ቀዳም 6 ጥቅምቲ 2007፣ ስነ ስርዓት ቀብሪ ናይ መንእሰይ ነጋዳይ ኣቶ ፍቕረማርያም ዓንደማርያም ዝተባህለ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ተኻይዱ። እዚ ቀብሪ ቅድሚ ሕጂ ምስቲ ናይቲ ህቡብ ድምጻዊ ሓርበኛ የማነ ገብረሚካኤል፣ ከምኡውን ናይ ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም ብዝመሳሰል ተጌሩ ክበሃል ይከኣል።

Eመንግስቲ ኢትዮጵያ ንስምምዕ ሰላም ኣልጀሪስ ንኹሉ ወይ ብኸፊል፡ ንግዚኡ ወይ ንሓዋሩ ክስርዞ ይሓስብ ምህላው፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ከምዘፍለጦ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

እዚ ሰለ ዝኾነ ከኣ እቲ ኣሜርካ ወጢኖሞ ዘለው ውሳኔ ንመንግስቲ ኤርትራ ናብ መወልቲ ግብረ ሽበራ ምስራዕ ንጭኹን ህዝቢ ኤርትራ ዝምልከት ከምዘይኾነ ኩሉ ክፈልጦ ዘለዎ ሓቂ’ዩ ፡፡ ውልቀ ሰብ ወይ ጉጅለ ወይ ድማ ስርዓት ኣካል ግብረ ሽበራ ክኸውን ይኽእል’ዩ  ህዝቢ ኤርትራ ግን ኣካል ግብረ ሽበራ ክኸውን ኣይክእልን እዩ ፡፡

kidanወዲ መሓመድ ኣብ ልዕሊ ‘ቲ ተሓቢኦምሉ ዘለዉ ከውሒ ኮይኑ፡ ሃንደበት ስምብድ ኢሉ፡ “ እስከ እስከ ወዲ ሕድሩ ጢን በል ደረባ ይሰሚዐይ” ብየማናይ ኢዱ ንወዲ ሕድሩ እናተንከፈ በቲ ሓደ ጉምቦ ኢዱ ኣእዛኑ ደጊፉ ዝያዳ ንኽሰምዕ ጽን ይብል።