Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሰብ ብተስፋ’ዩ ዝነብር። ትስፉውን ጽቡቕን መጻኢ ክህልዎ ካብ ዘለዎ ድልየት ተበጊሱ፡   ንሂወቱን መንብሮኡን፡ ብኽርእዮን ከማዕድዎን ዝኽእል ተስፋ’ዩ ዝመዝኖ። በዚ ምኽንያት’ዚ ኸኣ ኢና፡ ነዚ ኣብ ልዕለና ተኾይጡ ዘሎ ግዕዙይ ምሕደራ ዘኸተሎ ሓለት ክንገልጾ እንኮሎና፡ ዋላ ንእሽቶይ ተስፋ ዘይትርእየሉ ጸልማት መጻኢን መንብሮን’ዩ ኢልና ፍርድና ነቐምጠሉ።

ንናይ ውሽጢ ምንጭታት መሰረት ዝገበረ ሓበሬታ ከም ዝእምቶ ዘሎ ሓንቲ ካብ ምድረ ፓኪስታን ተበጊሳ ናይ ፓናማ ባንደራ እናንበልበለት ናብ ወደብ ባጽዕ እትጓዓዝ ዝነበረት ዝተፈላለየ ዓይነት ኣጽዋር ከም ዝጸዓነት ዝንገረላ ዘሎ MV-SUEZ ዝመጽዓኒኣ ብናይ ግብጺ ኩባንያ “ሸርክ-ጋት” እትውነን መርከብ ብዕለት 02 ነሓሰ 2010 ከባቢ ሰዓት 5።30 ናይ ወጋሕታ ኣብ ከባቢ ወሽመጥ ዓደን ከም ዝተጨውየት ክረጋገጽ ተኻኢሉ ኣሎ፣

  ኣቦታት ክምስሉ “ መኺርካ ዝገበርካዮን ኣድቒኻ ዝመተርካዮን እቲ ኣይሓምቅ እቲ ድማ ኣይሓንቅ ይብሉ።” ስነ-ፍልጠታዊ ሓቂ’ውን እንተኮነ ሓደ ሽግር ዝዓበይ እንተዓበየ ዝበርትዔ እንተበርትዔ እቲ ቀንዲ መፍትሒኡ ንምፍትሑ ድልው፡ ኣብ ባይታ ኣወሪድካ ክትዝትየሉ ከኣ ቁሩብ ምዃንን ኢዩ።

EGSነዚ ዕድል እዚ ተጠቒምና ነቲ ብእኩብ ይኹን ብተናጸል ኣብ ሃገርና ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ርትዓዊ ዝኾነ ፍታሕ ከተውሕሱ ከይተሓለልኩም ብጽንዓትን ብተወፋይነትን እተካይድዎ ዘሎኹም ቃልሲ ከነመጉስ ንፈቱ።

Conferenceኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ርክቡ፣ ሃገራዊ ዋዕላ ንደምክራሲያዊ ለውጢ፣ ኣብ ምምራጽ ኣጀንዳ ዋዕላ እትመርሕ ሰክረታርየት ኣተወ። ተሳተፍቲ ዋዕላ በዚ ጉዳይ እዚ ሓያል ክትዕ ኣካይዶም። ብዛዕባ ምምራጽ ሰክረታርያ ዋዕላ ተሳተፍቲ ብዙሓት ርእይቶን ሓሳባትን ኣፍሲሶም።

asena31-07-2010/Addis Ababa: Today’s the grand opening of the waa’la without exaggeration was great and inspiring.   I will be brief,  first, we had a lively demonstration that was focused on refugees which brought up all waa’la participants of diverse background together in highly excited mood and frankly the demonstration did highlight Eritrean diverse culture, ethnic, language and etc..

Saturday, 31 July 2010

 AUIn its July 30, 2010 “A Week in the Horn” report, Ministry of Foreign Affairs (MoFA) raised issues on  the Fifteenth Assembly of the Heads of State and Government in Kampala,  the decisions on Somalia, Terrorism,   a consultative meeting of The US on Somalia,   and the “Constructive disengagement” and the abandonment of Somalia to Al-Shabaab

ኣቐዲመ ብስም እቲ ኵሉ ዝከኣሎ ኣምላኽ እንቋዕ ብሰላም ኣብዚ ቦታ በጻሕኩም እናበልኩ ምዉቕ ሰላምታይ ኣመሓልፈልኩም፡፡ ኣስዒበ ኸኣ ነቲ ሰናይን ቅዱስን ጻዕሪኹም ብሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ንምዕዋት፡ድኻማትኩምን ክሳራታትኩም ኣብ ግምት ከይኣእተኹም ንህዝብን ሃገረን ንምድሓን ባሕሪን በረኻን ሰጊርኩም ብደሓነ ሰላም ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ምብጻሓኩም ዝስምዓኒ ሓጐስ ወሰን የብሉን።

ኣመሪካን ካናዳን ነቶም ካብ ኤርትራ ብምምጻእ ፈስቲቫላት ህግደፍ ዘዳምቑ ዝነበሩ ደረፍትን ሙዚቀኛታት መእተዊ ቪዛ ስለዝኸልከላኦም፡ ኣዳለውቲ ፈስቲቫል ህግደፍ ኣብ ኣመሪካ ዝቕመጡ ደረፍትን ሙዚቀኛታትን ኣኻኽIቦም ነቲ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ክካየድ መዲቦሞ ዘለዉ ፈስቲቫል ክጽግኑዎ ሸበድበድ ይብሉ ከምዘለዉ ምንጭታት ካብ ሰሜን ኣመሪካ ሓቢሮም።

ኣመሪካን ካናዳን ነቶም ካብ ኤርትራ ብምምጻእ ፈስቲቫላት ህግደፍ ዘዳምቑ ዝነበሩ ደረፍትን ሙዚቀኛታት መእተዊ ቪዛ ስለዝኸልከላኦም፡ ኣዳለውቲ ፈስቲቫል ህግደፍ ኣብ ኣመሪካ ዝቕመጡ ደረፍትን ሙዚቀኛታትን ኣኻኽIቦም ነቲ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ክካየድ መዲቦሞ ዘለዉ ፈስቲቫል ክጽግኑዎ ሸበድበድ ይብሉ ከምዘለዉ ምንጭታት ካብ ሰሜን ኣመሪካ ሓቢሮም።

እቲ ብ11 ሓመለ ኣብ ካምፓላ ኡጋንዳ፡ ብሶማላዊ ጉጅለ ኣሸባብ ኣብ ኡጋንዳ ዝተፈጸመ ኤርትራውያን ዝርከቡዎ 76 ሰላማውያን ሰባት ዝለከመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ፡ ንኤርትራ ገዲፍካ ንመላእ ኣፍሪቃ ከምዘሕበራ ክርስትያን ሳይንስ ሞኒተር ኣብ ዘመሓላለፎ ዜናዊ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ሃገራዊዋዕላ ክዕወት ይግብኦ፡ ንምንታይሲ ዓወት ሃገራዊ ዋዕላ ማለት፡ ኤርትራውያን ናይ ፖለቲካ ውድባት፡ በርገሳውያን ማሕበራት፡ ውልቐሰባትን ናይ ሃይማኖት መራሕትን ኣብ ታሪኾም ንመጀመርታ ግዜ ብልዙብን ለባምን መንገዲ ዘሰማምዕዎምን ዝፈላልይዎምን ነጥብታት ኣለልዮም፡ እቲ ንኹሉ ክሓቁፍ ዝኽእል ሓባራዊ ርድኢት መወከሲ ገይሮም ንድሕነት ሃገር ተበጊሶም ማለት ኢዩ።

(ብሃብተጽዮን ተወልደ – ሎንደን)

ብጸዓት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳንን፤ ሲቪካውያን ማሕበራትን፤ ተባዓት ግዱሳት ሃገራውያንን ኣብ ድሮ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንርከብ ኣሎና። ነዚ ኣገዳሲ ተረኽቦ ኣብ ግምት ብምግባርን፡ ንናይ ለውጢ ኣኽእሎታት ብድሕሪ ምምዛን፡ ብመንጽር ዝጓነፉና ፈተናታት ትጽቢትና ካብ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ክትንትን ክፍትን እየ።

Ugandaብ11 ሓመለ ኣብ ኡጋንዳ ክልተ ቦታታት ኣሸባብ ብዘካየዶ ነብሰቕትለታዊ መጥቃዕቲ ቁሲሎም ‘ኢንተርናሺናል ሆስፒታል ኣብ ዝብሃለ ሕክምና ተዓቝቦም ዝነበሩ 6 ኤርትራውያን እቶም ኣርባዕተ ደቂ ተባዕትዮ፡ ኩነታት ጥዕናኦም ተመሓይሹ ካብ ሕክምና ክወጹ ከለዉ፡ ሓንቲ ሩታ እትብሃል ግዳይ ንራብዓይ ግዜ መጥባሕቲ ተገይሩላ ገና ኣብ ሕክምና ተዓቝባ ከምዘላ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

ሓይልታት ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ምስ ሰበስልጣን ጸጥታ ሱዳን ብምትሕብባር ንመላኺ ስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ሱዳን ንዝኣተዉ ኤርትራውያን ይጨውዩ ተተሓሒዞሞ ከምዘለዉ ምንጭታት ካብ ካርቱም ሓቢሮም።

Amanuel Eyasu እቲ ሕድሪ ህዝብን ሃገርን ጠሊሙ፡ ንጸሓይ ሃገርና ኣብ ምብራቓ ዘዕረባ ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዘመንጨዎ ፖለቲካዊ ቅልውላው፡ ደረቱ ሓሊፉ መቐጸልታ ኣብ ዘይብሉ ጥርዚ በጺሑ ከምዘሎ ዝጋየሾ ኤርትራዊ የልቦን።

EYGMህዝቢ ኤርትራ ንዘመናት ተቓሊሱ ናጽነቱ ክጭብጥ ከሎ ትምኒቱ ዝነበረ ብእፎይታ ኣብታ ዝፈትዋ ክብርቲ ሂያብ ስውኣት ሃገሩ ተሓቓቒፉ ክነብር ዝተሰደደ ዓዱ ክምለስ ጽሩይ ኣየር ከስተንፍስን እዩ ኔሩ እቲ ሕልሙ።

Eritrean national football team11 ኣባላት ናይታ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ታሕሳስ 2009 ንስርዓት ህግደፍ ብምንጻግ ኣብ ኬንያ ዝተረፈት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብመንግስቲ ኣውስትራልያ መሰል ፖለቲካዊ ዑቕባ ድሕሪ ምርካቦም ኣብ ኣውስትራልያዊት ከተማ Adelaide city ብሰላም ከምዝኣተዉ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።