፊ ኒው ዮርክ ፡ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ንዴሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ብዘይ ምግናን ነጥቢ መቐይሮ ኢዩ ነይሩ። መራሕ መንግስቲ ኤርትራ ከም ቀደም ተኣንገድ ተሸብሸብ ተባሂሉ ዘይኮነሲ ክሳብ መወዳእታ ሰዓት ብምስጢር ዝተታሕዘ ኣኼባ ኢዩ ኣካዪዱ። ሳላ መንፍዓት ኤርትራውያን ተቓወምቲ ኣብ ኒው ዮርክ

READ MORE

ሰላም ኣብ ውሽጥን ወጻእን እትርከቡ ኩቡራት ኣሕዋት ደቂ ኤረይ ጻዕዳ፡፡እንቋዕ ናብ ብርሃነ መስቀል ብሰላም ኣብጸሓና፡፡ሎሚ ኣብ ድሮ በዓል መስቀል ኮይና ዓኾዃይ ዓኾዃይ ገዓት ሓምሊ ውጻእ ገዓት ጠስሚ እቶ፡እንብለሉ ኣብ ክልተ ገጽ ናይ መድረኽ መቐይሮ ኢና ዘለና፡፡በቲ ሓደ ካብ ዘመነ ሉቋስ ናብ ዘመነ ዮውሃንስ እንሰጋገረሉ መድረኽ

READ MORE

ካብ  ዝሐለፈ መፋርቕ ወርሒ ነሐሰ 2011 ዓ/ም እቲ አብ መበል 21 ክ/ዘ ጸሊም ዘይርሳዕ ገበን አብ ልዕሊ ገዛእ ህዝቡን ሃገሩን ዝፈጸመ ኤርትራን ኤርትራውነትን ፍጹም በታቲኑ ብምብራስ ካብ ዝከፈአ ናብ ዝገደደ መዓሙቕ ድሕረትን ድኽነትን ዝሸመመ ገባቲ  መሪሕነት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብላዕለዋይ ማፍያዊ መራሒኡ ተማእዚኑ ነቶም ድሕሪ ጸሐይ ብራቕ

READ MORE

ናይ ኒውዮርክ ተኣንጎት ተሸብሸብ፣ ብዙሕ ጎስጓስ ዝተኻየደሉን ዘይተኣደነ ጥንቃቀ ዝተገብረሉን ብዕለት 25 መስከረም 2011 ርክብ ሰዓብቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ምስ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ተኻይዱ። እቶም ደገፍትን ተደናገጽትን ናይ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብሕርያ ቅድሚት ክስርዑን ከመላኽዑን ከማዕርጉን ከምዘለዎም ክግበር እንከሎ፣ እሙናት ኣጋፈርቲ ከኣ ኣብ ዝለዓለ ተጠንቐቕ ኮይኖም ንጸጥታ ከኽብሩን ተቃወምቲ ከይሶልኩ

READ MORE

ብኣጋጣሚ ዕለት 18 መስከረም 2011 ዓ.ም ብዘይ ክስን ፍርድን መበል ዓሰርተ ዓመቶም ኣብ ትሕቲ ጨካን ማሕዩር ህግደፍ ዝበልዩ ዘለዉ ጀጋኑ ናይ ለውጢ ሃዋርያ ዝኾኑ ላዕለዎት መራሕቲ ሃገር ኣመልኪቱ ኣቶ ተወልደ ወልደገብሪኤል ኣገልግሎት ድምጺ ኣሜሪካ ምስ ኣምባሳዶር ኣድሓኖም ገብረማርያም ብስልኪ ዝገበሮ ሓጺር ቃለ-ምልልስ እንሆ ይቐርበልኩም ሰናይ

READ MORE

ክፉእ እናረአኹም ኣይትጨክኑ ከም ኣቦታትና ሕያዎት ኩኑ ብተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ 26/09/2011 Norway ሃገር ባዶ ኮይና ህዝብኹም ኣቃልቡ ሓዲጎማ ከይዶም ግዜዊ ሰላም ተረኸቡ ዘለዎ ኸኣ ብወግዒ ብጀነራል ተዓጂቡ ገንዘቡ ጫሕ ኣቢሉ ንበሊዖም ዘይጸግቡ ኣሕዋት ኣማዕዲኹም ኣይትታዓዘቡ ማዕጾኹም ክፈቱዎ ብቓልዕ ተዛረቡ ዘመነ ህግደፍ ጽሓይ ኣብ ምዕራቡ ህዝብና ከይጸንት ብቶሎ ኣፈርክቡ ኣብ NY.ሪኢና ብሓሶት ዝውድሱ ዘይዕረዩ ምዕባለ ሃገራት ዘይወርሱሱ ቅድሚት ሰሪዖም ንሂትለራት ዘሐጉሱ ዘይተሰደ

READ MORE

ከተማ ኒው ዮርክ ነቲ ሃሲሱ ዝነበረ ታሪኽ ጅግንነትን ዘይተምበርካኽነትን ኤርትራውያን ዝኾልዔ ሓድሽ ቅያ ወቂራ። እቲ ንዝሓለፈ ኣስታት ዓሰርተ ዓመታት ንሃገርና ኣብሪሱ ንህዝብና ዘጽንት ዘሎን ንታሪኽ ጅግንነት ህዝቢ ኤርትራ ብኽድዓትን ጥልመትን ዝበረዘ ውልቀ መላኺ ኣብ ህይወቱ ንመጀመርታ ጊዜ ዓቢ ውርደትን ፍሽለትን ኣጋጢሞዎ። ኢሰያስ በቶም ንዓመታት ኣብ

READ MORE

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሎሚ ኣብ ኒውዮርክ ንደገፍቱ ድሕሪ ዘካየዶ ኣኼባ Pain Le Quotidien ኣብ ዝተባህለ እንዳ ፒሳ ክምገብ ድሕሪ ምእትዉ፡ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ክገብሩ ዝወዓሉ ኣባላት ዓለም ለኻዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን መንእሰያት (EYGM) ደድሕሪኡ ስዒቦም፡ “ቀታሊ፡ ሓራዲ” ኢሎም ስለዝሸደዱዎ ዝኣዘዞ መግቢ ከይጠዓመ ናብ ካልእ ኣብቲ 43rd

READ MORE

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም 17 መሰከም.2011 ምንቅስቃስ መንእሰያት ንዲሞከራስያዊ ለውጢ ስዊዘርላንድ ዓስራይ ዓመት ዝኽሪ እቶም ምሕደራዊን መንግስታን ኣካዪዳ ንኽቅየር ዝሓተቱን ላዕለዎት ሓለፍቲ ከምኡውን ነዚ ጻዊዒት‘ዚ ናብ ህዝቢ ዘብጽሑን ተባዓት ሰብ ሞያ ጋዜጠኛታትን ካልኦት ደለይቲ ለውጢን ዝተኣሰርሉ ክሳብ ሕጂ‘ውን ኣበይ ከምዘለዉ ዘይተፈለጠሉን ንምዝካር ኣብ ከተማ ዙሪክ ክብርቲ

READ MORE

ቁጽሪ ናይቶም ብ19 መስከረም ኣብ ከተማ ሰንዓፈ ብነታጕ ዝሞቱ ሲቭል ኤርትራውያን ናብ ሸውዓተ ክብ ከም ዝበለ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። ኣቐዲሙ ብመርበብ ሓበሬታ ኣሰና ከም እተገልጸ፡ ኣብ ከተማ ሰንዓፈ ናብ ቀብሪ ትጓዓዝ ዝነበረት መኪና ብነታጕ ድሕሪ ምህራማ ብኡንብኡ 5 ሰባት ክሞቱ ከለዉ እቶም ድሕሮም ዝሰዓቡ ክልተ

READ MORE