Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

San DThanksgiving 2010 ውድድር ኩዑሶ ኤርትራውያን ኣብ ምጭውቲ ከተማና ሳንድያጎ ካሊፎርንያ ብኣዳላዊት ጋንታ ሳንድያጎ ካብ ዕለት 26-27 ኣብ ወርሒ November ክካየድ ከምዝኾነ ንኹለን ተሳተፍቲ ጋንታታትን ኣፍቀርቲ ስፖርትን ክንሕብር ንደሊ።

dawitኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ኣፍቶን ብላደት ዝተባህለ ጋዜጣ ልኡኽ ናብ ኣስመራ ኸይዱ፡ እቲ ጋዜጠኛ ካብ ሽወደን ክብገስ እንከሎ ንሰበ ስልጣን መላኺ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ክዘራረብ ብፍላይ ምስ ፕረሲደንት ቃል መሕተት ከካይድ ከም ዝዀነ ተፈሊጡ ቆጸራ ተታሒዙ ምስ መሳርሕቱ ተበጊሱ።

isaiasዝኸበርኩም ኣባላት መሰጋገሪ ማእከላይ ባይቶ፣-

ፈለማ ናይ ቃልስን ጽንዓትን ሰላምታይ ብምቕዳም ኣብ እተሰላስልዎ ሃገራዊ ዕማም ዓወት እምነየልኩም፣፣ ቀጺለ ነዛ ቅልዕቲ ደብዳበ ክጽሕፈልኩም ዘገደደኒ ምኽንያት ከምቲ ኩላትና እንፈልጦ ብመሰረት እቲ ኣብ ምትሕንፋጻዊ ኮንፈረንስ ሰልፍና ዝተኣትወ ውዕል፣ እዚ መሰጋገሪ ማእከላይ ባይቶ ሰልፍና ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ሰለስተ ወርሒ ብኣቦ-መምበር ሰልፊ ብፓልቶክ ኣኼባ ክግበረሉ ዝብል ኢዩ ዝነበረ፣

Amanuel Sahleብዛዕባ ብፓይሎታታን ብሆስተሳታን እተጨውየት ነፋሪት ዚሕብር ዜና ሰሚዕኩምዶ ትፈልጡ? ኣይመስለንን። ከምዚ ዝበለ ኣጋጣሚ ኣብ ዓለምና ልሙድ ኣይኮነን፡ ከመይሲ ከምዚ ዚገብሩ ፓይሎታት ሕሙማት ጥራይ ኢዮም ኪኾኑ ዘለዎም።

NCኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንኩሉኹም ግዱሳት ደለይቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ዚኾንኩም ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ በርሚንግሃምን ከባቢኣን ናብ ዘዳለናዮ ህዝባዊ ኣኼባ ንቀዳም 23/10/2010 ትዕደሙ።

iSUኣብ’ዚ ዝሓለፈ ቅንያት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ነታ መራሒት ናይ’ቲ ዝዓበየ ተቓዋሚ ውድብ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረት ብርቱካን ሚደግሳ፡ ንኻላኣይ ግዜ ምሕረት ሂቡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣሰናቢቱ፡ ከም ኩሉ ኢትዮጵያዊ ዜጋ ብናጽነት ክትነብር ዲሞክራሲያዊ መሰላ ብምኽባር ነጻ ሰዲድዋ።

MarathonSaturday, October 16, Nanning, China’s growing metropolis in the Guangxi region, will receive the elite runners. The World semi Marathon will be hotly contested, since all the top names of the distance are announced. The match Kenya – Ethiopia-Eritrea promises to be of an exceptional level.

Sandiagoእቲ ንዓመታት ብምስምስ ሃገራዊ ክተትን መኸተን ካልእ ውዲታዊ ወፈራታትን፡ ግዜኡን ገንዘቡን እናመዝመዙ ኣብ ነንሕድሕዱ ከይራኸብን ከይዋሳእን ከኣ ብወገንን ሃይማኖትን ፈላልዮም ኣኣብ ገዝኡ ተወሲኑ ክነብር ተገይሩ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ከተማ ሎስ ኣንጀለስን ከባቢኡን ትማሊ ቀዳም 9 ጥቅምቲ 2010 ብጉዳይ ሃገሩ ንኽላዘብ ልዕሊ 7 ሰዓታት ዝወድኤ ኣኼባ ገይሩ ውዒሉ።

waelaኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብቲ ካብ 31 ሓምለ ክሳብ 09 ነሓሰ 2010 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጋብአ ዕውት ሃገራዊ ዋዕላ ዝተመዘዘ ኣካል ምዃኑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።

Source: Human Rights Watch (HRW)

(Geneva, October 8, 2010) – Egypt, the new chair of the UN refugee agency’s governing body, should immediately end its policy of shooting foreign nationals trying to cross from Egypt into Israel, Human Rights Watch said today in a letter to the Egyptian authorities.

Alena 12ሕቡእ ታሪኽ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምጅማሩ’ምበር ኣብዚ ግዜ’ዚ ምውድኡ ዝከኣል ኣይኮነን። እቶም ክሳብ ሎሚ ሰሚዕናዮም ዘለና ጉዳያቱ ከኣ ካብ ግምጃ እከይ ተግባራቱ ሓደ ዕሽር ጥራይ ኢዮም፣ ትሽዓተ ዕስሪት (9/10) ድማ ተሪፎሙና ኣለዉ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን።

 

ስርዓት ህግደፍ ኣብዚ ቕንያት’ዚ ማእከሎት ሓለፍቲ ዝርከቡዎም፡ ኣብ መንግስቱ ከገልግሉ ዝጸንሑ 30 ተጋደልቲ ነበር ከምዝኣሰረ ምንጭታት ሓቢሮም።

mesfunንዕለት ሰንበት 17 ጥቅምቲ 2010 (October Sunday 17, 2010)

ክቡር አቶ መስፉን ሐጎስ ላዕላዋይ አባል መሰጋገሪ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ አብ ከተማ ሳን ድየጎ ሰፊሕ ህዝባዊ አኼባ ከካይድ ኢዩ።

mesfnንዕለት ሰንበት 17 ጥቅምቲ 2010 (October Sunday 17, 2010)

ክቡር አቶ መስፉን ሐጎስ ላዕላዋይ አባል መሰጋገሪ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ አብ ከተማ ሳን ድየጎ ሰፊሕ ህዝባዊ አኼባ ከካይድ ኢዩ።

ማርሕበረኮም ኤርትራውያን አብ ሳንታ ክላራ ካውንቲ አብ ክፍለ ግዝኣተ ካሊፎረንያ ትማሊ 03 ጥቅምቲ 2010 ናይ’ቲ አብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ዝኸፈቶ ሓዲሽ  ኮማዊ ማእከል (ኮሚኒቲ ሰንተር ) ናይ ምምራቕ ስነ ስራዓት ብዓቢ ደምቀት አካይዱ።

asmeraኣስመራ ቅርጥውትንን ጽብቕትን ብምዃና ተፈታዊት፡ ደቃ ገያሾ ብምዃና ከኣ ተናፋቒት እያ። ዘይውዳእ መገሻ ‘ወ፡ ትማሊ ንሜዳ፡ ሎሚ ኸኣ ንስደት። ፍቕራ ግን ወትሩ ኣብ ልብና ‘ሎ። ትማሊ ከነድሕና ንሜዳ ክንወፍር ከለና ተማሊእናዮ፡ ሎሚ ኣብ ጉዕዞ ስደት ‘ውን ኣይሓደግናዮን፡ ምሳና ‘ሎ።

ኣማኑኤል ሳህለሓቂ ክብርትን ብቐሊሉ ዘይትርከብን ጥሪት ስለ ዝኾነት፡ ብቝጠባ ክንጥቀመላ ይግበኣና። ስለዚ ኣብ ሓደ ብሓሶት እተጋዕተ ምግቢ፡ ቅሩብ ጨው ሓቂ ፈይ ኣቢልካ እንተ ዘይኮይኑ፡ ንሓቂ ብኹላ ብሓደ ግዜ እንተ ደኣ ተጠቒምካላ፡ ቀልጢፋ ኢያ እትውዳእ።

ሓው ፍስሓ ናይር በቲ ዘይብልና ዲና ንሓስብ ዘለና። ዋላስ በቲ ዘሎና ኢና ንሓስብ ዘለና። ወይ ‘ውን ብኽልቲኡ፣ ኣስተብህል’ሞ ለይትን መዓልትን በቲ ዘይብልና ነገር ስለ ዘማረርና እንታይ ከነተግብር ንኽእል?

Hopitalsዓብላሊ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ቅድሚ ሓያለ ኣዋርሕ ዝጀመሮ ዕማም ምዕጻው ብሕታዊ ኣብያተ ሕክምና ከም ዝፈጸሞ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። በቲ ሓበሬታ መሰረት፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኩለን እተን ብገንዘብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝህባ ዝነበራ ኣብያተ ጥዕና ደው ኢለን ኣለዋ።

ዝሓለፈ ሰንበት 26 መስከረም አብ ከተማ ከሎን ዕቱብ ኣኼባ ንተቐማጦ ምምሕዳር ቨስቲፋልያ ተኻይዱ፡፡ ነቲ ኣኼባ ዝጸውዐት ሽማግለ እታ ዝነበረት ናይቲ ቦታ ተሓጋጋዚት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ዋዕላ ነይራ፡፡

Bay Areaክቡራትን ክቡራንን ነበርቲ በይ-ኤያን ከባቢኡን ብመጀመርያ ዕዙዝ ሃገራዊ ሰላምታና ነመሓላልፍ። ኣስዒብና ነዚ ዝስዕብ ኣገዳሲ ህዝባዊ ጸዋዒትና ኣኽቢርኩም ኣብ ኦክላንድ በይ-ኤርያ በዚ ኣብ ታሕቲ ተጠቂሱ ዘሎ ኣድራሻን ዕለትን ኣብ ዝግበር ህዝባዊ ኣኼባ ንክትርከቡ ብኽብሪ ንጽውዕ።